ሕክምና ስኒ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 29 5 2023

ልዕሊ 18 ዓመት እንተ ዄንካን ኣብ ሽወደን ዕቝባ ትሓትት ኣለካ ዄንካን፡ ንህጹጹ ዝኾነ ሕክምና ስኒ መሰል ኣለካ። ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ሓተትቲ ዕቝባ ቈልዑን መንእሰያትን ልክዕ ከምቶም ካልኦት ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ቈልዑን መንእሰያትን ናይ ብናጻ ሕክምና ስኒ መሰል ኣለዎም።

ኣብ ሃገር ሽወደን ህዝባዊን ግላውያንን ሕክምና-ስኒ ኣሎ። እቲ ህዛባዊ ክንክን-ስኒ፡ ብዞባዊ እዩ ዝእለ። ህዝባዊ ክንክን-ስኒ (Folktandvården) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ናይ ግድን ምስ ሓኪም ክትራኸብ ዘድልዮ ህጹጹ ጸገም እንተ'ለካ ኾይኑ፡ ምስ ህዝባዊ ሕክምና ስኒ ኢኻ ርክብ ትገብር።

ኣብ ምሉእ ሃገር ናይ ዘለዉ ሓኻይም ስኒ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ናይ ርኽብ ሓበሬታን ኣብ መርበብ ሓበሬታ 1177 Vårdguiden (1177 ቮርድጋይደን) ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ክንድዚ ገንዘብ ትኸፍል

ዕድሜኻ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ እንተ ኾይኑን ኣብ ሽወደን ዕቝባ ትሓትት ኣለኻ ዄንካን፡ ኣብ ሓኪም ስኒ እትገብሮ ናይ ህጹጽ ሕክምና ስኒ ናይ ግድን ክትከፍለሉ ኣለካ። ዋላ'ውን ነቲ ሕክምና ሽዑ ንሽዑ ክትከፍሎ ዘይትኽእል ኩን፡ ናይ ህጹጹ ህክምና ስኒ ክትገብር ግን መሰል ኣለካ። ንዓኻ ሓታቲ ዕቝባ ዝኾንካ፡ ንሓደ ምብጻሕ ናብ ሓኪም ስኒ ክንደይ ከም ትኸፍለሉ ኣብ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መርበብ ሓበሬታ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ንዝተፈላለዩ ዓይነት ሕክምና ወጻኢታት ኔይሩካ እንተ ኾይኑ፡ ኣብኡ ብዛዕባ እቶም ከተመልክትተሎም ትኽእል ቍጠባዊ ሓገዛት እውን ሓበሬታ ትረክብ ኢኻ።