Norsjö

ኖርሸ ኮምዩን ኣብ ሰሜን ሽወደን እትርከብ ንእሽቶ ኮምዩን እያ። ንእሽቶ ትኹን እምበር ግሩም ኣገልግሎት ኣለዋ። ኣብኣ ድኳናትን ባንክን ሕክምና ስንን ማእከል ጥዕናን ኣብያተትምህርትን ወዘተ. ይርከብ። ንሳ ሓንቲ ካብተን ውሕስነት ዝመልአን ኮምዩናት ሽወደን እያ፡ ውሑድ ገበናት እዩ ዚረኣየላ። ስለዚ ህጻናት ንኺዓብዩ ግሩም ሃዋህው ኣሎዋ። ኣብ ኖርሸ ብዙሓት ኣብ ስፖርት ይግደሱ፡ ስለዚ ኲዕሶ እግሪ፡ ሆኪ ወይ ቮሊቦል ትፈቱ እንተ ኾንካ ንኽትለማመድ ተኽእሎ ኣሎ። ናብ ተፈጥሮ ቀረባ ብምዃና፡ ብዙሓት ተቐማጦኣ ይሃድኑን፡ ዓሳ ይገፉን፡ ዓጋም ይኣርዩን። ክትገይሽ ምስ እትደሊ ኣብኡ ባቡር ጣብያ ኣሎ፡ ምስቲ ከባቢ ድማ ግሩም ናይ ኣውቶቡስ ኣገልግሎት ኣሎ። ናብቲ ዝቐረበ መዓርፎ ነፈርቲ መገዲ ሓደ ሰዓት እዩ።

መግለጺ ወይ ገለጻ

​​መንበሪ-ገዛ

እተን ክልተ ዝዓበያ ትካላት ክራይ ኣባይቲ፡ እታ ናይ ኮምዩን ኖርሸለገንሀተርን እታ ብሕታዊት ኖርሸቡን ኤ.ቢን እያ።

ኣብ ኖርሸ ኮምዩን ብዙሓት ብሕታውያን ኣካረይቲ ገዛ ኣለዉ። መንበሪ ኣባይቲ ንምድላይ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት እቶ ኣብኡ ድማ ናይ ኣካረይቲ ዝርዝር lista med hyresvärdar ዚብል ኣሎ።

ብዛዕባ መንበሪ ኣባይቲ ሕቶ ምስ ዚህልወካ ነቶም ናይ ስደተኛታት ኣተሓባበርቲ ርኸቦም። ናብቲ ናይቲ ኮምዩን መሳገሪ ተለፎን ደውል 0918-140 00።

 

 

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ሶማሊ፡ ዓረብ፡ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ዳሪ፡ ስፓኛ፡ ሩስያ፡ ጀርመን፡ ሆላንድ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ኮምዩን ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ፐንተኮስት ሰበኻሚስዮን ቤትክርስትያንን ኣሎ። እተን ኣብያተክርስትያን ስሩዕ ንጥፈታት ኣለወን። ቀጻሊ ዚራኸቡ ናይ እስልምና ጉጅለውን ኣለዉ።

ኣብቲ ኮምዩን ብዙሓት ማሕበራት ኣለዋ። ክትራኸበን ምስ እትደሊ ናይ ማሕበራት ደብተር ኣሎ።

ናይቲ ኮምዩን ስርርዕ ዘርኢ ሓደ ገጽ ኣብኡ ክትረክብ ኢኻ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኖርሸ ድኳናት፡ ቤትንባብ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ቤትጽሕፈ ኮምዩን፡ ናይ ዕረፍቲ ቦታን ባንክታትን ኣሎ።

ንገዛኻ ኣቕሑት ምስ እትደሊ ኣብቲ ክኑትን Knut’n ዚብሃል ናይ ሰከንድሃድን ድኳን ካብ ኣቕሑ ገዛን ሸሓኒታትን ክሳዕ ክዳውንትን ትረክብ።

