Mellerud

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

መለሩድ ኮምዩን ባዕላ ንእሽቶ ሽወደን እያ። ኣብዚ፡ ናይ ቨነርን ኣሸሓት ኪ/መ ገምገም ባሕርን፡ ሕርሻ መሬትን፡ ዱርን፡ ቀላያትን ጎቦታትን ዓበይቲ ከተማታትን ነኣሽቱ ቁሸታትን ይርከቡ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መትረብ ማይ ኣብ ሆቨሩድ።

ንሕና ሓያሎ ታሪኻዊ ቦታታትን ሃብታም ባህላዊ ህይወትን ኣሎና። ኣብ መላሩድ፡ ኣብ ንእሽቶ ከተማ ወይ ኣብ ገጠር ክትቅመጥ ትኽእል፡ ግን ከኣ ኩሉ ግዜ ጥቓ ዓበይቲ ከተማታት ኢኻ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ መላሩድ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቪላን ተራ ገዛውትን ይነብሩ፡ ግን ከኣ ብዙሕ ዚካረ ኣፓትመንት ኣሎና። ዝበዝሐ መንበሪ ኣባይቲ በቲ ናይቲ ኮምዩን ትካል ኣባይቲ Mellbo ይውነን። ኣብቲ ናይ መለሩድ ወብሳይት ብዛዕባ ኣካረይትን ደላሎን ብዛዕባ ምስቲ ወብሳይቶም ዘራኽብ መሰጋገርን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።

ኣካረይቲ ትካላትን መንበሪ ገዛውትን ርኸብ

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣስታት 12% ተቐማጦ መለሩድ ኣብ ሽወደን ዘይኮነ ኣብ ካልእ ሃገር እተወልዱ እዮም። ካብቶም ብብዝሒ ዚዝረቡ ቋንቋታት ንምጥቃስ፤ ሲርያ፡ ታይላንድ፡ ሰርብያ፡ ቦስንያ፡ ክሮሽያ፡ ሶማሊ፡ ዓረብ፡ ፖላንድን ሆላንድን እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣስታት 100 ማሕበራት ዘለዉዋ መለሩድ ሰፊሕ ማሕበራዊ ህይወት ኣለዋ። ነቶም ሙዚቃ ዚፈትዉ ከኣ ብዙሓት ናይ መዝሙርን ኦርከስትራን ጉጅለታት ኣለዉ።

ኣብ ዳል ዝርከብ ኩልቱርብሩከት (ማእከል ባህሊ፣ Kulturbruket)።

ኣብ መለሩድ ብዙሓት ሃይማኖታውያን ማሕበራት ኣለዋ። ካባታተን ንምጥቃስ፤ ሽወደናዊት ቤትክርስትያን፡ ሚስዮን ቤትክርስትያን፡ ስሚርናን ናይ መለሩድ ክርስትያን ማእከል ይርከቡ። ናይ እስልምና ማሕበርውን ኣሎ። ዝቐረበ መስጊድ ኣብ ትሮልሃታን ይርከብ። ኣብ ናይ መለሩድ ወብሳይት ብዛዕባ ማሕበራት መለሩድ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ።

ኣወዳት ግጥም ኵዑሶ እግሪ ይጻወቱ ኣሎዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከል መለሩድ ናይ ዜጋታት ቤትጽሕፈት፡ ቤትንባብ፡ ባንክ፡ ነንበይኑ ዓይነት ድኳናት፡ ሰለስተ ሰከንድሃንድ ቡቲክ፡ ሓከምቲ፡ ሓከምቲ ስኒ፡ መጸበቒ ጸጕሪ፡ ማሕበራዊ ኣብያተጽሕፈት፡ ኣብያተመግቢ፡ ናይ መሐምበሲን ናይ ስፖርትን ኣደራሽ ወዘተ. ይርከቡ። ኣብ ቶሮልሃታን ዓቢ ዕዳጋ ኣሎ፡ እቲ ዝቐረበ ኢከያ ድማ ኣብ ኡደቫላ እዩ ዘሎ።

ናይ ሰርከስ ተዋሳእቲ ኣብ መድረኽ ኣብ ፈስቲቫል ካናልይራን።

ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ኮምዩን ብዙሕ ናይ ስፖርት ሜዳታትን ጂምን መሐምበስን ናይ ስነጥበብ ቤተመዘክርን ክልተ ሲነማታትን፡ ከምኡውን ናይ ቨስትስቨርየ ዝበለጸ konsertlokaler ይርከብ። ቤትጽሕፈት ዕዮን ቤትጽሕፈት መድህንን ኣብ ቨነርስቦሪ ይርከቡ፡ ግን ኣብ መለሩድ ድማ ኣገልግሎት ይህቡ እዮም። ቤትጽሕፈት ቀረጽ ኣብ ትሮልሃታን ኣሎ። ኣብ መለሩድ ፖሊስ ጣብያ ኣሎ።

