Malå

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ማሎ ኣብ ሰሜን ሽወደን እትርከብ ንእሽቶን ተፈታዊትን ኮሙን እያ። ኣብቲ ማእከል ከተማ፡ ድኳናትን፡ ንእሽቶ ሆስፒታልን ሕክምና ስንን ቤትትምህርትን ኣሎ። ማሎ ጥቓ ዱርን ማያትን ገጠራትን ድማ እያ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ዝበዝሑ ኣብ ሞላ ዝነብሩ ሰባት ዓሳ ምግፋፍ፡ ዓጋም ምቕንጣብ፡ ምንሽርታት ወይ ተንሸራታቲት ማኪና ምዝዋር ይፈትዉ። ኣብ ናይ ውልቂ ቤት ምቕማጥ ምስ እትደሊ ኣብ ማሎ ብሕሱር ዋጋ ክትዕድግ ትኽእል። እንቋዕ ናብታ ንኹሉ ቀረባ ዝኾነ ማሎ ብደሓን መጻእካ!

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ማሎ ኮሙን ኣስታት 3000 ተቐማጦ ኣለዉ። መብዛሕትኦም ኣብ ናይ ውልቆም ገዛውቲ እዮም ዚቕመጡ። ግን ከኣ ብዙሓት ከኣ ኣብ ኣፓርትመንት ይቕመጡ እዮም።

ንጸወታ መደያየቢ፡ ናይ ሑጻ ሳጹንን ሰለል መበልን ዘለዎ ቀጽሪ። ኣብ ከባቢኡ ናይ ክልተ ደርቢ ዝተተሃሓዘ ኣፓርትመንትታት።

ናይቲ ኮሙን ውልቃዊ ወኪል ገዛውቲ፡ ማሎ ምምሕዳር ኣባይቲ፡ ኣባይቲ የካርይ። እቲ ኣፓርትማ ኣብ ማእከል ማሎ ይርከብ። እንተ ደሊኻ መንበሪ ቤት ክትዕድግ ትኽእል ኢኻ፡ ንኣብነት ቪላ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ማሎ ኮሙን ካብ እተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ዝመጹ ሰባት ይርከቡ። ደቂ ማሎ ኮይኖም ቋንቋታት ሽወደን፡ ትግርኛ፡ ጀርመን፡ ሶማሊ፡ ፊንላንድ፡ ሩስያ፡ ስፓኛ፡ ሆላንድ፡ ሳሚ፡ ኖርወይ፡ ለቲስካ፡ ኡርዱ፡ ፓሽቶ፡ ታሚል፡ ታይላንድ፡ ሃንጋሪን ፊሊፒንን ዚዛረቡ ኣለዉ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ናይ ማሎ ኮሙን ብዙሓት ማሕበራት ኣለዋ። ኣብተን ማሕበራት ብምእታው ካልኦት ደቂ ማሎ ንኽትረክብ ግሩም ኣጋጣሚ እዩ። ናይ ስፖርት ተገዳስነት፡ ንኣብነት ምንሽርታት፡ ናይ ጋንታ ስፖርት ወይ ምግላብ፡ ምስ ዚህልወካ፡ ብዙሓት ማሕበራት ስፖርት ኣለዋኻ። ፈደረሽን ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ኣባጽሕ ከምኡውን ኮርሳት ዘለወን ABF ኣብ ማሎ ይርከባ።

ABF
ኣብ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ተዓዘብቲ ኣብ ሳዕሪ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣገልግሎት

ቤትጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ኣብቲ ዓቢ ጎደና 13 ጥቓቲ ርባ ይርከብ። ኣብኡ ናይ ሓደስቲ መጻእትን ናይ ውህደትን ኣገልግሎት ኣሎ። ከም ሓድሽ መጻኢ ናብኡ ኬድካ ሓበሬታ ክትሓትት ይከኣል፡ ንኣብነት ብዛዕባ ቤትትምህርቲ፡ ገዛ፡ ከመይ ጌርካ ምስ ሰበስልጣን ከም እትራኸብን ብዛዕባ ክንክን ጥዕናን።

ንግድ

ኣብ ማሎ ሰንትሩም ክልተ ናይ መግቢ ድኳናት፡ ሓንቲ ናይ ህጻናትን ናይ ኣባጽሕን ድኳን ክዳውንቲ፡ ሓደ ቤትመጻሕፍቲ፡ ሓደ ናይ መብራህቲ ድኳን ሓደ ድማ እንዳ ዕምባባ ኣሎ። ኣብቲ ናይቲ ኮሙን ሰከንድሃንድ ድኳን ሰብ እተጠቕመሉ ክዳውንትን ኣቕሑት ገዛን ካልእ ንገዛ ዘድሊ ነገራትን ምዕዳግ ይከኣል። ኣብ ማሎ ፋርማሲን መላጸይ ጸጕርን ፖስታን ባንክታትን እንዳ ፒሳን ሓንቲ ሆቴል ምስ ቤትመግብን ይርከቡ።

