ናጻ ግዜ፡ ባህሊን ማሕበራዊ ሂወትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 11 4 2023

ኣብዚ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነት ንጥፈታት ናጻ ግዜ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናጻ ግዜ ንቈልዑን መንእሰያትን

ናጻ ግዜ፡ ባዕልኻ እንታይ ክትገብር ከም ትድሊ ትመርጾ ግዜ እዩ። ናጻ ግዜ ክህልወካ ኣገዳሲ እዩ። በታ ትነብረላ ኮሙን ወይ ብማሕበራትን ክለባትን ዝዳሎ ብዙሕ ናይ ናጻ ጋዜ ንጥፈታት ኣሎ። ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ እንታይ ከም ዘሎ ንኮሙንካ ሕተት ወይ ኣብ ናይታ ኮሙን መርበብ ሓበሬታ ኣንብብ።

ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት ንቈልዑን መንእሰያትን

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኮሙናት ንመንእሰያት ኣብ መንጎ 12ን 16ን ዓመት ዝኸውን መዘናግዒ ማእከል ኣሎ። ከምኡ'ውን ካብኡ ንዝዓብዩ መንእሰያት ዝኸውን መዘናግዒ መእከል መንእሰያት ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብ መዘናጝዒ ማእከል መንእሰያት ንኣብነት ፊልም ናይ ምርኣይን የዕሩኽቲ ምርካብን ዕድላት ኣሎ።

ብጀካ መናግዒ ማእከል መንእሰያት ብዙሓት ኮሙናት ንመንእሰያት ፍሉይ ተበግሶታት ኣሎወን። ምናልባት መንእሰያት ተራኺቦም ዝተፈላለየ ፕሮጀክት ወይ ጕጅለታት ክጅምርሉ ዝኽእሉ ማእከል መንእሰያት ወይ መራኸቢ ቦታታት ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ሽወደን ናይ ስፖርት ማሕበራት ንብዙሓት ቈልዑን መንእሰያትን ኣገደስቲ እየን። ኣብኡ ዝተፈላለየ ስፖርት ንኣብነት ከም ኵዕሶ እግሪ፡ ምውጣሕ ፈረስን ምሕምባስን ዝኣመሰሉ ስፖርትታት ክለማመዱ ይኽእሉ።

ቤት ትምህርቲ ባህሊ ንቈልዑን መንእሰያትን ድሕሪ ትምህርቲ ኣብ ስነ-ጥበባውን ባህላውን ንጥፈታት ክሳተፉ ዕድል ይህብ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ባህሊ ቈልዑ ካልእ ገዲፍካ መሳርሒ ሙዚቃ፡ ምድራፍ፡ ምስዕሳዕ፡ ምውሳእ ይምሃሩን ድሕሪ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነት ስነ-ጥበብ ይዋስኡን።

ነፍስ ወከፍ ኮሙን ሓደ ቤት ንባብ ኣሎዋ። እቲ ቤት ንባብ ንዅሉ ሰብ ክፉት እዩ።

ኣብ ቤት ንባብ ንቈልዑን ዓበይትን ዝኸውን ብዝተፈላለየ ቋንቋታት መጻሕፍቲ፡ ጋዜጣታት፡ መጽሄታት፡ ናይ ቋንቋ መምሃሪ፡ ናይ ሕብረተሰብ ሓበሬታ፡ ሙዚቃ፡ ፊልም፡ ኮምፕዩተራት ወዘተ ኣሎ። ካብ ቤት ንባብ መጻሕፍቲ ምልቃሕ ኣይክፈሎን እዩ። መጻሕፍቲ ንምልቃሕ ሓደ መለቅሒ ካርድ የድሊ እዩ።እቲ መለቅሒ ካርድ ብናጻ እዩ። እቲ ናይ መለቅሒ ግዜ መብዛሕትኡ ግዜ 4 ሰሙናት እዩ። ግን ዝሓጸረ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ቅብሊትካ ርኣዮ

ማሕበራዊ ሂወት ንቈልዑን መንእሰያትን

ኣብ ሽወደን ብዙሓት ማሕበራት ክለባት ኣለዋ። ንዅሉ ዓይነት ተገዳስነት ዝኾና ማሕበራት ኣሎዋ። ናይ ፖርት ክለባት፡ ናይ ፊልም ክለባት፡ ናይ ትያትር ጕጅለታት፡ ናይ ጸወታ ማሕበራት፡ ጕጅለታት ስካውት፡ ናይ ዓሌት ማሕበራት፡ ናይ ኣብ ግዳም ዝግበር ንጥፈታት ማሕበራት፡ ናይ ስእሊ ምልዓል ማሕበራትን ካልኦት ብዙሓትን ኣሎዋ። ኣባል ናይ ሓንቲ ማሕበር ብሙዃን ነቲ ደስ ዝብለካ ነገር ትገብር። ከምኡ'ውን ኣብኡ ተነሳሳሊ ገዳስነት ዘለዎም ካልኦት ሰባት ትፋለጥ።