ሽወደናዊት ቤትክርስትያን

ብዙሓት ሰባት ካብ ኲናትን ግጭትን ዘለዎ ከባቢታት ተበጊሶም ናብ ኤውሮጳ ይሃድሙ ኣለዉ።ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ኣብቲ ናይ መህደሚ መገዲ ኢያ ዘላ። ንሕና ነቶም ኣብ ቅልውላው ኩነታት ዘለዉ ሰባት ንምርዳእ፡ ግሩም ምሕዝነትን ትርጉም ዘለዎ ንጥፈታትን ድማ ንምፍጣር፡ ብቕዓት ኣሎና። ከምኡውን ኣብ ናይ ህጻናትን ኣንስትን መሰላት ፍሉይ ትዅረት ንገብር ኢና።

ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ነቶም ኣብ ሽወደን ዝኣትዉ ሓደስቲ መጻእቲ ንመዓልታዊ ጸገማቶም ንምፍታሕ፡ ቤትክስርትያናዊ ምኽሪ፡ ስነኣምሮኣዊ ደገፍን ትርጉም ዘለዎ ኩነታት ተቕርብ። እታ ቤትክርስትያን ደጋዊ ንጥፈታትውን ተካይድ እያ፡ ንኣብነት ኣብ መንበሪ ስደተኛታት ኣብ ናይ ሚግረሽን ናይ ምጽናሕ (ሓደራ) ኩነታትን።

ሽወደናዊት ቤትክርስትያን በቲ ምስ ኣምነስቲ፡ ካሪስታስ፡ ረዳ ቦርነን ከምኡውን ናይ ሽወደን ናጻ ቤትክርስትያናዊ ምይይጥ ናብ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ዝቐንዐ ወሃብ ምኽሪ ቤትጽሕፈት ገይራ፡ ሕጋዊ ምኽርታት ትህብ።

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