ስርዓተ-ደሞክራሲ ኣብ ሽወደን

ሽወደን ውክልናዊ ደሞክራሲ (representativ demokrati) ኣለዋ ብመሰረት ናይቲ ኣብ እተፈላለየ ጽፍሕታት ማሕበረሰብ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቅርጽታት ከኣ ትመሓደር። ሽወደን ንጉሳዊት ከኣ እያ። እዚ ማለት ከኣ ከም ናይቲ ሃገር መራሒ ኮይኖም ዘገልግሉ ንጉስ ወይ ንግስቲ ኣሎና ማለት እዩ። ግን ከኣ እቲ መራሕ ሃገር ንስሙ እምበር ምንም ፖለቲካዊ ስልጣን የብሉን። እቶም ብደሞክራስያዊ መገዲ ዚምረጹ ፖለቲከኛታት እዮም ነቲ ሃገር ዝመርሑዎ።

እቲ ወግዒ መንግስቲ እዩ ከም መሰረታዊ ሕጊ ሽወደን ብኸመይ መገዲ ክትምራሕ ከም ዘለዋ ዚውስን። በቲ ’ኩሉ ህዝባዊ ስልጣን ካብቲ ህዝቢ እዩ ዚለዓል’ ዚብል መምርሒ ከኣ ኣለዎ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ድማ ኩሉ ኣብ እተፈላለየ ጽፍሕታት ሕብረተሰብ ዚግበር ውሳነታት ኣብቲ ናይቲ ህዝቢ ሽወደን ርእይቶን ዝንባለን እዩ ዚምስረት ማለት እዩ።

ናይ ቬስትራ ቤትምኽሪ ኣብቲ ወሓዚ የንጸባርቕ፡ ትርኢቱ ብምዕራብ
ስእሊ: Melker Dahlstrandt

ኣብ ሽወደን ብሰለስተ ፖለቲካዊ ጽፍሕታት እዩ ውሳነ ዚሓልፍ። ንሳተን ድማ ኮምዩናውን ኣውራጃውን መንግስትን እየን። ሽወደን ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ብምዃና ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዚውስን ከኣ ኣሎ። ኤውሮጳዊ ሕብረት 28 ሃገራት ዘጠቓለለ ምትእኽኻብ እዩ። ኣብኡ ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ብህዝቢ እተመርጹ ፖለቲከኛታት ኣለዉ። እዚኣቶም ኣባላት ባይቶ ይብሃሉ። ንሳቶም ኣብቲ እተመርጹሉ ኪውስን ዚኽእል ክልል ይቕመጡ። ኣብ ኮሙናዊ ባይቶ (kommunfullmäktige): ኣውራጃዊ ባይቶ (landstingsfullmäktige) ከምኡ‘ውን ኣብ ሃገራዊ ባይቶ (riksdagen) ከምኡውን ኤውሮጳዊ ባይቶ።

 



ኣብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንብልሽውናን ንናይ ስልጣን ምጥቃምን ዝቆጻጸር ኣካል ኪህሉ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ነቲ ስልጣን ኣብ እተፈላለዩ ኣተግበርቲ ምምቃል እዩ። በዚ መገድዚ ድማ ሓድሕዳዊ ምቍጽጻር ኪህሉ ይከኣል። ኣብ ናይ ሽወደን ደሞክራስያዊ ስርዓት ነዚ ዚምልከት ብዙሕ ኣብነታት ኣሎ። ሓደ ኣብነት ከኣ ኮምዩናትን ወረዳታትን ናይ ባዕለን ኣመራርሓ ኣለወን። እዚ ድማ ነቲ ክቱር ማእከላውነትን ናይ መንግስቲ እንኮ ውሳነን ይምክቶ። ካልእ ኣብነት ከኣ እቲ መንግስታዊ ስልጣን ኣብቲ ሓጋጊ ኣካል ዝኾነ ባይቶን ኣብቲ ፈጻሚ ኣካልን ኣብቲ ፍርዲ ዘሕልፍ ኣብያተፍርድን ይምቀል። እቲ ባይቶ ንመንግስቲ ይቆጻጸር። እቲ መንግስቲ ብስርዓት ምስ ዘየመሓድር እቲ ባይቶ ንኺወርድ ይግድዶ። እቲ ቅዋም ነቲ ህዝቢ፡ ሽወደን ከመይ ከም እትመሓደር ስእሊ ይህቦ። እዚ ኹሉ ንሽወደን ከም ካልኦት ሃገራት ብብልሽውናን ብናይ ስልጣን ምጥቃምን ከይትጥቃዕ ኣስተዋጽኦ ይገብር።

