ኣልኮሆል፡ ዕጸፋርስ፡ ሓይሊ ዝህቡ መድሃኒት፡ ትምባኾን ቁማርን ኣኤንደተኤስ (ANDTS)

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 15 8 2023

ናይ ሂወት ኣመላት ኣብ ጥዕናና ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎም ኣመላት እዮም። ሽጋር ምትካኽ፣ ኣልኮላዊ መስተን ናርኮቲክን ንሕማም ከቃልዓካ ይኽእል እዩ። ብገንዘብ ምጥላዕ እውን ናብ ጸገማትን ሕማምን ከምርሕ ይኽእል እዩ።

ትምባኾ ትሕዝቶ ናይ ብዙሓት መርዛማት ንጥረ-ነገራት ኣሎዎ። ካልእ ገዲፍካ እቲ ኣብ ፍርያት ትምባኾ ዝርከብ ወልፊ ዘትሕዝ ንጥረ-ነገር ኒኮቲን። ትምባኾ ኣብ ስኑስ (ወዲ ዓካር)፣ ሽጋራ፣ ሲጋርን ሺሻን እውን ኣሎ። ኤለክትሮናዊ ሽጋራ መብዛሕትኡ ግዜ ትሕዝቶ ናይ ኒኮቲን ኣለዎም።

ሽጋራ ምትካኽ ብዙሓት ሕማማት ንኽሕዙኻ ዘሎ ተኽእሎ የዕብዮን ሰባት ቅድሚ ግዚኦም ከም ዝሞቱ ይገብርን እዩ። ኣዝማ መንሹሮ፣ ናይ ሳምቡእ ሕማማት፣ ሕማማት ልብን ሰራውር ደምን ከምኡ'ውን ቁስሊ ከስዓ ኣብነታት ናይ ሽጋራ ከስዕቦም ዝኽእል መጕዳእትታት እዮም። ብቐሊሉ ወልፊ ናይ ኒኮቲን ክሕዘካ ይኽእል እዩ። ወልፊ፡ ኣካላት ገለ ነገር ምርካብ ይለምድ እሞ ከም እንደገና ክረኽቦ ይደሊ ማለት እዩ። ናይ ኒኮቲን ወልፊ ሒዙካ እንተ ኾይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ክትገድፎ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ስኑስ (ወዲ ዓኻር) ኣብ ትሕቲ ከንፈርካ ተእትዎ ትምባኾ እዩ። ስኑስ ጕድኣትን ሕማማትን ኣብ ኣፍካ ከምጽኣልካ ይኽእልን መንሹሮ ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ኤለክትሮናዊ ሽጋራ ብሓደ ትሕዝቶ ናይ ዝተፈላለዩ መጥዓሚ ንጥረ-ነገራትን ከሚካላትን ዘለዎ ፈሳሲ ዝሓዘ መትሓዚ ዝቖመ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኒኮቲን ኣብኡ ይኣቱ እዩ ብኣንጻሩ ትምባኾ ግን ኣይኣቱን እዩ። ኤለክትሮናዊ ሽጋራ ምትካኽ ንጥዕናኻ ክጎድኦ ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን ናብ ናይ ትምባኾ ሽጋራ ምትካኽ ናይ ምስግጋር ሓደጋ እውን ኣሎዎ።

ኣብ ሺሻ መጥዓሚ ዝተገብሮ ትምባኾ ወይ ትሕዝቶ ናይ ጥረ-ሽኮር፣ ተወሰኽቲ ቀመማትን መመቀርን ዘለዎ ብዙሕ ትኺ ተትክኽ። ጥረ ሽኮር ትሕዝቶ ናይ ትምባኾ ወይ ኒኮቲን የብሉን። ሽሕ'ኳ ዝፈኾሰ ጨናን መቐረትን ይሃልዎ፡ እቲ ትኺ ልክዕ ከም ናይ ትምባኾ ትኺ ትሕዝቶ ናይ ካርቦን ሞኖክሳይድን መንሽሮ ዘስዕብ ንጥረ-ነገራትን ኣሎዎ።

