ዕቝባ ምሕታት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 17 10 2023

ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ዕቝባ ክትሓትት ከም ዝደለኻ ክትሕብሮም ኣሎካ።

ዕቝባ ኣብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ዮተቦርይ፡ ማልሞ፡ ስቶኮልም፡ ቡደን፡ ኖርሾፒን፡ ሱንድስቫል፡ ኡመኦ፡ ኡፕሳላን ኦረብሩን ከተመልክት ትኽእል።

ነፍስ ወከፍ ሓታቲ ዕቝባ ብውልቂ ክምርመር ኣለዎ። እዚ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ሽወደን ነቲ ናትካ ዕቝባ መሕተቲካ ምኽንያት ብፍላይ ይምርምር ማለት እዩ።

ሓታት ዕቝባ ኣብ ዘሎኻሉ ግዜ ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ንተመሳሰልቲ ሕቶታት ብዙሕ ግዜ ክትምልሰሎም ከድልየካ እዩ። ምኽንያት ናይ'ዚ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ዝነገርካዮም ስለ ዘይኣመንዎ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን እንታይ ማለትካ ምኳኑ ከም ዝተረድኡኻን ቅድሚ ሕጂ ክትነግሮም ዝረሳዕካዮ ነገር ከይህሉን ርግጸኛታት ክኾኑ ስለ ዝደልዩ እዩ። ከምኡ'ውን ሓደ ሓደ ግዜ ንዓኻ ብዛዕባ ከበድቲ ነገራት ድሕሪ ቑሩብ ግዜ ክትዛረበሎም ክቐለልካ ስለ ዝኽእል እዩ።

ቀዳመይቲ ርክብ ምስ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን

መጀመርታ ግዜ ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክትረኽቦም ከሎኻ፡ ሓንቲ ሓጻር ርክብ እያ። ብዛዕባኻ ብዙሓት ሕቶታት ክትምልስ ኢኻ። ንኣብነት፡

  • ጥዕናኻ ከመይ ከም ዘሎኻ።
  • ስምካ መን ምኳኑ።
  • ምዓስ ከም ዝተወለድካ።
  • ብዛዕባ ስድራኻ።
  • ኣድራሻን ቍጽሪ ተለፎንን ናይ ወለድኻ እንተ ኣሎካ ኾይኑ።
  • ካበይ ከም ዝመጻእካ።
  • ኣየናይ ቋንቋ ከም ትዛረብ።
  • ናብ ሽወደን ብኸመይ ከም ዝተጕዓዝካ።
  • ዓዳኻ ስለምንታይ ገዲፍካ ከም ዝወጻእካን እንተ ተመለስካ እንታይ የጋጥም ኢልኻ ከም ትሓስብን።

ደሓር እዋን እንደ ገና ምስ ናትካ ግዝያዊ መጕዚ ወይ ህዝባዊ ጠበቓን ብሓባር ዄንካ ምስ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክትራኸብ ኢኻ። ሽዑ ነቲ ናትካ ምልክታ ዕቝባ ከተነጽሮ ኢኻ።

ዓበይቲ ሰባት ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም

ንስኻ ናብ ሽወደን ብዘይ ወለድኻ ዝመጻእካ ዕቝባ ሓቲትካሉ ኣብ ዘሎኻ ግዜ ካብ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ሰባት ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ።

ሓደ ካብዚኦም ዓበይቲ ሰባት፡ ግዝያዊ መጕዚ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ግዝያዊ መጕዚ ንኣብነት ምስ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክትዛረብ ከለኻ ምሳኻ ክህሉ እዩ።

ከምኡ'ውን ምስ ሓደ ህዝባዊ ጠበቓ ክትራኸብ ኢኻ። እዚ ሓደ ብዙሕ ብዛዕባ ናይ ሽወደን ሕግታት ዝፈልጥ ሰብ እዩ። እቲ ህዝባዊ ጠበቓ ዕቝባ ክትሓትት ከለኻን ነቲ ዝወሃበካ ውሳነ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ እንተ ዘይዓጊብካሉ ይግባይ ኣብ ምባልን ክሕግዘካ እዩ።

