Bjurholm

እንቋዕ ናብ ብዩርሆልም ብደሓን መጻእኩም - ብዩርሆልም ናይ ሽወደን ዝነኣሰትን ንኣኻን ንስድራቤትካን ድማ ካብተን ኣዚየን ውሕሰነት ዚህባን ኮምዩን እያ። ብዩርሆልም ሓንቲ ካብተን ኡመዮ ዝዓበየት ኮይና እትርከበለን ሸውዓት ኮምዩናት እያ። ኣብዚ፡ ናትካ መንበሪቤት ንምርካብ ቀሊል እዩ። መብዛሕቶም ኣብ ብዩርሆልም ንምቕማጥ ዚመርጹ ሰባት ኣብተን ናይ ከባቢ ኮምዩናት ከይዶም እዮም ዚመሃሩ።

መግለጺ ወይ ገለጻ

​​​​መንበሪ-ገዛ

​ኣብ ብዩርሆልም እቲ ኮምዩን እዩ እቲ ዝዓበየ ኣካራዪ። ንሱ ልዕሊ 180 ገዛውቲ ኣለዎ። ብሕታውያን ኣካረይቲ ውሑዳት እዮም።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብዘይካ ሽወደን ካእል ቋንቋ ዚዛረቡ ብዙሓት እዮም።ኣብ ብዩርሆልም 32 ብሔራት ኣለዉ። ዝዓበዩ ናይ ስደተኛታት ቋንቋታት ዓረብን ትግርኛን ሶማልያን እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ብዩርሆልም ሓያሎ ኣብያተክርስትያን ኣለዋ፡ ከም ሽወደናዊት ቤትክርስትያን፡ ፐንተኮስ ቤትክርስትያንን ወንጌላዊት ሃረራዊ መሪሕነት፡ EFS.

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ብዩርሆልም ድኳናት፡ ቤትንባብ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ሰከንድሃንድ ቡቲክ፡ ካፈ፡ ጂም፡ ናይ መጽናዕቲ ማሕበር፡ ፋርማሲን መሐምበሲን ይርከብ።ንደቀንስትዮን ህጻናትን መሐምብሲውን ኣሎና። ናይ መእተዊ መምርሒ ብሓሙሽተ ቋንቋታት ኣሎ። ኣብ ኣግነስ፡ መንሸራተቲ ቦታውን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ብዩርሆልም ንደቅኻ ኣብ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ንምእታው ግዜ ኣይወስድን፡ ስለዚ ውላድካ ቀልጢፉ ኪጅምር ይኽእል።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ክስቶርስ ቤትትምህርቲ ናይቲ ኮምዩን F9 ቤትትምህርቲ ኮይኑ ኣብ ማእከል ብዩርሆልም ይርከብ። ንሱ ጥቓ ቤትንባብን መሐምበስን እዩ።

ዕድላት ትምህርቲ

SFI ብደረጃ A-D ኣሎ፡ መዓልታዊ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ካብ 8፡30 ክሳዕ 15-30 ይሰርሕ። ብናይ ተግባራዊ ስራሓት ወይ ፕራቲክ ጽቡቕ ርክብ ኣሎና። ካልእ ስልጠናታት ኣብ ካልእ ቦታ ይካየድ። ኣብቲ SFI ዝካየደሉ፡ ናይቲ ኮምዩን ናይ ስደተኛታት ኣተሓባባሪ ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ናይ ብዩርሆልም ማእከል ጥዕና፡ መደበኛ ሓከምትን ናይ ስኒ ሓከምትን ኣለውዎ። ተወሳኺ ኣብ Västerbottens läns landsting ኣንብብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ትካላት ኣብ እትራኸበሉ ግዜ ናይ ተርጓማይ ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብዚ ግዜዚ ብዙሓት ትካላት ብእተፈላለየ ቋንቋታት ሓበሬታ ይህቡ እዮም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ብዩርሆልም ናብ ኡመዮ 60 ክ/መ እዩ። ብኣውቶቡስ ከኣ መገዲ ሓደ ሰዓት እዩ። Tabussen.nu ናይ ቨስተርቦተን ሓባራዊ መስመራት ማዕጾ እዩ። ናብ ኡመዮ መዓርፎ ነፈርቲ 65 ኪ/መ እዩ። ካብ ኡመዮ ናብ ስቶክሆልም ብነፋሪት ሓደ ሰዓት ይወስድ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ናይ ብዩርሆልም ኮምዩን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ፡ ኣብቲ ናይ ብሕቲ ሰክተር ድማ ኒኦከርስ ፕረፓርካኩር እቲ ዝዓበየ እዩ። መብዛሕትኡ ሰብ ንኺሰርሕ ናብ ኡመዮ በጺሑ ይምለስ። ኣብ ቨነስን ኡመዮን ናይ ስራሕ ዕድላት ስለ ዘሎ ከተመልክት ትኽእል።

ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት

ኣብዚ ገጽ’ዚ፡ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብዚ ከተማን ኣብ ከባብን

ነቲ ዝርዝር ንምጽማቍ ዝኾነት ቃል ጸሓፉ
ኣርእስቲ ምልክታ-ስራሕሞያ
Vik undersköterska Undersköterska, hemtjänst och äldreboende
Sjuksköterska Sjuksköterska, grundutbildad
Te Crea Care söker sjuksköterskor till Bjurholm Sjuksköterska, grundutbildad
Vik. Skolsköterska Skolsköterska
Husvikarie i Grundskolan Lärare i grundskolan, årskurs 7-9
Förskollärare Lärare i förskola/Förskollärare
Vikarier i förskola - fritidsverksamhet Barnskötare
Vikarier i Grundskolan Lärare i grundskolan, årskurs 7-9
Avfallsstrateg Handläggare/Utredare, offentlig förvaltning
Bli del av Sveriges bästa team i Umeå Account manager
STL söker flera medarbetare i Sävar Account manager
STL söker flera medarbetare i Vännäsby Account manager
Säljande glassdistributör Alvestaglass Umeå Utesäljare
Elektronikingenjör till Guideline Geo Hårdvarukonstruktör
Mjukvaruutvecklare Mjukvaruutvecklare
Butikssäljare till Ahlsell i Umeå Butikssäljare, fackhandel
Laboratorieassistent till SLU Laboratorieassistent
Säljare Synsam Avion Shopping , helgextra Butikssäljare, fackhandel
Bibliotekarie till Hörnefors Bibliotekarie
Kurator till Neurorehab NUS i Umeå Sjukhuskurator

ገጽ 1 ናይ 28

ናይ ሓበሬታ ካርታ

ኣብቲ ካርታ፡ ኣብቲ ኮምዩን እንታይ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ትርእይ። ኣብኡውን ነቲ እትደልዮ ቦታ ንኣብነት ኣድራሻ ገዛ፡ ምልክት ክትገብረሉ ትኽእል።

ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ

ብዙሕ ስራሕ ኪርከብ ይኽእል

ገለ ናይ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ሓበሬታታት ናይቲ ስራሕ ኣድራሻ የብሉን፡ ስለዚ ኣብቲ ካርታውን ኣይረአን፡ ግን ኣብቲ ”ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ” ዚብል ኩርናዕ ይርከብ።

Bjurholm

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

2 419

ስፍሓት መሬት

1 374 km2

ርሕቐት ካብ ዓበይቲ ከተማታት

Umeå 60 km

Vännäs 30 km

መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