ማሕበራዊ ክንክን ኣረጋውያን (Äldreomsorg)

ሓደ ሰብ ምስ ዚኣርግ ዝበዝሕ ግዜ ኣብቲ መዓልታዊ ህይወቱ ደገድ ይደሊ። ኣብ ሽወደን ዚበዝሕ እዋን ማሕበረሰብ’ዩ ንብዕድመ ዚደፍኡ ደገፍን ክንክን ዚህብ። ኣብ ካልኦት ሃገራት እቲ ልምዲ፡ ስድራን ኣዝማድን ንብዕድመ ዚደፍኡ ምድጋፍ ኪኸውን ከሎ ኣብ ሽወደን ዝበዝህ ግዜ እቲ ማሕበረሰብ እዩ ደገፉ ዚውፊ። እቲ ቤተሰብ ክሳዕ ሕጂ ኣብቲ ናይቲ ኣረጋዊ ህይወት ይሳተፍ እዩ። መናበሪ ሓገዝ እርጋን፡ ብሕጊ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን (socialtjänstlagen) ሕጊ ሓለዋ ጥዕናን (hälso- och sjukvårdslagen) እዩ ዚምራሕ።

ኩሉ ነቶም ኣረጋውያን ዚውሃቦም ክንክን ከምኡውን ምስ ሓኸይምን ክንክን ጥዕናን ዚግበር ርክብ እቲ ኮምዩን ወይ ባይቶ ወረዳ እዩ ሓላፍነት ዚወስደሉ። ኣብ እተፈላለየ ክፋላት ሽወደን ብእተፈላለየ ኣገባባት እዩ ዚሰርሕ። ብመገዲ ኮምዩን፡ ኣበርክቶ ማሕበራዊ ክንክን ኣረጋውያን ምስ እትደሊ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ማሕበራዊ ምምሕዳር ንዚርከብ ቤትጽሕፈት ተወከሶ። እቲ ኣብ ምምሕዳር ዘሎ ሓላፊ ደገፍ ብዛዕባ ማሕበራዊ ክንክን ኣረጋውያንን መጠኑን ንዘሎ መሰል ይምርምርን ይግምግም።

ዕላማ ማሕበራዊ ክንክን ኣረጋውያን፡ እቶም ኣረጋውያን ግሩምን ናጻን ውሑስን ህይወት ንኺነብሩ እዩ። ንሳቶም ምስ ካልኦት ብምዃን ትርጉም ዘለዎ ንጥፈታት ንኸካይዱ ዕድል ኪህሉዎም ይግባእ።

መንበሪ ቤት ኣረጋውያን

ብዙሓት ኣረጋውያን ብዚከኣል መጠን ኣብ ገዝኦም ኪቕመጡ ይደልዩ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኸኣ ብደገፍቲ ሕብረተሰብን ብእተፈላለየ ኣብቲ ገዛ ዚግበር ምውግጋንን ኣብ ገዝኦም ንኺቕመጡ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። መታን ኣብ ገዛኻ ክትቅመጥ እቲ ሕብረተሰብ ናይ ክንክንክን ኣገልግሎትን ሓገዝ ይገብር እዩ። እዚ ኸኣ ቤታዊ ኣገልግሎት (hemtjänst) ይብሃል።

ሰራሕተኛታት ቤታዊ ኣገልግሎት ኣብ ምጽራይን መግቢ ምስራሕን ዓራት ምንጻፍን ኣካላትካ ንኽትሕጸብን ንኽትላጸን ይሕግዙኻ። ምሸትን ለይትን እውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። ሕሙም ምስ እትኸውን ወይ ጉድኣት ምስ ዚህልወካ ሓደ ኣላዪ ሕሙማን ኣብ ገዛኻ መጺኡ ቁስልኻ ይጅንን ኣፋውስ ንምውሳድ ይሕግዘካን።

ኣብ መብዛሕትኡ ኮምዩናት፡ ናይ ቀሊል ምዕራይ ኣገልግሎት ዚህቡ ሓገዝቲውን ኣለዉ። እዚኣቶም ናይ ምዕራይ ኣገልገልቲ ይብሃሉ። ንሳቶም ኣሳእል ይሰቕሉልካ ወይ መጋረጃ ይቕይሩልካ። ከምዚ ዚግበር እቶም ኣረጋውያን ንኸይወድቁን ንኸይስበሩን እዩ።

ኣብ ገዛ ምቕማጥ ውሕስነት ምስ ዘይስምዓካ ካልእ ተኽእሎታት ኣሎ።

ገዛ ኣረጋውያንን ውሑስ ገዛን (Seniorboende och trygghetsboende) ዚብሃሉ ንኣረጋውያን ተባሂሎም እተሰርሑ ገዛውቲ እዮም። ንሳቶም ንኣብነት ትሕት ዝበለ ድርኩኺትን ሰፊሕ መደየብን ኣለዎም። እቲ ኣካራዪ ገዛ ነቶም ኣብ ገዛ ኣረጋውያን ዚቕመጡ እንተወሓደ 55 ዓመት ዝዕድመኦም ኪኾኑ፡ እቶም ኣብቲ ውሑስ ገዛ ዚኣትዉ ድማ ካብኡ ዝለዓለም ዕድመ ኪህሉዎም ይደሊ። ኣብዚ ገዛውትዚ ንምንባር ካብ ኮምዩን ፍቓድ ኣየድልን። ባዕልኻ ኢኻ እትካረዮ ወይ እትዕድጎ።

ገዛ ግልጋሎት (Servicehus) እቲ ኮምዩን ዚውንኖ ኣረጋውያን ዚካረዩዎ ፍልይ ዝበለ ዓይነት ገዛ እዩ። ቅድሚ እቲ ሰብ ናብኡ ምግዓዙ እንታይ ነገራት ከም ዘድልዩዎ ይጽናዕ። ኣብዚ ገዛዚ እቲ ኣረጋዊ ንኣገልግሎት ጽርየትን ምስራሕ መግብን ካልእ ተመሳሳሊ ኣገልግሎትን ይኸፍል እዩ።

ፍሉይ መንበሪ ወይ ጉጅለኣዊ መንበሪ ኣብ ክፍሊ ክንክን ጥዕና ዚርከብ ናብቶም ብዙሕ ክንክን ዘድልዮም ኣረጋውያን ዝዓለመ እዩ። ኣብዚ ንምእታው እቲ ሰብ ከቢድ ናይ ሕክምናውን ማሕበራውን ክንክን ዘድልዮን ለይትን መዓልትን ኪሕገዝ ዘለዎን ኪኸውን ይግባእ።

 

​< ናብቲ ዝሓለፈ ገጽ

ናብቲ ዚቕጽል ገጽ >

ናብቲ መውጽእ ኣርእስቲ ተመለስ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