Klippan

​ክሊፓን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስኮነ እትርከብ ውቅብቲ ኮምዩን እያ። ኣብዚ፡ ግሩም ኣገልግሎትን ንንጡፍ ህይወት ድማ ዓቢ ዕድልን ኣሎ። ካብኡ ናብ ዓበይቲ ከተማታት ወይ ቦታታት ምኻድ ቀሊል እዩ። ናብ ኮምዩንና እናቋዕ ብደሓን መጻእኩም።

መግለጺ ወይ ገለጻ

​መንበሪ-ገዛ

ናብ ክሊፓን ክትመጹ ምስ እትሓስቡ፡ ኣብኡ ብዙሕ ዓይነት ኣባይቲ ኣሎ፤ ኣፓርትመንት፡ ኮንዶሚንዮምን ቪላታትን። ንኪራይ ዝደሊ ድማ ትረክሎቨን ዚብሃል ናይ ኪራይ ኣባይቲ ቤትጽሕፈት ኣሎ ከምኡውን ሓያሎ ብሕታውያን ኣካረይቲ ኣለዉ።

ኣብ ናይ ክሊፓን ኮምዩን hyra bostad ኣብ መርበብና ኣንብብ

ገዛ ክትዕድግ ምስ እትደሊ፡ኣብ መርበብና ኣንብብ

Bil och cykel färdas längs kullerstensgata i Klippan

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብብዝሒ ታይላን፡ ፖላንድን ሲርያን ይዝረብ። ከምኡውን ቪየትናም፡ ሊታውስካን ቱርክን ይዝረብ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ክሊፓን ብዙሓትን እተፈላለያን ማሕበራት ኣለዋ፡ ኣብቲ ደብተር ማሕበራት ብተወሳኺ ኣንብብ።

Två personer sitter på parkbänk och tittar över en damm

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ናይ ክሊፓን ኮምዩን ግሩም ኣገልግሎት የቕርብ። ኣብ ውሽጢ ከተማ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ መድህን ድርጅት፡ ማሕበራዊ ኣብያተጽሕፈት፡ ባንክታትን ናይቲ ኮምዩን ኣገልግሎት ዓሚል ይርከብ። ድኳናት፡ ቤትንባብን መሐምበስንውን ኣሎ። ኣብተን ከም ዩንግቢሀን ኦስትራ ዩንቢ ዝኣመሰላ ነኣሽቱ ከተማታውን ድኳናትን ቤትንባብን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ክሊፓን ኮምዩን ብኮምዩንን ብብሕትን ዝመሓደር ናይ ህጻናት ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብ ክሊፓን፡ ዩንግቢሀድን ኦስትራ ዩንግቢ ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩንመርበብ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ክሊፓን ኮምዩን ኮሙናውን ብሕታውን መባእታን ካልኣይ ደረጃን ቤትትምህርቲ ኣሎ። እተን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣብ ናይ ክሊፓን ዓበይቲ ከተማታትን ኣብ ዩንግቢሀድ ይርከባ።

ኣብቲ ናይ ክሊፓን ውሽጢ ከተማ ዚርከብ ናይቲ ኮምዩን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ፡ ናብ ማሕበራዊ መደባትን ናይ ህጻናት መዘናግዕን፡ ተሽከርከርትን መጎዓዝያን ከምኡውን ኤለትሪሲቲን ጸዓትን ዝዓለመ ትምህርቲ ኣሎ። ኣብ ዩንግቢሀድ ናይ በረራ ተክኖሎጂ፡ ኣብ ኦስትራ ዩንግቢ ድማ ናብ ሕርሻ ዝዓለመ ናይ ሰግራ ብሕታዊ ቤትትምህርቲ ኣሎ።