ሃገረ-መንግስቲ

እቲ ሃገረ-መንግስቲ ብባይቶን ብመንግስትን ብኣስታት 350 መንግስታዊ ትካላትን ቦርድን በዓልመዝን እተመስረተ እዩ። እቲ ባይቶ ብዛዕባ ኣብቲ ሕብረተሰብ እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎ ይውስን፡ መንግስቲ ነቲ ምስ ቤትምኽሪ መንግስትን ሰብመዝን ኮይኑ ነቲ ውሳነ ኣብ ግብሪ የውዕሎ።

ባይቶ ሽወደን

ባይቶ ሽወደን ሕግታት ዘውጽእ ኣካል እዩ። ብደረጃ ሃገር ክርአ እንከሎ፡ ባይቶ እቲ ዝዓበየ ናይ ምውሳን ስልጣን ዘለዎ ኣካል እዩ። ኣባላት ፓርላማ እቶም ህዝቢ ሽወደን ብደረጃ-ሃገር ዝመረጾም፡ ወከልቲ ህዝቢ ዝኾኑ ፖለቲከኛታት እዮም። እዞም ፖለትከኛታት ወከልቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትውን ስለዝኾኑ፡ ፖለቲካዊ-ስልጣን ሃገር ፖለቲከ-ሰልፋዊ ምትእስሳር ኣለዎ። ባይቶ ሽወደን 349 ወከልቲ ዝሓቁፍ ኮይኑ፡ እቶም ወከልቲ ኣባላት ባይቶ ከኣ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ይምረጹ።

  • ሓደስቲ ሕግታት ምውጻእን ነቲ ኣረጊት ደው ምባልን
  • ባጀት ምውሳን፡ ማለት ናይቲ ሃገር ዓመታዊ ኣታውን ወጻእን (ግብርን ክፍሊትን)
  • መንግስትን ትካላት መንግስትን ከመይ ከም ዚሰርሓ ንምቍጽጻር
  • ነቲ መንግስቲ ዘቕውም ጠቕላሊ ሚኒስተር ምምራጽ

መንግስታውያን ትካላት

መንግስቲ ናይ ምርግባር ስልጣን ኣለዎ። እዚ ማለት ከኣ፡ መንግስቲ ምስ ምምራሕ ሃገር ዝተተሓሓዘ መዓልታዊ ስራሕ የማእክል ማለት እዩ። ኣብ ሃገራዊ ባጄት ውጥን የቕርብ፡ ንኣጠቓቕማ ኣታዊታት ሃገር ብዝምልከት መምርሒታት የውጽእ፡ ንምክልኻል ሃገር ምምራሕ፡ ምስ ባይቶ ኮይኑ ንናይ ወጻኢ ፖሊሲታት ሃገር ሓላፍነት ምውሳድን ዝብሉ ገለ ካብቶም መንግስቲ ዘማእክሎም ዕማማት እዮም። ነዚ ኹሉ ተሰኪሙዎ ዘሎ ዕማማት ንምስልሳል፡ መንግስቲ በቲ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ዝሓቁፍ ቤት/ጽ መንግስቲ (Regeringskansliet) ይድገፍ።

