Degerfors

ደየርፉሽ ኮምዩን ኣብ ኣውራጃ ቨርምላንድ ይርከብ፡ ምስ ወረዳ ኦረብሩ ከኣ እዩ። ንሕና ኣብ መንጎ ስቶክሆልምን ዮተቦሪን ኦስሎን ንርከብ፡ ናይ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ግሩም መስመራት ድማ ኣሎና። ኮምዩንና ውቁብ ተፈጥሮን ቀላያትን ኣለዋ። ኣብ ደየርፉሽ ኣስታት 10,000 ሰባት ይነብሩ። ንሕና ኣብ ጥቓ ቤትትምህርትን ስራሕን ተፈጥሮን ኴንና ሕጉስን ቅስኑንን ናብራ ነሕልፍ።

መግለጺ ወይ ገለጻ

Flygfoto över Degerfors

​​​መንበሪ-ገዛ

ኣብቲ ኮምዩን ብዙሕ ዓይነት መንበሪ ኣባይቲ ኣሎ። እቲ ናይቲ ኮምዩን ትካል ክራይ ኣባይቲ 1,000 ዚካረ ገዛውቲ ኣለዎ። ግን ካልኦት ብሕታውያን ኣካረይቲ ድማ ኣለዉ። ኣብቲ ናይ ደየርፉሽ ወብሳይት ናይተን እተፈላለያ ኣካረይቲ ትካላት ዝርዝር ኣሎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

እቲ ኮምዩን ኣብ ከባቢ ምምሕዳር ፊንላንድ ስለ ዚርከብ ፊንላንድኛ ዓቢ ቦታ ኣለዎ። ካልኦት ቋንቋታት፤ ትግርኛ፡ ሶማሊን ዓረብን እየን።

Bild på publik vid fotbollsmatch

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ኮምዩን ኣስታት 150 ኣብ ብዙሕ ነገራት ዚነጥፋ ማሕበራት ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ደየርፉሽ ናይቲ ኮምዩን ቀንዲ ከተማ እያ። ኣብኡ ቤትንባብን ድኳናትን ግሮሰሪታትን ካፈታትን ኣብያተመግብን፡ ሜዳን ኣድራሽን ኵዕሶ ኣሎ። ዘገልገለ ኣቕሑ ገዛን ክሽነን ክዳውንትን ዚሽየጦ ብዙሕ ናይ ሰከንድሃንድ ድኳናትን ሓራጃትን ኣሎ። ማእከል ጥዕናውን ኣሎ። ኣብቲ ኮምዩን ክልተ ነኣሽቱ ከተማታት ኣለዋ፡ ስቮርቶን ኦትሮፕን ይብሃላ። ኣብአን ቤትትምህርቲ ህጻናትን መደበኛ ቤትትምህርትን ግሮሰሪታትን ኣብያተትምህርትን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብቲ ኮምዩን ዓሰርተ ሓደ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ። እቶም ካብ 1-5 ዝዕድመኦም ህጻናት፡ ወለዶም ኪመሃሩ ወይ ኪሰርሑ ከለዉ ኣብአን ኪጸንሑ ይኽእሉ። ከምኡውን ንኹሎም ወለድን ንደቂ 0-6 ዝዕድመኦም ህጻናትን ከም መራኸቢ ቦታ ዚኸውን ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣሎ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብቲ ኮምዩን ብድምር ሽድሽተ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ኣብኡ እቶም ህጻናት ካብ ቤትትምህርቲ ህጻናት ክላስ ክሳዕ ትምህርታዊ ዓመት 9 ይምሃሩ። እቲ Möckelngymnasiet እተባህለ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ፡ ተዮሪኣውን ተግባራውን ትምህርቲ ይህብ።

Bild på barn som sköljer händerna under gammal pumpkran

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብቲ ጎረቤት ኮምዩን ዝኾነ ካርልስኩጋ ናይ ሞያ ኮለጅ፡ ህዝባዊ ኮለጅ፡ ኮምቩክስን ሽወደን ንወጻእተኛታትን፡ ኤስኤፍኢ፡ ኣሎ። ኣብ ኦረብሩን ካርልስታድን፡ ዩኒቨርሲቲ ኣሎ። ክልቲአን ከተማታት መገዲ ሓደ ሰዓት እየን። እተፈላለየ ስልጠናታት ዚህቡ ብዙሓት ናይ መጽናዕቲ ማሕበራትውን ኣለዉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ደየርፉሽ ፒልጎርደን ዚብሃል ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብኡ ናይ ህጻናትን ኣደታትን ማእከላት ጥዕና ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣብ ካርልስኩጋ እዩ ዘሎ። ኣብኡ ናይ ህጹጽ ረድኤትን መሕረስን ኣሎ።

