ጥዕናኻ ጽቡቕ ምህላው፡ ዕቝባ ሓቲትካ መልሲ ኣብ ትጽበየሉ ግዜ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 4 2023

ኵሎም ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ሰባት ጽቡቕ ጥዕና ኽህልዎምን ኣብ ዘድልየሉ እዋን ድማ ክንክን ክረኽቡ መሰል ኣሎዎም። ንስኻ ሓታት ዕቝባ እውን። ሓታት ዕቝባ ኣብ ዘለኻሉ እዋን ኣየናይ ሓገዝን ክንክንን ክትረክብ ከም ትኽእል ኣብዞም ገጻት ሓበሬታ ትረክብ ኢኻ።

ንስኻ ኣብ ሽወደን ዕቝባ ዝሓቱ ሓደ ሓደ ናይ ሕክምናን ሕክምና ስኒ መሰል ኣሎካ።

ኵሎም ኣብ ሽወደን ዕቝባ ዝሓቱ ሰባት ብናጻ ናይ ጥዕና መርመራ ክገብሩ ዕድል ይወሃቦም እዩ።

ኣብ ሽወደን ዕቝባ ሓቲትካሉ ኣብ ዘሎኻ እዋን ብኣእምሮ ጽቡቕ ዘየሎኻ እንተ ዄንካ ሓገዝን ክንክን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ብኣእምሮ ጽቡቕ እንተ ዘየሎኻ ዄንካ፡ ብጀካ ኣገልግሎት ሕማም ካልኦት ሓገዝን ምኽርን ዘወፍዩ እውን ኣሎዉ። ንኣብነት ብዙሓት ሓገዝ ንምርካብ ክትድውለለን ወይ ክትራኸበን ትኽእል ወለንታውያን ማሕበራት ኣሎዋ። እተን ማሕበራት ኣየናይ ሓገዝ ከም ዘወፍያ ክተንብበሉ ትኽእል ኣብ ኢንተርኔት ናይ ገዛእ ርእሰን መርበብ ሓበሬታ ኣሎወን።

ብኣእምሮ ጽቡቕ ንዘየለዉ ሓተትቲ ዕቝባ ቈልዑን መንእሰያትን ብዙሕ ሓገዝን ክንክን ኣሎ.

ሓደ ስንክልና ዘለዎ ሰብ፡ ዝደኸመ ዓቕሚ ትግባረ ናይ ኣካላዊ፡ኣእምሮኣዊ ወይ ዓቕሚ ኣእምሮ ዘለዎ እዩ። ስንክልና፡ ንኣብነት ሕማቕ ትርኢ ወይ ከም ሓገዝ-እዝኒ ወይ መንበር ዓረብያ ዝኣመሰሉ ሓደ ሓደ ናውቲ ከድልዩካ ይኽእሉ ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን መዓልታዊ መናባብሮኻ ንኽትኣሊ ካብ ካልኦት ሓገዝ የድልየካ ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ንዓኻ ስንክልና ዘሎካ፡ ሓታቲ ዕቝባ ኣብ ዘለኻሉ እዋን ፍሉያት መሰላት ኣለዉካ።

ጎነጽ፣ ምፍርራሕ ወይ ንካልኦት ምጉዳእ ኩልኩል እዩ። ጎነጽ ዝተፈላለየ ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ኣካላዊ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ፣ ጾታዊ፣ ቑጠባዊ ወይ ንዋታዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንጎነጽ እንተተቓሊዕካ ንዑቕባን ደገፍን መሰል ኣለካ።

ናይ ሂወት ኣመላት ኣብ ጥዕናና ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎም ኣመላት እዮም። ሽጋር ምትካኽ፣ ኣልኮላዊ መስተን ናርኮቲክን ንሕማም ከቃልዓካ ይኽእል እዩ። ብገንዘብ ምጥላዕ እውን ናብ ጸገማትን ሕማምን ከምርሕ ይኽእል እዩ።