ማዕርነትን ሰብኣዊ መሰላትን

ማሕበራዊ ማዕርነት ክበሃል እንከሎ፡ ኩሎም ደቂ-ሰባት፡ ብሄራዊ መበቆሎም፡ ጾታዊ ዝምባሌታቶም ወይ ውን ስንክልንኦም ብዘየገድስ፡ ማዕረ እዮምን ብማዕረ ኣገባብ ከኣ ክተሓዙ ኣለዎም ማለት እዩ።

‘የምሊክሄት‘ ማለት ኩሉ ሰብ ሓደ ክብሪ ሃልይዎ ብሓደ ዓይኒ ኪርአ ከሎ ማለት‘ዩ። ‘ያምሊክሄት‘ ትብል ቃል: ብ1948 ዓ.ም. ካብ ሓፈሻዊ ኣዋጅ ሰብኣውያን መሰላት ው.ሕ.ሃ ዝመጸት‘ያ ሓፈሻዊ ኣዋጅ ሰብኣውያን መሰላት ው.ሕ.ሃ ናይ ኩላቶም ደቂሰብ ክብርን መሰልን ዚምልከት‘ዩ። ኵላቶም ሰባት ዚመሰሎም ኪዛረቡ: ዚደለይዎ ኣምላኽ ኪኣምኑ: ምስ መን መጻምድቲ ከም ዚነብሩ ብድላዮም ኪመርጹ መሰሎም‘ዩ።

ወግዒ መንግስቲ (regeringsformen): ሕጊ ናጽነት ሕትመትን (tryckfrihetsförordningen): ሕጊ ናጽነት ርእይቶ (yttrandefrihetsgrundlagen)። እቲ ሕጊ፡ መንግስትን ኮምዩናትን ንኹሉ ነባራይ ናይ ስራሕን መንበሪ ቤትን ትምህርትን መሰላቱ ንኺሕልዋ ይሰርሓ ይብል።

ብዛዕባ ሰብኣውያን መሰላት ኣብ መካነ-መርበብ መንግስቲ ሽወደን www.manskligarattigheter.se ክትነብብ ትኽእል ኢኻ።


ስእሊ: Colourbox

ኤውሮጳዊ ውዕል

ካብ 1950 ዓ.ም. ኣትሒዙ ንሰብኣውያን መሰላት ዚሕሉ ኤውሮጳዊ ውዕል ኣሎ። ውዕል ኤውሮጳ (Europakonventionen) ድማ ይበሃል። እዚ ውዕል ኣብ ሽወደን ብ1995 ዓ.ም. ብሕጊ ጸዲቑ። ውዕል፡ ምስ ብዙሓት ሃገራት ዚግበር ስምምዕ እዩ። ገለ ካብቲ ውዑላት ንምጥቃስ፣

  • ​መሰል ናጽነትን ውልቃዊ ድሕነትን
  • መሰል ንፍትሓዊ ፍርዲ
  • መሰል ንክብረት ውልቃውን ስድራቤታውን ህይወት

እዚ ብ1995 ናይ ሽወደን ሕጊ ኾይኑ። መንግስትን ኮምዩናትን ነዚ ሕግዚ ኣብ ግብሪ ከም ዚውዕል ይገብሩ።

ጾታ፡ ጾታዊ ማዕርነትን ኣንስትነትን

ሕመረት ጾታዊ-ማዕርነት፡ ማዕርነት ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዝብል ኣምር እዩ። ናይ ገዛእ ሂወቶምን ሕብረተ-ሰብን ክጸልዉ ማዕረ ዕድላት ክወሃቦም ኣለዎ። ጾታዊ ማዕርነት ማለት፡ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ማዕረ መሰላትን ግቡኣትን ክህልዎም ኣለዎ ዝብል እዩ። ዕድላት ደቂ-ሰባት፡ ጾታ ገዲፍካ፡ ብኻልእ ረቋሒታት ክጽሎ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ኩለን ደቂ-ኣንስትዮ ወይ ውን ኩሎም ደቂ-ተባዕትዮ ሓደ ዓይነት ተመኲሮታት ሂወትን ኩነተ-ናብራን የብሎምን።

ጾታ ቀሊል መፍለዪ-ነጥቢ ኣይኮነን። ንነብሶም ኣይከም ጓል-ኣንስተይቲ ወይ ውን ኣይከም ወዲ-ተባዕታይ ዝቆጽሩዋ ሰባት ኣለዉ። ገለ ገለ ውን እቲ መበቆል ጾትኦም ገዲፎም ጾታ ናብቲ ካልእ ጾታ ዝሳገሩ ሰባት ውን ኣለዉ። ኩሎም ደቂ-ሰባት፡ ጾትኦም ብዘየገድስ፡ ብልሙድ ጾታዊ-ኣረዳድኣታትን ሕብረተ-ሰብን ኣብኡ ሰፊኑ ዝርከብ ክብራዊ መለክዒታት ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን  ክጽለዉ ባህርያዊ እዩ።

