Habo

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ሃቦ ኮምዩን ነንሕድሕድና ንተኣማመንን ንከባበርን። ኣብዚ ኩሉ ሰብ ቅሳነት ይስምዖ ኣብቲ ንደቡብ 20 ኪሎመተር ዝርሕቀቱ ዮንሸፒንግ ዝተጓነፎ ኩሉ ድማ የካፍል።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

እቲ ኩነታት እዩ ከምኡ ዚገብረና፤ ንእሽቶ ግን ዚሰፍሕ ዘሎ ኮምዩን ጥቓ ዮንሸፒንግ: እተፈላለየ ዋኒናት: ግሩም ቦታ ኣብ ደቡብ ቨተርቢግደን: ህጻናት ዚፈቱ ከባቢ። ብዙሓት ቆልዑ ዘለዎም ስድራቤት ኣብ ኮምዩንና ኪነብሩ ይመርጹ: ስለዚ ነቲ ናይ ኮምዩንና ክንክን ህጻናት: ቤትትምህርቲ: መገድታት ቢሺግለታ ብዙሕ ወጻኢታት ኢዩ ዚግበረሉ። ስለዚ ኣብቲ እንገብሮ መደባት ናጻ ምርጫ ዓቢ ሚዛን እዩ ዚወሃቦ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ሃቦ ኮምዩን ጽቡቕ ናይ መንበሪ ሃዋህው ኣሎ: ደስ ዘብል ተፈጥሮን: ናብ ቤትትምህርቲ ዝቐረበን ከኣ እዩ። መብዛሕትኡ መንበሪ ኣባይቲ ቪላታት እዩ። እቲ ናይ ኮምዩን ትካል መንበሪ ኣባይቲ Habo Bostäder AB ንመብዛሕትኡ ናይ ሃቦ ኮምዩን ዚካረ ኣባይቲ ይውንኖ እዩ። መብዛሕትኦም ዚካረዩ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ከተማታት ፍሩሸ: ብራንድስቶርፕን ባስካርፕን ይርከቡ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ሃቦ ኮምዩን ብዙሓት ተቐማጦ ብዘይካ ሽወደን እተፈላለየ ቋንቋታት ይዛረቡ፤ ዓረብ: ዳሪ: ሶማሊኛ: ትግርኛ: ታይላንድ: ሆላንድ: እንግሊዝን ሩስያን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሃቦ ኮምዩን እተፈላለያ ማሕበራት ኣለዋ፤ ኣብ föreningsregistret 92 ማሕበራት ኣለዋ: ከም ናይ ምፍጣር ማሕበር: ናይ ስፖርት ማሕበርን ካልኦት ናይ ኣብያተክርስትያን ማሕበራትን።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሃቡ ኮምዩን ንጡፍ ማእከል ከተማ ኣሎ። ብተወሳኺ ናይ ዓቢ ከተማ ሂወት ከተስተማቕር እንተ ደሊኻ ናብ ዮንሸፒንግ ቅሩብ ደቓይቕ እዩ ዚወስደልካ። ኣብ ማእከል ሃቡ ክልተ ግሮሰሪ: ሓያሎ ናእሽቱ ድኳናት: ቤት ንባብ: ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕን ናይ ስደተኛታት መቐበሊ ዘለዎ ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ቤት ጽሕፈትን ኣሎ። ኣብ ሃቡ ክልተ ዘገልገለ ኣቕሑትሓንቲ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ትኽፍት ኤሪክስየልበን (Erikshjälpen) እትባሃል ዘገልገለ ኣቕሑ ትሸይጥ ድኳን ኣላ።

ሃቦ ኮምዩን ኣብ ብመሬት ኣብ ቨስተርዮትላንድ ትርከብ ግን ናይ ዮንሸፒንግ ወረዳ እያ። እቲ ኮምዩን እናዓበየ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ናብ ባሕሪ ናብ ቨተርን ዚጥምት መሬት ኣዚዩ ሰሓቢ ብምዃኑ ሰባት መሬት ንምግዛእን ገዛ ንምስራሕን ሪጋ ይሕዙ።

ብወገን ቱሪዝም: ሃቦ በቲ ናይ ዕንጸይቲ ቤተክርስትያና ኣዚያ ፍልጥቲ እያ። ደቂ ሃቦ በታ ቤትክርስትያን ኣዚዮም ኩሩዓት እዮም።

ኣብ ሃቦ ኩሉ ብንኡስ መጠን እዩ። ናብ ተፈጥሮ ምኻድ ቀሊል እዩ ወይ ንበይንኻ ሰላም ንኽትረክብ: ወይ ድማ ምስ ብጻይካ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ሃቦ ኮምዩን ኣብ ሰለስተ መደባት እተኸፍለ 11 ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣሎ።