እታ ዓብላሊ ድምጺ ዝረኸበት ሰልፊ ወይ ውን ብዙሓት ልፍንቲ ዝመስረታ ሰልፊታት እየን መንገስቲ ዘቁማ። እቲ መራሕ-ሃገር (statsminister) ኮይኑ ዝምረጽ ፖለቲከኛ ኸኣ`ዩ ነቶም ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሜዳታት ዝመርሑ ሚንስተራት ዝመጽር። ነፍሲ-ወከፍ ኣባል መንግስቲ ዝኾነ ሚኒስተር ዝመርሖ ፍሉይ ጨንፈር (departement) ኣለዎ። እቶም ጨናፍራት፡ ኣብ ትሕቲኦም ንዝተፈላላየ ሜዳታት ኣመልኪቶም ዝሰርሑ ነኣሽቱ ክፍሊታት ኣለዎም። ክፍሊ-ትምህርቲ ንኣብነት፡ ንምህሮን ቤት-ትምህርትን ዝምልከት ሕቶታት ማእከል ጌሩ ክሰርሕ እንከሎ ክፍሊ-ባህሊ ከኣ ንባህላዊ ሕቶታት ማእከል ጌሩ ይሰርሕ።

ሃገራዊ መንግስታዊ ትካላት

እቶም መንግስታዊ ኣብየተ-ጽሕፈታት፡ መንግስቲ፡ ኣብየተ-ፍርድን ምምሕዳራዊ ተልእኾ ዘለዎም መንግስታዊ ትካላትን እዮም። ገለ ካብዚኣቶም ንምጥቃስ፡ ቤት-ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ማዕከን ማሕበራዊ-ውሕስነትን በዓል-መዚ ትራፊክን (Trafikverket) እዮም። መንግስቲ ኣብ ስርሓት ናይዞም ዝተጠቕሱ መንግስታዊ ኣካላት ኢዱ ኣየእቱን እዩ። ንኣብነት ኣተርጓጒማ ሕግታት ወይ ውን ምስላጥ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብዝምልከት። እዞም ትካላት ርእሶም ዝኸኣሉ ወይ ነጻ እዮም እኳ እንተተባህለ፡ ሕጊ መሰረት ብምግባርን መንግስቲ ዝሓንጸጾም መምርሒታን ብምኽታልን እዮም ግን ክሰርሑ ዘለዎም። ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ስልጣን ዘለዎ ሚኒስተር ውሳኔ ተጠቂሙ ኣብ ስርሓት መንግስታዊ ትካላ ጠብሎቕሎቕ ክብል ልሙድ እዩ። ኣብ ሽወደን ከምዚ ዓይነት ነገር የለን። ንስልጣን ሚኒስተር ዝድርት ሕግታት ኣሎ እዩ።

ሽወደን ከመይ ትምራሕ ንዝብል ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ መንግስቲ www.regeringen.se ኣቲኹም ኣንብቡ።

ፍትሒ

ኣብ ፍትሒ እተን ንውሕስነት ፍርድን ርግጸንት ፍርድን ሓላፍነት ዝወስዳ መንግስታውያን ትካላት ይርከባ። ኣብያተፍርዲ ናይ ፍትሒ መሰረት እየን። ኣብቲ ፍትሒ ድማ ናይ ምክልኻል ገበንን ናይ ምርመራ ትካልላት ማለት ከም ፖሊስትን ናይ ግዳይ ገበን ትካላትን ኣለዋ።

