Blekinge län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣውራጃ ብለኪንገ፡ ብቕርበቱ ናብ ሃብታም ተፍጥሮኣዊ-ከባቢ፡ ባሕርን ደሴታትን ዝፍለጥ ኣውራጃ እዩ። እዚ ኣውራጃ’ዚ፡ ንኣርባዕተ ምምሕዳራት ማለት፡ ካርስልክሩና፡ ሮነቢ፡ ካርልስሃምን ሶልቨስቦርን ከምኡ ውን ኣብ መሬታዊ ክፋል ናይቲ ኣውራጃ ዝርከብ ምምሕዳር ከተማ ኡሉፍስትሮምን የጠቓልል። እቲ ኣውራጃ ኣስታት 153000 ነባሮ ኣለዉዎ። ኣውራጃ ብለኪንገ ጥቃዴንማርክ፡ ጀርመን፡ ዞባ ባልቲክን ምብራቕ-ኣውሮጳን ይርከብ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Blekinge län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Blekinge län ምረጽ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

እተን ንኣውራጃ ብለኪንገ ዘቑማ ከተማታት፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ተደኲነን እየን ዝርከባ። ሓባራዊ መለለዪ ናይዘን ከተማታት ከኣ፡ ቅርበት ናብ ኩሉ ኣድላዪ ነገራት እዩ።

እዘን ከተማታት፡ እዚኣተን ማራኺ ዝኾነ መንበር-ከባቢታትን ምስ ከባቢ ዝተኣሳስረን ስሉጥ ኣገልግሎት መጎዓዝያን ኣለውን። ኣብዚ ኣቅራጃ'ዚ፡ ኣብተን ዝተፈላለያ ደሴታት ዝንብሩ ናይ ኣርኪፐላጆ ዝጠምረን ንኡሳን-ሕብረተ-ሰባት ኣብ ምምዕባል ይርከባ። ካብን ናብን እዘን ደሴታትን ናብ ንግዳውን ባህላውን ማእከላት ናይቲ ዞባ መጎዓዝያ ብነኣስሽቱ ጀላቡ ይሳለጥ። ኣብ ጫካ፡ ኣብ መሬታዊ ክፋል ናይቲ ዞባን ዝነብሩ ተቐማጦ ውን ኣብዚ ዞባ'ዚ ኣለዉ።

ከተማታት ኣውራጃ ብለኪንገ፡ ሓደስቲ ይስሕባ ጥራይ ዘይኮናስ ብደስታ ውን ይቕበላ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ኣውራጃ ብለኪንገ፡ ድልዱል ኢንዱስትርያዊ ሰረትን ታሪኽን ዘለዎ ዞባ እዩ። ኣብ ካልእ ጽላታት ዝነጥፋ እናዓበያ ዝመጽኣ ዘለዋ ትካላት ውብ ኣብዚ ቦታ ይርከባ እየን። እቶም ዝዓበዩ ወሃብቲ-ስራሕ ኣብዚ ዞባ፡ ምምሕዳር ዞባን ኮሙናትን እዮም። ኣብ ኣውራጃ ብለኪንገን ኣዝየን ህቡባት ዝኾና፡ ትካላት ከም፡ ቮልቮ፡ ኤርክሰን፡ ኦ.ቢ.ቢ፡ ታርኬት፡ ዲናፓክ፡ ሮቴክስ፡ ኣውራላይት፡ ኦኣርሁስ-ካርልስሃምን፡ ተለኑርን ሳብን ይርከብዎም። ወተሃደራዊ-ትካል ሃገረ ሽወደን ኣብዚ ቦታ ድልዱል ሰረ-ህላዌ ኣለዎ። እቲ ኣብ ካርልስክሩና ዝርከብ መድበር ሓይሊ-ባሕሪ ከምኡ ውን ኣብ ሮነቢ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየርን ገለ ህላዌ ወተሃደራዊ ትካል ሽወድን ኣብዚ ኣውራጃ ዘንጸባርቕ እዩ። ኣብ መንጎ ከተማታት'ዚ ዞባ ዘሎ ርሕቀት ነዊሕ ዝለዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ'ዝን ከተማታት ብስራሕ ንምንቕስቓስ ስሉጥ ይገብሮ።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

