Jönköpings län

ኣውራጃ ዮንሾፒንግ፡ ብብዝሒ ህዝቢ ሻቡዓይ ዝዓበየ ኣውራጃ ኣብ ሽወደን እዩ። እዚ 13 ከተማታት ዝሓቁፍ ኣውራጃ፡ ኣስታት 342000 ተቐማጦ ኣለዎ። ሰለስተ-ርብዒ ናይ’ዚ ዝተጠቕሰ ቁጽሪ ህዝቢ፡ ኣብ ከተማ ዮንሾፒንግ ይቕመጡ። ኣብተን 10 ኣብዚ ኣውራጃ ዝርከባ ከተማታት ቁጽሪ ህዝቢ ብናህሪ እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ይፍለጥ። ኣውራጃ ዮንሾፒንግ፡ ብጸጋ ስትራተጂካዊ ኣቐማምጥኡ፡ ማእከል-ሎጂስቲክ ሰሜን ኣውሮጳ ክኸውን በቒዑ እዩ።

መግለጺ ወይ ገለጻ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ኩነታት መንበሪ-ከባቢታት ኣብ ኣውራጃ ዮንሾፒንግ ዝትፈላለየ እዩ። ዉዕዉዕ ከባባቢታት ከተማ ወይ ውን ኣብቲ ርግኣት ዘለዎ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ነኣሽቱ ዓዲታት ናይ ምቕማጥ ዕድላት ይህልወኩም። ሕድሕድ ጅኦግራፊካዊ ምቕርራብ ዓዲታትን ከተማታትን ናይዚ ኣውራጃን፡ መሳጢ ተፈጥሮኣዊ ከባቢ ውን ርሑቕ ብዘይምዃኑ፡ ስራሕን ዕረፍትን ንምውሳብ ከም ዝከኣል ይገብሮ። መብዛሕትአን ኣብዚ ኣውራጃ’ዚ ዝርከባ ከተማታት ዘሰክፍ ሕጽረት መንበሪ-ኣባይቲ ከምዘይብለን እየን ዝጽብጽባ። ይኹን እምበር ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ናይ’ዚ ኣውራጃ ግን መንበሪ-ገዛ ምርካብ ቀሊል ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዘጋጥም ዘሎን ከጋጥም ዝኽእልን ሕጽረት መንበሪ-ኣባይቲ ንምግጣም እምበኣር በርክት ዝበለ ፕሮጀክቲታት ምህናጽ ኣባይቲ ኣብ ምስልሳል ይርከብ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ንግዳዊ ጽላት ኣውራጃ ዮንሾፒንግ፡ ብኢንዱስትሪታት ምስናዕ፡ ኣብ መሬትን ኣግራብን ዝነጥፋ ትካላት ከምኡ ውን ትካላት ኣገልግሎታት ዝተዓብለለ እዩ። ኣብዚ ኣውራጃ እቲ ዝዓበየ ወሃቢ-ስራሕ፡ ምምሕዳር ከተማ ዮንሶፒንግ ኮይኑ ኣስታት 11000 ሰራሕተኛታት ኣለዎ። ብካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ወሃብቲ-ስራህ ከኣ፡ ትካል ሁስክቫርና፡ ሳፓን ፍሌክት-ዉድስን ይርከብዎም። ኣብዚ ኣውራጃ’ዚ ብርክት ዝበላ ነኣሽቱን ማእከሎትን ትካላት ኣለዋ። እዘን ትካላት እዚኣተን ጨናፍራት ዓበይቲ ሃገራውያንን ኣህጉራውያን ትካላትን እየን። ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ካብ ዕንጸይቲ ዝፈሪ ንኣባይቲ ዘድሊ ፍርያት-ዕንጸይቲ ዝኾነ መሳለጥያታት ኣብዚ ኣውራጃ’ዚ ይፈሪ።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ዩኒቨርስቲ ዮንሾፒንግ ብኮሚተ ዝመሓደር ኮይኑ፡ ኣርባዕተ ክፍሊታት ትምህርቲ ኣለዎ። እዘን ኣርባዕተ ክፍልታት ከኣ፡ ክፍሊ ንግዳዊ ወይ ቁጠባዊ ትምህርቲ፡ ክፍሊ ጥዕናዊ-ትምህርቲ፡ ክፍሊ ቴክኒካዊ ትምህርቲ፡ ከምኡ ውን ክፍሊ ትምህርትን ርኽክባትን እዮም። ኣብዚ ዩኒቨርስቲ’ዚ፡ ኣስታት 10000 ተመሃሮ ትምህርቶም ኣብ ምክትትታል ይርከቡ። 1500 ካብዞም ተመሃሮ ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ዝመጹ እዮም። ኣብዚ ዩኒቨርስቲ’ዚ፡ ብርክት ዝበላ ምስ ካልኦት ዩኒቨርስታት ብዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ሰፊሕ ናይ ተመሃሮ ናይ ምልውዋጥ ምትሕብባራት ይካየድ።