ናይ ሽወደን ኣብያተፍርዲ 80 ዝኾና እተፈላለያ ትካላትን ቦርድታትን ኣለወን። ኣብ ሽወደን ሰለስተ ዓይነት ኣብያተፍርዲ ኣለዋ፣ ህዝባውያን ኣብያተፍርዲ፡ ምምሕዳራዊ ኣብያተፍርዲ፡ ፍሉይ ኣብያተፍርዲ። ኣብያተፍርዲ መቕጻዕቲ ይውስና፡ ንባእሲ ድማ ይፈትሓ። እተን ህዝባውያን ኣብያተፍርዲ ብወረዳዊ ቤትፍርዲ፡ ናይ ይግባይ ቤትፍርዲ፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዝቖማ እየን። እተን ህዝባውያን ኣብያተፍርዲ ንገበን ነቲ ምስ ቤተሰብ እተኣሳሰረ ጉዳያትን ነቲ ኣብ መንጎ ዋኒንን ውልቀሰብን ዚለዓል ጉዳይን ይርእያ። እተን ምምሕዳራዊ ኣብያተፍርዲ፡ ብምምሕዳራዊ ፍርዲ፡ ናይ ይግባይ ቤትፍርዲ ከምኡውን ብላዕለዋይ ምምሕዳራዊ ቤትፍርዲ ዝቖመ እዩ። ምምሕዳራዊ ቤትፍርዲ ንባእሲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ትካላትን ውልቀሰባትን ይውስን። ንግብሪ፡ ንናይ ወጻእተኛን ዜጋን ጉዳይ (ናይ ሚግረሽን ቤትፍርዲ)፡ ነቲ ምስ ውሕስነት ካሳ ወይ ምስ ኮምዩን ዚካየድ ባእሲ ውሳነ ይህብ።

 

ፍሉይ ቤትፍሪ ኣብ እተፈላለየ ፍሉይ ጉዳያት ይውስን፡ ንኣብነት ኣብ ናይ መሰላት ስራሕ ወይ ናይ ተጠቃማይ ጉዳያት።

ብዛዕባ ነዘን ኣብያተፍርዲ ዚምልከት እተፈላለየ ጉዳያት ኣብቲ ናይ ሽወደን ናይ ኣብያተፍርዲ ወብሳይት ተመልከት www.domstol.se.

ጉዳይካ ኣብ ቤትፍርዲ ብዘይ ኣድልዎን ብናጻ መገድን ንኺረእየልካ ንኹሉ ኣብ ሽወደን ዚነብር ሰብ መሰረታዊ መሰሉ እዩ። ብመሰረት ቅዋም ሽወደን እቲ መስርሕ ቤትፍርዲ ብሕጊ እዩ ዚምራሕ፡ ግን ከኣ ናጻ እዩ። ኣባል ባይቶ ይኹን ወይ ሚኒስተር ነቲ ናይ ቤትፍርዲ ውሳነ ኪጸልዎ ኣይክእልን።

ስርዓተ-ሓጊ ማለት፡ ኩሎም ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዮም ዝብል መትከል እዩ። ዝኾነ ሰብ ብቤት-ፍርዲ ክሳብ ገበኑ ተራእዩ ፍርዲ ዝወሃቦ ከም ንጹህ ወይ ገበን ዘይፈጸመ እዩ ዝቊጸር። ስርዓተ-ሕጊ፡ ሓደ ካብ ኣገደስቲ የዕኑዳት ደሞክራሲ ኮይኑ፡ ንሕጋዊ ዝምድናታት ኣብ መንጎ ውልቀሰባትን ሃገርን ዝምልከት ከኣ`ዩ። ስርዓተ-ሕጊ ኸኣ`ዩ፡ ሰባት፡ ብኻልኦት ሰባት፡ ወነንቲ-ስልጣን ወይ ውን ብሕብረተ-ሰብ ወጽዓ ከይወርዶም ዝከላኸለሎምን ነጻነቶምን መሰላቶምን ዝወሕሰሎምን። ሕግታት ንጹር ክኸውን ኣለዎ፦-እንታይ`ዩ ሕጋዊ እንታይ`ዩ`ኸ ዘይሕጋዊ ብንጹር ዝሰፈረ ክኸውን ኣለዎ። ገበን ዝፍጽም ሰብ፡ ሳዕቤናት ናይቲ ገበን እንታይ ምዃኑ ብንጹር ክርድኦ ክኽእል ኣለዎ።

ቤትጽሕፈት ውሕሰነት ካሳ ወይ ኮምዩን ግጉይ ውሳነ ምስ ሂቡ ኢሉ ዚኣምን ሰብ ይግባይ ኪብል ይኽእል እዩ። እቲ ውሳነ ዚህብ ኣካል ከመይ ጌርካ ይግባይ ከም ዚብሃል ይሕብር እዩ። እቲ ሓበሬታ ኣብቲ መወዳእታ ክፋል ናይቲ ብጽሑፍ እተዋህበ ውሳነ ይርከብ።


