ፖሊቲካውያን ሓሳባትን

ኣብ ምርጫ ክትሳተፉ እንከለኹም፡ እትድግፍዋ ሰልፊ ትሓርዩ። ፖለቲካዊ-ሰልፊ፡ ተመሳሳሊ ሓሳባት ዘለዎም ንኩነታት ሓንቲ ሃገር ክጸልዉ ዝደልዩ ኣባላት ዝሓቆፈ ውድብ እዩ። ነፍሲ-ወከፍ ሰልፊ ሕብረተ-ሰብ ንምምዕባል ዝዓለመ ሓሳባት ዝሓቆፈ ፖለቲካዊ መድብ-ዕዮ ኣለዋ። መብዛሕትአን ናይተን ኣብዚ እዋን ኣብ ሽወደን ዝርከባ ፖለቲካዊ-ሰልፊታት ውጽኢት ናይቲ ኣብቲ ኣብ 18 ክፍለ-ዘመን ዝማዕበለ ስነ-ሓሳብ እየን።

ሊበራልነት

‘ሊበር‘ (liber) ትብል ቃል ብቋንቋ ላቲን ኮይና ትርጉማ ናጽነት እዩ። እቶም ቀዳሞት ሊበራላውያን (ናይ 17 ክፍለ-ዘመን) ዕላምኦም ምውሓስ መሰላትን ሓርነታትን ደቂ-ሰባት ዝብል እዩ ኔሩ። ንሳቶም ንኣብነት፡ ኩሉ ሰብ ሓሳቡ ብቓል ይኹን ብጽሑፍ ምእንቲ ክገልጽ፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን መሰል ሕትመትን ንምውሓስ ይቃለሱ ኔሮም።

ሊበራላውያን ብተወሳኺ እቶም ኣብ ምግዛእን ምሻጥን ኣቝሑ ዚኽፈሉ ዝነበሩ ክፍሊታት ኪእለዩ‘ውን ይደልዩ ኔሮም። በዚ መገድዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ዚግበር ንግድ ብዅሉ መዳይ ምወሰኸ። እዚ ኸኣ ንቝጠባ ሃገርን ኣድማዒ ምኾነ፣ ሓደጋ ውግእ ከኣ ምነከየ።

ዓቃባውነት

‘ኮንሰርቫቲቭ‘ (ዓቃባዊ) ትብል ቃል ካብ ‘ኮንሰርቫረ‘ (conservare) ዝመጸት ኮይና ትርጉማ ምዕቃብ ማለት‘ዩ። እቶም ፋልሞት ዓቃባውያን ኣብ መበል 17 ዘመን) ታሪኽ ሃገር: ልምድታትን ሃይማኖትን ኪዕቅቡ ይደልዩ ኔሮም። ስልጣን ምስ ንጉስ: ቤተክርስትያንን ልኡላን ማሕበረሰብ ኪኸውን ይደልዩ ኔሮም። ቀንዲ ሓሳባት ዓቃባውያን፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዚረአ ቕልጡፍ ለውጢ ንምጽራር ነቲ ባህሊ ድማ ብመሰረት ናይ ስድራቤትን እምነትን ክብርታት ንምሕላው እዩ።

ሶሻሊዝም (ማሕበርነት)

ሶሻሊዝም‘ እትብል ቃል ካብ ‘ሶስዩስ‘ (socius) ትብል ቃል ላቲን ዝመበቈላ ኮይና ትርጉማ ድማ ብጻይ ማለት‘ዩ። እቶም ፋልሞት ማሕበርነታውያን (ኣብ መበል 18 ዘመን) ንመሰላት ሰራሕተኛታት ኬውሕሱ ይደልዩ ኔሮም። ፋብሪካታትን ውድባትን ብብሕቲ ኪውነና ኣይደልዩን ኔሮም። ኣብ ክንድኡ ሰባት ብሓባር ኪውንኑ ይደልዩ ኔሮም። እቲ ቀንዲ ምህሮኦም ኣብ መንጎ ሰባት ምዕሩይነት ንምስፋን እዩ።

ካልእ ፖለቲካዊ ርእዮተዓለም

ኣብ 19 ክፍለዘመን ካልእ ርእዮተዓለም ድማ በቚሉ። እቲ ሓሳባት ድማ ንመላእ ዓለም ብእተፈላለየ መገዲ ጸልዩዋ።

መሰል ደቅንስትዮ ካብ ቀደም ነይሩ እዩ ግን ኣብ 19 ክፍለዘመን እናሓየለ መጺኡ። ንመሰል ደቅንስትዮ ዚጣበቑ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ዝያዳ ስልጣን ምህላው ቅኑዕ ኣይኮነን ይብሉ ነበሩ። ንናይ ደቀንስትዮ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን መሰላት ኣብ ምድልዳል ኣተኲሮም ነይሮም።