ንሕክምና ስኒ ብዚምልከት፡ ህዝባውን ብሕታውን ምርጫታት ኣሎ።

እቲ ኮምዩን ንኣረጋውያንን ስንኩላንን ንፍሉይ ክንክንን ረድኤትን ዚደልዩ ህጻናትን ስድራቤትን ይኣሊ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ናይ ትርጉም ሓገዝ ምስ ዘድልየካ ነቲ ናይ ኦረብሩ ናይ ትርጁማንን ትርጉምን ኣገልግሎት ክንውከሶ ኢና።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ነቲ ናይቲ ኮምዩን ኣውቶቡስ መስመራት Länstrafiken i Örebro እዩ ዘመሓድሮ። ደየርፉሽ ምስ ካርልስታድን ኦስሎን ስቶክሆልምን ዮተቦሪን ግሩም ናይ ባቡር መራኸቢ ኣለዎ። እቲ ዝቐረበ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ኦረብሩን ካርልስታድን ይርከብ።

Bild på stålgjuteri vid Outokumpu

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ደየርፉሽ ኮምዩን ኣስታት 600 ዋኒናት ኣለዋ። ካብቲ ናይቲ ኮምዩን 3,300 ናይ ስራሕ ዕድላት 1,200 ኣብ ኢንዱስትሪ ዘተኮረ እዩ። Outokumpu እታ ዝዓበየት ብሕታዊት ወሃቢት ስራሕ እያ። ንሳ ኣብ ዓለም ዝዓበየት ናይ ዘይምርት ላመራ ኣፍራዪት እያ።

ብዛዕባ ቢዚነሳዊት ህይወት ናይቲ ኮምዩን ክትፈልጥ ምስ እትደሊ፡ ነቲ näringslivsavdelningen ተወከሶ።

ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት

ኣብዚ ገጽ’ዚ፡ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብዚ ከተማን ኣብ ከባብን

ነቲ ዝርዝር ንምጽማቍ ዝኾነት ቃል ጸሓፉ
ኣርእስቲ ምልክታ-ስራሕሞያ
Förskollärare på förskolan Villervalla Lärare i förskola/Förskollärare
Barnmorska till Pilgårdens vårdcentral Barnmorska
Chef elunderhåll Elingenjör
Besöksintervjuare i Degerfors Intervjuare, opinionsundersökning
Ekonomiassistent Ekonomiassistent
Lärare i SV / SVA på Bruksskolan 100 % tillsvidare Lärare i grundskolan, årskurs 4-6
Teknikchef Civilingenjör, tillverkningsindustri
Restaurangbiträde till Fazer Food Services hotell - och lunchrestaurang Bruk Restaurangbiträde
Vi söker förskollärare till Skogslyckans förskola Lärare i förskola/Förskollärare
Vi söker förskollärare till förskolan Guldgruvan! Lärare i förskola/Förskollärare
Förskollärare på förskolan Jordgubben Lärare i förskola/Förskollärare
Speciallärare inom särskolans verksamhet på Stora Vallaskolan åk 7 - 9 Speciallärare
Modersmålslärare i finska Modersmålslärare i grundskolan
Specialpedagog Specialpedagog
Vi söker lärare i trä - och metallslöjd! Lärare i grundskolan, årskurs 4-6
Mellanstadielärare Strömtorpsskolan Lärare i grundskolan, årskurs 4-6
Vi söker lärare MA / NO till Strömtorpsskolan! Lärare i grundskolan, årskurs 4-6
Sångpedagog Sångpedagog
Vi söker en musiklärare! Musikpedagog/Musiklärare
EXTRAARBETE som delgivare till Degerfors Delgivningsman

ገጽ 1 ናይ 8

ናይ ሓበሬታ ካርታ

ኣብቲ ካርታ፡ ኣብቲ ኮምዩን እንታይ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ትርእይ። ኣብኡውን ነቲ እትደልዮ ቦታ ንኣብነት ኣድራሻ ገዛ፡ ምልክት ክትገብረሉ ትኽእል።

ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ

ብዙሕ ስራሕ ኪርከብ ይኽእል

ገለ ናይ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ሓበሬታታት ናይቲ ስራሕ ኣድራሻ የብሉን፡ ስለዚ ኣብቲ ካርታውን ኣይረአን፡ ግን ኣብቲ ”ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ” ዚብል ኩርናዕ ይርከብ።

Degerfors

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

ca 9 600

ስፍሓት መሬት

386 km2

ርሕቐት ካብ ዓበይቲ ከተማታት

Örebro 55 km

Karlstad 70 km

Stockholm 250 km

Oslo 290 km

መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