ክንክን እንተ ኣድልዩካ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 29 5 2023

ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ሓታት ዕቝባ ኣብ ዘሎኻሉ እዋን ነየናይ ክንክን መሰል ከም ዘሎካ ሓበሬታ ትረክብ። ከምኡ'ውን ኣብዚ ሓበሬታ ብዛዕባ ክፍሊታት፡ ሕግታትን ኣብ ሽወደን ክንክን ክትደሊ ከመይ ከም ትገብርን ሓበሬታ ትረክብ ኢኻ።

ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመትን ኣብ ሽወደን ሓታት ዕቝባን እንተ ዄንካ፡ ልክዕ ከም'ቶ ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ቈልዑን መንእሰያትን መሰል ናይ ሕክምናን ክንክን ስኒን ኣሎካ። ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ዄንካ መብዛሕትኡ ግዜ ሕክምና ኣይክፈሎን እዩ።

ልዕሊ 18 ዓመትን ኣብ ሽወደን ሓታት ዕቝባን እንተ ዄንካ፡ ኣብ ሽወደን ህጹጽ ንዝኾነ ሕክምናን ክንክን ስኒን መሰል ኣሎካ። ከምኡ'ውን ዘጸግመካን ኣብ ዳሕራይ ግዜ ህጹጽ ክኸውን ንዝኽልን ሕክምና መሰል ኣሎካ። እቲ ጸገም ኣብ ዳሕራይ ግዜ ህጹጽ ክኸውን ዝኽእል እንተ ኾይኑ ሓኪም እዩ ዝውስኖ።

ከም ኣብ ሽወደን ሓታት ዕቝባ መጠን ናይዚ ዝስዕብ መሰል እውን ኣሎካ፡

  • ናይ ሕርሲ ክንክን
  • ሕክምና ኣብ እዋን ምንጻል ጥንሲ
  • ምኽሪ ንመከላኸሊ ጥንሲ
  • ክንክን ጥዕና ኣዴታት
  • ክንክን ብመሰረት ሕጊ ተመሓላለፍቲ ሕማማት

ሕክምና ክትደሊ እንተ ዄንካ ንኽትፈልጦም ጠቐምቲ

ናብ ሕክምና ክትበጽሕ ከለኻ ወይ ካብ ቤት መድሃኒት መድሃኒት ክትወስድ ከለኻ ነቲ ናትካ ኤልኤምኣ-ካርድ ምርኣይ ከድልየካ እዩ። እቲ ናትካ ኤልኤምኣ-ካርድ ክትወሃቦ እንተ ዘይኣርኪቡ፡ ዕቝባ ናይ ዝሓተትካሉ ቅብሊት ከተርኢ ኣሎካ።

ዝተፈላለዩ ዓይነት ሕክምናን መድሃኒታትን ክንደይ ከም ዝኽፈሎም ኣብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መርበብ ሓበሬታ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ብዛዕባ እቶም ከተመልክትተሎም ትኽእል ቍጠባዊ ሓገዛት ንናይ ሕክምና ዝኸፈልካዮም ወጻኢታት፡ እውን ሓበሬታ ትረክብ ኢኻ።

ኣብ ሽወደን ኵሎም ሰራሕተኛታት ክንክን ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር ኣለዎም። እዚ፡ ብዘይ ናትካ ፍቓድ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባኻ ነገራት ክነግሩ ኣይፍቀዶምን ማለት እዩ። እቲ ንሰራሕተኛታት ክንክን ትነግሮም ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ናይ ምርካብ ዕድልካ ኣይጸልዎን እዩ።ብኣገልግሎት ሕክምና ተመዚዞም ዝሰርሑ ኣስተርጐምቲ እውን ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር ኣለዎም። ዋላ እቶም ኣብ ቤት መድሃኒት ዝሰርሑ እውን ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር ኣለዎም።

ጽቡቕ ሽወደንኛ ዘይትዛረብ እንተ ዄንካ፡ ምስ ሰራሕተኛታት ሕክምና ወይ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ክትራኸብ ከለኻ ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ምስ ሓኪም ወይ ምስ ካልእ ኣብ ኣገልግሎት ሕክምና ወይ ክንክን ስኒ ዝሰርሕ ሰብ ክትራኸብ ከሎኻ ኣስተርጓሚ ምሳኻ ክህሉ መሰል ኣሎካ።