ምስ ዘትክኽ ዘሎ ሰብ ኣብ ሓደ ክፍሊ እንተ ኣሎኻ ዄንካ ነቲ ትኪ ናብ ውሽጥኻ ተተንፍሶ ኢኻ። እዚ ልኡም ምትካኽ ይብሃልን ልክዕ ነቲ ዘትክኽ ዘሎ ሰብ ዝሕዝዎ ሕማማት ድማ ከም ዝሕዘካ ክገብር ይኽእልን እዩ።

ናይ ትምባኾ ወይ ኒኮቲን ትሕዝቶ ዘለዎም ፍርያት ንኻብ 18 ዓመት ንታሕቲ ዕድመኦም ሰባት ክሽየጥ ኣይፍቀድን እዩ። እዚ ሕጊ ንመንእሰያት ንኽከላኸለሎም ዝወጸ እዩ። ኣብ ቤት መግቢ፣ ካፈታት፣ ናይ ስራሕ ቦታታት፣ ኣብ ኣፍ ደገ ሆስፒታል፣ መእተዊታት፣ ናይ ቤት ትምህርቲ መጻወቲ ቦታታት፣ ናይ ስፖርት ቦታታት፣ ናይ መጻወቲ ቦታታት፣ መዕርፎ ኣውቶቡሳትን ኣብ መድረኽ ባቡርን ሽጋራ ምትካኽ ክልኩል እዩ።

ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ

ሽጋራ ምትኻኽ ወይ ስኑስ ምውሳድ ክትገድፎ እንተ ደሊኻ፡ ካብቲ ናትካ ማእከል ክንክን ጥዕና ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኵሉ ግዜ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ደዊልካ ምኽሪ ብዛዕባ ክንክን ሕማም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

መስመር ሽጋራ ግደፎ (Sluta Röka-linjen) - ብዛዕባ ትምባኾ ካብ ሰራሕተኛታት ብናጻ ብተለፎን ምኽሪ ትረኽበሉ ሓደ ዝያዳ ሓበሬታ ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ። ሽጋራ ወይ ስኑስ ንግዳፍ ሓገዝ እንተ ደሊኻ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 020-84 00 00 ደውል።

ኣልኮል ኣብ ብዙሓት ዝተፈላለዩ መስተታት ኣሎ፡ ንኣብነት ኣብ ቢራ፣ ጽማቝ ቱፋሕ፣ ነቢትን ኣልኮላዊ መስተን ኣሎ። ኣልኮል ንኣካላት ሳዕበን ዘለዎ ሓደ መርዚ እዩ። ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ንዝኾነ ሰብ ጽቡቕ ኣይኮነን። ግን ብዙሕ ምስታይ ንመንእሰያት ብዝያዳ ሓደገኛ እዩ። ሰብ ክሳብ 25 ዓመት ዝመልእ ሓንጎሉ ይዓቢ ወይ ይምዕብል እዩ። ስለዚ እዮም መንእሰያት ብኣልኮላዊ መስተ ብቐሊሉ ክጕድኡ ዝኽእሉ። ከምኡ'ውን ኣብ ንኡስ ዒድምኦም ኣልኮላዊ መስተ ክሰትዩ ዝጀመሩ ሰባት፡ ወልፊ ንኽሕዞም ዝዓበየ ተኽእሎ እዩ ዘሎ።

ኣብ ሽወደን ኵሎም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ከም ቈልዓ እዮም ዝሕሰቡ። ንቈልዑን መንእሰያትን ካብ ሓደጋ ወይ ጕድኣት ንምድሓን ንኣልኮላዊ መስተ ዝምልከት ሕጊታት ኣሎዉ።

