Örebro län

ኦረብሩ ለን/ወረዳ ኣብ ሕምብርቲ ሽወደን እያ እትርከብ። ኣብቲ ናይቲ ወረዳ 12 ኮምዩናት ብድምር 285,000 ተቐማጦ ኣለዉ። እታ ዝዓበየት ከተማ፡ ኦረብሩ እያ። ኦረብሩ ንዘመናት ናይ ደቂሰብ ኣገዳሲት ቦታ እያ ነይራ። ኣብዚ፡ ኩሉ ቀረባ እዩ፡ ግሩም መራኸቢታት፡ ግሩም ናይ ትምህርቲ ዕድላትን ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕዳጋን ከኣ ኣሎ።

መግለጺ ወይ ገለጻ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ኣብ ሓድሓደ ቦታታት ዝካረ ገዛ የልቦን። ገዛ ምርካብ ኣሸጋሪ እዩ። ኣብ ነኣሽቱ ከተማታት ይሓይሽ። ኣብ ነኣሽቱ ኮምዩናት ምቕማጥ ጥቕሚ ኣለዎ፡ ከመይሲ ኣብኡ እቲ ናይ ሕብረተሰብ ናብራ ንጹር እዩ። መብዛሕትኦም ኣብቲ ዝቕመጡዎ ኣይኮኑን ዝሰርሑ። ኣብ መንጎ ናይቲ ወረዳ ከተማታት፡ ናይ ኣውቱቡስን ባቡርን መስመራት ኣሎ፡ በጺሕካ ምምላስ ከኣ ብዙሕ ግዜ ኣይወስድን። ኣብቲ ናይ ለንስትራፊክ ወብሳይት ብኣውቶቡስ ምግያሽ ተኽእሎታት ከመይ ምዃኑ ስእሊ ኪህልወካ ይኽእል። 

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ኣብቲ ወረዳ ብዙሕ እተፈላለየ ሞያታትን ወሃብቲ ስራሕን ይርከቡ። ኣብዚ ናይ ምስናዕ ፋብሪካን ናይ ልዑል ተክኖሎጂ ምርምርን፡ ዓቢ ናይ ኣገልግሎት ሰክተርን ኣብ ክንክንን ጥዕናን ከኣ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣሎ። ካብተን ዓበይቲ ብሕታውያን ወሃብቲ ስራሕ ንምጥቃስ፤ Atlas Copco Rock Drills AB ። እዚኣ ንዕደናን ነታ ኖርዲና ስቨርየ ኤ.ቢ እትብሃል ኣውቶቡስ እትስንዕ ፋብሪካን ዚኸውን ማሺንን መሳርሕን ትስንዕ።

ካብቲ ዘይብሕታዊ ሰክተር ከኣ ኦረብሩ ኮምዩንን ኦረብሩ ወረዳን ዝዓበያ ወሃብቲ ስራሕ እየን። እቶም ናይ ውልቆም ዋኒን ኪጅምሩ ዚደልዩ ካብተን ናይ ወጻኢ ድሕረባይታ ዘለወን ኢንፕረዛታት Almi Mälardalen ከምኡውን IFS Rådgivning – ደገፍ ኪረኽቡ ይኽእሉ።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ኣብቲ ወረዳ ንዝለዓለ ትምህርቲ ተኽእሎታት ኣሎ።እታ 17,000 ተመሃሮን 200 ሰራሕተኛታትን ዘለዋ ኦረብሩ ዩኒቨርሲቲ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ዩኒቨርሲታት ሽወደን እያ። ንሳ ኣብ ሳይኮሎጂ፡ ሁማኒዮራ፡ ሕጊ፡ ሶሲዮሎጂ፡ ተፈጥሮኣዊ ሳየንስ፡ ተክኒክ፡ ክንክን ጥዕና፡ መድሲን፡ ምምህርና፡ ሙዚቃን ስፖርትን ትምህርትን ምርምርን ተካዪድ። ናይ ግሪትሂታን ቤትመግብን ሆተልን ኮለጅ ክፋል ናይታ ዩኒቨርሲቲ ንጥፈታት እዩ። ብዛዕባ ኦረብሩ ዩኒቭርሲቲ ተወሳኺ ኣንብብ። ብዙሓት ኮለጃትን ናይ ሞያ ትምህርቲ ኮለጃትን ኣለዋ። እተን ለርሰንትራ ናይ መራኸቢ ቦታታት እየን።

