መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ዘሎ ተኽእሎታት ዝጸሉ እንታይ እዩ?

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 29 5 2023

ስደተኛ ወይ ከም ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ (alternativt skyddsbehövande) እንተ ኾንካ፡ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ነፍስ ወከፍ ምልክታ ዕቝባ ብውልቂ ክምርመር ኣሎዎ። እዚ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ሽወደን ንዕቝባ መሕተቲኻ ምኽንያት ጥራይ ክምርምር ኣሎዎ። ንዓኻ ብልክዕ እንታይ ከም ዘጋጠመካን ንዓኻ እንታይ ከጋጥመኒ እዩ ኢልካ ከም ትፈርሕን ማለት እዩ።

ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ንስኻ መን ምኳንካን ስለ ምንታይ ካብ ሃገርካ ከም ዝወጻእካን ናብ ሃገርካ ክትምለስ እንተ ተገዲድካ እንታይ ከጋጥመኒ ይኽእል ኢልካ ከም ትኣምን ናይ ግድን ክትነግር ኣሎካ። ዋላ'ውን ከቢድ ይኹን ብዝተኻእለ መጠን ኣስፊሕካ ብዛዕባኻን ብዛዕባ ኵነታትካን ንገር።

ሓቂ ክትነግርን ዝኾነ ነገር ከይነገርካ ስቕ ከይትብልን ኣገዳሲ እዩ። ንብዓል መዚ ኢሚግረሽን ገለ ነገር ክትነግሮም ዝነበረካ ከም ዝረሳዕካዮ እንተ ዘኪርካ፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ክትነግሮም ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ስምምዕ፡ ሓደ ሰብ ከም ስደተኛ ንኽቝጸር እንታይ ከም ዘድሊ ሰፊሩ ኣሎ። ሓደ ስደተኛ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሰለስተ ዓመት መንበሪ ፍቓድ ይወሃቦ።

ንስኻ ከም ስደተኛ ትቝጸር ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ንኸይትሳደድ ዘለካ ፍርሒ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ ኢሉ እንተ ገምጊሙ እዩ። እቲ ምስዳድ ብምኽንያት እዞም ዝስዕቡ ክኸውን ይኽእል እዩ፡

  • ዓሌት
  • ዜግነት
  • ሃይማኖታዊ ወይ ፖለቲካዊ ርእይቶ
  • ጾታ
  • ጾታዊ ዝንባሌ
  • ኣባል ናይ ሓደ ፍሉይ ማሕበራዊ ጕጅለ


ንገለ ካብ እቶም ንስደት ምኽንያት ዝኾኑ ኢኻ ዝብል ርድኢት እንተ ኣሎ ኾይኑ፡ ተመሳሳሊ ሕጊ ኣብ ግብሪ ይውዕል። ማለት፡ ብምኽንያት ካልኦት ሰባት ኣባል ሓደ ውሱን ዓሌት፡ ዜጋ፡ ሃይማኖት ኢኻ ወይ ፖለቲካዊ ርድኢት፡ ጾታ ወይ ጾታዊ ዝንባሌ ኣሎካ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ ናይ ምስዳዳ ሓደጋ ዘንጸላልወካ እንተ ኾይኑ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ሓደ ሰብ ከም ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ ንኽቝጸር እንታይ ከም ዘድሊ ሓባራዊ ሕግታት ኣሎዎ። ሓደ ከም ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ዝቝጸር ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ 13 ኣዋርሕ መንበሪ ፍቓድ ይወሃቦ።

ከም ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮ ሰብ ንኽትቝጸር ብዓል መዚ ኢሚግረሽን፡ ንስኻ ነዚ ዝስዕብ ሓደጋ ክትቃላዕ ተኽእሎ ኣሎ ኢሉ ምስ ዝግምግም እዩ፡

  • ብሞት ክትቅጻዕ።
  • ንኣካላዊ መቕጻዕቲ፡ ስቅያት፡ ካልእ ዘይሰብኣዊ ወይ ዜዋርድ ኣተሓሕዛ ወይ መቕጻዕቲ ክትቃላዕ።
  • ዋላ'ውን ወትሃደር ከይኮንካ ብምኽንያት ብረታዊ ግጭት ክትጕዳእ።

ሓተትቲ ዕቝባ ዋላ'ውን ከም ስደተኛታት ወይ ኣማራጺ ዕቝባ ዘድልዮም ሰባት ኾይኖም ኣይገምገሙ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቡ ከጋትም ይኽእል እዩ።

እዚ ንኣብነት ከቢድ ሕማም እንተ'ለካ ኾይኑ፡ ኣብ ምስግጋር ሰብ እንተ ተቓሊዕካ ወይ ኣብ ሓደ ገበናዊ ምርመራ ክትሳተፍ እንተ ኾንካ ግብራዊ ክኸውን ይኽእል።