  • ኣብ ቤት መግቢ ወይ ባር ኣልኮላዊ መስተ ንምስታይ ናይ ግድን እንተ ወሓደ 18 ዓመት ዝመላእካ ክትከውን ኣሎካ።
  • ኣብ ሲስተምቡላገት (Systembolaget)ኣልኮላዊ መስተ ንኽትዕድግ ናይ ግድን እንተ ወሓደ 20 ዓመት ዝመላእካ ክትከውን ኣሎካ።
  • ሓደ ዓቢ ሰብ ንሓደ ካብ 20 ዓመት ዝንእስ ሰብ ኣልኮላዊ መስተ ክገዝኣሉ ወይ ክህቦ ዘይሕጋዊ እዩ።

ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ

ባዕልኻ ናይ ኣልኮል ጸገም እንተ ኣለካ ኾይኑ ወይ ብሓደ ዓርክኻ ወይ ምሓዛኻ ትሻቐል እንተ ኣለኻ ዄንካ፡ ምስ ጥዕና ተምሃራይ ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ምስ ክሊኒክ መንእሰያት ወይ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ኵሉ ግዜ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ደዊልካ ምኽሪ ብዛዕባ ክንክን ሕማም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናትካ ወይ ናይ ካልእ ሰብ ናይ ኣልኮል ኣመላት የተሓሳስበካ እንተ ኣሎ ኾይኑ ናብ ኣልኮሆልሊንየን (Alkohollinjen) እውን ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ምስ ዝተማህሩ ኣማኸርቲ ክትዛረብ ትኽእል። ናብ ኣልኮሆልሊንየን ብናጻን ብስመ-ስውር (anonymt) ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ብስመ-ስውር (anonymt) ምድዋል፡ መን ምዃንካ ምንጋር ኣየድልየካን ማለት እዩ።

ብቝጽሪ ተለፎን 020-844 448 ናብ ኣልኮሆልሊንየን (Alkohollinjen) ድውል።

ንዓኻ ብዕደመ ንእሽተይ ዝኾንካ ሓደ ብሪስ- ናይ ቈልዑ መሰል ኣብዚ ሕብረተ ሰብ ዝበሃል ውድብ ኣሎ። ምስ ሓደ ኣማኻሪ ንኽትዛረብ ናብ ብሪስ (BRIS) ክትድውል፣ ኢ-መይል ክትሰድድ ወይ ብኮምፕዩተር ከተዕልል (chatta) ትኽእል ኢኻ። ኣይክፈሎን እዩ ስመ-ስውር (ስምካ ከይነገርካ) እውን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ናብ ብሪስ (BRIS) ብቝጽሪ ተለፎን 116 111 ደውል።

ብዛዕባ ሓደ ኣዚዩ ዝሰኸረ ሰብ ተሻቒልካ እንተ ኣሎኻ ዄንካ፡

  • ምስ ሓደ ዓቢ ሰብ ተራኸብ
  • ብቝጽሪ ተለፎን 1177 ምስ እቲ ምኽሪ ብዛዕባ ክንክን ሕማም ዝህብ ተራከብ
  • ምስ ፖሊስ ተራኸብ
  • ናብ ሓደ ሆስፒታል ኪድ
  • እቲ ሰብ ሃለዋቱ እንተ ኣጥፊኡ ኾይኑ ናብ 112 ደውል

ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ብዝያዳ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነዘን ዝስዕባ መርበብ ሓበሬታ ክትበጽሓን ትኽእል ኢኻ፡

ኣብ ሽወደን ኵሉ ዓይነት ናርኮቲካ ክልኩል እዩ። ድሮጋ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ክንዲ ናርኮቲካ ዝጥቀም ካልእ ቃል እዩ። ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓይነት ድሮጋ ኣሎዉ፡ ንኣብነት ከም ኣምፈታሚን፣ ኮከይን፣ ሄሮይንን ካናቢስን። ጫት እውን ከም ናርኮቲካ እዩ ዝቝጸር። ከም ናርኮቲካ ዝምደቡ መድሃኒት እውን ኣሎዉ። እዚኦም ብመሰረት ናይ ሓኪም ትእዛዝ ጥራይ ክውሰዱ ዘለዎም እዮም።

