Hedemora

ሀደሙራ ናይ ደላርና ዝጠንተወት ከተማን ናይቲ ኮምዩን ድማ ማእከል እያ። ንሳ ብብዙሓት ዓበይን ነኣሽቱን ከተማታትን እተኸበት እያ። ናይ ሀደርሙራ ሓያል ገጽታ ቅርበት እዩ፡ ናብ ተፈጥሮን ናብ ዓበይቲ ከተማታትን። ሀደርሙራ ምስቲ ብዙሕ ኣብያተትምህርቲ ህጻናትን መደበኛ ኣብያተትምህርትን፡ ግሩም ናይ ምዕባለ ዕድላት ትህብ። ኣብ ሀደርሙራ ናይ ባህሊ ዞና ኣሎ፡ ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ከተማ።

መግለጺ ወይ ገለጻ

​መንበሪ-ገዛ

ኣብ ሀደሙራ ኮምዩን ናይቲ ኮምዩን ትካል ክራይ ኣባይቲ ኣሎ፡ Hedemora bostäder ከኣ ይብሃል። ሓያሎ ብሕታውያን ኣካረይቲውን ኣለዉ። ኣብቲ ናትና ወብሳይት፡ ብዛዕባኦም ዝርዝር ኣሎ።

Lekplats i park

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብቲ ኮምዩን ብዘይካ ሽወደን ዚዝረቡ ቋንቋታት ኣዚኣቶም እዮም፤ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ዳሪ፡ እንግሊዝ፡ ኩርድ፡ ፋርስን ሩስያን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ኮምዩን እተፈላለዩ ማሕበራት ኣለዉ።ብዛዕባኦም ኣብቲ ናይ ኮምዩን ወብሳይት ደብተር ማሕበራት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሀደሙራ ሰንትሩም እዚ ዚስዕብ ይርከብ፤ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ቤትንባብ፡ ናይ ዳላርና ፖሊስን ናይቲ ኮምዩን ሪሰፕሽንን። ኣብኡ ሰከንድሃንድ ድኳናት፡ ንኣብነት፡ እቲዝዓበየ ኤሪክስየልፐን ይርከብ። ቅሩብ ፍንትት ኢሉ ግን ከኣ ብእግሪ ዚኽየድ ስለስተ ሱፐርማርከት ኣሎ (ሀምሾፕ፡ ኢካን ሊድን)። ኣብ ሰንትሩም ካፈታትን ነኣሽቱ ድኳናትን ኣሎ።

Utsidan av biblioteket i Hedemora

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብቲ ኮምዩን ሓያሎ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣሎ፡ ኣበይ ከም ዚርከቡ ድማ ኣብቲ ናትና ወብሳይት ድለ። ነዘን ዚስዕባ ኣስማት ብምጥዋቕ ብዛዕባ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል።

ኣብኡ ህጻናትን ዓበይትን ዚራኸቡሉ en familjecentral ፋሚልየሰንትራል ዚብሃል ኣሎ። ከምኡውን ካብቶም ናይ ህጻናት ክሊኒክ ሰራሕተኛታት ክትረክብ ትኽእል። ኣብቲ ፋሚልየሰንትራለን ናይ ቋንቋ ገዛ Språkstugan ኣሎ። ኣብኡ ንስኻ ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድመኡ ውላድ ዘሎካ፡ ናብ ህጻናት ዘተኮረ ኣርእስቲ እናተዛረብካ ንሽወደንካ ከተመሓይሽ ትኽእል።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ሀደሙራ ኮምዩን ፋሕ ዝበላ ብዙሓት ናይ ህጻናትን መባእታን ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። ላዕለዋይን ካልኣይ ደረጃን ኣብያተትምህርቲውን ኣለዋ። ክልቲኣተን ኣብ ሀደሞራ ከተማ ይርከባ። ኣብቲ ነናተን ኣስማት ጠዊቕካ ብዛዕባአን ተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል።

