Skellefteå

ኣብ ኸለፍተዮ ነቲ ኣብ ሽወደን እትነብሮ ናብራ ጽቡቕ ኪኾነልካ ዘኽእል ኩነታት ኣሎ። እታ ከተማ ማእከላይ ስፍሓት ኣለዋ፡ ስለዚ ንኹሉ ኣገልግሎትን ተኽእሎታትን ብዘይ ጸገም ትረኽቦ ማለት እዩ። እቲ ስፍሓታ፡ ጣዕሚ እውን ኪህበካ ይኽእል። ተቐማጦ ኸለፍተዮ ኪበዝሑ ይደልዩ፡ ኣብዚ መጺእካ መገድኻ ንኽትመርጽ ድማ ምውቕ ዕድመ ይገብሩልካ።

መግለጺ ወይ ገለጻ

መንበሪ-ገዛ

ዝካረ ኣባይቲ ኣብ ውሽጢ ከተማን ኣብ ወጻእን ይርከብ። እቲ ኮምዩን Skeboእተባህለ ትካል ክራይ ኣባይቲ ኣለዎ። ንሱ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኮንዶሚንዩም ኣለዎ። ካብ ብሕታውያን ኣካረይቲ እውን ምክራይ ይከኣል እዩ። እንተ ደሊኻ ቪላ ወይ ሰርቪስ መሳሊ ቤት ክትዕድግ ትኽእል።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኸለፍተዮ ልዕሊ 60 ቋንቋታት ይዝረብ። ሓድሓደ ንምጥቃስ፤ ፊንላንድ፡ ዓረብ፡ ሶማሊ፡ ኡርዱ፡ ፋርስ፡ ትግርኛ፡ ታይላንድ፡ ኖርቨጅያን፡ ስፓኛ፡ ጀርመን፡ ሂንዲ፡ ሩስያን ኣምሓርኛን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ኸለፍተዮ ልዕሊ 850 ማሕበራት ኣለዋ፡ ካብ ኵዕሶ እግርን መዝሙርን ጀሚርካ ክሳዕ ምኽሻንን ሃይማኖታዊ ጉባኤን። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ናይተን ማሕበራት ደብተርን ሓበሬታን ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኸለፍተዮ ኮምዩን ኣድላዪ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ናይ ስፖርትን ባህልን መዘናግዕን ምርጫታት ኣሎ። ኣብኡ ድኳናት፡ ኣብያተመግቢ፡ ናይ ስፖርት ኣደራሽ፡ ሲነማታትን ተያትራትን ኣሎ። ኩለን ካብ ኸለፍተዮ ሰንትሩም መገዲ እግሪ እየን። ኣብኡ ብዙሓት ክርስትያናዊ ማሕበራትን ኣብ ማእከል ከተማ መስጊድ ዘለዎ ናይ እስላም ባህላዊ ማእከልን ኣሎ። ከባቢ ኸለፍተዮ፡ ብግዜ ሓጋይ ኣብቲ ተፈጥሮኣዊ ቦታታት ንኽትዛወርን ንኽትዛናጋዕን ይዕድም። 

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኸለፍተዮ ኮምዩን ነቶም ኣብ 1-5 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ቤትትምህርቲ ኣሎ። ቤትትምህርቲ ህጻናት፡ ናይ ሽወደን ፈላሚ ደረጃ ትምህርቲ እዩ። ወለዱ ኪመሃሩ ወይ ኪሰርሑ ከለዉ፡ እቲ ህጻን ኣብቲ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲ ኪጸንሕ ይኽእል። ኣብቲ ኮምዩን፡ ክፉት ቤትትምህርቲ ዚብሃልውን ኣሎ። ኣብኡ ንስኻ ምስ ደቅኻ ምስ ካልኦት ደቆም ሒዞም ዝመጹ ወለዲ ትራኸብ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ቤትትምህርቲ ህጻናትን ናይ ዕረፍቲ ግዜ ቤትን ብተወሳኺ ኣንብብ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብቲ ኮምዩን ዓሰርተ-ሓሙሽተ ኮሙናዊ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። እቲ ኮምዩን ኣርባዕተ ኮሙናዊ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲውን ኣለዎ፤ ኣብ ማእከል ኸለፍተዮ ዚርከባ ኣንደሽቶርፕስኩላን፡ ባልደርስኩላንን ካፕላንስኩላንን፡ ኣብ ቡርትረስክ እትርከብ ናቱርብሩክዪምናስየትን። ናይ ኸለፍተዮ ኮሙናዊ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ኣብዚ እዋንዚ ነቶም 15ን 18ን ዓመት ዝዕድመኦም ዝዓለመ 16 ኣተፈላለየ መደባት ኣለዋ።