ጁስቲስያ፡ ናይ ፍትሒ ጣኦት ኣብ ሮማዊ ያታ። እቲ ሚዛን ንፍትሒ የመልክት፡ እቲ ሴፍ ንስልጣን የመልክት። እቲ ናይ ዓይኒ ሽፋን ድማ ንሳ ኣብ መንጎ ሰባት ኣድልዎ ከም ዘይትገብር የመልክት። እዚ ድማ ኩሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ምዃኑ የመልክት
ስእሊ: Colourbox

ኮምዩናት

ኩሎም ተቐማጦ ሽወደን ኣብ ከተማታት ወይ ኮምዩን ይቕመጡ። ኣብ ሽወድን 290 ኮምዩናት ኣለዋ። ኩላተን ከኣ፡ ነብሰን ባዕለን የመሓድራ። ሓደ ኮምዩን በቲ ህዝቢ ዝመረጾ ባይቶ-ከተማን (kommunfullmäktige) ንሱ ዝመዘዘን ካልኦት ኮሚተታትን (styrelser) ተጸዋዕትን (nämnder) ይምራሕ። ኣብ ሕጊ-ኮምዩናት (kommunallagen) ዞባታትን (landsting/regioner) ኮምዩናትን እንታይ ሓላፍነታትን ግቡኣትን ኣለወን ብንጹር ሰፊሩ ይርከብ። ኣብ ሽወደን እተን ዝዓበያ ኮምዩናት፡ ስቶክሆልም፡ ዮተቦሪን ማልመን እየን። ሎሊ 100000 ተቐማጦ ዘለወን ብዙሓት ኮምዩናት ኣለዋ። ኮምዩናት ከተማታት ተባሂለን ውን ክጽውዓ ይኽእላ እየን።

እተን ኮምዩናት ከም መዋእለ ህጻናት: ኣብያተ መጻሕፍቲ: ናይ ኣረጋውያን ኣገልግሎት ገዛ: ነቶም ሓገዝ ዝደልዩ ድማ ክንክን ንኺህሉ ይነጥፋ። ከምኡውን መጥፋእቲ ሓውን ሓለዋ ጽሬትን ዚኣመሰሉ ንኺህሉ፡ ከምኡውን ጽርግያን መንበሪ ኣባይትን ማይን ኤለክትሪክን ንኺህሉ ውጥን የውጽኣ። ንሳተን ነዚ ኹሉ ንኺገብራ ገንዘብ ኪህልወን ኣለዎ። ንሳተን ነቲ ገንዘብ ብናይ ኮሙናዊ ግብሪ፡ ክፍሊትን ካብቲ ካብ መንግስቲ ዚርከብ ሓገዝን ይረኽባኦ። እቶም እቶት ዘለዎም ኣብቲ ኮምዩን እተመዝገቡ ነበርቲ ግብሪ ይኸፍሉ። መጠን ናይቲ ዝኸፍሉዎ ግብሪ ኣበናይ ኮምዩን ከም እትነብርን መጠን ደሞዝካን ይውስኖ።

ምምሕዳር፡ ኣውራጃን ወረዳን

ኣብ ሽወደን 21 ወረዳታት ኣለዋ። ኣብ ነፍስወከፍ ወረዳ ድማ ኮምዩናት ኣለዋ። ነፍስወከፍ ወረዳ ናቱ ምምሕዳር ኣለዎ። እቲ መንግስቲ ነቲ ወረዳ ዚመርሕ ናይቲ ቦታ ሹም ይምዝዝ። መራሕቲ ወረዳ ናይቲ መንግስቲ ወኪላት እዮም። እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ስርሖም ነቲ ብባይቶን ብመንግስትን እትወሰነ ዕላማ ንምትግባር እዩ። ከምዚ ኪገብሩ ኸለዉ ናይቲ ወረዳ ኩነታትውን ይከታተሉዎ እዮም።

