ቤት ትምህርቲ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 16 5 2023

ኵሎም ቈልዑ ንኽምሃሩ መሰል ኣሎዎም። እቲ ኮሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቦታ ክቕርበልካ ግዴታ ኣሎዎ። ኣየኖት ሕግታት ከም ዘገልግሉ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ናይ ሽወደን ቤት ትምህርቲ ንኽትምሃር ኣየናይ ሓገዝ ክትረክብ ከም ትኽእል ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

መሰል ንትምህርቲ

ናብ መውዓሊ ህጻናት፡ ክፍሊ ቅድመ-ትምህርቲ፡ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ፡ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ፡ ፍሉይ ቤት ትምህርትን መጻንሒ ድሕሪ ትምህርትን ክትከይድ መሰል ኣለካ።

ሓታቲ ዕቝባን ቅድሚ 18 ዓመት ምምላእካ ትምህርትኻ ዝጀመርካን እንተ ዄንካ፡ ኣብ ካልኣይ ደርጃ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክትምሃር መሰል ኣለካ።

መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ፡ ክሳብ እታ 20 ዓመት ትመልኣላ ዘላ ቐዳመይቲ መንፍቕ ዓውደ-ኣዋርሓዊ ዓመት ትምህርትኻ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደርጃ ወይ ከም ዝሰማማዕ ዝተገበረ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክትምሃር መሰል ኣለካ።

ግዴታ ትምህርቲ

ግዴታ ትምህርቲ፡ ንኸይትገብሮ ዘኽእል ብቑዕ ምኽንያት እንተ ዘብልካ ኾይኑ ናይ ግድን ክትምሃር ኣሎካ ማለት እዩ።

ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ትምሃር፡ መንበሪ ፍቓድ ዘሎካን ኣብ ሓደ ኮሙን ህዝባዊ መዝገብ ምዝጉብ ወይ ክትምዝገብ እንተ ዄንካ፡ ግዴታ ትምህርቲ ኣሎካ። እቲ ግዴታ ትምህርቲ ኣብታ ሽዱሽተ ዓመት ትመልኣላ ዘላ ናይ ቀውዒ ክፋል ዓመት ይጅምር። እቲ ግዴታ ትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንትሽዓተ ዓመት እዩ ዚምልከት። ግዴታ ትምህርቲ ብመሰል ንትምህርቲ ይፍጸም።

ምስቲ ናትካ ኮሙን ርክብ ግበር

እቲ ናትካ ኮሙን ቦታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክቕርበልካ ግዴታ ኣሎዎ። ንስኻ ሓታት ዕቝባ እንተ ዄንካ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ክትጅምር ወይ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቦታ ክቕረበልካ ኣሎዎ። እዚ ናብ ሽወደን ምስ መጻእካ እንተ ደንጎየ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ክፍጸም ይግብኦ። መንበሪ ፍቓድ ኣንተ ኣሎካ ኾይኑ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ክትጅምር ወይ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቦታ ክቕረበልካ ኣሎዎ።

ግምገማ

ግምገማ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ

ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ክትጅምር ከሎኻ እቶም ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ክእለትካ ክግምግሙ የድልዮም እዩ። ኣብቲ ግምገማ እቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ቤት ትምህርቲ ንናትካ ዕድመ፡ ዝቐደመ ፍልጠትካን ውልቃዊ ኵነታትካን ኣብ ግምት የእትዉ እዮም። ትምህርቲ ካብ ዝጀመርካላ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ እቲ ርእሰ መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣበየናይ ደረጃን ክፍልን ከም ትጅምር ክውስን ኣሎዎ። እቲ ግምገማ ናይ ፍልጠትካ ንናይ ቀጻሊ ትምህርቲኻ መደብ ምውጻእ እውን የገልግል እዩ። እቲ ግምገማ ክግበር ከሎ ሓደ ኣስተርጓሚ ክግበር እዩ ወይ ቋንቋ ኣደኻ ዝዛረብ መምህር ክገብሮ እዩ።

ግምገማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እቶም መምህራን ቀጻሊ ግምገማ ናይ ፍልጠትካ ክገብሩ እዮም። እቲ ግምገማ ንቐጻሊ ትምህርቲኻ መሰረት እዩ።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ምምሃር ብወለንታ እዩ ዝግበር። ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ መደባት ትምህርቲ ወይ መላለዪ መደብ ትምህርቲ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብዞም ሃገራዊ መደባት ትምህርቲ፡ ሞያዊ መደብን ንዩኒቨርሲቲ ወይ ኮለጅ ንምእታው መቀራረቢ መደብን ኣለዉ።

ኣብ ሞያዊ መደብ ትምህርቲ ክትምሃር ንኽትክእል ናይ ሽወደኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ እንግሊዝኛ፡ ሕሳብን ተወሰኽቲ ካልኦት ሓሙሽተ ዓይነት ትምህርትታትን ዝሓለፍካሉ ወረቐት ምስክር የድልየካ እዩ። እዚ ብጠቕላላ ናይ ሸሞንተ ዓይነት ትምህርቲ ዝሓለፍካሉ ወረቐት ምስክር የድሊ ማለት እዩ።

ኣብ ናይ ዩኒቨርሲቲ መቀራረቢ መደብ ክትምሃር ንኽትክእል፡ ናይ ሽወደንኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ እንግሊዝኛ፡ ሕሳብን ካልኦት ተወሰኽቲ ትሽዓተ ዓይነት ትምህርቲን ዝሓለፍካሉ ወረቐት ምስክር የድሊ። እዚ ብጠቕላላ ናይ ትሽዓተ ዓይነት ትምህርቲ ዝሓለፍካሉ ወረቐት ምስክር የድሊ ማለት እዩ።