ዕድላት ትምህርቲ

ሀደሙራ ኮምዩን ካልእ ስልጠናውን ይህብ እዩ። ካልእ ገዲፍካ Hedemora Lärcentrum ሀደሙራ ለርሰንትሩም ኣሎ።ንሱ ድማ ናይ ኤስኤፍኢን ሰርቩክስን (sfi, särvux) ስልጠና ይህብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብቲ ኮምዩን ክልተ ማእከላት ጥዕና ኣለዋ። ሓንቲ ኣብ ሀደሙራሓንቲ ከኣ ኣብ ሎንግስሂታን (ኣስታት 30 ደቓይቕ ብማኪና ካብ ሀደሙራ፡ ኣውቶቡሳትውን ኣለዋ)።ኣብ ሀደሙራ ሓኪም ስኒ ኣሎ። ንህጹጽ ረድኤት ኣብ ከተማ ኣቨስታ 20 ደቓይቕ ብማኪና፡ ሆስፒታል ኣሎ። ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ምስ እትኣቱ 112 ደውል።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ሀደሙራ ኮምዩን ናቱ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት የብሉን። ካብ ካልእ ውድባት ወይ ናይ ቋንቋ መምህራን ኢና እነምጽእ። ሓገዝ ከከም ኣድላይነቱ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ሓደ ካብ ናይ ሀደሙራ ኮምዩን ሓያል ጎድኒ፡ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ርሕቕቲ ዘይምዃና እዩ። ንኣብነት ብባቡር ክሳዕ ስቶክሆልም ካብ 2 ሰዓትት ዚውሕድ እዩ ዚወስድ። ብዛዕባ ባቡርን ኣውቶቡስን ካልእ መራኸብን፡ Dalatrafik ከምኡውን SJረአ። 35 ኪ/መ ካብ ሀደሙራ Dala-Airportኣሎ፡ ንሱ ናይ ቡርለንገ መዓርፎ ነፈርቲ እዩ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ቦሊደን ሚነራል ኤ.ቢ ዓቢ ወሃብ ስራሕ እዩ። ንሱ ካብ ሀደሙራ ሰንትሩም 15 ደቓይቕ ይወስድ። ናብኡ ዚኸዳ ኣውቶቡሳትውን ኣለዋ (ብዘይ ሰንበት)። ኣብኡ ናይ ቡርለንገ IKEAኢከያ ኣሎ፡ ካብ ሀደሙራ 41 ኪ/መ ርሒቑ ይርከብ።

ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት

ኣብዚ ገጽ’ዚ፡ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብዚ ከተማን ኣብ ከባብን

ነቲ ዝርዝር ንምጽማቍ ዝኾነት ቃል ጸሓፉ
ገጽ 1 ናይ 7

ናይ ሓበሬታ ካርታ

ኣብቲ ካርታ፡ ኣብቲ ኮምዩን እንታይ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ትርእይ። ኣብኡውን ነቲ እትደልዮ ቦታ ንኣብነት ኣድራሻ ገዛ፡ ምልክት ክትገብረሉ ትኽእል።

ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ

ብዙሕ ስራሕ ኪርከብ ይኽእል

ገለ ናይ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ሓበሬታታት ናይቲ ስራሕ ኣድራሻ የብሉን፡ ስለዚ ኣብቲ ካርታውን ኣይረአን፡ ግን ኣብቲ ”ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ” ዚብል ኩርናዕ ይርከብ።

Hedemora

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

15 085

ስፍሓት መሬት

934 km2

ርሕቐት ካብ ዓበይቲ ከተማታት

Borlänge 41 km

Dala-airport 35 km

Falun 50 km

Sälen 235 km

Leksand 85 km

Mora 130 km

Arlanda flygplats 145 km

Stockholm, 175 km

Uppsala 120 km

Örebro 145 km

Göteborg 430 km

መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