ኣብ ሽወደን ምምሕዳራትውናሎ (ገለ ምምሕዳራት ከም ኣውራጃታትን ይፍለጣ እየን)። ምምሕዳራት ከምቲ ናይ ወረዳ ጀዮግራፍያዊ ስፍሓት ዘለወን ፖለቲካውያን ውድባት እየን። ንሳተን ግብሪ የኽፍላን ነቲ ናይ ማሕበረሰብ ክፍሊት ድማ ይቆጻጸራ እየን። ብቐዳምነት ንጥዕናን ክንክንን ብዚምልከት። ነቲ ናይ ባህልን ዞባዊ መጎዓዝያን ዞባዊ ውጥንን ጉዳያት እውን ይከታተላኦ እየን። ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ሽወደን 20 ምምሕዳራት ወይ ኣውራጃታት ኣለዋ። ንሳተን በቲ ብህዝቢ እተመርጸ ጉባኤ፡ በቲ ኣውራጃዊ ባይቶን በቲ ምምሕዳራዊ ባይቶን ይምርሓ። ንኣብነት ከባቢ ቨስትራዮታላንድ ብሕጊ ናይ ቨስትራ ዮታላንድ ናይ ወረዳ ምምሕዳር እዩ።

ኤውሮጳዊ ሕብረት (EU)

ኤውሮጳዊ ሕብረት (ኤኡ) ኣብ መንጎ ገለ ኤውሮጳውያን ሃገራት ዘሎ ቁጠባውን ፖለቲካውን ዝምድና እዩ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ መንጎ በልጅዩምን ፈረንሳን ጣልያንን ሉክስምበርግን ሆላንድን ሽዑ ዝነበረት ምዕራብ ጀርመንን እተመስረተ ቁጠባውን ፖለቲካውን ምትሕብባር እዩ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝሰፈነ ሰላም ንምዕቃብን ንግድ ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮጳ ንምትብባዕን’ዩ ተተኺሉ። እቲ ቀንዲ ሓሳብ ኩላተን ብቑጠባዊ መገዲ ሓንቲ ካብታ ሓንቲ እትድሊ ኮይነን ግጭት ዘይብለን ንኺኾና እዩ። ብሓጺሩ ነፍስወከፍ ሃገር ነቲ ናታ ስልጣን ብምጕዳል ብሓባር ኮይነን ኣብ ዓለም ዓቢ ጽልዋ ንኺህሉወን እዩ እቲ ሓሳባተን።

ኤውሮጳዊ ባይቶ ብሩክሰል
ስእሊ: www.europaparlamentet.se

ሽወደን ኣብ 1995 ዓ.ም. ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ኮይና። ሕጂ እቲ ሕብረት 28 ኣባላት ኣለዎ። ንሳተን ድማ ኣብ ናጻ ናይ ኣቕሑ፡ ኣገልግሎት፡ ርእሰማልን ሰብን ምንቅስቓስን ናይ ኣከባቢ ዕቃበን ንጸጥታን ምክልኻልን ዚምልከቱ ጉዳያትን ይነጥፋ። መብዛሕትአን ኣባላት ነቲ ሓባራዊ ዝኾነ ባጤራ ኤውሮ ይጥቀማ። ሽወደን ግን ኣይትጥቀመሉን እያ።

ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሕግታት ዚሕግጋ ሰለስተ ዓበይቲ ትካላት ኣለዋ:- ኤውሮጳዊ ኮምሽን (Europeiska kommissionen): ኤውሮጳዊ ባይቶ (Europaparlamentet) ከምኡ‘ውን ቤት ምኽሪ ኤውሮጳዊ ሕብረት (Europeiska unionens råd)። ሰለስቲአን ትካላት ኣብ ዋና ከተማ በልጁም ብሩሰልስን ኣብ ሉክሰምበርን ይርከባ። እዘን 28 ኣባል ሃገራት ብሰለስተ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ይተሓባበራ:-

