Svedala

ጥቓ ማልመ ኤርፖርት ብምዃና፡ ካብ ኦረሱንድብሩን ብዙሕ ስለ ዘይትርሕቕ፡ ስቨዳላ ምስ በዓል ማልመን ሉንድን ብቕሩብ ሰዓታት እትራኸብ ስትራተጅያዊት ኮምዩን እያ። ካብቲ ናይቲ ኮምዩን 20 000 ነባሮ፡ ኣስታት 10 000 ኣብ ስቨዳላ እዮም ዚቕመጡ። ብባቡር ምስ ደንማርክ ብምርኻባ ናይ ንእሽቶ ከተማ ረብሓታት ዘለዋ ዓባይ ከተማ እያ።

መግለጺ ወይ ገለጻ

መንበሪ-ገዛ

እቲ ኮምዩን ኣብን ጥቓን ተፈጥሮ ገዛውቲ የቕርብ። እቲ ገዛውቲ፡ ቪላታትን ኣፕርትመንትን እዩ። እቲ ናይ ስቨዳላ ቤትጽሕፈት ክራይ ኣባይቲ ስቨዳሀምእዩ ዚብሃል።

 

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብቐዳምነት ታይላንድን ዓረብን። ብናይ ኣደ ቋንቋ ዚወሃብ ትምህርቲ በዘን ዚስዕባ ቋንቋታት ይካየድ፤ ታይላን፡ ዓረብ፡ ፓሽቶ፡ ፋርስን ሶማልን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብቲ ኮምዩን ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ኣላ። እተፈለለየ ናይ ስፖርትን ባህልን ማሕበራትውን ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ማእከል ከተማ ስቨዳላ፡ እተፈላለያ ድኳና፡ ባንክታት፡ ፋርማሲ፡ ቤትንባብን ህዝባዊ መሐምበስን ወዘተ. ኣሎ። ዓበይቲ ግሮሰሪታት ካብቲ ማእከል ከተማ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ይርከባ።

 

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብቲ ኮምዩን ብዙሕ ኣብይተትምህርቲ ህጻናት ኣሎ። ናይ ምጽባይ ግዜ ሓጺር እዩ። ከምዚ ማለት ንውላድካ ቀልጢፍካ ቦታ ትረኽበሉ ማለት እዩ። ናይ ህጻናትኣብያተትምህርቲ ዝርዝር።

ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃን ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ስቨድላን ባራን ክሎገሩፕን ናይ ህጻናት ኣብያተትምህርቲ ኣሎ። ኣብኡውን ናይ ኒልስ ፍረደሪክሶን ስልጠና ኣሎ። NFU ኣብ ስቨዳላይርከብ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኮምቩክስን ኤስኤፍኢን ኣብ ኒልስ ፍረደሪክሶንን ስልጠና፡ ናይ ስቨዳላ NFU ኣሎ። ኣብ ማልመን ሉንድን ካልእ ስልጠናታት ኣሎ።

 

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ስቨዳላ፡ ማእከል ጥዕና፡ ናይ ኣደታት ክሊኒክ፡ ናይ ህጻናት ክሊኒክን ናይ ስኒ ሕክምናን ይርከብ። ኣብ ባራ፡ ማእከል ጥዕና ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ሆስፒታል ኣብ ማልመ እዩ ዚርከብ (ኣስታት 20 ኪሎመተር)

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረብን ዘይርደኣካን ምስ ዚኸውን ምስ ሰበስልጣን ብምስምማዕ ብቛንቋኻ ተርጓማይ ክትረክብ መሰል ኣሎካ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ስቨዳላ ናብ ማልመ፡ ይስታድ፡ ሉንድ፡ ትረለቦርይ ግሩም ናይ ባቡርን ኣውቶቡሳትን መራኸቢታት ኣሎ። ካብ ስቨዳላ ቀጥታ ናብ ኮፐንሃገን ኪኸድ ይከኣል።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ምስ ዓበይቲ ከተማታት ግሩም መጎዓዝያ ስለ ዘሎ፡ በጺሕካ እትመጸሉ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣሎ።

 

ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት

ኣብዚ ገጽ’ዚ፡ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብዚ ከተማን ኣብ ከባብን

ነቲ ዝርዝር ንምጽማቍ ዝኾነት ቃል ጸሓፉ
ኣርእስቲ ምልክታ-ስራሕሞያ
Lernia söker CNC - operatörer till spännande industrikoncern CNC-operatör/FMS-operatör
Extrajobba med läxhjälp , matematik åk 8 , Bara Studieledare
Serveringspersonal till Nötesjö Konferenshotell , Svedala Servitör/Servitris
Säljare åt Svenska Alarm Säljkonsulent
Planeringsingenjör , Gatu - och parkenheten Landskapsingenjör
Extra Brevbärare , Svedala Brevbärare
Skolvaktmästare på flygskola Skolvaktmästare
Cirkelledare inom teater , foto , kör , matlagning , övrig skapande verksamhet Cirkelledare/Studiecirkelledare
Homepartysäljare – Heminredning ZELECTED BY HOUZE AB Hemförsäljare
Flyginstruktörer sökes till Flygskola Flyginstruktör/Flyglärare
Ica Kvantum Svedala söker andreman till mejeriavdelningen Butikssäljare/Medarbetare, dagligvaror
Förskollärare med legitimation samt barnskötare med stor erfarenhet. Lärare i förskola/Förskollärare
Medarbetare och städare till Svedala Städare/Lokalvårdare
Lärare i MA / NO - Naverlönnskolan Lärare i grundskolan, årskurs 7-9
Förskollärare till Mumindalens förskola Lärare i förskola/Förskollärare
Är du en Vinnarskalle? Hemförsäljare
Säkerhetskonsult Svedala Utesäljare
Arbetsmarknadssamordnare Handläggare/Utredare, offentlig förvaltning
Flyktingsamordnare Handläggare/Utredare, offentlig förvaltning
Förstekock till Måltidsservice Chefskock

ገጽ 1 ናይ 211

ናይ ሓበሬታ ካርታ

ኣብቲ ካርታ፡ ኣብቲ ኮምዩን እንታይ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ትርእይ። ኣብኡውን ነቲ እትደልዮ ቦታ ንኣብነት ኣድራሻ ገዛ፡ ምልክት ክትገብረሉ ትኽእል።

ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ

ብዙሕ ስራሕ ኪርከብ ይኽእል

ገለ ናይ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ሓበሬታታት ናይቲ ስራሕ ኣድራሻ የብሉን፡ ስለዚ ኣብቲ ካርታውን ኣይረአን፡ ግን ኣብቲ ”ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ” ዚብል ኩርናዕ ይርከብ።

Svedala

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዝሒ-ህዝቢ

20 061

ስፍሓት መሬት

227,12 km²

ርሕቐት ካብ ዓበይቲ ከተማታት

Malmö 20 km

Lund 20 km

መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