ስራሕ ምርካብ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 4 2023

ስራሕ፡ ብብዙሕ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ክትደሊ ትኽእል ኢኻ።

  • ናብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ኬድካ ብመንገዲ ናቶም ምልክታታት ናይ ክፉት ስራሓት፡ ስራሕ ክትደሊ ትኽእል ኢኻ።
  • ምስ ትካል ምምልማል ሰራሕተኛታት ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ሓደ ትካል ምምልማል ሰራሕተኛታት ንዝተፈላለያ ትካላት ሰራሕተኛታት የካሪ።
  • ምስ ትካል ምቝጻር ሰራሕተኛታት ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ሓደ ትካል ምቝጻር ሰራሕተኛታት፡ ሓድሽ ሰራሕተኛ ክቘጽራ ንዝደልያ ትካላት ሰብ ይረኽበለን።
  • ኣብ ጋዜጣታት ወይ ኣብ ኢንተርነት ንዝወጽእ ምልክታ መልሲ ክትህበሉ ትኽእል።
  • ምስ ሓደ ወሃብ ስራሕ ርክብ ክትገብር ትኽእል።
  • ንትፈልጦም ሰባት ክትሓትት ትኽእል።

ሰሪሕካ ደሞዝ ንኽትረክብ፡ ደሞዝካ ክኣትወሉ ዝኽእል ሓደ ናይ ባንክ ሕሳብ ምኽፋት የድልየካ።