  • ልዕለ-መንግስታዊ ጽፍሒ (Överstatlig nivå)
    ኵላተን ኣባል ሃገራት ግድን ዚኽተሎኦ ውሳነ። እቶም ኤውሮጳዊ ሕብረት ዚሕግጎም ሕግታት ምስ‘ዚ ይጽብጸቡ። ሕጊ ኤውሮጳዊ ሕብረት ልዕሊ ኵላቶም ሕግታት ኣባል ሃገራት‘ዩ። ብዙሓት ሕግታት ንግድ: መገሻን ስራሕን ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንምቅላል‘ዮም ዚሕገጉ። ንሕጊ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዚምልከት ርእሱ ዝኸኣለ ቤትፍርዲ‘ሎ። ቤትፍርዲ ኤውሮጵዊ ሕብረት ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ መደበሩ ኸኣ ኣብ ሉክሰምበሪ‘ዩ።
  • በይነ-መንግስታዊ ጽፍሒ (Mellanstatlig nivå)
    ሕግታት ዘይክተል ብወለንታዊ ኣገባብ ኣብ መንጎ 28 ኣባል ሃገራት ዚግበር ምትሕብባር። ንኣብነት ኤውሮጳዊ ሕብረት ብዛዕባ ፖሊቲካ ጕዳያት ወጻእን ወተሃደራዊ ዕማምን ውሳነ ከሕልፍ ከሎ ብበይነ- መንግስታዊ ጽፍሒ‘ዩ ዚካየድ።
  • ሃገራዊ ጽፍሒ (Nationell nivå)
    ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ሃገር ኣብ ጕዳያ ክትውስን መሰል ኣለዋ። ግን ኵላቶም እዘን ሃገራት ዚውስኖኦም ሕግታትን መምርሕታትን ምስ‘ቶም ብጽፍሒ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝሓለፉ ሕግታትን መምርሕታትን ኪሳነዩ ኣለዎም።

እቲ ስልጣን ኣብ ብዙሓት ይከፋፈል

ሽሕኳ እቲ ወግዓዊ ስልጣን ኣብ እተፈላለየ ጽፍሕታት ይከፋፈል እንተ ኾነ፡ ማለት ኮምዩን፡ ምምሕዳርን ሃገረ-መንግስትን አኡን፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ነቲ ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣገዳሲ ዝኾነ ብዙሕ ናይ ስልጣን ማእከላት ኣሎ። እቲ መርኸቢ ብዙሃንን ዕዳጋን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ኣብ ሓደ ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ኣገደስቲ ተዋሳእትን መድረኽን እዮም።

መራኸቢ ብዙሃን (ጋዜጣታት፡ ራድዮ፡ ቲቪን ኢንተርነትን) ምስቲ መንግስታዊ ስልጣን ዝምድና የብሎምን። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ድማ ናጻ ኾይኖም ይሕብሩን ንፖለቲካውያንን ካልኦት ሰብ ስልጣንን ድማ ይግምግምዎም ማለት እዩ። ኣብቲ ንሕብረተሰብ ዚምልከት ጉዳያት ክትዕ ንምክያድ ድማ መራኸቢ ብዙሃን ኣገዳሲ ዕማም ኣለወን።

ናይ ሽወደን ራድዮን(SR) ተለቪዥንን (SVT), በተን ካብ መንግስቲ ናጻ ዝኾና ትካላት እዩ ዚውነን። እቲ ስራሕ በቲ ንቲቪን ራድያን ብህዝቢ ዚኽፈል እቶት እዩ ዚካይድ። እዚ ድማ ቲቪ ሊሰንስ ይብሃል። እተን ቻነላት ብረክላም ወይ ብናይ መንግስቲ ኣበርክቶ ኣይኮናን ዚምወላ ስለዚ ፓብሊክ ሰርቪስ ይብሃላ። ዕማመን ኣድልዎ ብዘይብሉ ደሞክራስያዊ መሰረት ዘለዎ ስራሕ ምክያድ እዩ። ኣብ ሽወደን ብዙሓት ብረክላም ዝምወላ ናይ ቲቪን ረድዮን ቻነላት ኮይነን ንሰበስልጣን ዚግምግማ ኣለዋ፡ ንኣብነት ቲቪ 4።

