Mark

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ማርክ ሕውነት ዝረኣየለን ዓበይትን ነኣሽቱን ከተማታት ዘለዋ ሰሓቢት ኮምዩን እያ። ኣብዚ ሓድሕድነትናን ዓድናን ደረጃ ህይወትናን ንዕቅቦ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ቅርጻ ፐጋሱስ ኣብ ሺና።

ነቲ ራኢኻ ከትግህዶ ምስ እትደሊ ዝዕምብብ ማሕበራዊ ናብራናን ግሩም ናይ ዋኒን ሃዋህውናን ዓቢ ዕድል ኪህበካ እዩ። ኣብ ማርክ ምስ ተፈጥሮ ተዋሃሂድና ኢና እንነብር። እዚ ናይቲ ጽቡቕ ህይወት ቦታ እዩ!

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ማርክ እተፈላለየ ህንጻታት ኣሎ - ቪላታት፡ ኮምዶሚንዩምን ዝካረ ኣባይትን። እቲ ዝዓበየ ትካል ክራይ ኣባይቲ እቲ ኣስታት 3100 ገዛውቲ ዘለዎ ናይታ ኮምዩን ትካል ኣባያቲ ማርክ ቡስታድ ኣ.በ (Marks Bostads AB (MBAB)) እዩ። ብዛዕባ ማርክስ ቡስታድ ዝያዳ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ወይ ኣብቲ ናቶም ናይ ገዛ ምድላይ ሪጋ ክትኣቱ እንተ ደሊኻ፡ ወይ ኣየኖት ኣባይቲ ናጻ ምዃኖም ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብቲ ናይ ማርክ መንበሪ ኣባይቲ መርበብ ሓበሬታ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ንብሕታውያን ኣካረይቲ እውን ኣብቲ ናትና መርበብ ሓበሬታ ትረኽቦም ኢኻ።

ኣካረይቲ ትካላትን መንበሪ ገዛውትን ርኸብ

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣስታት 15% ተቐማጦ ማርክ ናይ ወጻኢ ድሕረባይታ ዘለዎም እዮም። ብዘይካቲ ናይ ስካንዲነቭያ ቋንቋ፡ ማለት ፊንላንድ፡ ደንማርክን ኖርቨጅያንን፡ ካልኦት ኣብዚ ኮምዩንዚ ዚዝረቡ ቋንቋታት እዚኣቶም እዮም፤ እንግሊዝ፡ ጀርመን፡ ስፓኛ፡ ሰርብያ፡ ክሮኤሻ፡ ዓረብን ሶማልን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ማርክ ኮምዩን ንኹሉ ዘሳትፍ ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ። ኣብቲ ኮምዩን ኣስታት 400 እተመዝገባ ማሕበራት ኣለዋ። ኩላተን ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ደብተር ማሕበራት ክትረኽበን ትኽእል። ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ዝሓልያ ብዙሕ ቤትክስትያናዊ ንጥፈታት ይካየድ እዩ። ቀዪሕ መስቀልን ኤሪክስየልፐን ተመሳሳሊ ንጥፈታት ዘለወን ትካላት እየን።

ሰብ ብሽክለታ ኣብ መጀመሪ መስመር ናይ ዙር ኦረሾን ውድድር ብሽክለታ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ማርክ ኮምዩን ብዙሓት ነኣሽቱ ከተማታት ኣለዋ። እታ ዝዓበየትን ናይቲ ኮምዩን ማእከልን ሺና እያ። ኣብኡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ናይ ዜግነትን ማሕበራውን ቤትጽሕፈት ኣሎ። ኣብ ሺናን ካልኦት ናይቲ ኮምዩን እተፈላለያ ከተማታትን፡ ድኳናት፡ ኣብያተትምህርቲ፡ ቤትንባብን ክንክን ኣረጋውያንን ኣሎ።

ዓበይቲ ኣንስቲ ኣጭርቅቲ ይዕድጋ ኣሎዋ።

ኣብ ኸነ፡ ሩማኒየንሳምሊንገንን ግሩቫን ዚብሃላ ሰከንድሃንድ ድኳናት ኣለዋ። ኣብኡ ናይቲ ኮምዩን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን መሐምበሲ ካስካድን ይርከብ።

ቈልዑ ኣብ መሓምበሲ ኣዳራሽ ካስካድ ይጻወቱ ኣሎዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ቤትትምህርቲ ህጻናት ነቶም 1-5 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት እዩ። ንሕና 34 ናይ ህጻናት ኣብያተትምህርትን ብቑዓት መምህራን ህጻናትን ኣሎና። ብዛዕባ ናይቲ ኮምዩን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ክትረኽቦ ትኽእል። ክፉታት ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣብ ኸነ ይርከቡ። ኣብ ከባቢ ማርክ ናይ ወለዲ ጉጅለ ኣሎ። ነቶም ዓረብ ወይ ሶማሊ ዚፈልጡ ክፉት እዩ።