ኣብ መሓምበሲ ጋብላ ዝጻወቱ ቈልዑ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ መለሩድ ኮምዩን ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ኣርባዕተ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ። ኣብ ማእከል መለሩድ ናይ ህጻናት ኣለይቲ ኣለዉ። ኣብ ሓሙሽተ መባእታ ኣብያተትምህርትና ናይ ዕረፍቲ ቦታ ኣሎ። ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ነቲ ናይ ህጻናት ንጥፈታት Svenska kyrkan barnverksamhet.ተካዪዶ።

ናይ መውዓሊ ህጻናት ቈልዑ ኣብ በረኻ ይጻወቱ ኣሎዉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ መላሩድ ኮምዩን ነቶም ክሳዕ ትምህርታዊ ዓመት 6 ዝመሃሩ ዝኸውን ሓሙሽተ መባእታ ኣብያተትምህርቲ፡ ሓንቲ ከኣ ነቶም ክሳዕ ትምህርታዊ ዓመት 7-9 ዝመሃሩ እያ። እተፈላለየ መደባት ዘለዎ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲውን ኣሎ። ብተወሳኺ ናይ ሙዚቃን መዝሙርን ትልሂትን ስልጠና ዚህብ ባህላዊ ቤትትምህርቲ ኣሎ።

ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝምሃሩ ቈልዑ ኣብ ክፍሊ ምስ መምህሮም።

ዕድላት ትምህርቲ

ናይ መለሩድ ትምህርቲ ንዓበይቲ ብዘይካ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኮርሳት፡ ቋንቋ ሽወደንን ናይ ሕብረተሰብ ምልላይ ንወጻእተኛታትን፡ ናይ ኮምፕዩተር ኮርሳትን ገለ ናይ ሞያ ስልጠናን ይህብ።

ዝቐረብ ኮለጅ እቲ ኣብ ትሮልሃታን ዘሎ Högskolan Väst እዩ። ኣብ መለሩድ እናነበርካ ኣብ ዮተቦሪ ወይ ካርልስታድ ዩኒቨርሲቲ ክትመሃር ትኽእል። ኣብ 20 ኪ/መ ርሒቑ ዚርከብ ዳልስ-ሎንየድ፡ ብኮለጅ ደረጃ ዚወሃብ ናይ ስነጥበብ ስልጠና ኣሎ። ኣብ ኡደቫላ ናይ ኮለጅ ሰንትሩም ኣሎ።

ብዛዕባ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብብ፡

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ማእከል መላሩድ ናይ ኣደታትን ህጻናትን ክሊኒክ ዘለዎ ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብኡ ናይ ህዝብን ብሕታውን ሕክምና ስኒ ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ሆስፒታል ኣብ በከፉሽ (25 ኪ/መ)፡ ኣብ ትሮልሃታንን ኣብ ኡደቫላን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

እቶም ምስ ሰበስልጣን ኪራኸቡ ከለዉ ተርጓማይ ዚደልዩ ኪወሃቦም እዩ። ተርጎምቲ በቲ ኮምዩን እዩ ቆጸራ ዝተሓዞም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

መላሩድ ምስ ካርልስታድ፡ ትሮልሃታንን ዮተቦርን ስሩዕ ናይ ባቡር ርክብ ኣለዋ። ኣውቶቡሳት ናብ ካልእ ናይ ዳልስላንድ ኮምዩናት፡ ከምኡውን ክሳዕ ቨነርስቦርይን ትሮልሃታንን ይኸዳ። ብዛዕባ ሰዓታት ንቕሎ ኣብቲ Västtrafik ተወሳኺ ኣንብብ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

መላሩድ ውሑድ ዓበይቲ ዋኒናት ጥራይ እዩ ዘለዋ። ግን ኣማኢት ነኣሽቱ ዋኒናትን ምዕቡል ንግድን ኣሎና። ዝበዝሑ ተቐማጦና ኣብ ቤትትምህርትን ክንክንን ይሰርሑ። ዓበይቲ ዋኒናት ብቐንዲ ኣብ ትሮልሃታንን ኡደቫላን ይርከባ። እቲ ኮምዩን ነቶም ዋኒን ኪጅምሩ ዚደልዩ ይሕግዞም። እቲ ኮምዩን ከመይ ገይሩ ኣብ ቁጠባዊ ህይወት ከም ዚሕግዝ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ኣንብብ።