ምዕባለ ደሞክራሲ

ደሞክራሲ ዚብል ቃል ካብ ‘ደሞስ‘ ማለት ህዝቢ ‘ክራተይን‘ ከኣ ምምሕዳር ዚብላ ቃላት ግሪኽ ዝቘመ‘ዩ። ስርዓተ-ደሞክራሲ ድሕረ- ባይትኡ ቅድሚ ጊዜና እዩ ጀሚሩ። 500 ዓመት ቅድሚ ጊዜና ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ሓደ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ተተኺሉ። ሽዑ እታ ግሪኻዊት ከተማ ኣተንስ ካብ ውልቀመላኽነት ናብ ሓደ ዓይነት ደሞክራሲ ተቐዪራ። ግን ዜግነት ዝነበሮም ሰብኡት ጥራይ‘ዮም ኪመርጹ ዚኽእሉ ኔሮም። ኣንስትን ባረዩን ወጻእተኛታትን ኣብ ውሳነ ምንም ተራ ኣይነበሮምን። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ናይ ኣተንስ ደሞክራሲ ከም ደሞክራሲ ኪረአ ኣይክእልን።

​ኣብ ታሪኽ ኤውሮጳ ከምዚ ሎሚ ኣብ ሽወደን ዘሎ ደሞክራሲ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ደሞክራሲ ኪዓቢ ዝኸኣለ ሰባት ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዝነበረ ዘይምዕሩይነት ኪጻረሩዎ ምስ ጀመሩ እዩ።

ንኣማኢት ዓመታት እቲ ቤተክህነት ኣብቲ ሕብረተሰብ ዓቢ ስልጣን ነይሩዎ። ናይ ሽዑ ነጋውስን ሃጸያትን ስልጣንና ካብ ህዝቢ ዘይኮነስ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ’ዩ ይብሉ ኔሮም። ግን ኣብ 15 ክፍለዘመንእቲ ናይ ቤተክርስትያን ስልጣን እናተዳኸመ መጺኡ። ምኽንያቱ ድማ ብዙሓት እምነቶም ኪልውጡ ስለ ዝደለዩ እዩ። ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን ነቲ እምነት ክርስትና ዘይኮነስ ንስልጣንን ገንዘብን እዩ ደው ኢሉ ዘሎ ኢሎም። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ሪፎርመሽን ወይ ተሃድሶ ይብሃል። ሪፎርመሽን ነቲ ክርስትናዊ ቤተክርስትያን ከፋፊሉዎን ኣድኪሙዎን። ብ 1500 ሽወደን ነቲ ካቶሊካዊ እምነት ገዲፋ ፕሮተስታንታዊት ሃገር ኮይና።

ኣብ 17 ክፍለዘመን ኣብ ኤውሮጳ ዘመነ-ምንቕቓሕ (upplysningstiden) ዚብሃል ምንቅስቓስ ተጀሚሩ። ሰባት በቲ ናይ ሳየንስ ምዕባለ ተደሪኾም ንቤተክህነት ነቶም ስልጣን ካብ ኣምላኽ እዩ ዚመጽእ ዚብሉን ኪነቕፉ ጀሚሮም። ኣብቲ ዘመንቲ ዝነበረ ፈረንሳዊ ፈላስፋ ሓንቲ ሃገር ከመይ ኢላ ክትመሓደር ከም ዘለዋ ርእይቶ ነይሩዎ። ንሱ ሻርል ሉዊ ደ ሞንተስክዩ ይብሃል ነይሩ። ስልጣን እንተ ደኣ ተኸፋፊሉን ተፈላሊዩን ግሩም ሚዛን ከም ዚፈጥር ተዛሪቡ። እተን ሰለስተ ክፋላት ስልጣን: ሓጋጊ ስልጣን (den lagstiftande makten): ፈጻሚ ስልጣን (den verkställande makten): ፈራዲ ስልጣን (den dömande makten) ይብሃላ።

ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ኤውሮጳ እተራእየ ሓደ ኣገዳሲ ፍጻመ እቲ ብ1789 ዝተኸስተ ሰውራ ፈረንሳ’ዩ። ሽዑ‘ዮም ህዝቢ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣድማ ዝገበሩ። ድሕሪቲ ሰውራ ሃገር ፈረንሳ በቲ ናይ ዘመነ-ምንቕቓሕ እተደረኸአ ሕግታት ኣስፊራ፡ ንሱ ድማ ስልጣን ካብ ህዝቢ ከም ዝነቅልን ሓደ ሰብ ካብ ካልእ ከም ዘይበልጽን ዚብል እዩ። ይኹንምበር፡ ሰብኡት ዜጋታት ጥራይ እዮም ከድምጹ ዝኸኣሉ።

ኣብ 18 ክፍለዘመን ሶሻሊዝም ተላዒሉ፡ እዚ ድማ በቲ ኣዚዩ ፍሉጥ ሰብ ካርል ማርክስ እዩ ተኸሲቱ። ብመሰረት ሶሻሊዝም ኣብ መንጎ ኩሉ ሰብ ማዕርነትን ፍትሕን ኪነግስ ኣለዎ። እቲ ሓሳባት ኣብ ኩሉ ተዘርጊሑ፡ ናይ ሰራሕተኛታት ውድባትን ማሕበራትን ናይ ሶሻሊዝም ሰልፍታትን ኣብ ኩሉ ኤውሮጳ ተጀሚሩ። ኣብ መወዳእታ 18 ክፍለዘመን እቲ ማዕርነትን ፍትሕን ንኣንስቲ እውን ከም ዚጥርንፍ ተቓሊሑ።


ሰላማዊ ሰልፊ ንመሰል ምድማጽ ደቀንስትዮ ኣብ ዮተቦሪ 1918
ስእሊ: Anna Backlund, ©Nordiska museet

 

< ናብቲ ዝሓለፈ ገጽ

ናብቲ ዚቕጽል ገጽ >

ናብቲ መውጽእ ኣርእስቲ ተመለስ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