Västmanlands län

ቨስትማንላንድ ናይ ሽውደን ዝነኣሰት ወረዳ እያ። ንሳ 10 ኮምዩናትን ኣስታት 260,000 ተቐማጦን ኣለዉዋ። ፍርቆም ድማ ኣብ ቨስተሮስ ይቕመጡ። ቨስትማንላንድ ኣብ ማእከል ማላርረዮነን ትርከብ፡ ብተዛማዲ ድማ ናብተን ዓበይቲ ከተማታት ስቶክሆልምን ኡፕሳላን ኦረብሩን ኤስኪልስቱና ቀረባ እያ። ወረዳ ቨስትማንላንድ ክፋል ናይ ቨስትማንላድ ኣውራጃ እዩ። እቲ ወረዳ ነቲ ምብራቓዊ ክፋል ኣውራጃ ይጥርንፎ።

መግለጺ ወይ ገለጻ

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ናይቲ ወረዳ ኩነታት ኣባይቲ ካብ ኮምዩን ናብ ኮምዩን ይፈላለ እዩ። መብዛሕትአን ኮምዩናት ኣብቲ ዕዳጋ ኣባይቲ ማዕረ/ባላንስ ወይ ዝያዳ ከም ዘርእይ ይዛረባ። ግን ኣብቲ ማዕረነት ወይ ባላንስ ኣሎ ዚብሃለለን ኮምዩናትውን ናይ ገለ ዓይነት ገዛውቲ ሕጽረት ኣሎ። ዝያዳ ውጽኢት ዕዳጋ ገዝውቲ ኣሎና ዚብላ ኮምዩናትውን ቍጽረን ይንእስ ኣሎ። ስለዚ ብዛዕባዚ እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎ ይዝተየሉ ኣሎ። ኣባይቲ ንምህናጽውን ውጥናት ይወጽእ ኣሎ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ቨስትማንላንድ ኣብ ዓለም ፍሉጣት ዝኾናን ዓበይትን ዋኒናት ኣለዋ። ንሳተን ኣብ ከም ኣውቶሞሽን፡ መገዲ ባቡር፡ ጸዓት፡ ማሕበራዊ ብልጽግናን ጥዕናን ይነጥፋ። እቲ ወረዳ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ሰደድ ዘተኮረ ኢንዱስትሪታት ነይሩዎ እዩ፡ ናይ ስራሕ ዕድላትውን ፈጢሩ እዩ። ኣብተን ዓበይቲ ትካላት ናይ ምርምርን ምዕባለን ንጥፈታት ይካየድ፡ እዚ ከኣ ነቲ ናይ ኢንጂነራት ጠለብ ክብ የብሎ።

እቲ ኮምዩንን እቲ ወረዳዊ ቤትምኽርን ናይቲ ወረዳ ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ እዮም። ኣብቲ ወረዳ ቍጽሪ ሰራሕተኛታት ብቐዳምነት ኣብቶም ኣብ ሽወደን እተወልዱ ብምኽንያት ዕድመ ይጎድል ኣሎ፡ ስለዚ እቶም ካብ ወጻኢ ዝመጹ ሰባት ንናይ ስራሕ ሓይሊ ውሕስነት እዮም። 

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ናይ ማላርዳለንስ ኮለጅ ኣብ ቨስተሮስን ኤስኪልስቱና ካምፓስ ዘለዎ ናይ ሽወደን ዝዓበየ ኮለጅ እዩ። ንሱ 13,000 ተምሃሮን 900 ሰራሕተኛታትን ኣለዉዎ። ከምኡውን ብዙሕ እተፈላለየ ስልጠናታት ኣለዎ። እቲ ስልጠናታት ኣብ ኣርባዕተ መዳያት እተኸፍለ እዩ፤ ኤኮኖሚ፡ ጥዕናን መነባብሮን፡ ምምህርናን ተክኒክን። ኣብቲ ኣብ ሺንስካተበርይ ዚርከብ ስኩግስመስተርስኩላንን ኣብ ስትሮምስሆልም ዚርከብ ሪድስኩላንን ናይ ኮለጅ ትምህርቲ ኣሎ። ናይቲ ወረዳ ማእከላይ ቦታን ቅርበትን፡ ናብ ጎረባብቲ ወረዳታት ኬድካ ንኽትምሃር ኣቕሊሉዎ ይርከብ።

ኣገልግሎት ጥዕና

ኣብ ቨስትማንላንድ ወረዳ 4 ሆስፒታላት ኣለዋ። እቲ ንኡስ ወረዳ ኣብ ቨስተሮስን ሾፒንግን ሳላን ሆስፒታል ኣለዎ። እቲ ኣብ ፈየርስታ ዘሎ ሆስፒታል ብሕታዊ እዩ። ብዘይካ ሆስፒታላት፡ ብዙሓት ህዝባውን ብሕታውን ማእከላት ጥዕናውን ኣለዋ። ኣብ ቨስትማንላንድ ናብ ኣየናይ ማእከል ጥዕና ክትከይድ ከም ዘሎካ ባዕልኻ ክትውስን ትኽእል ኢኻ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