ናብዞም ሃገራዊ መደባት ትምህርቲ ዘእቱ ነጥቢ ዘይብልካ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ መላለዪ መደብ ትምህርቲ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብ መላለዪ መደባት ትምህርቲ ዝምልከት ፍጥነት ትምህርቲ፡ መጠንን ትሕዝቶን ተዓጻጸፍቲ እዮም። እዞም መደባት ኣቐዲሙ ምስ ዝነበረካ ፍልጠትን ሕጂ ምስ ዘድዩኻካ ነገራትን ከም ዝሰማምዑ ክኾኑ ዘለዎም እውን እዮም።

መቀራረቢ ትምህርቲ

እንተ ነውሓ ንኽልተ ዓመት ኣብ መቀራረቢ ትምህርቲ ንኽትምሃር ዕድል ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ዕላማ ኣብ ውሽጢ እቲ መቀራረቢ ትምህርቲ ሓደ ወይ ብዙሓት ዓይነት ትምህርቲ ትምሃረሉ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብቲ ምዱብ ትምህርቲ ነቲ ትምህርቲ ምእንቲ ክከታተሎ ቅሩብ ንኽትከውን እዩ። ኣብ መቀራረቢ ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ዓይነት ትምህርቲ እንዳ ተማሃርካ ማዕረ ማዕሪኡ መባእታ ቋንቋ ሽወደንኛ ክትምሃር ኢኻ።

ኵሉ ትምህርቲኻ ኣብዚ ትምህርቲ ክትረኽቦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ክንደይ ክፋል ብዝሒ ናይቲ ትምህርቲ ኣብ መቀራረቢ ክፍሊ፡ ክንደይ ክፍል ብዝሒ ኣብ ንቡር ክፍሊ ከም ዝወሃብ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። እቲ ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዝውደብ እቲ ርእሰ መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ እዩ ዝውስን።

እቲ መምህር ፍልጠትካ ኣብ መቀራረቢ ትምህርቲ ኣብቶም ዝተፈላለዩ ዓይነት ትምህርቲ ክግምግሞ እዩ። እቲ መምህር ኣብ ንቡር ክፍሊ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ክትከታተል ትኽእል ኢኻ ኢሉ ምስ ገምገመ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ መቀራረቢ ክፍሊ ኣብቲ ትምህርቲ ክትካፈል ኢኻ።

ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ

ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ዓይነት ትምህርቲ ሽወደንኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ትምህርቲ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ንስኻ ሽወደንኛ ከም ቋንቋ ኣደ ዘይብልካ እንተ ዄንካ እሞ ናቱ ኣድላይነት እንተ ኣሎካ ኾይኑ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክትምሃር እንተ ዄንካ ዝውስን እቲ ርእሰ-መምህር ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እዩ። ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ንኽትምሃር ኣድላይነት እንተ ኣሎካ ኾይኑ ንስኻ፡ ናትካ ግዝያዊ መጕዚ ወይ ብፍሉይ ዝተመዘዘ መጕዚ ምስቲ ርእሰ-መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ሽወደንኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

ቀዳምነት ዝተዋህቦ መደብ ግዜ

ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ቀዳምነት ዝተዋህቦ መደብ ግዜ ክህልወካ ይኽእል እዩ። ቀዳምነት ዝተዋህዎ መደብ ግዜ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ናይ ሽወደንኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ክወሃበካ ይኽእል ማለት እዩ።

ምእንቲ ኣብ ሽወደንኛ ዝያዳ ግዜ ክትረክብ ክትክእል ካብ ናይ ካልኦት ዓይነት ትምህርቲ ግዜ ምልጋስ ናይ ግድን እዩ። እቲ ጠቕላላ ግዜ ናይ ትምህርቲ ሓደ እዩ ዝኸውን። ግን እቲ ግዜ ኣብ ሽወደንኛ ወይ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ምእንቲ ዝያዳ ክኸውን ነቲ ግዜ ተከፋፍሎ። ቀዳምነት ዝተዋህቦ መደብ ግዜ ክህልወካ እንተ ኾይኑ እቲ ርእሰ መምህር ናይቲ ቤት ትምህርቲ እዩ ዝውስን። እንተ ነውሓ ንሓደ ዓመት ቀዳምነት ዝተዋህቦ መደብ ግዜ ክህልወካ ይኽእል።

ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ

ሽወደንኛ ዘይኮነ ካልእ ቋንቋ ኣደ እንተ ኣሎካ ኾይኑ፡ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ንኽወሃበካ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ጠለባት እንተ ተማሊኦም ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲን ንትምህርቲ ቋንቋ ኣደ መሰል ኣሎካ። ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ እንተ ደሊኻ ናይ ግድን ከተመልክተሉ ኣሎካ። ንስኻ፡ ናትካ ግዝያዊ መጕዚ ወይ ብፍሉይ ዝተመዘዘ መጕዚ ከምይ ከም ትገብርን ኣየኖት ጠለባት ከም ዝቐርቡን ነቶም ቤት ትምህርቲ ክትሓትዎም ትኽእሉ ኢኹም።

ሓገዝ መጽናዕቲ ብቋንቋ ኣደ

ነቶም ድሮ ዝነበሩኻ ፍልጠታትን ክእለትን ምእንቲ ክትጥቀመሎም ክትክእል ሓገዝ መጽናዕቲ ብቋንቋ ኣደ ኣገዳሲ እዩ። ዘድልየካ እንተ ኾይኑ፡ ሓገዝ መጽናዕቲ ብቋንቋ ኣደ ክወሃበካ እዩ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓገዝ መጽናዕቲ ምስ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘሎ መምህር ወይ ርእሰ መምህር ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።