ሓታቲ ዕቝባን 18 ዓመት ትመልእ እንተ ዄንካን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 31 5 2023

18 ዓመት ምስ መላእካ ወይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ዕድሜኻ ናብ ልዕሊ 18 ዓመት ክቕየር ኣለዎ ኢሉ እንተ ወሲኑ፡ ድሕሪኡ ከም ቈልዓ ኣይትቝጸርን ኢኻ። እዚ በጽሒ (ዓቕመ ኣዳም) ኣኺልካ ይብሃል። ከም ሓታት ዕቝባ መጠን በጽሒ ምስ ኮንካ እንታይ ከም ዘጋጥም ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ካብዚ ግዜ እዚ ንደሓር ንቍጠባኻን መንበሪኻን ዚምልከት ሓላፍነት የብሎምን። ካብዚ ግዜ እዚ ንደሓር ናይ ግዝያዊ መጕዚ መሰል የብልካን።

ቅድሚ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ መልሲ ምርካብካ በጽሒ እንተ ኣኺልካ፡ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ናትካ ሓላፍነት ይወስዱ። በጽሒ ምስ ኣኸልካ እንታይ ከም ዘጋጥም ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ናብ ሓደ ናይ 18 ዓመት ዝርርብ ክትጽዋዕ ኢኻ። ብዓል መዚ ኢሚግረሽን እቲ ናትካ ምዓልታዊ ክፍሊት ከመይ ከም ዝኸውን እውን ክሕብሩኻ እዮም።

ኣብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ዘሎ ጕዳይካ ብመሰረት እቶም ንዓበይቲ ሓተቲ ዕቝባ ዚምልከት ሕግታት ክተሓዝ እዩ። ምስ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ርክብ ምግባር ባዕልኻ ሓልፍነት ትወስድ።

18 ዓመት ምስ መላእካ ወይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ዕድሜኻ ናብ ልዕሊ 18 ዓመት ክቕየር ኣለዎ ኢሉ እንተ ወሲኑ፡ ድሕሪኡ ኣብቲ ኮሙን ዘዳለወልካ መንበሪ ምንባር ክትቅጽል ኣይትኽእልን ኢኻ።

ምናልባት ኣብቲ ኮሙን ኣብ ሓደ ናይ ባዕልኻ መንበሪ (EBO) ክትጸንሕ ዕድል ይህልወካ ይኸውን። እንተ ዘኮነ ናይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን መንበሪ ገዛውቲ ክትግዕዝ ኣለካ። ሽዑ ኣበየነይቲ ኮሙን ክትነብር ከም ዝኾንካ ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። እንተ ተኻኢሉ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ጥቓ እቲ ትነብረሉ ሓደ መንበሪ ክረኽቡልካ ክፍትኑ እዮም። ሓደ ሓደ ኮሙናት መንበሪ ኣዳልየን ነቶም ልዕሊ 18 ዓመት መንእሰያት ኣብኡ ምንባር ክቕጽሉ የፍቅዳሎም እየን። ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት እውን ፍሉይ ምኽንያት ኣሎ ኢሎም እንተ ገምጊሞም ኣብኡ ናይ ቀጻሊ መንበሪ ዕድል ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ሓታቲ ዕቝባ ኣብ ዘለኻሉ እዋን መንበሪኻ ባዕልኻ ከተዳሉ እንተ መሪጽካ፡ መንበሪ ፍቓድ እንተ ተዋሂብካ ናይ መንበሪ ሓገዝ ኣይክትረክብን ኢኻ።

18 ዓመት ምስ መላእካ ወይ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ዕድሜኻ ናብ ልዕሊ 18 ዓመት ክቕየር ኣለዎ ኢሉ እንተ ወሲኑ፡ እቶም ንኽንክን ጥዕናን ክንክን ሕማምን ዝምልከቱ ሕግታት ይቕየሩ እዮም። ዓበይቲ ሓተትቲ ዕቝባ ናይ ክጸንሕ ዘይክእል ሕክምና፡ ክንክን ሕርሲ፡ ሕክምና ኣብ እዋን ምንጻል ጥንሲ፡ ምኽሪ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ፡ ክንክን ጥዕና ኣዴታትን ከምኡ’ውን ክንክን ብመሰረት ሕጊ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን መሰል ጥራይ እዩ ዘለዎም።