ኣገልግሎት ጥዕና

ኦረብሩ ለን ኣብ ኩሉ ኮምዩናት ማእከላት ጥዕና ኣለዎ። ኣብ ኦረብሩን ካርልስኩጋን ሊንደስበርይን ሆስፒታላት ኣለዋ። ናይ ኦረብሩ ዩኒቨርሲታዊ ሆስፒታል ሓንቲ ካብተን ናይቲ ሃገር 8 ዩኒቨርሲታውያን ሆስፒታላት እያ። እቲ ወረዳ ንሕማም ንምክልኻልን ጥዕና ንምስፋንን ይሰርህ። ብዛዕባ ናይ ኦረብሩ ለን ሕክምና ኣንብብ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ኣብ ኩለን ናይቲ ለን ኮምዩናት ሃብታም ባህላዊ ህይወትን ናይ ስፖርትን መዘናግዕን ተኽእሎታትን ኣሎ። እተን ኣብያተንባብ መብዛሕትኡ ግዜ ከም መራኸቢ ቦታ እየን ዚሰርሓ። ኣብኡ ድማ መጻሕፍትን መጽሔታትን ብእተፈላለየ ቋንቋታት ከተንብብ ትኽእል። እቲ ኣብ ሽወደን ዘሎ እተፈለለየ ናይ ባህልን ስፖርትን ማሕበራት ኣብ መንጎ እተፈላለየ ድሕረባይታ ዘለዎም ሰባት ርክብ ይፈጥር። ብዙሓት ወለዲ ኣብተን ናይ ህጻናት መዘናግዒ ዘለወን ማሕበራት ይሳተፉ እዮም።

ኣብዚ ናይ ስፖርትን መጽናዕትን ማሕበራት ኣለዋ። ንሳተን ከኣ ኣብ መንጎ ሰባት ርክብን ምውህሃድን ኪህሉ ይሰርሓ። ካልእ ንጥፈታት ድማ ብናይ ስደተኛታት ውድባትን፡ ቀዪሕ መስቀልን ሽወደናዊት ቤትክርስትያንን ናይ ኦረብሩ መስጊድን ይካየድ።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

ማሕብራዊ ናብራን ናይ መጽናዕቲ ጉጀለን ኣብያተክርስትያንን ማሕበራትን እምነትን ንምውህሃድ ኣገደስቲ እየን - ንዓበይትን ንነኣሽቱን። ኣብቲ ወረዳ ናብ ሓደስቲ መጻእቲ ዝዓለመ ተሳትፎን መራኸቢ ቦታታትን ኣሎ። ኣብኡ ብዛዕባ ማሕበረሰብ ሽወደን ብእተፈላለየ መገዲ ክትፈልጥን ቋንቋ ሽወደንውን ክትመሃር ትኽእል። ኣብኡ ነቶም ሽወደን ናይ ኣደኦም ቋንቋ ዘይኮነ ትምህርታዊ ደገፍ ይወሃቦም። ብዛዕባ ናይ ስደተኛታት ውድባትን ብዛዕባ ቀዪሕ መስቀልን ተወሳኺ ኣንብብ። 

ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት

ኣብዚ ገጽ’ዚ፡ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብዚ ከተማን ኣብ ከባብን

ነቲ ዝርዝር ንምጽማቍ ዝኾነት ቃል ጸሓፉ
ኣርእስቲ ምልክታ-ስራሕሞያ
Mjukvaruutvecklare med känsla för C++ Systemutvecklare/Programmerare
Produktionstekniker med inriktning mot montage till Emhart Glass Produktionstekniker, maskin/verkstad
Är du en ekonomiassistent ute efter ett nytt uppdrag på deltid? Ekonomiassistent
Musiklärare till grundskolan Lärare i musik- och kulturskolan
Personlig assistent sökes till kille med autism för arbete i skolan Personlig assistent
IT Specialistsäljare kommunikation IT-strateg
Förskollärare till förskolan Jordgubben Lärare i förskola/Förskollärare
Säljare Butikssäljare, fackhandel
Säljare Butikssäljare, fackhandel
Erfaren geolog till Zinkgruvan Mining AB Civilingenjör, tillverkningsindustri
Projektmedarbetare till linje 14 Studieorganisatör
Sjuksköterska Reumatologiska klinikens mottagning Sjuksköterska, grundutbildad
Erfaren montör eller händig person Fasadmontör
Kock Specialkock
Processoperatör till expansiv kund inom kemiindustrin! Processoperatör, kemisk industri
Processoperatör till expansiv kund inom kemiindustrin! Processoperatör, kemisk industri
Lärare inom autismverksamheten Stadsskogsskolan 7 - 9 Lärare i grundskolan, årskurs 7-9
Ambulanssjuksköterska , Närsjukvårdsområde Örebro / Söder , Ambulansavdelningen Sjuksköterska, grundutbildad
HR - generalist med start omgående HR-specialist/HR-adviser
Boendestödjare till Loggatan 22 Vårdare/Arbetshandledare/Boendestödjare

