Skurup

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ስኩሩፕ ኮሙን ኣብ መንጎ ዪስታድን ማልሞን ይርከብ። ንሱ ገጠራዊ ምጩውነት ኣለዎ፡ ንዓበይቲ ከተማታት ድማ ቀረባ እዩ። ናይ ስኩሩፕ ከተማን ሪድስጎርድን ምስ ማልሞ/ኮፐንሃገን/ካስትሩፕን ይስታድ-ሲምሪስሃምን ዘራኽብ ጥቡቕ ናይ ባቡራት መስመራት ኣለዎ። መዓርፎ ነፈርቲ ማልሞ 18 ኪ.መ ርሒቑ ይርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ስኩሩፕ ዝብል ዝተጻሕፎ ሓደ መሓበሪ። እቲ መሓበሪ ብኣትክልቲ ተኸቢቡ ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

ናይ ስኩሩፕ ኮሙን ጥቓ ተፈጥሮ ዝኾነ ሰሓቢ መንበሪ ኣባይቲ ኣለዎ። እቲ መንበሪ ኣባይቲ፡ ቪላን ኣፓርትማን ዝጠርነፈ እዩ። እቲ ናይ ስኩሩፕ ኮሙናዊ ወኪል ገዛውቲ፡ ስኩሩፕስ ሀም ይብሃል።

ሓደ ጐደና ኣብ ስኩሩፕ። ኣብ ጐኒ እቲ ጐደና ዝተዓሸጋ መኻይን ኣለዋ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብቐዳምነት ዓረብን ዳሪን። ምስ ዘድሊ ድማ ትምህርቲ ብኻልእ ቋንቋ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ስኩሩፕ ኮሙን ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ኣሎ። ከምኡውን እተፈላለያ ናይ ስፖርትን ባህልን ማሕበራት ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ናይ ስኩሩፕ ሰንትሩም፡ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ኣሎ፡ ከምኡውን እተፈላለየ ቡቲካት፡ ባንካታት፡ ፋርማሲ፡ ቤትንባብን ፍሉጥ መሐምበስን ወዘተ. ኣሎ። እቲ ዝዓበየ ናይ መግቢ ድኳን ኣብቲ ሰንትሩምን ኣብ ከባቢኡን ይርከብ። ኣብ ከተማታን ሪድስጎርድን ኣበኮስን፡ ድኳናት ኣሎ። ኣብ ኩሉ ቦታታት ድማ ኣብያተመግቢ ይርከብ።

ዕዳጋ ኣደባባይ ኣብ ሓደ ጐደና ኣብ ስኩሩፕ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ስኩሩፕ ኮሙን ብዙሕ ኣጸደ ህጻናት ኣሎ። ናብቲ ኣጸደ ህጻናት ንምእታው ዚወስድ ናይ ምጽባይ ግዜ ሓጺር እዩ። ስለዚ ውላድካ ብቕልጡፍ ኪኣትወልካ ይኽእል እዩ።

ክልተ ናእሽቱ ቀያሕቲ ናይ ኢድ ዓረብያ ኣብ ቅድሚ ሓደ ሳጹን ናይ ሑጻ ኣለዋ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ስኩሩፕ ኮሙን ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ስኩሩፕ፡ ስሊሚንገ፡ ሪድስጎርድን ሺቫርፕን መባእታዊ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ኣብ ስኩሩፕ ናይ ኒልስ ሆልየርሶንስዪምናስየት ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኮምቩክስን ኤስኤፍኢን ኣብ ኒልስ ሆየርሶን ትምህርቲ ንኣባጽሕ ይርከብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ስኩሩፕ ማእከል ጥዕና፡ ክሊኒክ ኣደታት፡ ማእከል ጥዕና ህጻናትን ክንክን ስንን ኣሎ፡ ኣብ ሪድስጎርድን ሺቫርፕን ድማ ማእከል ጥዕና ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ሆስፒታል 24 ኪ.መ ርሒቑ ኣብ ዪስታድ ይርከብ።

ክልተ ብእግሮም ዝዛወሩ ዘለዉ ጽምዲ ኣብ ሓደ ኣርጋፊ ኣግራብ ዘለዎ ዱር ይራኸቡ። እቶም ሓደ ጽምዲ ምስኦም ሓደ ንእሽተይ ጻዕዳ ከልቢ ኣለዎም።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ናይ ተርጓማይ ሓገዝ፤ ብዓረብን ዳሪን ሶማልን ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ስኩሩፕ ክሳብ ማልሞ፡ ዪስታድ፡ ሉንድን ረለቦርይን ግሩም ናይ ባቡርን ኣውቶቡስን መስመራት ኣሎ። ናብ ኮፐንሃገን ስቨዳላን ቀጥታ እትኸይድ ባቡር ኣላ። ብዛዕባ ናይ ስኮነ መጎዓዝያ ሰዓታት ጕዕዞ ብተወሳኺ ኣንብብ።

ሓንቲ ሰማያዊት ባቡር ኣብ ጐኒ ሓደ መድረኽ ደው ኢላ ኣላ። ሰባት ካብታ ባቡር ይወርዱ ኣለዉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እቲ ምስ ከተማታት ዘራኽብ መስመራት ግሩም ብምዃኑ ዝበዝሑ ወሃብቲ ስራሕ ብፐንደልቶግ ወይ ተመላላሲት ባቡር ዚብጽሑ እዮም።