እቲ ወረዳ ብዙሕ ኣገዳሲ ሕርሻታትን ጥንታዊ ኣደራሻትን ዘለዎ ዚዓቢ ዘሎ ከባቢ እዩ። ብደቡብ እቲ ብዙሕ ደሴታትን ገፊሕ መሬትን ዘለዎ ቀላይ ማላረን ኣሎ። ብሰሜን ድማ ኣኽራናትን ዱራትን ስንጭራታትን ዝበዝሖ ከባቢ እዩ። ናብ ተፈጥሮ ኬድካ ክትሕምብስን ዓሳ ክትገፍፍን ክትናፈስን ብጃልባ ክትዛወርን ቀሊል እዩ። ኣብ ወረዳ ቨስትማንላንድ 90 ናይ ተፈጥሮ ሕዛእትን 50 መዘከርታ ህንጻታትን ኣሎ። ኣብኡ ነቶም ኣብ ታሪኽን ስፖርትን ስነጥበብን ሙዚቃን ትያትርን ዚግደሱ ሰባት ብዙሕ በብዓይነቱ ባህላዊ ንጥፈታት ኣሎ።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

ኣብ ቨስትማንላንድ ነቶም ነባሮ፡ ብሕታውያንን ሰብ ዋኒናትን፡ ከምኡውን ንሓደስቲ መጻእቲ፡ ግሩም ሃዋህው ንምፍጣር፡ ኣብ መንጎ ወረዳን ሰበስልጣንን ኮምዩናትን ዋኒናትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ንጡፍ ምትሕብባር ይካየድ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ምምሕዳር ወረዳን ኮምዩናትን ንኡሳን ወረዳታትን፡ ንጉዳያት ምውህሃድ ብዚምልከት ዘላቕን ጽኑዕን ቀጻልን ምትሕብባር ንምፍጣር ጽሑፍ ውዕል ተገርይሩ ኣሎ።

ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት

ኣብዚ ገጽ’ዚ፡ ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ኣብዚ ከተማን ኣብ ከባብን

ነቲ ዝርዝር ንምጽማቍ ዝኾነት ቃል ጸሓፉ
ገጽ 1 ናይ 53

ውድባት

ናይዚ ወረዳ ናይ ማሕበራት ሓበሬታ ገና ኣይተረኽበን

ናይ ሓበሬታ ካርታ

ኣብዚ፡ ኣብቲ ወረዳ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ከም ዘሎ ክትርእይ ትኽእል። ከምዚ እውን ክትገብር ትኽእል ኢኻ፡ ነቲ ኣብቲ ካርታ ዘሎ ናይ መድለዪ ሰፈር ረኺብካ ንሓደ ቦታ ድለ እሞ ምልክት ግበረሉ፡ ንኣብነት፣ ናይ ሓደ መንበሪ ቤት ኣድራሻ

ኣብቲ ካርታ እንታይ ኪረኣይ ከም እትደሊ ምረጽ

ብዙሕ ስራሕ ኪርከብ ይኽእል

ገለ ናይ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ሓበሬታታት ናይቲ ስራሕ ኣድራሻ የብሉን፡ ስለዚ ኣብቲ ካርታውን ኣይረአን፡ ግን ኣብቲ ”ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ” ዚብል ኩርናዕ ይርከብ።

ናይ ወረዳ ኮምዩናት

ህዝቢ-ተቐማጦ

ቨስትማንላንድ ዓሰርተ ኮምዩናት ኣለዉዋ፤ ኣርቦጋ፡ ፈየርስታ፡ ሃልስታሃማር፡ ኩንግሰር፡ ሾፒንግ፡ ኖርበርይ፡ ሳላ፡ ሺንስካተበርይ፡ ሱራሃማርን ቨስተሮስን። ሺንስካተበርይ ናይቲ ወረዳ ዝነኣሰት ኮምዩን እያ። ንሳ ልዕሊ 4,000 ተቐማጦ ኣለዉዋ፡ ቨስተሮስ ከኣ ናይ ሽወደን ሻብዓይቲ ዝዓበየት ከተማ እያ፡ ልዕሊ 142,000 ተቐማጦ ድማ ኣለዉዋ። ናይቲ ወረዳ ቍጽሪ ተቐማጣይ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ፡ ክሳዕ 260,000 ከኣ በጺሑ ኣሎ። ብቐዳምነት እቲ ናይ ቨስተሮስ ኮምዩን እዩ ዚዓቢ ዘሎ፡ ግን ከኣ ካልኦት ናይቲ ወረዳ ኮምዩናት እውን ኣወንታዊ ናይ ህዝቢ ዕብየት የርእያ ኣለዋ።

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