ገጽ 1 ናይ 49

ውድባት

ኣብዚ ምስ ገለ ካብተን ኣብቲ ወረዳ ዚርከባ ማሕበራትን ውድባትን ዘራኽብ መላግቦ ወይ ሊንክ ክትረክብ ትኽእል

ናይ ኦረብሩ ናይ መሰል ማእከል

ናይ ኦረብሩ ናይ መሰል ማእከል ንኣድልዎ ዚምክት ቤትጽሕፈት እዩ። ነቲ ዚህቦ ሕጋዊ ምኽሪ ኣየኽፍልን እዩ፡ ነቶም ኣድልዎ እተገብረሎም ኮይኑ ዚስምዖም ወይ ፍትሒ ዝጎደሎም ሰባት ድማ ይሕግዝ። ናይ ኦረብሩ ማእከል መሰል፡ ምስጢር ይሰትር እዩ፡ ምስቶም ኣድልዎ እተገብረሎም ድማ ርክብ ንምግባር ይሕግዝ ወይ ድማ ነቲ ጉዳይ ናብቲ ቤትጽሕፈት ወኪል ኣድልዎ የመሓላልፎ።

ሽወደናዊት ቤትክርስትያን

ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ንስደተኛታትን ሓደስቲ መጻእትን ኣብ ሽወደን ጽቡቕ ምጅማር መታን ኪኾነሎም ካብ ቀደም ኣትሒዛ ብንጥፈት ሰሪሓ እያ። ንሳ ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ገንዘብ ዘይክፈሎ ሕጋዊ ምኽርታት ትህብ። ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ኣብ መላእ ሃገር ሽወደን ትርከብ ንእተፈላለዩ ጉዳያት ድማ ደገፍን ሓገዝን ትውፊ።

ረዳ ቦርነን

ረዳ ቦርነን ናይ ህጻናት መሰል ዚሕሉ ውድብ እዩ። እቲ ስራሕ ኣብ ኩሉ ዓለም ይነጥፍ ኣብ መብዛሕትአን ናይ ሽወደን ኮሙናት ድማ ይርከብ። ንሱ ነቲ ናይ ህጻናት ድሌትን ጥቕምን መሰልን ንኺሕሎ ይጽዕር።

ረዳ ኮርሸት

Röda korset ቀዪሕ መስቀል ነቶም ንሓደጋ እተቓልዑ ሰባት ንምሕጋዝን ንህይወትን ጥዕናን ደቂሰብ ንምሕልውን ይነጥፍ። እቲ ውድብ ኣብ ኩላ ዓለምን ኣብ ብዙሓት ኮሙናት ሽወደንን ይሰርሕ።

ናይ ኦረብሮ ገዛ ደቀንስትዮ

ናይ ቤት-ደቀንስትዮ (ክቪኖሁሰት) ስራሕ ነተን ንዓመጽ እተቓልዓ ኣንስትን እተቓልዑ ህጻናትን ክኢላዊ ሓገዝን መዕቆብን ንምሃብ እዩ። እቲ ስራሕ ብተለፎን ወይ ኣብ ገዛ ብምብጻሕ ደገፍን ምኽርን ምሃብ ይጥርንፍ። ነተን ብምፍርራህ ተጨኒቐን ገዝአን ኪገድፋ ዚግደዳ ደቀንስትዮ ዚኸውን ሕሉው መንበሪ እውን ኣሎ።

መዕቆቢ ኣዋልድ ኦረብሩ

​ኣብ ሽወደን ኣስታት 60 ዚኸውን መዕቆቢ ኣዋልድ ኣሎ። እቲ ናይ ኦረብሩ መዕቆብ ኣዋልድ ካብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ናጻ ዝኾነ ናይ ደቀንስትዮ ማሕበር እዩ። እቲ መዕቆብ ኣዋልድ ንነኣሽቱ ኣዋልድ ደገፍን ጽንዓትን ይህብ። ዕላማኡ ድማ ኣንስትን ሰብኡትን ኣብ ምዕሩይ ሕብረተሰብ ከም ዚነብሩ ምግባር እዩ።