ዕድላት ትምህርቲ

ህዝባዊ ኮለጃት

ኣብ ኸለፍተዮ ሰለስተ እተፈላለየ ትምህርታዊ ትዅረት ዘለወን ህዝባውያን ኮለጃት ኣለዋ።

ዩኒቨርሲቲ

ኣብ ካምፓስ ኸለፍተዮ ክልተ ዩኒቭርሲቲ ኣለዋ፤ ሉለዮ ተክኒካል ዩኒቨርሲቲን ኡመዮ ዩኒቨርሲቲን። ኣብኡ ኖርዲስካ ሸኖግራፊስኩላንን ናይቲ ኮምዩን ናይ ዓበይቲ ትምህርቲ (Vux) ከምኡውን kvalificerade yrkesutbildningarኣሎ።

እንተ ደሊኻ ብናይ ርሑቕ መገዲ ክትምሃር ትኽእል

ኣብተን ገለ ናይቲ ሃገር ኮለጃት ወይ ዩኒቨርሲቲ ብናይ ርሑቕ መገዲ ክትምሃር ምስ እትደሊ ካብ ለርሰንተሩም ካምፓስ ኸለፍተዮ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል።

ሽወደን ንወጻእተኛታት (sfi)

ከም በጽሒ መጠን መሰረት ቋንቋ ሽወደን ክትምሃር ምስ እትደሊ ሽወደን ንወጻእተኛታት (sfi) ክትወስድ ትኽእል። ንሱ በቲ ናይቲ ኮምዩን ትምህርቲ ንዓበይቲ (VUX) እዩ ዚካየድ። ናይ ሽወደን ቋንቋ ስልጠና ዚህቡ ካልኦትውን ኣለዉ፡ ካባታቶም ንምጥቃስ፡ ህዝባውያን ኮለጃት እዮም።

ኣገልጎት ጥዕና

ኸለፍተዮ ሆስፒታል

ኸለፍተዮ ሆስፒታል 1,300 ሰራሕተኛታትን ዘመናውን እተማልአ መሳርሕን ዘለዎ ሆስፒታል እዩ። ንሱ ናይ ደቀንስትዮ ክሊኒክ BB ከምኡውን መሕረስን ኤክስረይን መጥባሕትን ናይ ከቢድ ሕማም ክፍልን ናይ ዓበይቲ ስነኣእምሮኣዊ ክፍልን ናይ ህጻናትን መንእሰያትን ናይ ስነኣእምሮ ክፍልን ናይ ዓይንን እዝንን ጎረሮን ክፍልን ዘለዎ እዩ።

ኣብቲ ሆስፒታል ናይ ህጹጽ ረድኤት ክፍሊ ኣሎ። ንሳቶም ምስ እትሓምም ወይ ሓደጋ ምስ ዘጋጥመካ ምሉእ መዓልትን ለይትን ምሉእ ዓመትን ኪቕበሉኻ ድሉዋት እዮም።

ማእከል ጥዕናኻ

ምስ እትሓምም ወይ ንእሽቶ ሓደጋ ምስ ዘጋጥመካ ብመሰረቱ ነቲ ናይ ከባቢኻ ማእከል ጥዕና ኣመልክት። ኣብ ኸለፍተዮ ሽድሽተ ማእከላት ጥዕና ኣለዋ።

