ቍጠባዊ ደገፍ ንወለዲ

ቈልዑ ዘለዎም ወለዲ ካብ ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ ሓገዝ ክራይ-ገዛ (bostadsbidrag): መተካእታ ደሞዝ ወላዲ (föräldrapenning): መናበዪ ደገፍ (underhållsstöd) ከምኡ‘ውን ሓገዝ ክንክን (vårdbidrag)ኪወስዱ ይኽእሉ‘ዮም። ኵላቶም ኣብ ሽወደን ቈልዑ ዘለዎም ስድራ ሓገዝ ቈልዓ (barnbidrag) ይወስዱ‘ዮም። ሓገዝ ክራይ- ገዛ: ትሑት እቶትን ዓበይቲ ወጻኢታትን ንዘለዎም ይወሃብ። ሓገዝ ክንክን ንወለዲ ምግደራ

ዘለዎም ቈልዑ (ስንክልና ዘለዎም) ይኽፈል። እተፋታሕካ ምስ እትኸውን እሞ ደቅኻ ምሳኻ ምስ ዚነብሩ፡ እቲ መጻምድትኻ ነቲ ቀለብ ቆልዓ ይኸፍሎ። እዚ ነቲ ናይቲ ቆልዓ ወጻኢታት ይሽፍኖ። እቲ መጻምድትኻ ምስ ዘይከፍል ወይ ድማ ኣዚዩ ትሑት እቶት ምስ ዚህሉዎ ኣብ ናይ ውሕስነት ካሳ ገንዘብ ትወስድ። እዚ ድማ መናብዪ ይብሃል። ብዛዕባዚ ኣብቲ መርበብ ኢንተርነት ውሕስነት ካሳ www.forsakringskassan.se ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል።

ውሕስነት ወላዲ (Föräldraförsäkringen)

እቶም ዝሰርሑ ወለዲ ደቆም ንምእላይ ዕረፍቲ ክወስዱ ዘቃልለሎም፡  ውሕስነት-ወለዲ (Föräldraförsäkringen) እዩ። መተካእታ ደሞዝ ዕረፍቲ-ወላዲ (Föräldrapenning) ብማዕከን ማሕበራዊ ውሕስነት (Försäkringskassan) ነቶም ቆልዓ ንምእላይ ገዛ ዝውዕሉ ወለዲ ዝኽፈል ቈጠባዊ ድጋፍ እዩ።

ሰብኡት ይኹኑ ኣንስቲ ምስ ውላዶም ኣብ ገዛ ንምውዓል ካብ ስራሕን ትምህርትን ዕረፍቲ ክወስዱ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ብብዝሒ ዘዕርፋ ግን፡ ደቂ-ኣንስትዮ እየን። ሰብኣይን ሰበይትን ንዕረፍቲ-ወለዲ ብማዕረ ንኽማቐልዎ ንምትብብባዕ ካብ ዝብል እቲ ሓደ ወላዲ ግድን ክወስዶም ዘለዎም ክሰጋገሩ ዘይክእሉ መዓልታት ኣለዎ።

እትሰርሕ ምስ እትኸውንን ውላድካ ድማ ብሕማም ምኽንያት ካብ መዋእለ ህጻናት ወይ ቤትትምህርቲ ተሪፉ ኣብ ገዛ እንተ ውዒሉ ንሳኻ ድማ ምስኡ እንተ ውዒልካ ደሞዝ ወላዲ ክትወስድ መሰል ኣለካ። እዚ ጊዜያዊ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ (tillfällig föräldrapenning) ወይ ክንክን ቈልዓ (vård av barn, VAB) ይብሃል። ሽዑ 80 ሚእታዊ ናይ ደሞዝካ ትወስድ። እንተ ዛየደ ንሓደ ቆልዓ ንመዓልቲ 120 ክሩነር ንዓመት ክትወስድ ትኽእል።

ዝሓጸረ ናይ ስራሕ ጊዜ

ቀዳማይ ክፍሊ ዘይወደአ ትሕቲ ሸሞንተ ዓመት ዝዕድመኡ ቈልዓ እንተለካ ንሕጽር ዝበለ ናይ ስራሕ ጊዜ መሰል ኣለካ። እዚ ማለት ከኣ: ኣብ ክንዲ ሾመንተ ሰዓት ሽዱሽተ ሰዓት ንመዓልቲ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ ማለት’ዩ።

ኣቦ ንውላዱ ካብ መዋእለ ህጻናት የምጽኦ
ስእሊ: Colourbox

ውሕስነት ስራሕ (Anställningsskydd)

ወሃብቲ ስራሕ ንስራሕ ዝሓታ ነፍሰ-ጾራት: ካብ ካልኦት ፈልዮም ሕምቕ ዝበለ ዕድል ኪህብወን ሕጊ ሽወደን ይኽልክል’ዩ። ብምኽንያት ጥንሲ wንሰራሕተኛ ምስጓግ’ውን ክልኩል’ዩ።

ሓገዝ ቈልዓን ወሰኽ ሓገዝ ንዝሰደሩ (Barnbidrag och studiebidrag)

