Sandviken

ኣብ ሳንድቪከን ጥዑም ኣየርን ባህላዊ ህይወትን ምስ ትሑት ዋጋ ገዛን ናብራን ይጽበየካ። ኣብኡ ኣህጉራዊ ሃዋህው ኣሎ፡ እቲ ሳንድቪክ እተባህለ ናይ ተክኖሎጂ ዋኒን ድማ ኣብኡ ይርከብ። ኣብ ሳንድቪከን ኮምዩን ልዕሊ 3100 ሰራሕተኛታት ኣሎና።

መግለጺ ወይ ገለጻ

 

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ውሽጢ ዕዳጋ መንበሪ ኣባይቲ፡ ሳንድቪከንሁስ ናይቲ ኮምዩን ትካል ኪራይ ኣባይቲ እዩ። ብመገዲ ሳንቪከንሁስ መንበሪ ቤት ንምድላይ ሪጋ ክትሕዝ እንተ ደሊኻ ወይ ብዛዕባ ጥርሑ ኣባይቲ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ነቲ ናቶም ወብሳይትተወከስ።

ኣብዚ፡ ብሕታውያን ኣካረይትን ደላሎን ኣለዉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሳንድቪከን ኮምዩን እዘን ዚስዕባ ቋንቋታት ይዝረባ፤ ዓረብ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ኩርማንጂ፡ ዳሪን ፋርሲን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሳንድቪከን ልዕሊ 400 ማሕበራት ዚርከቦ ሃብታምማሕበራዊ ህይወት ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ናይ ሳንድቪከን ሰንትሩም ቤትጽሕፈት ዕዮ ኣሎ፡ ኣብቲ ቦታቲ ድማ ቤትጽሕፈት መድህንን፡ ናይ ጥሮታ በዓል ስልጣንን ቤትጽሕፈት ቀረጽን ናይ ዓመዊል ኣገልግሎት ኣለዎም። ኣብኡ እተፈላለየ ዓይነት ድኳናት ኣለዉ፡ ከምኡውን ባንክ፡ ፋርማሲ፡ ሲነማ፡ ቤትንባብን ህዝባዊ መሐምበሲን ወዘተ. እቶም ዝዓበዩ ግሮሰሪታት ካብ ሰንትሩም ቅሩብ ርሕቕ ኢሎም ይርከቡ።

ኣብ ሳንድቪከን ኣቕሑ ቤትን ኣቕሑ ክሽነን ዝሓዙ ክልተ ሰከንድሃንድ ድኳናት ኣለዉ። 15 ደቒቕ ካብ ሳንድቪከን ቫልቡ ዚብሃል ዕዳጋ ኣሎ፡ ኣብኡ ድማ እተፈላለያ ድኳናት ኣለዋ፡ ከም ንኣብነት ኢከያ።

ኣብቲ ናይ ሳንድቪከን ናይ ምውህሃድ ክፍሊ፡ እቶም ኣብ ወጻኢ እተወልዱ፡ ሓበሬታን ሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ኪረኽቡ ይኽእሉ። ናይ ምብጻሕ ኣድራሻ፡ ብዮርክሰድራ፡ ተሌፎን ከኣ 026-241715፡ 026-241760 እዩ። ኣብ ናይ ምውህሃድ ክፍሊ እቶም ሰራሕተኛታት ዓረብ፡ ትግርኛን ሶማልኛን ይዛረቡ እዮም።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

እቶም ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ቤትትምህርቲ ህጻናት ዘለዉ ህጻናት ኣብ 26 ክፍልትታት ተመቓቂሎም ኣለዉ። ኣብ ልዕልዚ 2 ክፉት ቤትትህምርቲ ህጻናት ዘለወን ናይ ስድራቤት ማእከላት፡ 3 ድማ ናይ ህጻናት ክንክን ዘለወን ኣለዋ። እቲ ንጥፈታት ንናይ መጻኢ ምህሮ መሰረት ዘንብር ውሕስነትን ግሩም ዲሲፕሊንን ዘንጸባርቕ እዩ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ሳንድቪከን 8 መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ፡ ንሳተንከኣ፣ ቫልሆቭስስኩላን፡ የርንቫልስኩላን፡ ሙርጎርድስኩላን፡ ሞንተሶሪ ስኩላን፡ ሰትራስኩላን፡ ሰደርስኩላን፡ ብዮርክሰትራስኩላን እየን።

ናይ ሳንድቪከን ክልተ ካልኣይ ደረጃኣብያተትምህርቲ፡ በሰመርስኩላንን ዮራንሶንስኩላን ይብሃላ።

ዕድላት ትምህርቲ

ነቶም ዓበይቲ ዝኾኑ እሞ ኪመሃሩ ዚደልዩ ኣብ ተገዳስነትን ዚድለ ደረጃ ትምህርትን እተመስረቱ እተፈላለዩ ዕድላት ኣለዉ። ኣብዚ ንኣብነትናይ ዓበይቲትምህርቲ፡ ሰርቩክስ፡ ኤስኤፍኢ፡ ኮለጅ፡ ወዘተ. ኣለዉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሳንቪከን ምስ ዘድሊ ዝኽየዶም ሰለስተ ማእከላት ጥዕና ኣለዉ።