ናይ ኦረብሩ ናይ ደቀተባዕትዮ ክሊኒክ

ናይ ኦረብሩ ናይ ደቀተባዕትዮ ክሊኒክ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ቤተሰብ ዚፍጸም ዓመጽ ብምትኳር ክኢላዊ ሓገዝ ይህብ። ዕላማኡ ኣብ ቤተሰብ ዓመጽ ደው ብምባል ነቲ ናይ ህጻናትን ደቀንስትዮን ሰብኡትን ውሕስነትን ጥዕናን ንምሕላው እዩ። እቲ ኣገልግሎት ንውልቃውን ንጉጅለን ንተጻመድትን ይውሃብ።

ናይ ወረዳ ኦረብሩ ፈደረሽን ስስፖርት

ናይ ወረዳ ኦረብሩ ፈደረሽን ስስፖርት (ÖLIF) ናይቲ ሃገራዊ ፈደረሽን ስፖርት ናይ ወረዳ ኦረብሩ ዞባዊ ውድብ እዩ። ÖLIF ኣብ ውሽጢ ኣውራጃዊ ማሕበራት ነቲ ናይ ስፖርት ምንቅስቓስ ሓባራዊ ጉዳያት ይከታተል። ኣብዚ፡ ናይተን ናይ ከባቢ ማሕበራት ስፖርት ኣድራሻታት ክትረአክብ ትኽእል።

ናይ ኦረብሮ ፈደረሽን ትምህርቲ ኣብጽሕ

Studieförbundet Vuxenskolan ፈደረሽን ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብቲ ናይቲ ወረዳ መንበሪ ሓተትቲ ዕቝባ፡ ንሽወደንን ማሕበራዊ ሳየንስን ከምኡውን ካልእ ጉጅለ መጽናዕቲ ኣለዎ።

ሲቲ ኣካደሚን ለርሰንተር- ለርሰንትራ

ሲቲ ኣካደሚን ለርሰንተር ነቶም ንኸጽንዑ ቦታ ዚደልዩ ወይ ኣብ ትምህርቶም ሓገዝ ዚደልዩ ኣባጽሕ ተምሃሮ እተመደበ ቦታ እዩ። ኣብዚ ኸኣ ናይ ሽወደን፡ ቍጽሪ፡ እንግሊዝ፡ ሶሲዮሎጂ፡ ኮምፕዩተርን ታሪኽን መምህራን ኣለዉ። ነቶም ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ጸገማት ዘለዎም እውን ኣገልግሎት ኣሎ። ኣብቲ ቤትትምህርቲ፡ ኮምፕዩተራት፡ ብርሑቕ ዚሰርሕ መርበብ ኢንተርነት፡ ከምእዉን ንመጽናዕቲ ዚኸውን ጸጥታ ዝመልኦ ኣከባቢ ኣሎ።

ALMI ናይ ዋኒን ሽርካ

ALMI ናይ ዋኒን ሽርካ ነቶም ዋኒን ወይ ኩባንያ ኪኸፍቱ ወይ ኪዕድጉ ዚደልዩ ይድግፍን ይሕግዝን። ብመሰረት ኩነታትካ ገይሩ ድማ ንዋያዊን ምኽራውን መፍትሄ የቕርብ።

ናይ ሓበሬታ ካርታ

ኣብዚ፡ ኣብቲ ወረዳ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ከም ዘሎ ክትርእይ ትኽእል። ከምዚ እውን ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡ ነቲ ኣብቲ ካርታ ዘሎ ናይ መድለዪ ሰፈር ረኺብካ ንሓደ ቦታ ድለ እሞ ምልክት ግበረሉ፡ ንኣብነት፣ ናይ ሓደ መንበሪ ቤት ኣድራሻ

ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ

ብዙሕ ስራሕ ኪርከብ ይኽእል

ገለ ናይ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ሓበሬታታት ናይቲ ስራሕ ኣድራሻ የብሉን፡ ስለዚ ኣብቲ ካርታውን ኣይረአን፡ ግን ኣብቲ ”ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ” ዚብል ኩርናዕ ይርከብ።

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