ዕቝባ ክትሓትት ከለኻ ነዚ ዝስዕብ ክትገብር ኣሎካ፡

  • ንኣብነት ብዛዕባ ስምካ፡ ዜግነትን ስድራኻን ሕቶ ዘሎዎም ቅጥዒታት ምምላእ።
  • መን ምኳንካ ንኸተርኢ ፓስፖርት ወይ ካልኦት ናይ መንነት ሰነዳት ምእታው።
  • ክትሰኣል።
  • ኣሰር ኢድካ ምግዳፍ። እቲ ኣሰር ኢድ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ኣብ ኤውሮጳ ዕቝባ ሓቲትካ እንተ ኾንካ፡ ወይ ፍቃድ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ኣብ ኤውሮጳ ንኽትነብር ክልከላ እንተ ኣለካ ኾይኑ ንምርኣይ ይጠቅም።
  • መን ምኳንካ ንብዓል መዚ ኢሚግራሽን ንገሮም። ንኣብነት ስለ ምንታይ ንሃገርካ ከም ዝገደፍካን ከመይ ጌርካ ናብ ሽወደን ከም ዝተጓዓዝካን ንምንጋር ካብ ሓደ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ።
  • ትውንኖ ገንዘብ ዘይብልካ እንተ ዄንካ ንቝጠባዊ ሓገዝ ኣመልክት። ሓደ ናይ ባንክ ካርድን ብዛዕባ ነየናይ ዓይነት ቍጠባዊ ሓገዝ ከተመልክት ከም ትኽእልን ሓበሬታ ክወሃበካ እዩ። ንስኻ 16 ዓመት ዝመላእካ ባዕልኻ ንቝጠባዊ ሓገዝ ከተመልክት ትኽእል ትኽእል ኢኻ። ከምኡ'ውን ናይ ባዕልኻ ናይ ባንክ ካርድ ይወሃበካ። ትሕቲ 16 ዓመት እንተ ዄንካ ንኽፍሊት ዘመልክተልካን ነቲ ገንዘብካ ዝኣልዮን እቲ ናትካ ግዝያዊ መጕዚ እዩ።
  • ብዛዕባ መስርሕ ዕቝባ ሓበሬታ ርኸብ። እቲ ቀጻሊ ስጕምቲ እንታይ ምኳኑን እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካን።

ድሕሪ ናይ ዕቝባ ምልክታኻ ምእታውካ ሓደ ቅብሊት ክወሃበካ እዩ። እዚ ዕቝባ ሓቲትካ ከም ዘሎኻ መረጋገጺ እዩ።

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ንዓኻን ነቲ ናትካ ግዝያዊ መጕዚ ወይ ህዝባዊ ጠበቓ፡ ንሓደ ተሓዝ ጕዳይ ኣብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክትረኽቡ ኢኹም ዝብል ትሕዝቶ ዘሎዋ ደብዳቤ ክሰድልኩም እዮም። እዚ ካብቲ ንዕቝባ ዘመልከትካሉ ካልእ ቤት ጽሕፈት ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ደብዳቤ ኣበይን ምዓስን ነቲ ተሓዝ ጕዳይ ከም ትረኽቦ ሰፊሩ ኣሎ።

ንስኻን እቲ ግዝያዊ መጕዚን ነቲ ተሓዝ ጕዳይ ኣብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ምስ ረኸብኩሞ፡ መን ምኳንካ፡ ካበይ ዓዲ ከም ዝመጻእካ፡ ብዛዕባ ስድራኻን ኣዝማድካን ከምኡ'ውን ብዛዕባ ጥዕናኻ ክትነግሮ ኢኻ። ከምኡ'ውን ከም ሓትት ዕቝባ ኣብ ዘሎኻሉ ግዜ እንታይ ከም ዘጋጥም ክትዛረቡ ኢኹም። ሕቶታት ከተቕርብ ዕድል ክወሃበካ እዩ።

