Norberg

ኖርበርይ ናይ ዕደና ኮምዩን እዩ፡ ካብተን ናይዚ ሃገር ጥንታውያን ናይ ዕደና ቦታ ከኣ እዩ። እቲ ኮምዩን ብከተማታት ኖርበርይ፡ ሸርግሩቫንን ካርበኒንግን ካልኦት ሓያሎ ናይ ዕደና ቁሸታት ዝቖመ እዩ። እቲ ኮምዩን ኣብ ቨስማንላንድ ሰሜናዊ ክፍሊ ኮይኑ ምስ ፋየርስታን ሳላን ከምኡውን ሳላን ዳላርናን (ስመድየባከን፡ ሀደሙራን ኣቨስታን) ይዳወብ። እቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ መሬት ብዱርን ሕርሻን እተሸፈነ እዩ፡ ቀላያትውን ብዙሕ እዩ። 80% ካብቲ ህዝቢ ኣብ ከተማታት ይነብር።

መግለጺ ወይ ገለጻ

​​መንበሪ-ገዛ

ኣብዚ ኮሙናውን ብሕታውን መንበሪ ኣባይቲ ኣሎ። ኣብቲ ናይ ኖርበርይ ኮምዩን ወብሳይት ጥርሑ ኣፓርትማን ሓበሬታ ብዛዕባ ኣካረይትን ክትረክብ ትኽእል።

Miljöbild från Norberg

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኖርበይ እዘን ዚስዕባ ቋንቋታት ይዝረባ፤ ዓረብ፡ ትግርኛ፡ ሶማሊን ዳሪን ወዘተ. ብዝሒ ናይ ቋንቋ ጉጅለታት ብምምጻእን ምኻድን ስደተኛታ ይጽሎ እዩ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ኖርበርይ ሃብታም ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ። ናይ ኢደጥበብን ስፖርትን ካልእን። ንመንእሰያት ዚምልከት ከኣ ናይ ኵዕሶ እግሪ፡ ምንሽርታትን ብሽግለታን ንጥፈታት ኣሎ። ኣብቲ ናይ ኖርበርይ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ እተን ንጡፋት ማሕበራት ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣንብብ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኖርበርይ ዚርከቡ፤ፋርማሲ፡ ባንክ፡ ቤትንባብ፡ ማእከል ጥዕና፡ ሕክምና ስኒ፡ 2 ዓበይቲ ግሮሰሪታት፡ ናይ መጻወቲ ድኳን፡ ቨተሪነሪ፡ ሓደ ፍሉጥ እንዳ ከይክ፡ ኤልሳ ኣንደሾን እንዳ ከይክ፡ ካፈ፡ ሰከንድሃንድ ድኳናትን ኣብያተመግብን። ዝቐረበ ናይ ኢከያ ድኳን ኣብ ቨስተሮስ እዩ። ዪስክ Jysk ኣብ ኣቨስታ ኮምዩን ይርከብ። ኣብያተጽሕፈት ዕዮን፡ መድህንን ቀረጽን ኣብ ፋየርስታ ኮምዩን ይርከቡ።

ግሩም ንጸወታ ተኽእሎ ዘለዎ ማሕበራዊ ማእከል።

Fika i Norberg

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኖርበርይ ሓሙሽተ ኣብያተትምህርቲ ህጻናትን ሓደ ከኣ ብሕታውን ኣሎ። ብዛዕባ ኩሉ ብተወሳኺ ኣብ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ከተንብቦ ትኽእል። ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናት ምስ ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ብምትሕብባር ይሰርሕ።

ንቅሩብ ዕብይ ዝበሉ ህጻናት ድማ ናይ መንእሰያት ንጥፈታት ኣብ ማእከል መንእሰያት ኡንካን ኣሎ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ኖርበርይ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ከምኡውን መባእታ ቤትትምህርቲ፡ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ይርከብ። ከምኡውን ኣብ ፋየርስታ ኤስኤፍኢ sfi ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ትምህርቲ ንዓበይቲ እውን ምስ ፋየርስታ - ከምኡውን ምስ ኺንስካተበርይ ኮምዩን ብምትሕብባር እዩ ዚካየድ

ኣገልጎት ጥዕና

ማእከል ጥዕናን ህዝባዊ ሕክምና ስንን ኣብ ማእከል ኖርበርይ ይርከብ። ናይ ኣደታትን ህጻናትን ክሊኒክ ከምኡውን ፋሚልየሰንትራለን ”Lärkan”ኣብኡ ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

እቲ ኮምዩን ንቨስትማንስላንድ ናይ ትርጁማን ኣገልግሎት እዩ ዚውከስ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ብዛዕባ ናይ ቨስትማንላንድ መራኸቢታት ሓበሬታ - ባቡርን ኣውቶቡስን፡ ኣብ Västmanlands Lokaltrafik. ርኸቦ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ኖርበርይ ከባቢኡን ዚርከቡ ክፉታት ናይ ስራሕ ቦታትት ኣብ Platsbanken ርኸቦ።

ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት

ኣብዚ ገጽ’ዚ፡ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብዚ ከተማን ኣብ ከባብን

ነቲ ዝርዝር ንምጽማቍ ዝኾነት ቃል ጸሓፉ
ኣርእስቲ ምልክታ-ስራሕሞያ
Undersköterska 65% Undersköterska, hemtjänst och äldreboende
Lärare i Trä - och metallslöjd åk 3 - 9 Lärare i grundskolan, årskurs 7-9
Aktivitetshandledare inom etableringen Jobbcoach/Utbildningscoach
Vi söker Distriktssköterska / Sjuksköterska till vårdcentral - Västmanland Distriktssköterska
Handläggare LSS , socialpsykiatri samt vuxen Socialsekreterare
Lärare i SO år 4 - 6 Lärare i grundskolan, årskurs 4-6
Handläggare ekonomiskt bistånd Socialsekreterare
Elevassistent åk 4 - 6 Elevassistent
HR - chef Personalansvarig
Försäljare med butikskommunikationsansvar till Norberg Butikssäljare, fackhandel
Distriktssköterska / sjuksköterska till Norbergs vårdcentral Distriktssköterska
Grundskollärare åk 1 - 3 Källskolan Lärare i grundskolan, årskurs 1-3
SÄLJARE Utesäljare
SÄLJARE Utesäljare
LEG. SJUKSKÖTERSKA Sjuksköterska, grundutbildad
Logoped till Västmanlands sjukhus Fagersta och Köping Logoped
Administrationsansvarig Administrativ assistent
Operatörer CNC-operatör/FMS-operatör
Logoped till Habiliteringscentrum Logoped
Psykolog till Habiliteringscentrum i Fagersta Psykolog

ገጽ 1 ናይ 4

ናይ ሓበሬታ ካርታ

ኣብቲ ካርታ፡ ኣብቲ ኮምዩን እንታይ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ትርእይ። ኣብኡውን ነቲ እትደልዮ ቦታ ንኣብነት ኣድራሻ ገዛ፡ ምልክት ክትገብረሉ ትኽእል።

ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ

ብዙሕ ስራሕ ኪርከብ ይኽእል

ገለ ናይ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ሓበሬታታት ናይቲ ስራሕ ኣድራሻ የብሉን፡ ስለዚ ኣብቲ ካርታውን ኣይረአን፡ ግን ኣብቲ ”ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ” ዚብል ኩርናዕ ይርከብ።

Norberg

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

5 670

ስፍሓት መሬት

447,62 km2

ርሕቐት ካብ ዓበይቲ ከተማታት

Fagersta kommun 11 km

Avesta 22 kilometer

Västerås 80 kilometer

መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