ኣንስትነት (ፈሚኒስም)፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ደቂ-ኣንስትዮ ብደቂ-ተባዕትዮ ዝተጸቕጣ እየን ካብ ዝብል ርድኢት ዝነቅል እሞ ኸኣ ነዚ ክውንነት ክቕይር ዝህቕን ጠማሪ-ኣምር እዩ። ኣንስትነታዊ ፖለቲካዊ ምንቕስቓስ፡ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ኣቢሉ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ማዕረ ዕድላት ንኽህውሎም ይቃለስ። ብግብሪ ክርአ እንከሎ፡ ጾታዊ ማዕርነት ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪታት ኣግላሊ ዝኾነ ሕግታት ንምውጋድን፡ ጾታዊ ዓመጽ ንምቕላስን፡ ቁጽሪ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ወሳኒ ቦታታት ክብ ንምባል ምቅላስ ከምኡ ውን ካልእ ዓይነት ጸቕጢታት ብኸመይ ምስ ጾታ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ምዝኽኻርን ከጠቓልል ይኽእል።

ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳን ኣብ ቤትን

ኣብ መፈለምታ ናይ 19 ዘመን: ኣብ ሽወደን ኣብ መንጎ መሰላት ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዓቢይ ፍልልይ ኔሩ። ቅድሚ 1921 ዓ.ም ደቂ-ኣንስትዮ ናይ ምድማጽ መሰል ኣይነበረንን። ኣብቲ እዋንቲ እየን ከኣ ምርዑዋት ደቂ-ኣንስትዮ ከም ብጹሓት ተቘጺረን። እዚ ማለት ከኣ: ንኣብነት ንእቶተን ብዝምልከት ንመጀመርያ ግዜ ናይ ምውሳን መሰል/ነጻነት ረኺበን። ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ፕራላማ ክንዲቶም ደቂ-ተባዕትዮ ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ኣለዋ። ጾታዊ ኣቋውማ መንግስቲ ምስ እንዕዘብ ውን ብተመሳሳሊ ማዕረ ደቂ-ተባዕትዮ ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ንረክብ። ኣብ ከተማታት ሽወደን ካብ ዝተሓርዩ ፖለቲከኛታት 43% ደቂ-ኣንስትዮ እየን።

ቅድሚ ብርክት ዝበለ ዓመታት፡ መብዛሕትአን ምርዑዋት ደቂ-ኣንስትዮ እየን ደቀን ዝከናኸናን ገዝአን ዝኣልያን ዝነበራ። ካብ 1970 ንነጀው ግን፡ ንህጻናት ተባሂሉ ብርክት ዝበለ መውዓሊ ቤት-ትምህርታትን መጽንሒ ማእከላትን ተሃኒጹ። ወለዲ ነቲ ብሕጊ ዝተፈቕደሎም ዕረፍቲ ክማቐሉ ዝገብር ስርዓት ውሕስነት-ወለዲ (Föräldraförsäkringen) ውን ኣብቲ እዋን ተኣታተወ። እዚ ምቕይያራት`ዚ ኸኣ ደቂ--ኣንስትዮ ክሰርሓን ኣታዊ ክህልወንን ገበረ። ኣብ 1970ታት ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ምንጻል-ጥንሲ ዘፍቕድ ሕጊ ተኣታተወ። ብመሰረት ናይዚ ሕጊ ኸኣ ደቂ-ኣንስትዮ ጥንሲ ምስ ዘጋጥመን ክንጽልኦ ወይ ክወልድኦ ክውስና መሰል ረኸባ።

ኣቐዲሙ ናይ ገዛ ስራሕ ብኣንስቲ እዩ ዚካየድ ነይሩ። ስራሕ ገዛ ክበሃል እንከሎ፡ ንኣብነት ቆልዓ ምክንኻንን ምሕጻብን ምዂስታርን ምጽራይን ማለትና እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ግን ናይ ገዛ ስራሕ ብሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር ዝዕየ እኳ እንተኾነ፡ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ስራሕ ግን፡ ኣብ ዝባን ሰበይቲ`ዩ ዘሎ፡።

ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ቦታ-ስራሕን ቤት-ትምህርትን

ኣብ ዓመተ 1927፡ ኣዋልድ ልክዕ ከም ኣወዳት፡ ኣብ መንግስታዊ ትምህርቲ ናይ ምስታፍ ማዕረ መሰል ተዋህበን። ኣብዚ እዋን ውጥን-ትምህርቲ ምስ እንዕዘብ፡ ዝወሃብ ትምህርቲ እንታይ ከጠቓልል ኣለዎ ብደቂቕ ሰፊሩ ንረኽቦ። መምሃራን ማዕርነት ንምርግጋጽ ክጽዕሩ ከም ዝግባእ ውን ኣብቲ ውጥን-ትምህርቲ ሰፊሩ ይርከብ። እዚ ማለት ከኣ፡ ካልእ ነገራት ንጎድኒ ገዲፍካ፡ መምሃራን ናዋልድን ኣወዳትን ብማዕረ ክሕዝዎም ክርእይዎም ዝጽውዕ እዩ። ኣብዚ እዋን መንእሰያት ዝመርጽዎ ሞያውን ወይ ትምህርቲ ምርጫ ከም ወዲ ወይ ጓል ክትገብሮ እትኽእል ነገራት እንታይ እዩ ዝብል ኣብ ጾታ ዝተመስረተ ምርጫ እዩ።