ከምኡ'ውን ናብ ወለድኻ ወይ ካልኦት ኣዝማድካ ተለፎን ደዊልካ ኣበይ ከም ዘሎኻን ጥዕናኻ ከመይ ከም ዘሎን ንኽትነግሮም ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነዊሕ ተርታ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ንስኻ ድማ ናብቲ ብዛዕባ ዕቕባኻ ዚግበረልካ ምርመራ ክሳዕ ትመጽእ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። እቲ ናይ ትጽቢት ግዜ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተፈላለየ ንውሓት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኵሎም ናይ ዕቝባ ምርመራታት ዝተፈላለዩ እዮም። ስለዚ ንኽትምርምሮም ድማ ዝተፈላለየ ግዜ ይወስዱ።

ንናይ ዕቝባ ምምርማር ናትካ ተርታ ምስ ኣኸለ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ንዓኻን ነቲ ናትካ ግዝያዊ መጕዚን ሓንቲ ደብዳቤ ክልእክልኩም እዮም። ኣብታ ደብዳቤ ነቲ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ተሓዝ ጕዳይ መዓስን ኣበይን ከም ትረኽቦ ሰፊሩ ኣሎ።

ሓደ ምርመራ ዕቝባ፡ ንስኻ መን ምኳንካን ስለ ምንታይ ካብ ሃገርካ ከም ዝወጻእካን ትነግረሉ ዝርርብ እዩ። ከምኡ'ውን ናብ ሃገርካ ክትምለስ እንተ ተገዲድካ እንታይ ከጋጥመኒ ይኽእል ኢልካ ከም ትኣምን ክትነግር ኢኻ።

ኣብቲናይ ዕቝባ ምምርማር ንስኻ፡ ናትካ ግዝያዊ መጕዚን ናትካ ህዝባዊ ጠበቓን ክትርከቡ ኢኹም። ሓደ ወይ ክልተ ሰባት ካብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ሕቶታት ከቕርቡን ነቲ ዝተዘራረብክምሉ ክጽሕፍዎን እዮም። እቲ ዝዝረብ ምእንቲ ክርድኣካ ሓደ ኣስተርጓሚ ኣብቲ ናይ ዕቕባ ምምርማር እውን ክህሉ እዩ።

ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኵሉ ንገሮም

እቲ ናይ ዕቝባ ምርመራ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ናይ ግድን ሓቂ ክትዛረብ ኣሎካ። ኵሉ ዕቝባ መሕተቲኻ ምኽንያት ንኽትነግር ሓላፍነት ዘሎካ ንስኻ ኢኻ። ንናይ ዕቝባ መሕተቲካ ምኽንያት ኣገዳስነት ዘሎዎ ነገር ክትገድፍ ኣይፍቀደካን እዩ። ሓቂ እንተ ዘይተዛሪብካ ወይ ነቲ ዝነገርካዮ እንተ ለዊጥካ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ ዝገብሮ ውሳነ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክርእዮ ትደሊ ተወሳኺ ጭብጢ እንተ ኣለካ ኾይኑ ናብቲ ምርመራ ሒዝካዮ ክትመጽእ ኣሎካ።

ኵሎም ኣብቲ ናይ ዕቝባ ምምርማር ዝሳተፉ ግዴታ ምዕቃብ ምስጢር ኣሎውም። እዚ ንተሓዝ ጕዳይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን፡ ናትካ ህዝባዊ ጠበቓን እቲ ኣስተርጓምን ይምልከት። እዚ ኣብቲ ምምርማር ዝተዛረብካዮ ንኻልእ ሰብ ክነግሩ ኣይፍቀዶምን ማለት እዩ።

እቲ ናይ ዕቝባ ምምርማር ምስ ተገብረን ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ናቶም ውሳኔ ምስ ወሰኑን፡ ናይቲ ናይ ዕቝባ ምልክታኻ እወ ወይ ኣይፋል ዝብል መልሲ ይወሃበካ።