እተን ብኮምዩን ዘይኮነስ ብኻልእ ዝመሓደራ መውዓሊ ህጻናት፡ ናይ ግሊ (fristående) መውዓሊ ህጻናት ይብሃላ። ኣብ ሃቡ፡ ብሃቡ ኮምዩን ዘይኮነ ብኻልእ ዝመሓደራ ካልኦት ኣርባዕተ መውዓሊ ህጻናት ኣለዋ። ክልተ ካብኣታተን ናይ ክርስትና ኣካይዳ ኣለወን: መራሕተን ድማ ሳለምሺርካን ስሚርናሺርካን እየን። እተን ክልተ ካልኦት ናይ ብሕቲ ትካል እየን: ኡፕተካረን ሞንተሶሪ መውዓሊ ህጻናትን ኣቨንትይረት መውዓሊ ህጻናትን።

ሃቡ ኮሙን ባዕላ ትውንኖ ዝኾነ ክፉት መውዓሊ ህጻናት የብላን። ይኹን'ምበር ኣብዚ ኮሙን ስቨንስካ ሽይርካንን (Svenska kyrkan) ፒንግስትሽይርካንን (Pingstkyrkan) ክፉት መውዓሊ ህጻናት ኣለወን።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ሃቦ ንደቂ 6-15 ኣብያተትምህርቲ ኣሎ። ንደቂ 11-18 ዘገልግል ምሸት ዚኽፈት መዘናግዒ ቦታ ድማ ኣሎ። ኣብ ናይ ሃቦ መባእታ 7 ኣብያተትምህርቲ ኣስታት 1500 ተመሃሮ ኣለዉ። መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣብ ኣርባዕተ መደባት ይኽፈሉ።

ኣብ ገዝኦም ብዘይካ ሽወደን ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ተመሃሮ ብቛንቋኦም ትምህርቲ ይወሃቦም። እዚ ነቶም ቆልዑ ንቋንቋኦም ኪመልኩን ብዛዕባ ባህሎም ኪፈልጡን ይሕግዞም።

ደቂ 16 ንላዕልን ዝዕድመኦም መንእሰያት: ኣብ ከባቢ ሃቦ ኣብ ዘለዋ ከተማታት ከይዶም ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ይቕጽሉ። ዝበዝሑ ናብ ዮንሸፒንግ እዮም ዚኸዱ።

ዕድላት ትምህርቲ

ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ማለት ከም ኤስኤፍኢ ኣብ ዮንሸፒንግ እዩ ዚካየድ። መጠየቕታን ሓበሬታን ኣብ ሃቦ እዩ ዚካየድ።

ዝቐረበ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣብ ዮንሸፒንግ እዩ ዘሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሃቦ ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብኡ ናይ ደቀንስትዮን ህጻናትን ናይ ስንን ክሊኒክ ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ሆስፒታል ወይ ህጹጽ ረድኤት ኣብ ዮንሸፒንግ እዩ ዘሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ሃቦ ኮምዩን ነቲ ብተርጓማይ ዘካይዶ ዝርርብ በቶም ናይ ዮንሸፒንግ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት እዩ ዚገብሮ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ መንጎ ሃቦን ካልኦት ቦታታት ሽወደንን ብባቡርን ብኣውቶቡስን ዚካየድ ጽቡቕ ናይ ትራንስፖርት ንጥፈት ኣሎ። ንኣብነት ሰዓታት ጕዕዞ ዮንሸፒንግ፤

  • ካብ ሃቦ ሰንትሩም: ብባቡር: 13 ደቓይቕ ወይ ከኣ 30 ደቓይቕ ብኣውቶቡስ
  • ካብ ፉሩሾ 50 ደቓይቕ ይወስድ
  • ካብ ብራንድስቶርፕ 1 ሰዓትን 10 ደቓይቕ

ካብ ሃቦ ሰንትሩም ናብ የተቦርይ ብባቡር 1 ሰዓትን 45 ደቓይቕን: ናብ ማልመ ድማ 3 ሰዓታት: ናብ ስቶክሆልም ድማ 3 ሰዓትን 30 ደቓይቕን።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እታ ቀዳመይቲ ኩባንያ ሃቦ ፈየርሁልትስ በሊስኒን አ.ቢ እትብሃል 625 ሰራሕተኛታት ዘለዋ እያ። ኣብ ናይ መብራህቲ ንጥፈታት ድማ ኣዚያ ህብብቲ። ካልኦት ፍሉጣት ኩባንያታት ከኣ: ፖርትሲስተም 2000 አ.ቢ: ብሮጎርድሳንድ አ.ቢን ሲበልኮ ኖርዲክ (ቅድሚኡ ባስካርፕሳንድ)። ኣብ ሃቦ እተፈላለየ ንጥፈታት ዘካይዳ ብዙሓት ነኣሽቱ ዋኒናት ኣለዋ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብቲ ኮምዩን ኣስታት 300 ንጡፋት ዋኒናት ኣለዋ።

መብዛሕትኦም ደቂ ሃቦ ንስራሕ ናብ ቀረባ ኮምዩናት: ንኣብነት ከም ዮንሸፒንግ: እዮም ከይዶም ዚምለሱ።