እታ ኣብዚ ኣውራጃ እትርከብ ዩኒቨርስቲ ብለኪንገ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብቲ ቦታ ጸብለ ዝበለት ማእከል ላዕለዋይ መኣዲ-ትምርህቲ እያ። ተክኖሎጂን ተበላሓትነትን ንዘላቂ-ዕብየት ዝውዕለሉ መንገዲታት ምድህሳስ፡ ዓንዲ-ሕቆ ናይቲ ኣብዛ ዩኒቨርስቲ ዝወሃብ ትምህርቲ እዩ።

ብዜካ'ዚ ኣብዚ ዩኒቨርስቲ'ዚ፡ ቴክኒክን፡ ሓበሬታዊ-ተክኖሎጅን ምስ ካልኦት ዓውድታት ከም ስነ-ቁጠባ፡ ንድፊ (ዲዛይን)፡ ጥዕናን፡ ክንክንን ምስ ካልኦት ማሕበራዊ ዓውድታት ፍልጠትን ዝዋሰበሉ መንገዲታት ንምንዳይ ዝዓለመ፡ ትምህርትን መጽናዕትን ውን ይካየድ እዩ።

ዩኒቨርስቲ ብለኪንገ፡ ኣብ መዳይ ቴክኒክ ሶፍትዌራትን ዘላቒ-ምዕባሌን ሓደ ካብቶም ዝበለጹ ዩኒቨርስታት ዓለምና ሓደ እዩ። ሰለስተ ርብዒ ንጥፈታት ናይ'ዚ ዩኒቨርስቲ ምርምር የጠቓልል።

ኣገልግሎት ጥዕና

ኣብ'ዚ ኣውራጃ እትርከብ ጥዕናዊ-ማእከል፡ ሆስፒታል-ብለኪንገ ትበሃል። ማእለክ ንጥፈታት ናይ'ዛ ሆስፒታል፡ ኣብ ከተማታት ካርልስክሩናን ካርልስሃምንን ይርከብ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ'ዛ ሆስፒታል ኣብ'ዚ ዝስዕብ መርበብ-ሓበሬታ (1177 Vårdguidens webbplats, 1177.se) ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታ።ዚ ኣድራሻ ሆስፒታላት፡ ሓበሬታ ብዛዕባ ሕማማትን ኣፈዋውሰኦምን ውን ትረኽቡ። ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ኣውራጃ ብለኪንገ፡ ብምእታውን ኣንብቡ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ኣብ ኣውራጃ ብለኪንገ፡ ከባብያዊ-ተፈጥሮ ኣብ ጥቓኹም እዩ። ብርክት ዝበሉ ኣብ ዕረፍቲ ዝካየዱ ንጥፈታት ውን ንኣብቲ ቦታ ብዙሓት እዮም። እዚ ኣውራጃ ብርክት ዝበለ ክርአ ዝግባእ ባህላዊ ማእከላት ኣለዎ። እቲ ብኦርሎግስታደን ዝፍለጥ ኣብ ከተማ ኣክርልስክሩና ዝርከብ ታሪኻዊ ቦታ ውን፡ ኣብ መዝገብ ዩነስኮ ናይ ታሪኻዊ ውርሻታት ዓለማና፡ ዝሰፈረ እዩ። እቲ ብሮነ-ፓርክ ዝፍለጥ፡ ኣብ ሮነቢ ዝርከብ መነፈሻ ውን እንተኾነ ሓደ ካብቶም ኣብ ሽወደን ዝርከቡ መናፈሻታት ዝጸበቐ መናፈሻ እዩ። ስነ-ጥበብ፡ ሙዚቃን ትያትርን ውን ገለ ካብ ጸጋታት ናይ'ዚ ኣቅራጃ እዩ። ነቶም ኣብዚ ዞባ ዝርከቡ ኣብያተ-መዘክር ብዝምልከት ንኣብነት ቤት-መዘክር ባሕርን ቤት-መዘክር ብለኪንገን ክጥቀሱ ይኽእሉ።