Filipstad

ፊሊፕስታድ ናይ ሓንቲ ንእሽቶ ኮምዩን ሰብኣዊ ምጭውነት ኣለዋ ብዙሕ ነገራት ከኣ ከተቕርብ ትኽእል። ኣብኡ ግሩም መንበሪ ኣባይቲ፡ እተፈላለየ ደረጃታት ትምህርቲ፡ ብናይ ድንፋዐ መንፈስ እተደረኸ ቁጠባዊ ህይወት ኣሎ። ኣብኡ ኩሉ ንስራሕ፡ ንትምህርቲ፡ ንዕረፍቲ ግዜን ንተፈጥሮን ቀረባ እዩ። ልዑል ናይ ባህልን ንጥፈታትን ምርጫታት ከኣ ኣሎ።

መግለጺ ወይ ገለጻ

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ፊሊፕስታድ መንበሪ ኣባይቲ ዲኻ ትደሊ ዘሎኻ? ኣብ Filipstadsbostäder ክፉት ቦታ ትረክብ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ካልኦት ትካላት ኣካረይትን ደላሎን ትረክብ።

Staty av Nils Ferlin som sitter på bänk vid vattendrag 

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ፊሊፕስታድ ብዙሓት ናይ ቋንቋ ጉጅለታት ኣለዋ፡ ከም ኣብነት፡ ሶማሊ፡ ሲርያ፡ ሆላንድ፡ ወዘተ.

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ኮምዩን ሓያሎ ናይ ስፖርትን ምንቅስቓስ ኣካላትን ቅርጽታት ኣሎ፡ ከም ንኣብነት እቲ ኣብ ሽወደን ዝያዳ ዘመናዊ ዝኾነ ናይ ኣርቲፊሻል ውርጪ ህንጻን ኣብ ማእከል ግሩም ተፈጥሮ እተሰርሐ መገድን ዘለዎ Kalhyttans friluftsområde። ብዛዕባ ኩሉ ዓይነት ናይ ማሕበራት ንጥፈታት ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ኣንብብ።

Publik som klappar händerna på ett torg 

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ፊሊፕስታድ ኮምዩን ግሮሰሪታት፡ ናይ ኣደባባይ ዕዳጋ፡ ሽወደናዊ መዓልታዊ መግቢ ወይ ካብ ናይ ኩሉ ባህላታት መግቢ ዘአንግዳ ኣብያተመግቢ፡ ካፈታት፡ እንዳ ክዳውንትን ሰከንድሃንድ ቡቲክን ኣሎ። ኣብኡ ቤትንባብ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ፋርማስን እተላለያ ድኳናትን ይርከብ።

Personer fikar på Café Husets uteservering 

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

እትሰርሕ፡ እትምህር፡ ስራሕ እትደሊ፡ ወይ ህጻን ትሕሉ ወላዲ ምስ እትኸውን ወይ ውላድካ ፍሉይ ጠለብ ምስ ዚህሉዎ፡ ኣብቲ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲን መውዓል ስድራቤትን ክትሳተፍ ትኽእል።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብተን ናይ ፊሊፕስታድ ኮምዩን ሸሞንተ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኩሉ ብመጠን ዓቕሙ ጽቡቕ ውጽኢት ንኸምጽእ ይጋደል። ኣብዚ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲውን ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብዚ Lärcentrum ዚብሃል ኣሎ። ኣብኡ ድማ እተፈላለየ ናይ ኮለጅን ናይ ርሑቕ ትምህርትን ስልጠና ኪውሰድ ይከኣል። ኣብዚ ኤስኤፍኢን ትምህርቲ ንዓበይትን ኣሎ። ፊሊፕስታድ ክልተ ኮለጃት ኣለዋ- በርይስኩላን፡ ጋመልክሮፓ ስኩግስኩላን።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ፊሊፕስታድ ክልተ ማእከላት ጥዕና ኣለዋ፡ ከምኡውን ናይ ህጻናት ማእከል ጥዕናን ናይ መንእሰያት ክሊኒክን ዘለዎ ማእከል ስድራቤት። ኣብቲ ኮምዩን ሓያሎ ናይ ስኒ ክሊኒካት ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ከም ኣድላይነቱ ተርጓማይ ይጥለብ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናይ Värmlandstrafiks ዝኾና ብጫታት ኣውቶቡሳት ኣብ ውሽጢ ኮምዩንን ካልእ ናይ ቨርምላንድ ቦታታትን ይወስዳኻ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ፊሊፕስታድ ኮምዩን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ንሱ ኣብ እተፈላለየ ሞያታት እተዋፈሩ ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ። ኣብዚ ዓበይቲ ኢንዱስትሪታት ኣለዋ፡ ከም ባሪላን OLW ን።

ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት

ኣብዚ ገጽ’ዚ፡ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብዚ ከተማን ኣብ ከባብን

ነቲ ዝርዝር ንምጽማቍ ዝኾነት ቃል ጸሓፉ

ናይ ሓበሬታ ካርታ

ኣብቲ ካርታ፡ ኣብቲ ኮምዩን እንታይ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ትርእይ። ኣብኡውን ነቲ እትደልዮ ቦታ ንኣብነት ኣድራሻ ገዛ፡ ምልክት ክትገብረሉ ትኽእል።

ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ

ብዙሕ ስራሕ ኪርከብ ይኽእል

ገለ ናይ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ሓበሬታታት ናይቲ ስራሕ ኣድራሻ የብሉን፡ ስለዚ ኣብቲ ካርታውን ኣይረአን፡ ግን ኣብቲ ”ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ” ዚብል ኩርናዕ ይርከብ።

Filipstad

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

ca 10 600

ስፍሓት መሬት

1545 km2

ርሕቐት ካብ ዓበይቲ ከተማታት

Karlstad 60 km

Stockholm 300 km

Göteborg 300 km

Oslo 300 km

መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