ኣገልግሎት ጥዕና

ኣብ ምሉእ ኣውራጃ ዮንሾፒንግ፡ ሰለስተ ሆስፒታላት ይርከባ። ንሳተን ከኣ፡ ሆስፒታል ዞባ ሪሆቭ፡ ሆስፒታል ሆግላንድ ከምኡ ውን ሆስፒታል ቬርናሞን እየን። ኩለን ሆስፒታላት ምሉእ ጥዕናዊ-ኣገልግሎት ይህባ። ኣብ ገለ-ገለ ኣጋጣሚታት ግን ፍሉይ ምምእካል ናይ ጥዕናዊ ዓቕምታት ክግበር ይኽእል። 31 ናይተን ኣብዚ ዞባ ፋሕ ኢለን ዝርከባ ጥዕናዊ-ማእከላት ብምምሕዳር ኣውራጃ ይእለያ። እተን ብሕታውያን ዝኾና ጥዕናዊ-ማእከላት ከኣ፡ ብብሕቲ ይእለያ። ኣብ ሆስፒታል ሪሆቭ ኣስታት 20 ሓካይምን 500 መደቀሲ-ሕሙማትን ኣለዋ። እተን ዝተረፋ ክልተ ሆስፒታላት ግን ንእስ ዝበላ እየን።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ኣብ ኣውራጃ ዮንሾፒንግ፡ ብርክት ዝበላ ባህላውን ናይ ዕረፍቲ ንጥፈታትን ኣሎ። ኣብ መዳይ ባህሊ ንኣብነት፡ ማእከል ባህላዊ ንጥፈታትን ባህላዊ ኣብያተ-ትምህርታትን ይርከባ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይ’ዚ ኣውራጃ ብርክት ዝበላ ማእከላት ትያትር ይርከባ። እቲ እናሓደረ ንብዙሓት በጻሕቲ ዝስሕብ ዘሎ እቲ ኣብ ቨርናሞ ዝርከብ ስነጥባባዊ-ገለርያ እዩ። ንጥፈታት ዕረፍቲ ብማሕበራት ዝተባሕተ ኮይኑ፡ ስፖርትን ካልእ ሲቪካዊ ንጥፈታትን የጠቓልል። ኣብዚ ኣውራጃ’ዚ ሓደ ካብቶም ሃገራዊ መነፈሻታት ዝኾነ፡ መናፈሻ ስቱረ ሙሰ ሜድ ናቱሩም፡ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መናፈሻ፡ ይርከብ።

ባህላውን ናይ ዕረፍትን ንጥፈታት ኣብ መስርሕ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ወሳኒ ግደ ኣለዎ።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

