ምኽርን ሓገዝን

ማሕበራዊ ኣገልግሎት

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕማም ናይ ማሕብራዊ ኣገልግሎት ቈልዑን መንእሰያትን ሓደ ውሑስ ቍልዕነት (ኣተዓባብያ) ንኽህልዎም እዩ። እቲ ስድራ ባዕሉ ክፈትሖም ንዝከበድዎ ዝተፈላለዩ ጸገማት ሓገዝን ደገፍን ንምርካብ ምስ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ክገብር ይኽእል። ጸገማት ናይ ንስድራ ዝምልከት ሕቶታት፣ ድሮጋ፣ገበን ወዘተ እንተ’ለኪ ኾይኑ ምኽርን ሓገዝን ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።  ኣብ ሕማቕ ኵነታት ወይ ስቓይ ዘሎ ቈልዓ ወይ መንእሰይ ትፈልጢ እንተ ኾንኪ ምስ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክትራከቢ ትክእሊ ኢኺ።

ኣብቲ ናይ ቤትስልጣን ሃገራዊ ማሕበራዊ ምቁጽጻር (Socialstyrelsen) ጥራዝ ሓበሬታ ብዝበለጸ ኣንብብ።

ኣገልግሎት ምኽሪ ንወለዲ

ኣብ ሓደ ሓደ ኮሙናት ብዛዕባ ወላዲት ምኳን ሕቶታት እንተ’ለኪ ኾይኑ ክትራከብዮም ትኽእሊ ሓደ ፍሉይ ኣገልግሎት ምኽሪ ንወለዲ ኣሎ።

ሕጊ ክንክን ንመንእሰያት (LVU)

ወለዲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንሓደ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾነ ሰብ እቲ ዘድልዮ ወይ ዘድልያ ደገፍ ክህቡ ዘይክእሉ እንተ ኾይኖም፡ ወይ እቲ ቈልዓ ንኣብነት ኣብ ወልፊ ወይ ገበን ኣትዩ ባዕሉ ሓደ ኣዕናዊ ሂወት ይነብር እንተ’ሎ ኾይኑ፡ እቲ ቈልዓ ብመሰረት ሕጊ ክንክን ንመንእሰያት LVU ንኽንክን ክተሓዝ ይኽእል እዩ። 

እዚ ንኽትግበር ዝጠልቦ፡ እቲ ዘይቅቡል ኵነታት ነቲ መንእሰይ ኣብ ጥዕንኡ ወይ ምዕባለኡ ዝጎድእ ርኡይ ሓደጋ ከም ዘሎን እቲ ዘድሊ ክንክን ብድልየት ክወሃብ እንተ ዘይተኻኢሉን እዩ።

​ምኽሪ ንስድራ ቤት

ከም ጽምዲ (ሰብ ቃል ኪዳን) ወይ ስድራ ኣብ ዝምድናኹም ጸገም ኣለኩም ድዩ? ኣብ ከምዚ ኵነታት ካብ ምኽሪ ንስድራ ቤት ናይ ሓገዝን ምኽርን ምርካብ ዕድላት ኣሎ። ምኽሪ ንስድራ ቤት ምስ ጽምዲ፣ ውልቀ ሰባትን ስድራን ይሰርሕ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምኽሪ ንስድራ ቤት ኣብቲ ናይ ኮሙን  መርበብ ሓበሬታ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ጒጅለ ወለዲ

ኵሎም ወለዲ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ናይ ወላዲ ተግባራቶም ሓገዝ ከድልዮም ይኽእል እዩ። ኣብ ናይ ኮሙንኪ መርበብ ሓበሬታ ኣብቲ ኮሙን እንታይ ዓይነት ናይ ወላዲ ሓገዝ ክትረኽቢ ከም ትኽእሊ ሓበሬታ ኣሎ።

እተን ዝበዝሓ ኮሙናት እቲ ቈልዓ ኣብ ዝዓብየሉ ግዜ ዝተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲታት ወለዲ የወፍያ።

ኣብ ናይ ወለዲ ትምህርቲ ከም ወላዲት መጠን ምስ ካልኦት ወለዲ ፍልጠትን ተመኹሮን ክትለዋወጢ ትኽእሊ።

ሕጊ ስድራ

ክትፋትሑ እንተ ወሲንኩም እሞ መንኩም መጕዚትነት ቈልዓ ይህልዎ ኣብ ስምምዕ እንተ ዘይበጺሕኩም: ምስ ቤ/ጽ ሕጊ ስድራ (familjerätten) ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ መፍትሒ ክትረኽቡ ኪሕግዘኩም ይኽእል’ዩ። እዚ ምስ ዘይከውን እቲ ጉዳይ ናብ ቤትፍርዲ ይኸይድ። ቅድሚ ቤትፍርዲ መን ካብ ወለዲ መጕዚትነት ቈልዓ ከም ዚህልዎን: እቶም ደቂ ምስ መን ከም ዚቕመጡን ዚውስን፡ ንቤ/ጽ ሕጊ ስድራ መርመራ ከካይድ ይውከሶ።

ማእከላት ስድራ

ሓደ ማእከል ስድራ ናብ ወለድን ቈልዑን ዝቐንዓ ንጥፈት የካይድ። ሓደ ማእከል ስድራ ናይ ግድን እንተ ወሓደ ናይ ክንክን ጥዕና ኣዴታት፣ ክንክን ጥዕና ቈልዑ፣ ክፉት መዋእለ ህጻናትን  ናብ ምክልካል ዕማም ዝቐንዐ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ትሕዝቶ ክህልዎ ኣሎዎ።

ክፉት መዋእለ ህጻናት

ክፉት መዋእለ ህጻናት ሓደ ንቈልዑ ዝወሃብ ናይ ጕጅለ  ስነ-ምምህርናዊ ንጥፈት እዩ።  ክፉት መዋእለ ህጻናት ናእሽቱ ቈልዑን ወለዶምን ወይ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት ይቕበል። ኵሉ ሰብ ናብዚ ክመጽእ ቅቡል እዩ፣ ንቦታ ምምልካት እውን ኣየድልየክን እዩ።

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