ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 1 2024

ኣብዚ ብዛዕባ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዳግመ ምትእኽኻብ ስድራ እንታይ እዩ?

ምጥርናፍ ስድራ ቤት ማለት፡ ሓንቲ ተፋላልያ ዝነበረት ስድራ ቤት ኣብ ሽወደን ብሓባር ንምንባር ከተመልክት ትኽእል እያ ማለት እዩ። እታ ስድራ ናብ’ቲ መንበሪ ፍቓድ እተዋህቦ ኣባል ስድራ ቤት ክትግዕዝ ክፍቀደላ ይኽእል እዩ።

መን’ይ ንምጥርናፍ ስድራ ቤት መሰል ክህልዎ ዝኽእል?

ስድራ ቤትካ ናባኻ ናብ ሽወደን ንኽግዕዙ መንበሪ ፍቓድ ከመልክቱ ዝኽእሉ፦

  • ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ እንተ ዄንካ
  • ከም ስደተኛ ወይ ከም ኣማራጺ ዕቑባ ዘድልዮ ሰብ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካን፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንኽውሃበካ ጽቡቕ ተኽእሎታት ዘለካ ዝመስል እንተ ኾይኑን
  • ብምኽንያት ዕንቅፋት ኣስፈጻምነት ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ፡ ማለት ንሓደ ናይ ምንጻግ ወይ ምጥራዝ ውሳነ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ዕንቅፋት ምስ ዝህሉን፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንኽወሃበካ ጽቡቕ ተኽእሎታት ዘለካ ዝመስል እንተ ኾይኑን
  • ብምኽንያት ኣዚዩ ተኣፋፊ ኵነታት ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካን፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንኽውሃበካ ጽቡቕ ተኽእሎታት ዘለካ ዝመስል እንተ ኾይኑን

ናይ ቀረባ ስድራ ቤትካ ጥራይ እዮም ናባኻ ክግዕዙ ዝኽእሉ። እዚ ማለት ድማ ብዓልቲ ቤት፡ ብዓል ቤት፡ ብጸይቲ ወይ ብጻይ፡ ብሓደ መናብርትን ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቅኻን ማለት እዩ።

ንስኻን ብዓልቲ ቤትካ፡ ብዓል ቤትካ፡ ብሓባር መናብርትኻ ወይ ብጸይትኻ ክልቴኹም ዕድሜኹም ልዕሊ 21 ክኸውን ኣለዎ። ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ እንተ ኾይኑ ዘለካ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምርዑዋት ኴንኩም ዝጸናሕኩም ወይ ቅድሚ ሕጂ ብሓባር ትነብሩ ዝነበርኩም ክትኮኑ ኣለኩም። ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ እንተ ኾይኑ ዘለካ ኣብ ሽወደን ብሓባር ክትቅመጡ ወይ ክትምርዓዉ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ግድን ንነብስኻን ስድራ ቤትካን ክትናቢ ክትክእል ኣለካ

ስድራ ቤትካ ናባኻ ክግዕዙ ንኽፍቀደሎም ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ንነብስኻን ስድራ ቤትካን ንኽትናቢ እኹል ገንዘብ ከም ተእቱ ምርኣይ ከድልየካ ይኽእል እዩ። እዚ ጠለብ ምንባይ (försörjningskrav) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከምኡ’ውን ናይ ግድን ንምሉእ ስድራ ዝኣክል መንበሪ ክህልወካ ኣለዎ።

ከም ስደተኛ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ ምስ እትኸውንን፡ ኣባላት ስድራ ቤትካ ካብታ ናይ መንበሪ ፍቓድ ወይ ከም ስደተኛ ተቐባልነት ከም ዝረኸብካ ውሳኔ ዝተዋህበትካ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ እንተ ኣመልኪቶም፡ እቲ ናይ ምንባይ ጠለብ ኣይምልከተካን እዩ።

ኣብቲ ናይ ዕቑባ ምልክታኻ ብዛዕባ ስድራ ቤትካ ሓብር ኢኻ።

ኣብ ናይ ዕቑባ ምልክታኻ ኵሉ ብዛዕባ ስድራ ቤትካ ሓብር ኢኻ። እዚ መንበሪ ፍቓድ ምስ ተዋህበካ ምስ ስድራ ቤትካ ክትጥርነፍ ንኽትክእል ኣገዳሲ እዩ።