ምብጻሕ ካብ ወጻኢ ሃገር

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 1 12 2022

ካብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ኣዝማድ ወይ የዕሩኽ ክበጽሑኻ እንተ ኾይኖም፡ እቶም በጻሕቲ ቪዛ ከድልዮም ይኽእል እዩ።

እቶም በጻሕቲ ቪዛ ንኽውሃቦም ካባኻ ሓደ ዕድሜ የድልዮም እዩ። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ናይ ግድን ንስኻ መሊእካ ነቶም ክትዕድሞም ዝደለኻ ሰባት ትሰዶ ሓደ ፍሉይ ቅጥዒ ኣሎዎም። ሓደ ቪዛ ን90 መዓልታት እዩ ዘገልግል። ነፍስ ወከፍ በጻሒ ናይ ግድን ናቱ ዕድመ ክህልዎ ኣሎዎ።

እቲ ናብ ሽወደን ካብ 90 መዓልታት ንላዕሊ ምብጻሕ ክፍጽም ዝደሊ ሰብ፡ ነቲ ምብጻሕ መንበሪ ፍቓድ የድልዮ እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነት ካልእ ቅጥዒ እዩ ዝምላእ።

ምስቲ ቅጥዒ ኣተሓሒዝካ ነዚ ዝስዕብ ክትልእኽ ኣሎካ፡

  • ሓደ ካብ ብዓል መዚ ግብሪ ዝወጽእ ፍሉይ ወረቐት ምስክር ልደት (personbevis)፡
  • ቅዳሕ ናይ መንነት ሰነድን
  • ኣብቲ እዋን ምብጻሕ ንመነባብሮ ናይ በጻሒ መን ከም ዝሽፍኖ ዘርኢ ሰነድን።

እቶም በጻሕቲ ነቲ መገሻን ንመንበሪን ዝኸውን ገንዘብ ከም ዘለዎም ከርእዩ የድልዮም እዩ። ከምኡ'ውን ኣብቲ ናይ ምብጻሕ እዋን እንተ ሓሚሞም ነቲ ወጻኢታት ክሽፍን ዝኽእል መድሕን ሕማም የድልዮም እዩ።

እቶም በጻሕቲ ነቲ ናይ ቪዛ ምልክታ ባዕሎም ከእትውዎ ኣሎዎም። ንስኻ ንኻልእ ሰብ ከተመልክተሉ ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ ምልክታ ናብ ናይ ሽወደን ኤምባሲ ወይ ናብ ላዕላይ ቆንስል ይኣቱ።