ቤት ንባብ

ማሎ ቤትንባብ ኣብቲ ኣብ ስኩልጋታን 2 ዚርከብ ኒላስኩላን ኣሎ። ኣብኡ ብእተፈላለየ ቋንቋታት እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ክትልቃሕ ትኽእል። ምልቃሕ መጻሕፍቲ ናጻ እዩ። ኣብቲ ናይቲ ቤትንባብ መርበብ ኢንተርነት ናይ ዝኽፈተሉ ሰዓታት ሓበሬታ ኣሎ።

ውሽጣዊ ክፋል ቤት ንባብ ኣብ ማሎ። ሓንቲ መጻሕፍቲ ትደልየላ ኮምፕዩተር፡ ሓደ መለቅሒ ጣውላን መጻሕፍቲ ዝሓዙ ብዙሓት ከብሕታትን።

ትርፊ ግዜ

ኣብ ማሎ ኣብ ፓርክጋታን 1 ፎሩም ኣሎ። ኣብኡ ፊልም ወይ ተዋስኦ ክትርእይ ትኽእል። ነቶም ስፖርት ዚፈትዉ ኸኣ መሐምበሲ፡ ናይ በረድ መንሸራተትን ናይ በረድ ጥውይዋይ መገድን ኣሎ፡ እዚ ኹሉ ድማ ኣብ ናይ ማሎ ማእከል ወይ ሰንትሩም ይርከብ። ኣብቲ ቤትትምህርቲ ናይ መንእሰያት ማእከል ኣሎ፡ ኣብኡ ድማ ተመሃሮ ኣብ ዕረፍቲ ግዜኦም ይራኸቡ።

ኣብ ሓደ ጻሕያ ናይ ሓጋይ መዓልቲ ብዙሓት ሰባት ተኣኪቦም ኣለዉ። እቶም ቈልዑ ኣብ ኦኣቢ ኩምራ በረድ ይሓኹሩ ኣለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ማሎ ኮሙን እዩ ናይ ህጻናት ሓላፍነት ዘለዎ። ኣብ ማሎ ኮሙን ነቶም ካብ ሓደ ክሳዕ ሓሙሽተ ዝዕድመእም ህጻናት ቅድመ-ኣብያተትምህርቲ ኣሎ። ወለዶም ኪመሃሩ ወይ ኪሰርሑ ኸለዉ እቶም ህጻናት ኣብቲ ቅድመ-ትምህርቲ ኪውዕሉ ይኽእሉ እዮም። ቅድመ-ትምህርቲ እቲ ናይ ሽወደን መጀመርያ ደረጃ ትምህርቲ እዩ። ህጻን ኣብ ቅድመ-ቤትትምህርቲ ንምእታው ክፍሊት የድሊ።

እቶም ናብ ቤትትምህርቲ ዚኸዱ ህጻናት ወለዶም ዚምሃሩ ወይ ዚሰርሑ ምስ ዝኾኑ ድሕሪ ትምህርቲ ኣብቲ ማእከል ትርፊ-ግዜ ኪህልዉ ይኽእሉ። ህጻን ኣብ ቅድመ-ቤትትምህርቲ ንምእታው ክፍሊት የድሊ።

ወላዲ ምስ እትኸውን እሞ ኣብ ገዛ ምስ ህጻን ምስ እትህሉ፡ ናብቲ ብሽወደናዊ ቤትክርስትያን ዚካየድ ክፉት ገዛ ወይ ኦፐት ሁስ ክትከይድ ትኽእል። ኣብኡ ድማ ንስኻን ውላድካን ምስ ካልኦት ወለድን ህጻናትን ክትራኸብ ትኽእል።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ማሎ ኮሙን ክሳዕ 9ይ ክፍሊ ዚኸይድ መባእታዊ ቤትትምህርቲ ኣሎ። እቲ ቤትትምህርቲ ኒላስኩላን ይብሃል። ኣብ ስኩልጋታን 2 ኣብ ማሎ ሰንትሩም ይርከብ። ኣብ ኒላስኩላን እቶም ካብ 6-16 ዕድመ ዘለዎም ቆልዑ ይምሃሩ።

እቶም መባእታዊ ቤትትምህርቲ ዝወድኡ መንእሰያት ኣብተን ኣብ ጎረቤት ኮሙናት ከም ሊክሰለን ኣርቪድሹዋርን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኪቕጽሉ ይኽእሉ። እቲ ቤትትምህርቲ ንደቂ 15ን 18ን እዩ።

