መንበሪ ዕቝባ ሓቲትካ መልሲ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 8 2023

ንስኻ ሓታት ዕቝባ ዝኾንካ ካብ ብዓል መዚ ኢምግረሽን ንመንበሪ ዝምልከት ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ባዕልኻ መንበሪ ከተዳሉ ክትመርጽ እውን ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ኣየኖት ሕግታት ከም ዘገልግሉ ኣብዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ትረክብ።

ኣብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መንበሪ ገዛውቲ ንበር

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ናይ ዕቝባኻ ሕቶ ውሳኔ ኣብ ትጽበየሉ እዋን ሓደ ግዝያዊ መንበሪ ይቕርቡልካ እዮም። ገንዘብ ዘይብልካ እንተ ኾይኑ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ናይቲ መንበሪ ወጻኢታት ይኸፍልዎ።

ብዓለ መዚ ኢሚግረሽን ናይ መንበሪ ይሕግዙኻ እንተ ኾይኖም፡ ባዕልኻ ኣበይ ክትነብር ከም ዝኾንካ ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። ናብቲ ናጻ ገዛውቲ ዘለዎ ቦታ ንምግዓዝ ናይ ግድን ድሉው ክትከውን ኣለካ። ከምኡ'ውን ውሳኔ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ ናብ ሓደ ሓድሽ መንበሪ ንኽትግዕዝ ክትግደድ ከጋጥም ይኽእል እዩ።

ኣብ ሓደ መንበሪ ሓደ ቦታ ዕድል እንተ ተዋሂቡካ፡ እቲ ቦታ ንዓኻ ጥራይ እዩ ዚምልከት። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ መንበሪ ምስ ካልኦት ብሓባር ኣብ ትነብረሉ ገዛ ዝቖመ እዩ። ምስ ስድራኻ እንተ ዄንካ መጺእካ፡ እታ ስድራ ኵሉ ግዜ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ሓባር ሓንቲ ክፍሊ ትወሃባ። ንበይንኻ እንተ ዄንካ፡ ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ሰባት ክፍሊ ክትማቐል ትኽእል ኢኻ።

መሰል ናይ መንበሪ ቦታ የቋርጽ

ናይ መንጸግቲ ውሳኔ እንተ ተቐቢልካ ወይ ካብ ሃገር ናይ ምስጓጕ ውሳኔ ተቐቢልካ እሞ እቲ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ጊዜ ከገልግል ጀሚሩ፡ ወይ እቲ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ምርጫ ዓዲ ትሓድገሉ ጊዜ ኣብቂዑ፡ ካብቲ መንበሪ ቦታኻ ክትግዕዝ ኣሎካ። እዚ፡ ንዓኻ ዓቢ ሰብ ዝኾንካን ምሳኻ ሓቢሮም ዚነበሩ መጕዚትነት ዘለካ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዘይብልካ ሰብ ምስ ትኸውንን ኣብ ግብሪ ይውዕል።

ኣብ ናይ ባዕልኻ መንበሪ ምንባር

ኣብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መንበሪ ክትቕመጥ እንተ ዘይደሊኻ፡ ባዕልኻ መንበሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ሰባት ንናይ ዕቝባ ሕትኦም መልሲ ኣብ ዝጽበይሉ እዋን ምስ መሓዙቶም ወይ ኣዝማዶም ምንባር ይመርጹ እዮም። ባዕልኻ መንበሪኻ ከተዳሉ እንተ መሪጽካ፡ ናይቲ መንበሪ ወጻኢታት ናይ ግድን ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ።

መንበሪኻ ባዕልኻ እንተ ኣዳሊኻ፡ ምእንቲ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ምሳኻ ርክብ ክገብሩ ክኽእሉ ኣድራሻኻ ናይ ግድን ክትሕብሮም ኣለካ። መንበሪ ፍቓድ ኣብ ትወሃበሉ እዋን ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ መንበሪ ትቕመጥ እንተ ኣለኻ ኴንካ፡ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ኮሙን መንበሪ ንምርካብ ሓገዝ ኣይግበረልካን እዩ።

ገለ ፍሉያት መንበሪ-ቦታታት፡ ነቲ ክፍሊት ናይ ምርካብ መሰልካ ኪጸልዎ ይኽእል'ዩ

ክፍሊት ናይ ምርካብ መሰልካ ኪጸልውዎ ዝኽእሉ ሓደ ሓደ ፍሉያት መንበሪ-ቦታታት ኣለዉ። ናብ ከምዚኦም ዓይነት ቦታታት እንተ ግዒዝካ፡ ናይ መዓልታዊ ክፍሊትን (dagersättning) ፍሉይ ቍጠባዊ ሓገዝን (särskilt bidrag) መሰልካ ከተጥፍኦ ትኽእል ኢኻ። ናይቲ ብሓቂ ትነብረሉ ዘይኮነ ካልእ ኣድራሻ ንኣብነት ናይ ሓደ ጶስጣ ሳጹን ኣድራሻ እንተ ሂብካ እውን ናይ መዓልታዊ ክፍሊትን (dagersättning) ፍሉይ ቍጠባዊ ሓገዝን (särskilt bidrag) መሰልካ ከተጥፍኦ ትኽእል ኢኻ።

ኮሙናት ኣብ ሽወደን

ኵሉ ኣብ ሽወደን ዝነብር ሰብ፡ ኣብ ሓንቲ ኮሙን ይነብር። ሓደ ኮሙን፡ ሓደ ከተማ፡ ሓደ ቁሸት ወይ ብዙሓት ቁሸታት ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን 290 ኮሙናት ኣለዋ።

ኣብ Informationsverige.se ብዛዕባ ኵለን ኣብ ሽወደን ዝርከባ ኮሙናት ሓበሬታ ኣሎ። ኣብተን ዝተፈላለያ ኮሙናት እንታይ ከም ዘሎ፡ ንኣብነት ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ፡ ስራሕን መንበርን ዝኣመሰለ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።