እቶም ሰራሕተኛታት ሕክምና እንታይ ከም ዝብሉ ዘለዉ ክትርዳእ ከምኡ'ውን እቶም ሰራሕተኛታት ሕክምና እንታይ ከም ትብል ዘለኻ ክርድኦም ኣገዳሲ እዩ። ምስ ሰራሕተኛታት ሕክምና ክትራኸብ ከለኻ ክትጥቀመሎም ትኽእል ስእልታት ኣለዉ።

ብቑዕ ሕክምና ርኸብ

1177 ቮርድጋይደን

ምዓስ ሕክምና ከም ትደሊ ርግጸኛ እንተ ዘይኴንካ፡ ኵሉ ግዜ ናብ 1177 ቮርድጋይደን ክትድውል ትኽእል ኢኻ። እቲ ቍጽሪ ተለፎን 1177 እዩ። ሽዑ ምስ ሓንቲ ብዛዕባ እቲ ጸገማትካ ምኽሪ ክትህበካ እትኽእል ኣላዪት ሕሙማት ክትዛረብ ኢኻ። ከምኡ'ውን እታ ኣላዪት ሕሙማት ኣበይ ብቑዕ ሕክምና ክትረክብ ከም ትኽእል ሓበሬታ ክትህበካ እያ። ናብ 1177 ቮርድጋይደን ለይትን መዓልትን ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሓደ ሓደ ዞባታት ብጀካ ብሽወደንኛ ብኻልኦት ቋንቋታት ምኽሪ ንኽትረክብ ተኽእሎታት ኣሎ።

ማእከል ክንክን ጥዕና

እንተ ሓሚምካ ወይ ገለ ጸገም ኣለካ ኾይኑ መብዛሕትኡ ግዜ መጀመርታ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ኢኻ ርክብ ክትገብር ዘለካ። ኣብኡ ናይ መብዛሕትኡ ነገራት ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ይስምዓካ እንተ ኣሎ ኾይኑ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እቶም ማእከል ክንክን ጥዕና ምስ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክሊኒካት ክትራኸብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ህጹጽ ሕክምና

ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ብብርቱዕ እንተ ሓሚምኩም ወይ ብኸቢድ ተጐዲእኩም፡ ካብ ሓደ ናይ ህጹጹ ረድኤት መቐበሊ ሓገዝ ክትሓቱ ኣሎኩም። እቲ መቐበሊ ህጹጽ ረድኤት ኣብ ሓደ ሆስፒታል ዝርከብ ኾይኑ ኵለን መዓልታት፡ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ክፉት እዩ።

ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማቕ እንተ ኣለኹም ኾንኩምን ብቑልጡፍ ሓገዝ ዘድልየኩም ኾይኑን፡ ናብ ሓደ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክሊኒክ መቐበሊ ህጹጽ ረድኤት ክትከዱ ኣለኩም። ናበይ ከም ትኸይድ ንምፍላጥ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ክትድውል ትኽእል ኢኻ።

ናይ ህጹጽ ቍጽሪ ተለፎን 112

ህጹጹ ኵነትን ናይ ሓደ ሰብ ሂወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን እንተ ኾይኑ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 112 ክትድውል ኣሎካ። ሽዑ ብቑልጡፍ ሓገዝ ትረክብ። እንተ ኣድልዩ ናብ ቅበላ ህጹጹ ረድኤት ትወስድ ኣምቡላንስ ትመጸካ። ኣብ ቍጽሪ ተለፎን 112 ምስ ኣምቡላንስ፡ ፖሊስን መጥፋእቲ ሓዊን ክትራከብ ትኽእል።

መድሃኒት

መድሃኒት ካብ ሓደ ፋርማሲ ትገዝእ። ከምኡ'ውን ሓኺም ዝኣዘዘልካ መድሃኒት ካብ ፋርማሲ ትወስዶ። ኣብ ፋርማሲ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብዙሕ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሕማማት ስለ ዝፈልጡ ብዛዕባ መድሃኒታት ምኽሪ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም። እቶም ኣብ ፋርማሲ ዝሰርሑ ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር ኣሎዎም።