እቲ ዕዳጋ በቶም ብሓባር ነቲ ናይታ ሃገር ቁጠባን ዕዳጋ ስራሕን ዚጸልዉ ካፒታላውያን ዋኒናትን ኣህለኽትን ዝቖመ እዩ። እቲ ቁጠባዊ ናይ ቢዚነስ ዕብየት ነቲ ናይ መንግስቲ ናይ ግብሪ እቶት ይጸልዎ እዩ።

ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ኪብሃል ከሎ ክፋል ናይቲ ብዘይ ጣልቃ መንግስቲ ነንሕድሕዱ ዝተሓባበር ሕብረተሰብ እዩ። እቲ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ከም ዋኒናት ንምምራሕ ዘገልግሎ ገንዘብ የብሉን። እቲ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ሓድሓደ ግዜ ከም እቲ ብሉጽ ስክቶር፡ ወለንታዊ ሰክቶር ወይ ሲቪል ሰክቶር ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። ከም ናይቲ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ኣብነት፡ እዘን ዚስዕባ ኪጥቀሳ ይኽእላ፣ ግብረሰናይ ወድብ፡ ናይ ስፖርት ማሕበርን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን። እዚኣተን ብቐጥታ ብመንግስቲ ኣይምወላን ገንዘብ ንምኽሳብውን ኣይሰርሓን።

ናይ ሽወደን ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፡ ከም ናይ ሰራሕተኛታት ናይ ኣከባቢ ወይ ናይ ዓቂንካ ምስታይ ምንቅስቓሳት፡ እቲ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ኣብቲ ሕብረተሰብ ናይ ስልጣን ረቛሒ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣብነት እየን። ኣብዚ ኸኣ መንግስቲ ይኹን ወይ ዕዳጋ ዚደፍእ ሓይሊ የብሉን። ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ናይ ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ኣገዳሲ ክፍል እዩ። ንስኻ ድማ ኣብኡ ኴንካ ነቲ ሕብረተሰብ ክትጸልዎ ትኽእል።

ኣብተን ደሞክራስያውያን መሰላት፡ ከም ናይ ሕትመትን ርእይቶን መሰላትን ናይ ማሕበር ምምስራት መሰላትን ነቶም ተቐማጦ ኣብ ፖለቲካ ንኺሳተፉ ዚድርኽ ዘይቀጥታዊ ጠለብ ኣሎ። ሰባት ብእተፋላለየ መገዲ ኣብ ፖለቲካ ኪሳተፉ ይኽእሉ፡ ንኣብነት ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ውድባት ወይ ማሕበራት ብምጥርናፍ ብዙሕ ኣርእስታት ኣልዒሎም ክዋስኡ ይኽእሉ። ሰባት ኣገዳሲ ዝብልዎ ጉዳያት ንምልዓል፡ ንመራኸቢ-ብዙሃን ከም ናይ ምቅላሕ መስኖ ክጥቀሙሉ ኣለዎም። ምስ ጋዜጠኛ ኣብ እትገብርዎ ርክብ መንነትኩም ናይ ምዕቃብ መሰል ኣለኩም። ብዜካ`ዚ፡ ሰባት፡ ምስቶም ኣብቲ ዝነብሩሉ ከተማ ዝነጥፉ ፖለቲከኛታት ተራኺቦም ንዝተወስደ ውሳኔታት ዝምልከት ዘለዎም ርእይቶን ሓሳብን ከቕርቡ ይኽእሉ።

 

< ናብቲ ዝሓለፈ ገጽ

ናብቲ ዚቕጽል ገጽ >

ናብቲ መውጽእ ኣርእስቲ ተመለስ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