Enköping

ናይ ኤንሾፒን ኮምዩን ኣብ ሓደ ታሪኻዊ ሃዋሁው ኮይኑ ንስራሕን ዕረፍትን ዚዕድም እዩ። እቲ ኮምዩን ጥቓ ማላረን ኮይኑ ግሩም ኣቀማምጣ ዘለዎ እዩ። ሰለስተ ኣህጉራውያን መዓርፎ ነፈርቲ ከኣ ካብቲ ከተማ ናይ ሓደ ሰዓት ጕዕዞ እየን። ምስ ስቶክሆልምን፡ ኡፕሳላን ቨስተሮስን ግሩም ናይ መራኸቢ ብምህላዉ፡ እቲ ኮምዩን ምስዘን ከተማታት እዚኣተን ናይ በጺሕካ ምምላስ ርሕቀት እዩ ዘለዎ። ኤንሾፒን ኣብ 120 ራድዩስ 38 ከተማታት ኣለዋ፡ በዚ ምኽንያት ድማ እታ ናይ ሽወደን ዝቐረበት ከተማ ትብሃል።

መግለጺ ወይ ገለጻ

መንበሪ-ገዛ

ኤንሾፒን ኮምዩን ነዘን ዚስዕባ ከተማታት ትሓቍፍ፤ ኤንሾፒን፡ ኦርሱንድስብሩ፡ ሁመልስታ፡ ግሪልቢ፡ ፍየርድሁንድራ፡ ብረድሳንድ፡ ሊልሺርካን ሃጋን። እቲ ኮምዩን 40,492 ተቐማጦ ኣለዎ፡ ኣብቲ ደቡብ ምዕራብ ክፍሊ ናይ ወረዳ ኡፕስላ ከኣ እዩ ዚርከብ። ናይ ኤንሾፒን ናይ ኪራይ ቤትጽሕፈት ኣብቲ ኮምዩን 2500 ኣባይቲ የመሓድር።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ናይ ኤንሾፒን ኮምዩን ባህላውን ስፖርታውን ማሕበራት ኣለዎ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ተወሳኺ ሓበሬታ ኪርከብ ይከኣል። ኣብኡውን ናይ ርክባት ሓበሬታ ይርከብ እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኤንሾፒን ኮምዩን ድኳናትን ኣገልግሎት ዚህቡ ትካላትን ኣለዉ። ቤትንባብ ብዘይካ ኣብ ኤንሾፒን፡ ኣብ ኦርሱንድስብሩ፡ ግሪልቢን ፍየርድሁንድራን እውን ይርከብ እዩ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብቲ ኮምዩን 41 ኮሙናውን ናጻን ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣሎ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብቲ ኮምዩን 19 ኮሙናውን ናጻን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣሎ፡ ከምኡውን ናይ ቨስተርሉንድስካ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኤንሾፒን ኮምዩን ናይ ኣደ ቋንቋ ትምህርቲ በዘን ዚስዕባ ቋንቋታት የቕርብ፤ ሰርብያ፡ ቦስንያ፡ ክሮአሽያ፡ ቱርኪ፡ ሩስያ፡ ቱርከመን፡ ዓረብ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ፋርስ፡ ፓሽቶ፡ ፖላንድ፡  ኪሩንዲ፡ ስፓኛ፡ ታይላንድ፡ እንግሊዝ፡ ፊንላንድ፡ ግሪኽ፡ ሲርያን ጀርመንን።

ሓደ ቋንቋ ዚዛረቡ ካብ ሓሙሽተ ንላዕሊ ተመሃሮ ምስ ዚምዝገቡ፡ እቲ ናይ ኣደ ቋንቋ ትምህርቲ ኪወሃብ ይኽእል። ኣብ ኮምቩክስ እተፈላለየ ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ኤንሾፒን ናብ ኡፕሳላን ቨስተሮስን ዚኸይድ ኣውቶቡስ ኣብ ሰሰዓት እዩ ዚብገስ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ምስቲ 2,700 ምዝጉባት ዋኒናት፡ ኤንሾፒን እተፈላለየ ናይ ዕዮ ዕዳጋ ኣለዋ። ከም ባህሊ እቲ ዋኒናት ኣብ ፋብሪካታት እተመሰረተ ንእሽቶን ማእከላይን ትካላት እዩ፡ ግን ሕርሻን ምግብን ከኣ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብዚ እዋንዚ ኣስታት 800 ዋኒናት ኣብ ሕርሻ እተመስረቱ እዮም።

ካብቶም ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ ንምጥቃስ፤ አንሾፒን ኮምዩን፡ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ናይ ኡፕሳላ ወረዳ ቤትምኽርን። ናብ ስቶክሆልምን ቨስተሮስን ቅርበት ማለት እቲ ኣብቲ ኮምዩን ዚቕመጥ ሰብ ናብቲ ዕዳጋ ስራሕ፡ ናይ በጺሕካ ምምላስ ርሕቀት ጥራይ እዩ ዘለዎ ማለት እዩ።

ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት

ኣብዚ ገጽ’ዚ፡ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብዚ ከተማን ኣብ ከባብን

ነቲ ዝርዝር ንምጽማቍ ዝኾነት ቃል ጸሓፉ
ኣርእስቲ ምልክታ-ስራሕሞያ
Personlig assistent till kvinna i Enköping Personlig assistent
Programmerare till IT - försvarsförbandet Systemutvecklare/Programmerare
IT - forensiker till IT - försvarsförbandet IT-tekniker/Datatekniker
Maskinoperatör till Haga Tegelbruk Tegelbruksarbetare
Pizzabagare med erfarenhet Pizzabagare
Modersmålslärare i tyska Modersmålslärare i grundskolan
Anestesisjuksköterska dagtid med rotation för anestesi / preop / postop Anestesisjuksköterska
Kontaktperson till Socialpsykiatrin Stödassistent
Trivsam arbetsplats som Personlig assistent , Enköping Personlig assistent
Byggnadsinspektör Byggnadsinspektör
Eventpersonal som vill sprida matglädje i Enköping Eventsäljare/Eventförsäljare
Bring Citymail söker brevbärare till Enköping Brevbärare
Vårdare / boendestödjare på gruppbostad i Grillby / Enköping Vårdare/Arbetshandledare/Boendestödjare
Driven säljare sökes! Utesäljare
Skolpsykolog Skolpsykolog
Förskollärare till Skolsta förskola Lärare i förskola/Förskollärare
Förskollärare till Grillby förskola Lärare i förskola/Förskollärare
Undersköterska till operation Undersköterska, vård- o specialavd. o mottagning
Ekonomiansvarig Ekonomikonsult
Fantastisk kvinna i Enköping söker assistent Personlig assistent

ገጽ 1 ናይ 726

ናይ ሓበሬታ ካርታ

ኣብቲ ካርታ፡ ኣብቲ ኮምዩን እንታይ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ትርእይ። ኣብኡውን ነቲ እትደልዮ ቦታ ንኣብነት ኣድራሻ ገዛ፡ ምልክት ክትገብረሉ ትኽእል።

ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ

ብዙሕ ስራሕ ኪርከብ ይኽእል

ገለ ናይ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ሓበሬታታት ናይቲ ስራሕ ኣድራሻ የብሉን፡ ስለዚ ኣብቲ ካርታውን ኣይረአን፡ ግን ኣብቲ ”ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ” ዚብል ኩርናዕ ይርከብ።

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