ብዛዕባ መዋእለ ህጻናትን ካልእ ስነ ትምህርታዊ ንጥፈታትን ብዝያዳ ኣንብብ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ማርክ 19 መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣሎ። ኣብ ኸነ ኣስታት 900 ተመሃሮን እተፈላለየ መደባት ትምህርትን ዘለዎ ናይ ማርክ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ማርክ፡ ሓንቲ ካብተን ሃገራዊ ስፖርት ካልኣይ ደረጃ ንባስከትቦል ዘለወን ከተማታት እያ።

ናይ ማርክ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ንሽወደን ከም ካልኣይ ቋንቋ ገይሩ ዚምህር ናይ ቋንቋ መእተዊ ኮርሳት፡ ማተማቲክን ተፈጥሮን ናብ ሕብረተሰብ ዝጠመተ ትምህርትን ይህብ። እቲ ትምህርቲ ነቶም ተመሃሮ ኣብቲ ዚቕጽል ናይቲ ቤትትምህርቲ ናይ ሞያ መባእታዊ ትምህርትን ናይቲ ኮምዩን ትምህርቲ ንዓበይትን ንኺሳተፉ የዳሉዎም።

ዕድላት ትምህርቲ

ማርክ ብዘይካ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ቤትትምህርቲ፡ ማርክ ብናይ ማርክ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ገይራ ናጻ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ትህብ። ኣብዚ ትምህርቲ ሽወደን ንወጻእተኛታት ኣሎ። ብምትሕብባር ናይ ቡሮስ ዞባ ናይ ሞያ ትምህርቲ ይርከብ እዩ። ነዚ ትምህርትዚ ብመገዲ ናይ ቡሮስ ዞባ ትምህርቲ ንዓበይቲ Boråsregionens Vuxenutbildning ክትረኽቦ ትኽእል። ኮለጅን ዩኒቨርሲትን ኣብተን በጺሕካ እትምለሰለን ከተማታት ዮተቦሪን ቡሮስን ይርከብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ንክንክን ጥዕና ቨስትራ ዮታላንድስረዮነን Västra Götalandsregionen እዩ ዘመሓድሮ። ኣብ ኸነ፡ ሆስፒታል ኸነ ኣሎ። ንሱ ክፋል ናይቲ ደቡባዊ ኣልቭስቦሪ ሆስፒታል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ሆስፒታል ናይ ከባቢ ሆስፒታል ኮይኑ ናይ መብጣሕትን ጽገና ኣዕጽምትን ንጥፈታት የካይድ። ኣብኡ ማእከል ጥዕንውን ኣሎ።

ኣብዚ ግዜዚ ማእከላት ጥዕና፡ ኣብ ከተማታት ሺና፡ ፍሪስትላ፡ ሰቲላ፡ ኸነ፡ ሆረድን ኦክስበክን እውን ይርከብ እዩ። ግን ኩሉ ግዜ እዩ ዚለዋወጥ።

እቲ ኮምዩን ንክንክን እርጋንን ንስንክልናን የመሓድር። ብዛዕባ መንበሪ ኣረጋውያን ኣብቲ ናትና ወብሳይት ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ኮምዩንና ኣብ ዚግበር ርክብ ከም ኣድላይነቱ ተርጓማይ ክንእዝዝ ንኽእል።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ቨስትትራፊክ ኩሉ ናይ ማርክ ኮምዩን ሓባራዊ መስመራት የመሓድር። እቲ ዝዓበየ መስመር ባቡር እቲ ካብ ቡሮስ ናብ ቫርበርይ ዚኸይድ እዩ። ንሱ ነቲ መስመራት ፍሪስትላ ሺናን ሆረድን የራኽቦ። ናይ ኣውቶቡስ ሃገራዊ መስመር 156 ጽዑቕ ብምዃኑ እቲ ዝቐልጠፈ ካብ ሺና ወይ ኸነ ብመገዲ ሰቲላን ሂስናን ናብ ዮተቦሪን ላንድቨተርን ምኻድ እዩ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ማርክ ኮምዩን ኣስታት 4000 ዋኒናት ኣለዋ። ንኹላተን ኣብ ናትና ደብተር ዋኒናት ክትረኽበን ትኽእል። ኣብ ውሽጢቲ ኮምዩን ዓቢ ናይ ዓለባ ፋብሪካን ናይ ክንክን ንጥፈትን እተፈላለየ ናይ ምስናዕ ፋብሪካን ኣሎ። ብዘይካቲ ኮምዩን (ምስ ኣስታት 3000 ሰራሕተኛታቱ)፡ ካልኦት ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ፡ ኖርዲክ ከይርን ፍረስቪክን (ክንክን)፡ ስቶራ ኤንሶን (ምስናዕ ፋብሪካ) ከምኡውን ሉድቪግ ስቨንሶን (ዓለባ) እየን።

ክልተ ኣዋልድ ኣብ መዓሸግ መርከብ ኮፍ ኢለን ኣብ ባሕሪ ልይንግነርን ብመርከብ ክጓዓዛ ይጽበያ ኣሎዋ።