ፍሉይ ናይ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ኣብያተትምህርቲውን ኣሎ። 

ብዛዕባ ናይቲ ኮምዩን መባእታ ቤትትምህርቲ ኣብ ናይቲ ኮምዩን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣንብብ
ብዛዕባ ናይቲ ኮምዩን ካልኣይ ደረጃን ቤትትምህርቲ ኣብ ኮምዩን መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣንብብ

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ክሊፓን ኮምዩን ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ ዕድላታውን ኣሎ። ኣብኡ ኮንቩክስ፡ ግሩንድቩክስ፡ ኤስኤፍኢ፡ ይርከስቩክስ፡ ናይ ተልመዴን ትምህርቲ፡ ናይ ሞያ ቤትትምህርቲን ፍሉይ ቤትትምህርትን ኣሎ። ኣብቲ በጺሕካ እትምለሶ ክሪስትያንስታድ፡ ኮለጅ፡ ካምፑስ ሀልሲንቦርይ፡ ሉንድ ዩኒቨርሲቲን ናይ ማልመ ኮለጅን ይርከብ።

ብዛዕባዚ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን መርበብ ዕድላት ናብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣንብብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ናይ ክሊፓን ኮምዩን ሰለስተ ማእከል ጥዕና፡ ክልተ ኣብቲ ናይ ክሊፓን ሰንትሩም፡ ሓደ ድማ ኣብ ዩንግቢሀድ ይርከባ። ኣብኡ ከከምቲ ኣድላይነትካ ናይ ወረዳ ሓኪምን ነርስታትን ኣለዉ። ኣብኡ ናይ ህጻናትን ናይ መሕረስትን ክሊኒክ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

እቲ ኮምዩን ብትእዛዝ ናይ ትርጉም ሓገዝ የቕርብ

Liten park med fontän och blommande träd

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብቲ ከተማ ክሊፓን ናብ ሀልሲንቦርይ፡ ሃስለሆምን ክሪስትያንስታድን ናይ ባቡር ኣገልግሎት ኣሎ። ካብኡ ናብቲ ካልእ ቦታታት ስኮነን ናብ ካልእ ቦታታት ሽወደንን ምጕዓዝ ይከኣል። ካብ ክሊፓን ናብ ኣንገልሆልም እትኸይድ ኣውቶቡስ ኣላ። ካብ ዩንግቢሀድ ናብ ከተማ ክሊፓን ወይ ስተሃግ መደበር ባቡር ኬድካ ካብኡ ኣብ ውሽጢ ስኮነ ክትቅጽል ትኽእል። ብዛዕባ ሰዓታት ኣብቲ ናይ ስኮነትራፊከን ኣንብብ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ካብ ከተማ ክሊፓን ናብ ሀልሲንቦርይ፡ ሃስለሆምን ክሪስትያንስታድን ብምኻድ ስራሕ ክትደሊ ትኽእል።

ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት

ኣብዚ ገጽ’ዚ፡ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብዚ ከተማን ኣብ ከባብን

ነቲ ዝርዝር ንምጽማቍ ዝኾነት ቃል ጸሓፉ
ገጽ 1 ናይ 220

ናይ ሓበሬታ ካርታ

ኣብቲ ካርታ፡ ኣብቲ ኮምዩን እንታይ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ትርእይ። ኣብኡውን ነቲ እትደልዮ ቦታ ንኣብነት ኣድራሻ ገዛ፡ ምልክት ክትገብረሉ ትኽእል።

ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ

ብዙሕ ስራሕ ኪርከብ ይኽእል

ገለ ናይ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ሓበሬታታት ናይቲ ስራሕ ኣድራሻ የብሉን፡ ስለዚ ኣብቲ ካርታውን ኣይረአን፡ ግን ኣብቲ ”ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ” ዚብል ኩርናዕ ይርከብ።

Klippan

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

16 600

ስፍሓት መሬት

374 km2

ርሕቐት ካብ ዓበይቲ ከተማታት

Helsingborg 34 km

Ängelholm 25 km

Malmö 91 km

መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