Söderköping

ሶደርሾፒንግ ኮምዩን ካብተን ናይ ዩኒቨርሲቲ ከተማታት ኖርሾፒንግን ሊንሾፒንግን ኣብ በጺሕካ እትምለሶ ርሕቀት ኮይና፡ ኣብ ኦስተርዮታኩስተን ትርከብ። ኣብዛ ናይ ማእከላይ ዘመን ሱር ዘለዋ ምጭውቲ ከተማ ፍርቂ ናይቲ ተቐማጣይ ይነብር። እቲ ካልእ ፍርቂ ድማ ኣብቲ ከባቢ ገጠራትን ነኣሽቱ ዓድታትን ይነብር። እቲ ናይ ዮታ ካናል ብማእከል ሶደርሾፒንግ ይሓልፍ፡ ብግዜ ሓጋይ ድማ ኣብቲ ገማግም ካናል ዘሎ ቦታ ብኣብያተመግን ድኳናትን በቲ ”Smultronstället”. እተባህለ ናይ ሽወደን ዝዓበየ ናይ ቨትሮ ቤትመግብን የንጸባርቕ። ናይ ቅድስቲ ሃና እኩብ ወደባት፡ ሓደ ካብ ናይ ሽወደን ገማግም ባሕሪ ዝጸበቐን ደሴታት ዝበሖን ኮይኑ ብዙሓት በጻሕትን ናይ ግዜ ሓጋይ ተቐማጦን ኣለዉዎ። ገለ ኣማኢት ኣብቲ ከባቢ ምሉእ ዓመት ይቕመጡ፡ መብዛሕትኦም ናይተን ኣብ ቱሪዝምን ኢደጥበብን እተዋፈራ ነኣሽቱ ዋኒናት ወነንቲ እዮም። ውሕስነት፡ ክፉትነትን ምትሕልላይን ናይ ኮምዩና ሕላገት እዩ። እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምና!

መግለጺ ወይ ገለጻ

soderkoping_torget.jpg

​​​​​​መንበሪ-ገዛ

Ramunderstaden እተባህለ ኮሙናዊ ትካል ክራይ ኣባይቲ ኣብቲ ከተማ ብዙሕ ዝካረ ገዛ ኣለዎ፡ ን2015 ድማ ብዙሕ ኪሰርሕ ውጥን ኣለዎ። ብዙሓት ብሕታውያን ኣካረይቲ ኣባይቲውን ኣለዉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

በቶም ኣብ ወጻኢ እተወልዱ ናይ ኮምዩንና ተቐማጦ ዚዝረባ ቋንቋታት፡ ዓረብ፡ ዳሪ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ቦስንያ፡ ስፓኛ፡ ታይላንድ፡ እንግሊዝን ፈረንሳን እየን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ናይ ሶደርሾፒንግ ወብሳይት ብዛዕባተን ኣብ ስፖርትን ባህልን ካልእን እተዋፈራ እተፈላለያ ማሕበራት ሓበሬታ ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

እቲ ኣብ ናይ ስቲንሰን ረሰሳንትሩም ዘሎ ናይ ሓበሬታ ቤትጽሕፈት ብዛዕባ ማሕበራዊ ርክባት ይተሓባበር። ኣብኡ ናይ ሶደርሾፒንግ ቤትንባብ ኣሎ። እቲ ቤትጽሕፈት ዕዮ ኣብ ሃጋቶርየት ይርከብ። ማሕበራዊ ቤትጽሕፈትን ናይ ስደተኛታት መቐበልን ኣብ ሳምቨርካንሁሰት ይርከብ። ኣብቲ ከተማ ሰለስተ ሰከንድሃንድ ድኳናት ኣለዋ፤ ቀዪሕ መስቀል፡ ብሮ ባጋግናትን ኦተርቪኒንገንን።

soderkoping_narområde.jpg 

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ምእላይ ህጻናት ከም ኮሙናውን ብሕታውን ኮይኑ ኣብ ኩሉቲ ኮምዩን ኣሎ። ክፉታት ኣብያተትምህርት ህጻናት ኣብቲ ፋሚልየሰንትራለን ከምኡ ድማ ብናይ ክርስትያን ሰበኻን ዚካየድ ኣሎ።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣብቲ ከተማን ኣብ ገጠር ዚርከባ ነኣሽቱ ከተማታትን ይርከብ። ዋልዶርፍሪስኩላ ኣብቲ ከተማ ኣሎ። ኣብቲ ከተማ ሓደ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ሶደርሾፒንግ ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ኒስትረምስካ ቤትትምህርቲ እተፈላለየ ናይ ካልኣይ ደረጃ መደባትን ንመንእሰያት ዝዓለመ ናይ ቋንቋ መእተውን ናይ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ጽፍሒ ዘለዎ ኮምቩክስ፡ ከምኡውን ንዓበይቲ ዝዓለመ ብካልኣይ ደረጃ ዚወሃብ ናይ ሞያ ስልጠና፡ ናይ ተልመዴን ስልጠና፡ ናይ ኮለጅ ስልጠና፡ ኤስኤፍኢን ኢንትሮቩክስን ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ሶደርሾፒንግ ሓንቲ ብወረዳ እትመሓደር ማእከል ጥዕናን ሓንቲ ብብሕቲ፡ ጀርያ፡ እትመሓደር ማእከል ጥዕናን ኣሎዋ። ኣብቲ ከተማ ህዝባዊ ሕክምና ስንን፡ ብዙሓት ብሕታውያን ሓከምቲ ስንን ኣለዉ።