ካናቢስ (ሓሽሽን ማሪዋናን) እቲ ብብዝሒ ዝዝውተር ናርኮቲካ ኣብ ሽወደን እዩ። ምጥቃም ካናቢስ ከም ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ምቅይያር ናይ ኣዕሩኽትን ግርጭት ኣብ ገዛን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ማሕበራዊ ጸገማት ከስዕብ ይኽእል እዩ ። ሓንጎል ብካናቢስ ይትንከፍ እዩ። እዚ ድማ ናብ ሓሳባት ፋሕ ምባልን ከይሓሰብካ ምምላስን ከምርሕ ይኽእል እዩ። ከምኡ'ውን ኣብ ቀረባ ግዜ ዘጋጠመ ንምዝካሩ ብዝያዳ ዝኸበደ ይገብሮን ሓድሽ ነገር ንምምሃር የኽብዶን እዩ።

ናርካቲካ ወልፊ ዘትሕዝ እዩ። ናርኮቲካ ትጥቀም እንተ ዄንካ መብዛሕትኡ ግዜ ንኽትገድፎ ከቢድ እዩ። ነቲ ድሮጋ ብዙሕ ግዜ ወይ ብብዝሒ ትወስዶ እንተ ዂንካ፡ ወልፊ ንኽሕዘካ ዝዓበየ ተኽእሎ ኣሎ። ወልፊ እንተ ሒዙካ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ሕክምናውን ማሕበራውን ጸገማት ከምርሕ ይኽእል እዩ።

ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ምጥቃም (Doping) ብዛዕባ ንናይ ጭዋዳታት ሓይልን ብርታዓን ንኽዓቢ ንሆርሞን መሸባሸቢ ብዘይ ግቡእ ምጥቃም እዩ። ኣብ ሽወደን ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ምጥቃም (Doping)ክልኩል እዩ። ምጥቃም ኣናቦሊክ ኣንድሮጂን ስትሮይድስ (AAS)፡ ኣብነት ምጥቃም ናይ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት እዩ። ኣናቦሊክ ኣንድሮጂን ስትሮይድስ ዝጥቀም ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ብርቱዕ ፈጸጋ፣ ምልውዋጥ ጠባይ፣ ልምሰት፣ ጸገም ፍርያምነትን ከበድቲ ናይ ልብን ሰራውርን ሕማማት ዝኣመሰሉ ጐድናውያን ሳዕቤናት ይገብረሎም እዩ።

ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ

ባዕልኻ ናይ ናርኮቲካ ጸገም እንተ ኣለካ ኾይኑ ወይ ብሓደ ዓርክኻ ወይ ምሓዛኻ ትሻቐል እንተ ኣለኻ ዄንካ፡ ምስ ጥዕና ተምሃራይ ኣብ ቤት ትምህርቲ፣ ምስ ክሊኒክ መንእሰያት ወይ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ኵሉ ግዜ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ደዊልካ ምኽሪ ብዛዕባ ክንክን ሕማም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

Cannabishjälpen ንዓኻ ካናቢስ ምጥቃም ክትገድፎ ትደሊ ሞያዊ ሓገዝን ፍወሳን ወይ ንዓኻ መቕርብ ዝኾንካ ሓገዝ ዝህብ ሓደ መርበብ ሓበሬታ እዩ።

ኣናቦሊክ ኣንድሮጂን ስትሮይድስ ትጥቀም እንተ ዄንካ፡ ኣብ ተረኛ ናይ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ዝጥቀሙ፣ Dopingjouren ሓገዝን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ናይ ካልእ ሰብ ምጥቃም ናይ ሓይሊ ዝብህ መድሃኒት ትሻቐል እንተ ዄንካ እውን ምስ ተረኛ ናይ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ዝጥቀሙ፣ Dopingjouren ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ብቝጽሪ ተለፎን 020–546 987 ናብቲ ተረኛ ናይ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ዝጥቀሙ፣ Dopingjouren ናይ ምኽሪ ብተለፎን ብስመ-ስዉር ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ብስመ-ስውር (anonymt) ምድዋል፡ መን ምዃንካ ምንጋር ኣየድልየካን ማለት እዩ።