ናብ ሽወደን ሓደስቲ መጻእቲ ደቂ 15ን 18ን ዝኾኑ መንእሰያት ናይ ቋንቋ መተኣታተዊ ኮርስ ኪወስዱ ይኽእሉ። ነዚ ምስ ተማህሩ ድማ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ወይ ናብ ካልእ ቤትትምህርቲ ኪኸዱ ይኽእሉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ልልይ ምስ ማሕበረሰብ ንሓደስቲ መጻእቲ (SO)

እቶም ካብ 18-64 ዝዕድመኦም ሓደስቲ መጻእቲ ወይ ድማ ስደተኛታት ቤተሰብ ኣብታ መጀመርታ ኣብ ሽወደን ዚቕመጡላ ዓመት ክሳዕ 60 ሰዓታት ዚወስድ ናይ ልልይ ምስ ሕብረተሰብ ትምህርቲ ኪወስዱ መሰል ኣለዎም። እቲ ትምህርቲ ብዛዕባ ሽወደን ዝያዳ ንኽትፈልጥ ይሕግዝ። እቲ ኮርስ ብቋንቋ ኣደ እዩ ዚውሃብ፡ በቲ ኮሙን ድማ ይካየድ።

ቋንቋ ሽወደን ንስደተኛታት (SFI)

ማሎ ኮሙን ቋንቋ ሽወደን ንኽትፈልጥ ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ ስልጠና ድማ ሽወደን ንስደተኛታት፡ SFI ይብሃል።

ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ውሰድ

ብርሑቕ ኣብ ኮለጅ ወይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክትምሃር ምስ እትደሊ በቲ ናይ ማሎ ለርሳንትሩም/ማእከል ትምህርቲ ክትሕገዝ ትኽእል ኢኻ።

ማሎ ኮሙን ካልእ ዓይነት ትምህርቲ ኣባጽሕ እውን ትቕርብ እያ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ማሎ፡ ማሎ ቁሸታዊ ሆስፒታል ወይ ማሎ ኹክስቱጋ ዚብሃል ሆስፒታል ኣሎ። ኣብኡ ድማ ሓፈሻዊ ሓኪም፡ ኣማኻሪ፡ ክሊኒክ ደቀንስትዮን (MVC) ክሊኒክ ህጻናትን (BVC) ኣሎ። ናይ ህጻናት ክንክን ጥዕና፡ ጥዕናዊ ምርመራን ክታበትን የካይድ። ብዛዕባ ናይ ውላድካ ጥዕናን ምዕባለን ንዚምልከት ሕቶታትውን ይምልሹ እዮም።

ኣብ ማሎ ኣምቡላንስን ናይ ህጹጽ ረድኤት ክፍልን እውን ኣሎ። ናይ ህጹጽ ረድኤት ሆስፒታል ኣብ ሊክሰለ ኣሎ።

ኣብቲ ጥቓ ናይ ማሎ ንእሽቶ ሆስፒታል ዚርከብ ናይ ማሎ ክንክን ጥዕና ስኒ፡ ሓኪም ስኒ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

እቶም ሽወደን ዘይዛረቡ ምስ ናይ ማሎ ኮሙን ኪዘራረቡ ከለዉ ናይ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ይግበረሎም እዩ። እቲ ኣስተርጓሚ ምሳኻ ኣብቲ ኣኼባ ይህሉ ወይ ድማ ብተለፎን ይትርጉም። ምእንቲ እቲ ናይ ማሎ ኮሙን ኣስተርጓሚ ኣዳሊዩ ኪጸንሕ፡ ተርጓማይ ምስ እትደሊ ኣቐዲምካ ሓብር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ንማሎ ብማኪናን ኣውቶብቡስን ባቡር ወይ ነፋሪት ጌርካ ክትጎዓዝ ይከኣል።

ናይ ጕዕዞ መደብ ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል፣

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ማሎ ኮሙን 500 ሰራሕተኛታት ዘስተናግድ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ኣብዚ ድማ ንኣብነት መምህራን፡ ናይ ቅድመ-ቤትትምህርቲ መምህራን፡ ነርስታት፡ ሓለውቲ ኣባይትን ሰራሕተኛታት ኣብያተጽሕፈትን ይሰርሑ።

ኣብ ማሎ ዋኒናት ዘካይዱ ሓያሎ ኣንስትን ሰብኡትን ኣለዉ። ንስኻ ናይ ንግዲ ሰብ ምስ እትኸውን ወይ ድማ ናይ ውልቅኻ ዋኒን ክትከፍት ምስ እትደሊ ሓገዝን ደገፍን ንምርካብ ንማሎ ኮሙን ተወከስ።