ኣብኡ ብምትሕብባር ወረዳዊ ቤትምኽርን ኮምዩንን እትመሓደር ሓንቲ ናይ ኣደታትን ህጻናትን ክሊኒክን ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻንን ዘለዋ ፋሚልየሰንትራል ኣላ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

እቶም ኣብቲ ምስ ኩሉ ሽወደናውያን ትካላት ዚገብሩዎ ርክባት ተርጓማይ ዘድልዮም፡ ኪህሉዎም መሰል ኣለዎም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናይ ኦስትዮታትራፊከን ኣውቶቡሳት ንኹሉቲ ኮምዩን የገልግላ፡ ክሳዕ ቫልደማሽቪክን ኖርሾፒንግን ድማ መስመራት ኣለወን። ካብ ኖርሾፒንግ ክሳብ ሊንሾፒንግን ካልኦት ነኣሽቱ ከተማታትን ናይ ተመላላሲት ባቡር ወይ ፐንደልቶግ ኣገልግሎት ኣሎ።

soderkping_miljobild.jpg

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ሶደርሾፒንግ ናይቲ ኮምዩን ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ኣብኡ ብዙሓት ኣብ ንግዲ እተዋፈራ ነኣሽቱ ፋብሪካታትን ዋኒናትን ኣሎዋ፡ ከም ንኣብነት፡ ግሮሰሪታት። ኣብ ኖርሾፒንግ ኣብ በጺሕካ እትምለሶ ርሕቀት፡ ሓያሎ ዓበይቲ ዋኒናትን ህዝባዊ ትካላትን ኣለዋ።

ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት

ኣብዚ ገጽ’ዚ፡ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብዚ ከተማን ኣብ ከባብን

ነቲ ዝርዝር ንምጽማቍ ዝኾነት ቃል ጸሓፉ
ኣርእስቲ ምልክታ-ስራሕሞያ
Snabbkökspersonal till Söderköpings gästabud Grillkock, snabbmat
Tidnings - och Brevdistributör Omgående Tidningsbud/Tidningsdistributör
Administrativ fena sökes till internationellt bolag Orderadministratör
TES - planerare Administrativ assistent
Schemaläggare Administrativ assistent
Ingen tidigare erfarenhet krävs / Säljare sökes till Söderköping Utesäljare
Säljare till vår butik i Söderköping Butikssäljare, fackhandel
Lärare i tyska och annat ämne till Ramunderskolan Lärare i grundskolan, årskurs 7-9
Textillärare till Ramunderskolan Lärare i grundskolan, årskurs 7-9
Mjukvaruutvecklare sökes till Modine i Söderköping Mjukvaruutvecklare
Lärare i spanska och annat ämne till Ramunderskolan Lärare i grundskolan, årskurs 7-9
Timvikarie som stödassistenter till gruppbostäder i Söderköping Stödassistent
Lärare i fritidshem / fritidspedagog till Skönbergaskolan Lärare i fritidshem/Fritidspedagog
Vi söker dig sjuksköterska i Norrköping Sjuksköterska, grundutbildad
Kvalitets - och miljöchef Kvalitetschef
Socialsekreterare - ekonomiskt bistånd Socialsekreterare
Restaurangbiträde Restaurangbiträde
Maskinmekaniker - traktor , grävmaskin m m - till Söderköping Traktormekaniker
Förskollärare till Solängens förskola Lärare i förskola/Förskollärare
Behandlare Behandlingsassistent/Socialpedagog

ገጽ 1 ናይ 34

ናይ ሓበሬታ ካርታ

ኣብቲ ካርታ፡ ኣብቲ ኮምዩን እንታይ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ትርእይ። ኣብኡውን ነቲ እትደልዮ ቦታ ንኣብነት ኣድራሻ ገዛ፡ ምልክት ክትገብረሉ ትኽእል።

ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ

ብዙሕ ስራሕ ኪርከብ ይኽእል

ገለ ናይ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ሓበሬታታት ናይቲ ስራሕ ኣድራሻ የብሉን፡ ስለዚ ኣብቲ ካርታውን ኣይረአን፡ ግን ኣብቲ ”ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ” ዚብል ኩርናዕ ይርከብ።

Söderköping

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

14 316 

ስፍሓት መሬት

678 km2

ርሕቐት ካብ ዓበይቲ ከተማታት

15 km till Norrköping

45 km till Linköping​

መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