ትምህርታዊ ሞያታት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 29 5 2023

ኣብዚ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ኣብ ሓደ ሓደ ሞያታት ንኽትሰርሕ እንታይ ከም ዝሓትት ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ናይ ገለ ካብዞም ሞያታት ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ኣብዞም ሞያታት ክትሰርሕ ንኽትክእል እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ገምጋም ንናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ

ግምገማ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ ብሽማግለ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን (UHR) ይግበር። ዝወዳእካዮ ሓደ ናይ ወጻኢ ሃገር ትምህርቲ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ምልክታ ብምልኣኽ ክግምገም ከም ዝኽእል ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ተወሳኺ ትምህርቲ

ኣብ ሽወደን ንሓደ ሓደ ናይ ሞያ ጕጅለታት ኣብ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን መመላእታ ትምህርትታት ኣሎ። ንመናበሪ ተምሃራይ (studiemedel) ከም ዝግብኣካ ይገብሩን ካብ 1 ክሳብ 2 ዓመት ንውሓት ኣሎዎምን። ንኣብነት ንስነ-ቍጠበኛታት፡ መሃንድሳት፡ ኣለይቲ ሕሙማት፡ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ክኢላታት ተክኖሎጂ ሓበሬታ፡ ሓኻይምን መማህራንን ትምህርቲ ኣሎ።

ኣብ ሽወደን ቍጽጽር ዝግበረሎም ሞያታት

ኣብ ሽወደን ሓደ ሓደ ቍጽጽር ዝግበረሎም ሞያታት ኣሎዉ። እዚ፡ ኣብቲ ሞያ ንኽትሰርሕ እንታይ ከም ዝሓትት ኣብ ናይ ሽወደን ሕጊ ተገሊጹ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ንኣብነት ሓደ ውሱን ዲግሪ፡ ምርግጋጽ፡ ወረቐት ፍቓድ ወይ ካልእ ወግዓዊ ተቐባልነት ክሓትት ይኽእል እዩ። ናይ ከምዚ ዓይነት ሞያ ኣብነት፡ ሓኪምን መምህርን እዩ።

ናይ ዩኒቨርሲቲን ኮለጅን ሽማግለ (UHR)፡ ናብ ኣብ ሽወደን ቍጽጽር ዝግበረሎም ሞያታት ዘምርሑ ትምህርትታት ናይ ምግምጋም ሓላፍነት የብሉን። ኣብ ሓደ ቍጽጽር ዝግበረሉ ሞያ ክትሰርሕ እንተ ደሊካ፡ ምስቲ ብቑዕ ብዓል መዚ ተራኺብካ ኣብቲ ሞያ ንኽትሰርሕ መሰል ንኽህልወካ ከተመልክት ኣሎካ።

ቅልጡፍ መስመር (Snabbspår) - ሓደ ዝቐልጠፈ መንገዲ ናብ ስራሕ

ኣብዚ እዋን እዚ ቅልጡፍ መስመር ኣብ ብዙሓት ሞያታትን ጽላትን ኣሎ። ናባኻ ኣብ ሽወደን ሕጽረት ሞያውያን ንዘለዎ ሞያ ተመኩሮ ዘሎካ ሓደሽ መጻኢ ደለይ ስራሕ ዝቐንዐ ድማ እዩ።

ኣብቲ ቅልጡፍ መስመር፡ ትምህርቲ ናይ ሞያ ሽወደንኛ፡ ልምምድ፡ ምርግጋጽ ብቕዓት፡ መመላእታ ትምህርትታትን ናይ ሞያ ብቕዓት ግምገማ እቱው እዩ።