  ንጥፈታት ናይተን ኣብዚ ዞባ ዝርከባ ማሕበራት ዓይነታውን ዝተፈላለየን እዩ። ልዕሊ ኹሉ እቲ ዝተፈላለየ ሰባት (ተሳተፍትን ተዓዘብትን) ዝእክብ ንጥፈት ስፖርት እዩ። ጋንታ ጸወታ ሆኪ-በረድ HV71 ካልእ ጋንታ የአንጊዳ ኣብ ሜዳ ኪናርፕስ ኣብ እትጻወተሉ እዋን፡ ነዚ ጸወታ ንኽዕዘቡ ካብ መላእ ሽወደን ዝውሕዙ ተዓዘብቲ ምርኣይ፡ ልሙድ እዩ። እቲ ኣብ ከተማ ቬትላንዳን ቫገሪድስስትራቨት ዝካየድ ውድድር ስፒድወይ ካልኦት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ብዙሕ ህዝቢ ዝእከበሎም ስፖርታዊ ተረኽቦታት እዮም። ኣብያተ-ክርስትያናትን ሃይማኖታዊ ምትእኽኻባት ው እንተኾና ኣብዚ ዞባ ብንጥፈት ይዋስኣ እየን። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይ’ዚ ኣውራጃ፡ ንሓደስትን ነባሮን ዘራኽብ መኣዲታት-ርኽክብ ውን ኣሎ።

ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት

ኣብዚ ገጽ’ዚ፡ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብዚ ከተማን ኣብ ከባብን

ነቲ ዝርዝር ንምጽማቍ ዝኾነት ቃል ጸሓፉ
ኣርእስቲ ምልክታ-ስራሕሞያ
Junior Systemutvecklare till Hall media i Jönköping Systemutvecklare/Programmerare
STL söker flera medarbetare i Habo Account manager
STL söker flera medarbetare i Vaggeryd Account manager
STL söker flera medarbetare i Eksjö Account manager
Butikssäljare till guldsmedsbutik Butikssäljare, fackhandel
Butikssäljare till guldsmedsbutik Butikssäljare, fackhandel
Lärare i psykologi 20% Lärare i gymnasiet
Bilinköpare Jönköping Inköpare
Truck - och lagerpersonal till Hestra , 2 tjänster Lagerarbetare
Busschaufförer Bussförare/Busschaufför
CE chaufförer Distributionsförare
Lagermedarbetare till ABB i Hovslätt Lagerarbetare
Planerare / Logistiker Produktionsplanerare, tillverkningsindustri
Projektledare Service Eksjö Projektledare, bygg och anläggning
Handläggare / samordnare till kontrollenheterna Handläggare/Utredare, offentlig förvaltning
Underhållsmekaniker Underhållsmekaniker
Specialistsjuksköterska Sjuksköterska, grundutbildad
Lärare i grundskolan , årskurs 7 - 9 Lärare i grundskolan, årskurs 7-9
Medarbetare till Inwido production / Fria former. Träarbetare/Snickare, utan yrkesbevis
Cnc - operatör / ställare CNC-operatör/FMS-operatör

ገጽ 1 ናይ 84

ውድባት

ናይዚ ወረዳ ናይ ማሕበራት ሓበሬታ ገና ኣይተረኽበን

ናይ ሓበሬታ ካርታ

ኣብዚ፡ ኣብቲ ወረዳ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ከም ዘሎ ክትርእይ ትኽእል። ከምዚ እውን ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡ ነቲ ኣብቲ ካርታ ዘሎ ናይ መድለዪ ሰፈር ረኺብካ ንሓደ ቦታ ድለ እሞ ምልክት ግበረሉ፡ ንኣብነት፣ ናይ ሓደ መንበሪ ቤት ኣድራሻ

ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ

ብዙሕ ስራሕ ኪርከብ ይኽእል

ገለ ናይ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ሓበሬታታት ናይቲ ስራሕ ኣድራሻ የብሉን፡ ስለዚ ኣብቲ ካርታውን ኣይረአን፡ ግን ኣብቲ ”ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ” ዚብል ኩርናዕ ይርከብ።

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