 

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብቲ ኮምዩን ናይ ህጻናት ኣብያተትምህርቲ፡ ናይ ስድራቤት መውዓሊ ከምኡውን ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣሎ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ሽወደናውያን ወለድን መምህራንን ንኖርሸ ሓንቲ ካብተን ኣብዚ ሃገር ዝበለጻ ናይ ትምህርቲ ኮምዩናት ገይሮም ይቖጽሩዋ። ኣብቲ ኮምዩን ክለት መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ፡ ሓንቲ ኣብ ባስቱትረስክ ትምህርታዊ ዓመት F-5 ከምኡውን ኣብ ከተማ ኖርሸ ትምህርታዊ ዓመት F-9። ኣብኡ ፍሉይ ቤትትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ትምህርቲ ንዓበይቲ ክትወስድ ተኽእሎ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክትምሃር ወይ ኣብ ኮለጅ ብርሑቕ ትምህርቲ ክትመሃር ዕድል ኣሎ።

ኣብ ኖርሸን ኣብ ባስቱትረስክ ናይ ኤስኤፍኢ ስልጠና ኣሎ።

ኣብቲ ናይ ኖርሸ ለርሰትራ ወብሳይት ብተወሳኺ ኣንብብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ኖርሸ መወልዳንን ናይ ህጻናት ክሊኒክን ዝጠርነፈ ማእከል ጥዕና ኣሎ። ኣብቲ ህንጻ ባዕሉ፡ ህዝባዊ ሕክምና ስኒ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

እቲ ኮምዩን ከከም ኣድላይነቱ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት የዳሉ። ትርጉም መብዛሕትኡ ግዜ ብተለፎን እዩ ዚካየድ፡ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ግን ብኣካል ይካየድ እዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ክትገይሽ ምስ እትደሊ ኣብኡ ባቡር ጣብያ ኣሎ፡ ምስቲ ከባቢ ድማ ግሩም ናይ ኣውቶቡስ ኣገልግሎት ኣሎ። ናብቲ ዝቐረበ መዓርፎ ነፈርቲ መገዲ ሓደ ሰዓት እዩ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብቲ ኮምዩን እተን ዝዓበያ ወሃብቲ ስራሕ እዘን ዚስዕባ እየን፤ ኖርሸ ኮምዩን (ትምህርቲ፡ ክንክን ምእላይን)፡ ትረትራፑር (ናይ ሉሕ ፋብሪካ)፡ ኢንቪዶ (ናይ ሉሕ ፋብሪካ)፡ ኤክስተና (ናይ ፕላስቲክ ፋብሪካ)፡ ኖርሸ በቶንግ (ቸመንቶ ኣርማቶ)።

ብዙሓት ተቐማጦ ኖርሸ ናብ ኸለፍተዮ፡ ሊክሰለን ማሎን ብምግያሽ ሰሪሖም ይምለሱ።

ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት

ነቲ ዝርዝር ንምጽማቍ ዝኾነት ቃል ጸሓፉ

ናይ ሓበሬታ ካርታ

ኣብቲ ካርታ፡ ኣብቲ ኮምዩን እንታይ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ትርእይ። ኣብኡውን ነቲ እትደልዮ ቦታ ንኣብነት ኣድራሻ ገዛ፡ ምልክት ክትገብረሉ ትኽእል።

ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ

ብዙሕ ስራሕ ኪርከብ ይኽእል

ገለ ናይ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ሓበሬታታት ናይቲ ስራሕ ኣድራሻ የብሉን፡ ስለዚ ኣብቲ ካርታውን ኣይረአን፡ ግን ኣብቲ ”ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ” ዚብል ኩርናዕ ይርከብ።

Norsjö

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

4 300

ስፍሓት መሬት

1 700 km2

ርሕቐት ካብ ዓበይቲ ከተማታት

Skellefteå 80 km

Lycksele 80 km

መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ​​

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