ኣብ 1980 እቲ ብሕገ ጾታዊ ማዕርነት (jämställdhetslagen) ዝፍለጥ ሕጊ ተወልደ። እዚ ሕጊ‘ዚ ንጾታዊ ማዕርነት ኣብ ቦታ-ስራሕን ንምዕሩይ ደሞዝን ማእከል ዝገበረ እዩ። ኣብዚ እዋን 80% ናይተን ኣብ ክሊ ዕድመ 20 ክሳብ 64 ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ-ዓለም ተዋፊረን ይርከባ። ኣብ መንጎ ጾታታት ዓቢ ናይ ደሞዝ ጋግ ኣሎ። ጠቕላላ ክርአ እንከሎ፡ ደቂ-ኣንስትዮ 87% ናይቲ ንደቂ-ተባዕትዮ ዝወሃብ ደሞዝ የእትዋ። ሓደ ካብ ቀንዲ ምኽንያታት ናይዚ ከኣ፡ ደሞዝ ናይቲ ብደቂ-ተባዕትዮ ዝዕብለል ሞያታት ካብቲ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ዝሰርሓሉ ሞያታት ልዕል ዝበለ ስለዝኾነ እዩ። ካብ ድቂ-ተባዕትዮ ዝበዝሓ ደቂ-ኣንስትዮ ፍርቂ-መዓልቲ ይሰርሓ፡ ነዊሕ ናይ ወላዲ-ዕረፍቲ ይወስዳን ብሰንኪ ምእላይ ዝሓመመ ቆልዓ ውን ብብዝሒ ንሳተን ካብ ስራሕ ይቦዂራ። ብኸምዚ ከኣ፡ ፍልልይ ዓመታዊ ኣታዊ ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን መልሱ ይዓቢ። ክሳብ ኣብዚ እዋን`ዚ እቶም ብብዝሒ ሓለቓታት-ስራሕን ዝኾኑን ሓድሽ ትካል ዝምስርቱን ደቂ-ተባዕትዮ እዮም።

ፖለቲካዊ መኣዝን ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ሽወድን

ኣብ ዓመተ 2006፡ ፓርላማ ሽወደን፡ ዕላማ ናይቲ  ንጾታዊ ማዕርነት ዝምልከት ፖለቲካዊ ጻዕሪታቱ ንደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ንሂወቶምን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዝጻወትዎ ተራን ብዝምልከት ማዕረ ዝኾነ ኣኽእሎን ዕድላትን ክወሃቦም ዝብል ውሳኔ ኣጽደቐ። ነዚ ቀንዲ ዕላማ`ዚ ዚሕዙ ኣርባዕተ የዕኑዳት ኣለዉ፡

1. ምዕሩይ ምምቕራሕ ስልጣንን ጽልዋን። ነዚ ብዝምልከት ከኣ፡ ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ንጡፋት ዜጋታት ናይ ምዃን ዕድላትን፡ ረቋሒታት ውሳኔታት ሓቢሮም ክውስኑን ዘኽእሎም ማዕረ መሰላትን ዕድላትን ክህልዎምን።

2. ቁጠባዊ ጾታዊ ማዕርነት። ኣብዚ ውን ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ንትምህርትን ነቲ ንምሉእ ሂወት ቁጠባዊ ሓርነት ዘረጋግጽ ደሞዝ-ስራሕን ብዝምልከት ማዕረ ዕድላትን ረቋሒታትን ክህልዎም።

3. ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ዘይክፈሎ ስራሕ-ገዛን ክንክን ቆልዑን ውን ብማዕረ ክዓምዎን ማዕረ ሓላፍነት ክወስዱሉን፡ ይግባእ። ብተመሳስሊ መልክዕ ውን ኣኽብሮትን ክንክንን ክህቡን ክወስዱን ይግባእ። 

4. ብደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝፈጸም ጎነጽ ደው ክብል። ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ማዕረ መሰል ርእሰ-ምውሳን ኣብ ልዕሊ ኣካልቶም ክህልዎም።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኣንፈት ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ሽወደንን መንግስታዊ ስርሓት ንዕኡ ብዝምልከትን ኣብ መርበብ-ሓበሬታ መንግስቲ ሽወደን www.regeringen.se/feministiskregering ኣቲኹም ኣንብቡ።

 

< ናብቲ ዝሓለፈ ምዕራፍ

ናብቲ ዚቕጽል ገጽ >

ናብቲ መውጽእ ኣርእስቲ ተመለስ

 

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