ንዓኻ ብዕደመ ንእሽተይ ዝኾንካ ሓደ ብሪስ- ናይ ቈልዑ መሰል ኣብዚ ሕብረተ ሰብ ዝበሃል ውድብ ኣሎ። ምስ ሓደ ኣማኻሪ ንኽትዛረብ ናብ ብሪስ (BRIS) ክትድውል፣ ኢ-መይል ክትሰድድ ወይ ብኮምፕዩተር ከተዕልል (chatta) ትኽእል ኢኻ። ኣይክፈሎን እዩ ስመ-ስውር (ስምካ ከይነገርካ) እውን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ናብ ብሪስ (BRIS) ብቝጽሪ ተለፎን 116 111 ደውል።

ብዛዕባ ናርኮቲካ ብዝያዳ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነዘን ዝስዕባ መርበብ ሓበሬታ ክትበጽሓን ትኽእል ኢኻ፡

ናይ ጠላዕ ምጽዋት ጸገም እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ክንደይ ገንዘብ ከም ዘሎካን ክንደይ ግዜ ብገንዘብ ጠላዕ ኣብ ምጽዋት ከም ተጥፍእን ክትቈጻጸሮ ይኸብደካ ማለት እዩ። ናይ ጠላዕ ምጽዋት ጸገም ንዝምድና፣ ቍጠባን ጥዕናን ክጎድኦም ይኽእል እዩ። እቲ ጸገም ነቶም ብዙሕ ዝጻወቱ፣ ግን ንስድርኦም፣ የዕሩኽቶምን ነቲ ሕብረተ ሰብ እውን ይብዛሕ ይውሓድ የጥቅዖም እዩ።

ብዙሕ ምጥላዕ ናብ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማም ከም ሻቕሎት፣ ጭንቀት፣ ጓሂን ሓሳባት ነብሰ ቅትለትን ከምርሕ ይኽእል እዩ። ናይ ጠላዕ ምጽዋት ጸገም ቍጠባዊ ሳዕቤናት ኣሎዎ። ናይ ጠላዕ ምጽዋት ጸገም ዘለዎም ሰባት፡ ፋክቱራ ምኽፋል የጸግሞን፣ ኣብ ምዝገባ ዘይተኸፍለ ዕዳ ይኣትዉ ከምኡ'ውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ብዙሕ ዕዳ ይኣትዉ።

ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ

ንስኻ ባዕልኻ ወይ ገለ ትፈልጦ ሰብ ናይ ጠላዕ ምጽዋት ጸገም ኣለኩም ድዩ? ናይ ጠላዕ ምጽዋት ልምድታትካ ክትቅይሮ እንተ ደልኻ ካብ ማእከል ክንክን ጥዕና ወይ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ጕዳያት ሓገዝን ምኽርን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኵሉ ግዜ ናብ ቍጽሪ ተለፎን 1177 ደዊልካ ምኽሪ ብዛዕባ ክንክን ሕማም ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

Stödlinjen ናይ ጠላዕ ምጽዋት ጸገም ንዘለዎም ሰባት ደገፍን ሓገዝን ዘወፊ ሓደ መርበብ ሓበሬታ እዩ። ዘመድ ናይ ጠላዕ ምጽዋት ጸገም ዘለዎ ሰባት እውን ካብ Stödlinjen ሓገዝ ክረክብ ይኽእል እዩ። መን ምኳንካ ከይነገርካ ናብ Stödlinjen ብቝጽሪ ተለፎን 020–819 100 ደዊልካ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብስመ-ስውር (anonymt) ምድዋል፡ መን ምዃንካ ምንጋር ኣየድልየካን ማለት እዩ።

ኣብ መርበብ ሓበሬታ Spelpaus.se ኣብቶም ምዝገባ ዝሓቱ ኣብ ሽወደን ብገንዘብ ጠላዕ ከጻውቱ ፍቓድ ዘለዎም ናይ ጠላዕ ትካላት ከም ዘይትኣቱ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።