ንስነ-ኣከባቢ ዚምልከት ሓሳባት ንሰብ ከም ክፋል ፍጥረት እዩ ዚወስዶ። ፖለቲካዊ ኣከባቢነት ድማ ንግሩምን ቀጻልነት ዘለዎ ናይ ተፈጥሮ ምዕባለ ይነጥፍ።

ሃገራውነት ዚብል ኣምር ድማ ነቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዘሎ ሓባራውነት ይገልጾ። ሃገራውያን ነቲ ናይ ሃገሮም ባህልን ታሪኽን ኪዕቅቡ ይደልዩ። ሃገራውያን ንምትሕውዋስ ባህልታት ይነቕፉ።

ፋሺስትነትን ናዚነት ዝተሰምዩ ስነ-ሓሳብ፡ ካብ መጀርምያ ናይ 19 ክፍለ-ዘመን ኣቲሒዞም እዮም ተቐልቂሎም። ቀንዲ ምጉት ፋሺስታውን ናዝያውን ስነ-ሓሳብ፡ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ብዝተሓርዩ ፖለቲከኛታት ዘይኮነ ብሓያላት ኢሊት (በሃር ኢና በሃልቲ) ክምራሕ ኣለዎ ዝብል እዩ። ክልቲኦም ስነ-ሓሳባት ማእከሎም ሃገራውነት ኮይኑ፡ ባህሎም ካብ ናይ ካልኦት ዝበለጸ ባህሊ`ዩ ዝብል ልዕልናዊ-እምነት ይውንኑ። ናዝያዊ ስነ-ሓሳብ ጀርመን ብሂትለር እትምርሓሉ ኣብ ዝነብረ ግዜ፡ ማለት 1930ታት፡ ድልዱል-ሰረት ዝነበሮ ስነ-ሓሳብ እዩ።  ናዝያውያን፡ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣሳዊሮምን ብሚልዮናት ዝቊጸሩ ኣይሁዳውያን፡ ሮማናውያን፡ ስንኩላን ካልኦት ንናዝያዊ ስነ-ሓሳብ ዝተቓወሙን ሰባት ውን ቀቲሎም።

ፖሊቲካውያን ሰልፍታት

ፖለቲካዊ-ሰልፊታት ወሳኒ ዝኾነ ደሞክራስያዊ ተራ ኣለወን። ንኣባላተን ከኣ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ከድምጹን ነገራት ክጸልዉሉ ዝኽእሉ ናይ ተሳትፎ ዕድላትን ይኸፍታሎም ግቡእ ዜግነታዊ ሓልፍነቶም ክስከሙን ይገብሮኦም። ፖለቲካውያን ስለፊታት ካብ ትኳቦ ነጻ ኾይነን ነዊሕ ዝጠመተ መደብ ሒዘን ክሰርሓ ዘኽእለን ገንዘባዊ-ሓገዝ ይግበረለን እዩ። 

እዘን ሎሚ፡ ኣብቲ ካብ 2014 ክሳብ 2018 ዝምጠጥ ናይ ስልጣን-ማንዴት ኣብ ፓርላማ ተወኪለን ዘለዋ ሰልፊታት፡ ማእከላይ-ሰልፊ (Centerpartiet): ሊበራላውያን (Liberalerna): ክርስትያናዊ-ደሞክራሲ (Kristdemokraterna): ሰልፊ-ማእከሎት (Moderaterna): ከባቢኣዊ ሰልፊ (Miljöpartiet)፡  ሰልፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ፡ (Socialdemokraterna): ሽወደናውያን ደሞክራስያውያን (Sverigedemokraterna): ጸጋማዊ-ሰልፊ (Vänsterpartiet) እየን። ድሕሪ ናይ መስከረም 2014 ምርጫ፡ ማሕበራዊ ደሞክራስያዊ ሰልፍን ከባቢኣዊ ሰልፍን እዮም መንግስቲ ኣቊሞም። መራሕ-ሃገር ከኣ፡ እቲ ኣባል ሰንፊ ማሕበራዊ ደሞክራሲ ዝኾነ እስቴፋን ሎፍቬን (S) እዩ።

ገለ ካብ‘ዘን ሰልፍታት ምሕዝነት ‘ኣልያንሰን‘ (Alliansen) ዚበሃል ፖሊቲካዊ ልፍንቲ ኣቝመን ኣለዋ። ኣባላት ናይዚ ምሕዝነት ዝኾና ሰልፊታት ከኣ፡ ሞደራተርና፡ ሰንተር-ፓርቲ፡ ሊበራለርናን ክሪስቲ-ደሞክራተርናን እየን። እዘን ኣርባዕተ ሰፍታት እዚኣተን እየን ካብ 2006 ክሳብ 2016 ዝነበረ ናይ ስልጣን-ማንዴት መንግስቲ ኣቊመን ዝነበራ።

< ናብቲ ዝሓለፈ ገጽ

ናብቲ ዚቕጽል ገጽ >

ናብቲ መውጽእ ኣርእስቲ ተመለስ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