ፍረደንስ ሁስ

ኣብ ፍረደንስ ሁስ ናይ ዓመጽ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ሽወደን ናይ ሰላም ኣብነታት ዝኾኑ ዳግ ሃማርሾልድ፡ ፎልከ በርናዶትን ራውል ቫለንበርግን ኤግዚቢሽን ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ኤግዚቢሽን እቲ ፍረደንስ ኡስ ናብ መንእሰያት ዝቐንዐ ንሕቶታት ኣቐዲምካ ምፍራድ፡ ዓሌታውነትን ዓመጽን ዚምልከት ናይ ቤትትምህርትን ናይ ሰላም ንጥፈታትን የካይድ። ዝያዳ ንምፍላጥ ኣብቲ መርበብ ኢንተርነት ኣብ ስኩልቨርክሳምሀት ኣንብብ።

እቲ ማሕበር ብፖለቲካን ሃይማኖትን ዘይተቐየደ መኽሰብ ዘይብሉ ማሕበር እዩ፡ ብ2003 ድማ ተመስሪቱ። ከም ዕላማ ድማ ነቲ ኣብ ኡፕሳላ ኣደራሽ ዘሎ ፍረደንስ ሁስ ብናይ ዳግ ሃማርሾልድ መንፈስ ኪመርሖ ከምኡውን ንጉዳይ ሰላም ዚምልከት ሕቶታት ፍልጠት ንምእካብን ንምትሕልላፍ እዩ። እቲ ንጥፈታት ብምሹእ ትምህርታዊ ኣገባብ ብሰፊሕ ኣመለኻኽታ ብዛዕባ ሃገራውን ኣህጉራውን ናይ ሰላም ንጥፈታት ኪገልጽን ኪዛተን እዩ። እቲ ትዅረት ተገይሩሉ ዘሎ ጉጅለ ድማ እቲ መንእሰይ እዩ።

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