ማዕከን ማሕበራዊ ውሕስነት (Försäkringskassan) ንኹሎም ቆልዑ ሓገዝ-ቈልዓ (barnbidrag) ይኸፍል። እቲ ፋልማይቲ ሓገዝ ቈልዓ: ሓደ ወርሒ ድሕሪ ምውላድ ናይቶ ቆልዓ ወይ ውን ሓደ ወርሒ ድሕሪ`ቲ እቲ ቈልዓ ናብ ሽወደን ምምጽኡ፡ ትኽፈል። ሓገዝ ቈልዓ እቲ ቈልዓ ክሳብ 16 ዓመት ዕድመ ዚበጽሕ ይኽፈል። ወሰኽ ሓገዝ ንዝሰደሩ (flerbarnstillägg): ነቶም ክልተ ወይ ካብኡ ዝዛይዱ ቆልዑ ዘለዎም ስድራ-ቤታት ይኽፈል። መጠን ናይ’ቲ ዚወሃብ ወሰኽ ኣብ ብዝሒ ቈልዑ’ዩ ዝምርኮስ። ሓገዝ-ቈልዓ: ወርሒ-ወርሒ ከባቢ ዕለት 20 ይኽፈል። ሓገዝ ቈልዓ ይኹን ወሰኽ ሓገዝ ንዝሰደሩ ግብሪ ኣይክፈሎን’ዩ። ክልቲኦም ወለዲ ሓባራዊ መጒዚቲነት ናይቲ ቆልዓ ወይ ቆልዑ ምስ ዝህልዎም፡ ነቲ ዝኽፈሎም ሓገዝ-ቆልዓ/ዑ ክማቐልዎ ኣለዎም። ንሓደ ቆልዓ ነፍሲ-ወከፎም ኣብ ወርሒ 525 ክሮነር ይኽፈሎም። ከምዚ ክኸውን ዝኽእል ግን እቲ ቆልዓ 1 መጋቢት 2014 ወይ ውን ድሕሪኡ ዝተወልደ ምስ ዝኸውን እዩ። እቲ ቆልዓ ቅድሚ 1 መጋቢት 2014 ዝተወልደ ምስ ዝኸውን ግን፡ ሓገዝ-ቆልዑ ነቲ ነቲ ቆልዓ ዝወለዶ ወላዲ እዩ ዝኽፈሎ። ተሓታቲ ቆልዑ እቲ ሓደ ወላዲ በይኑ ምስ ዝኸውን፡ እቲ ሓገዝ፡ ማለት 1050 ኣብ ወርሒ፡ ንዕኡ/ኣ ይኽፈሎ/ላ። ሓገዝ ቈልዓ ይኹን ወሰኽ ሓገዝ ንዝሰደሩ ግብሪ ኣይክፈሎን’ዩ።

ሓገዝ-ቆልዓ ውላድኩ 16 ዓመት ክሳብ ዚመልእ ይኽፈል። እቶም 16 ክሳዕ 20 ዓመት ዝዕድመኦም መንእሰያት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዚምሃሩ ምስ ዚኾኑ ናይ ትምህርቲ-ሓገዝ (studiebidrag) ይወሃቦም። ናይ ትምህርቲ-ሓገዝ ኣብ ወርሒ 1050 ክሮነር ኮይኑ፡ ኣብተን ካብ መስከረም ክሳብ ሰነ ንዘለዋ ዓሰርተ ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ዝኽፈል። እዚ ሓገዝ'ዚ እቶም መንእሰያት 20 ዓመት ክሳብ ዝመልኡ ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ እዩ ዝወሃብ። ብዙሕ ዘይምኽኑይ ቡክራት ትምህርቲ ዘለዎ ተመሃራይ፡ ናይ ትምህርቲ-ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰሉ ብኣሉታ ክጽሎ ይኽእል'ዩ። እቶም ኣብ ክሊ 16 ክሳብ 18 ዓመት ዘለዉ መንእሰያት እዚ ሓገዝ ይወሃቦም ኮይኑ ናብ ሕሳብ ውለዶም እዩ ግን ዝኽፈል። እቲ መንእሰይ 18 ዓመት ምስ ዝኮነ ከኣ፡ በጽሒ ስለዝቊጸር እቲ ሓገዝ ንዕኡ/ንዓኣ ብቐጥታ ይኽፈሎ/ላ። ስድራ ናይቲ ተመሃራይ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ምስ ዝኸውን እቲ ተመሃራይ ተወሳኺ-ሓገዝ (extra tillägg) ክረክብ መሰል ኣለዎ።

እቲ ማእከላዊ ናይ ትምህርቲ ደገፍ ቦርድ CSN እዩ ነቲ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ዝኸፍሎ።

እቶም ናይ ወጻኢ ዜግነት ዘለዎምን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝመሃሩን ብዛዕባ መሰረታዊ መሰል ትምህርታዊ ሓገዝ ኪሓቱ ይግባእ። ንተወሳኺ ኣብ www.csn.se ኣንብብ።

ሓገዝ ክራይ-ገዛ ቈልዑ ንዘለዎም ንስድራታት

ቈልዑ ዘለዎም ሓገዝ ክራይ-ገዛ ኪኣቱ መሰል ኣለዎም። ሓገዝ-ክራይ ገዛ ክትወስድ ግድን ኣብ ሽወደን ተመዝጊብካ ክትቕመጥ ኣለካ።

ክንደይ ዝመጠኑ ሓገዝ ክራይ-ገዛ ከም እትወስድ ቍጽሪ ኣባላት ስድራ እዩ ዚውስኖ። መጠን ዚኽፈል ክራይ-ገዛን ዘለካ እቶትን እውን ይውስን‘ዩ።

እቲ እቶትካ ለውጢ ምስ ዘርእይ ንውሕስነት ካሳ ክትሕብሮ ኣገዳሲ እዩ። እንተ ዘይኮይኑ ዚምለስ ክፍሊት ኪህልወካ ይኽእል እዩ።

 

​< ናብቲ ዝሓለፈ ገጽ

ናብቲ ዚቕጽል ምዕራፍ >

ናብቲ መውጽእ ኣርእስቲ ተመለስ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