ዕቝባ ሓቲትካ መልሲ ኣብ ትጽበየሉ ዘሎኻ እዋን ምስራሕ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 5 2023

ኣብ ሽወደን ክትሰርሕ ንኽትክእል ናይ ስራሕ ፍቓድ ክህልወካ ኣለዎ። ሓታት ዕቝባ እንተ ዄንካ ኣብ ክንድኡ “ኣተ-ኡንድ” (AT-UND) ክህልወካ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ከኣ "ሕድገት ካብ ግዴታ ናይ ስራሕ ፍቓድ ምህላው" ማለት እዩ፡ ብዘይ ናይ ስራሕ ፍቓድ ድማ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ።

ነዚ ዝስዕብ ተማልእ እንተ ኾንካ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ሕድገር ፍቓድ ስራሕ ክወሃበካ ይኽእል፡

  • ሓደ ተቐባልነት ዘለዎ ናይ መንነት ሰነድ ከተቕርብ ወይ ብኻልእ መገዲ መንነትካ ንኽንጸር ክትተሓባበር ትኽእል ኢኻ። እዚ ንኣብነት መንነትካ ዘርኢ ሰነዳት ብምእታው ንስኻ መን ምዃንካ ንኸተርኢ ዝከኣለካ ክትገብር ኣለካ ማለት እዩ።
  • ኣብ ሽወደን ዕቝባ ሓታትካ እንተ ኣሎካ ኾንካ።
  • ኣብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ዕቝባ ምልክታታካ ንጽገት ዘይረኸብካ እንተ ኾንካ።

ነዚ ጠለባት እዚ እንተ ኣማሊእካ፡ ኣተ-ኡንድ (AT-UND) ንኽትወሃብ ውሳነ ክውሰነልካ እዩ። ሓደ ወሃብ ስራሕ ኣተ-ኡንድ ከም ዘለካ ነቲ ኣብ ኤል.ኤም.ኣ ካርድኻ ዘሎ ክዩኣር ኮድ ብምስኣል ክርእዮ ይኽእል እዩ።

ክትሰርሕ ከለኻ ግብሪ ክፈል

ክትሰርሕ ከለኻ ናይ ግድን ካብ ደሞዝካ ግብሪ ክትከፍል ኣሎካ። እቲ ወሃብ ስራሕካ ናይ ግድን ማሕበራዊ ክፍሊት ክኸፍል ኣሎዎ። እዚ፡ ብጻዕዳ ምስራሕ ይብሃል።

ብጻዕዳ ምስራሕ ብዙሕ ረብሓ ኣሎዉ። ካልእ ገዲፍካ ነዚ ዝስዕብ ትረክብ፡

  • ሓደ ናይ ስራሕ ምቝጻር ምስክር ወረቐት።
  • መወክስ።
  • መሰል ንዓመታዊ ዕረፍቲ።
  • መሰል ናይ ዝኽፈሎ ዕረፍቲ ወለዲ።
  • መድሕናት።
  • ኣብ ናይ ሽወደን ስርዓት ጥሮታ ሕሳብ ንምግባር ዝጥቀምሉ ናይ ጥሮታ ነጥቢ።
  • ክፍሊት ሓሚምካ እንተ'ለኻ።
  • ክፍሊት ውላድካ እንተ ሓሚሙ እሞ ኣብ ገዛ ምጽናሕ እንተ ኣድለየካ።

ግብሪ ከይከፈልካ እንተ ሰሪሕካ፡ ብጸሊም ትሰርሕ ኣሎኻ ይብሃል። ብጸሊም ምስራሕ ዘይሕጋዊ እዩ። ክሳብ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ከስዕብ ይኽእል እዩ።