ናይ ቀዪሕ መስቀል መሐከሚ ማእከል

ናይ ኸለፍተዮ ቀዪሕ መስቀል መሐከሚ ማእከል፡ ነቶም ኣብ ግዜ ውግእ ዝቖሰሉን ወይ ብግፍዒ እተሳቐዩን ይሕግዝ። ንሳቶም ነቲ ናይቲ ሕሙም ስምዒታት የበራትዑዎ፡ ነቲ ናይ ጭንቀት ምልክታቱ የጕድሉዎ ነቲ ደረጃ ህይወቱ ድማ የመሓይሹዎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረብ ወይ ዘይርድኣካ ምስ ዚኸውን፡ ምስ ሰበ ስልጣን ክትራኸብ ከሎኻ ናይ ተርጓማይ ሓገዝ ይግበረልካ። ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ብኣካል ወይ ብተለፎን ይካየድ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ መንጎ ከተማታት ዘሎ ርሕቀት ነዊሕ ኪኸውን ይኽእል፡ ግን እቲ መገድታት ጽቡቕ እዩ። ዝበዝሕ ግዜ ኣውቶቡስ ጌርካ ክትንቀሳቐስ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኤውሮጳዊ መገዲ 4 በቲ ኮምዩን እዩ ዚሓልፍ። ኸለፍተዮ ናታ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሎዋ። ካብቲ ከተማ 15 ኪ/መ እዩ። ካብኡ መዓልታዊ ናብ ስቶክሆልም በረራ ኣሎ። ሓደ ሰዓት ይወስድ። ናብ ካልእ ከተማታት ኤውሮጳ እውን በረራ ኣሎ።ባቡርውን ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ካብቲ ካብ ከተማ ገለ ኪሎመተራት ዝርሕቀተን ከተማ ዮርን ወይ ባስቱትረስክ ኢኻ እትብገስ። ካብን ናብን ባቡርን ወይ ነፋሪትን ዝንቀሳቐሳ ኣውቶቡሳት፡ ኣብቲ ናይ ኸለፍተዮ ሰንትሩም ኣለዋ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ናይ ኸለፍተዮ ኮምዩን ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ኣለዎ። ኣብቲ ናይ ኮምዩን ውድብ ጥራይ 8,000 ሰባት ይሰርሑ፡ ልዕሊ 400 ሞያታት ድማ ኣሎ። እቲ ኮምዩን ናይ ስራሕ ዕድላት ንኺበዝሕን ዋኒናት ንምስሓብን ይጽዕር።

ኣብ ኸለፍተዮ ነቲ ንዓኻን ነቲ ኮምዩንን ከም ዚዓቢ ኪገብር ዚኽእል ግሩም ሓሳባት ነተባብዖ። ዋኒን ክትጅምር ሓሳብ ምስ ዚህልወካ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል። ከመይ ጌርካ ነቲ ሓገዝ ከም እትረኽቦ ንኸልፈተዮ ኮምዩን ተወከስ።

ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት

ኣብዚ ገጽ’ዚ፡ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብዚ ከተማን ኣብ ከባብን

ነቲ ዝርዝር ንምጽማቍ ዝኾነት ቃል ጸሓፉ
ገጽ 1 ናይ 10

ናይ ሓበሬታ ካርታ

ኣብቲ ካርታ፡ ኣብቲ ኮምዩን እንታይ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ትርእይ። ኣብኡውን ነቲ እትደልዮ ቦታ ንኣብነት ኣድራሻ ገዛ፡ ምልክት ክትገብረሉ ትኽእል።

ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ

ብዙሕ ስራሕ ኪርከብ ይኽእል

ገለ ናይ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ሓበሬታታት ናይቲ ስራሕ ኣድራሻ የብሉን፡ ስለዚ ኣብቲ ካርታውን ኣይረአን፡ ግን ኣብቲ ”ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ” ዚብል ኩርናዕ ይርከብ።

Skellefteå

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

72 000

ስፍሓት መሬት

7 217 km2

ርሕቐት ካብ ዓበይቲ ከተማታት

Piteå 79 km 

Luleå 134 km 

Umeå 136 km 

Örnsköldsvik 244 km

መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ​

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