እቲ ዝቐረበ ናይ ህጹጽ ረድኤት ክሊኒክ ኣብ የቭለ ይርከብ። ንሱ ካብ ሳንቪከን 25 ኪሎመተር እዩ። 

ኣብ ሳንቪከን ፋሚልየሰንትራል/ናይኣደታት ማእከል ጥዕና ይርከብ።

ኣብ ሳንድቪከን ኮምዩን ንሕማም ስኒ ብዝምልከት ህዝባዊ ሕክምናስኒ ከምኡውን ብሕታዊ ናይ ስኒ ክሊኒክ ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ሽወደን ክትዛረብን ክትርዳእን ምስ ዘይትኽእል፡ ምስ ሰበስልጣን ብምስምማዕ ተርጓማይ ክትገብር መሰል ኣሎካ። ኣብቲ ናይ ሳንድቪከን ናይ ምውህሃድ ክፍሊ፡ ዓረብን ሶማልን ትግርኛን ዚዛረቡ ሰራሕተኛታት ኣለዉ ከመይሲ መብዛሕትኦም ኣብዚ ኮምዩን ዚመጹ ስደተኛታት ነዘን ቋንቋታት እዮም ዚዛረቡ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ብባቡርን ብኣውቶቡስን ምስ ዓበይቲ ከተማታት ግሩም ናይ መራኸቢ ኣገልግሎት ኣሎ (X-trafik, SGS-bussen, Tåg i Bergslagen ከምኡውንSJ)። ንኣብነት የቭለ (20 ደቓይቕ)፡ ስቶክሆልም (ክልተ ሰዓት)። ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ካብቲ ናይ ሳንድቪከን ናይ ጕዕዞ ሰንተር እየን ዚብገሳ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ሳንድቪከንእታ ብልዑል ተክኖሎጂ እትፍለጥ ኢንዱስትሪያዊት ዋኒን፡ ሳንድቪክ፡ ትርከብ። ኣብቲ ናይ ሳንድባካ ፓርክ ናይ ተክኒክ ፓርክ ንተክኒክን ኮምፕዩተርን ዚምልከት 50 እተፈላለያ ዋኒናት ኣለዋ፡ 9000 ሰራሕተኛታት ከኣ ኣለወን። ነፍስወከፍ መዓልቲ ዳርጋ 9000 ሰራሕተኛታት ካብን ናብን ስራሕን ኣብያተትምህርትን ይመላለሱ። ብዙሓት ሰራሕተኛታት ናብ ሳንድቪከን በጺሖም ይምለሱ 4996 ዝያዳ ካብቶም ዚወጹ 3963 (ኣሃዝ ካብ 2011)

ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት

ኣብዚ ገጽ’ዚ፡ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብዚ ከተማን ኣብ ከባብን

ነቲ ዝርዝር ንምጽማቍ ዝኾነት ቃል ጸሓፉ
ኣርእስቲ ምልክታ-ስራሕሞያ
Vikarierande Förskollärare , Kulturförskolan Flygande Draken Lärare i förskola/Förskollärare
Lärare engelska och svenska , Bessemerskolan Lärare i gymnasiet
Restaurangbiträde till Pizzeria Milano i Sandviken Restaurangbiträde
Distriktssköterska / sjuksköterska till Sandviken Norra Din hälsocentral Sjuksköterska, grundutbildad
Bli en del av vårt gäng på Hjärtat Sandviken! Farmaceut/Apotekare
Biståndshandläggare Biståndsbedömare/Biståndshandläggare
Fysioterapeut / sjukgymnast till rehabiliteringsmedicin avdelning Sandviken Fysioterapeut/Sjukgymnast
Personlig assistent för omgående tillträde! Personlig assistent
Är du vår nästa säljare? Utesäljare
Seritör / servitris Hovmästare
Strategisk Inköpare till Sandvik i Sandviken Inköpare
Köksbiträde Grillbiträde/Gatuköksbiträde
Projektingenjör Fjärrvärme till Sandviken Energi Planeringsingenjör, elkraft
Timvikarier till Kunskapsförvaltningens förskolor och grundskolor Lärare i förskola/Förskollärare
Enhetschef Västra hemtjänst Omsorgsförvaltningen Enhetschef, hälso- och sjukvård
Förskollärare , Blåsippans förskola Lärare i förskola/Förskollärare
Praktik - och APL - utvecklare Introduktionsprogrammet , Bessemerskolan Utbildningsledare
Försäljare med eller utan erfarenhet i Sandviken. Fast lön + provision. Hemförsäljare
Hundvan Personlig assistent sökes till tjej i Sandviken Personlig assistent
Bilburen Tidnings - och reklamutdelare helg i Årsunda Tidningsbud/Tidningsdistributör

ገጽ 1 ናይ 34

ናይ ሓበሬታ ካርታ

ኣብቲ ካርታ፡ ኣብቲ ኮምዩን እንታይ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ትርእይ። ኣብኡውን ነቲ እትደልዮ ቦታ ንኣብነት ኣድራሻ ገዛ፡ ምልክት ክትገብረሉ ትኽእል።

ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ

ብዙሕ ስራሕ ኪርከብ ይኽእል

ገለ ናይ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ሓበሬታታት ናይቲ ስራሕ ኣድራሻ የብሉን፡ ስለዚ ኣብቲ ካርታውን ኣይረአን፡ ግን ኣብቲ ”ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ” ዚብል ኩርናዕ ይርከብ።

Sandviken

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

38 000

ስፍሓት መሬት

1 297 km2

ርሕቐት ካብ ዓበይቲ ከተማታት

Gävle 25 km

Falun 70 km

Uppsala 120 km

Stockholm 190 km

መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