ሽወደን ኣብ 19 ክፍለዘመን

ደሞክራሲ ይተኣታቶ

ኣብ መፈለምታ 19 ክፍለዘመን ሰባት ካብ ገጠር ናብ ከተማ ምውሓዝ ቀጺሎም። ሓረስቶስ ጎዲሎም ሸቓሎ ድማ በዚሖም። ብዙሓት ሰባት ' መሰል ምድማጽ ክወሓሰሎም ደለዩ። ብ 1907 ኩሉ ልዕሊ 24 ዕድመ ዘለዎ ሰብ ናይ ምድማጽ መሰል ረኸበ። ኣብ 1919 ከኣ`ዩ ንመጀመርያ ግዜ ፓርላማ መሰል ምድማጽ ንደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ብማዕረ ኣፍቐደ። ኣብ መወዳእታ 18 ክፍለ-ዘመን ሰራሕተኛታት ንዒኦም ዝጥርንፍ ማሕበር-ሸቃሎ ወይ ኒቓባዊ-ማሕበራት ፈጢሮም። ዕላማ ናይዘን ማሕበራት ኩነታት ስራሕተኛታት ንምምሕያሽን ደሞዝ ሰራሕተኛታት ክብ ንምባልን ዝዓለመ እዩ ኔሩ። ኣብ ገለ ገለ እዋናት ይዕወቱ ነይሮም እዮም። ግዳያት ዘይርትዓዊ ኩነታት ስራሕ ክኾኑ እንከለዉ ተቓውሞኦም ንምግላጽ ስራሕ ደው የብልዎ ነበሩ። እዚ ኸኣ እብያ (strejka) ይበሃል። ኣብ ዓመተ 1909 ሰፊሕ ናይ ሰራሕተኛታት እብያ ተኻይዱ። ኣብዚ እብያ 300000 ሰራሕተኛታት ተሳቲፎም። እዚ ተረኽቦ`ዚ እምነ-ኩርናዕ ንምምዕባል መሰል-ስራሕን ደሞክራስን ኮነ።

ቀዳማይ ውግእ ዓለምን ኣብ መንጎ እተን ዓበይቲ ኲናታት ዝነበረ ግዜን

ቀዳማይ ኲናት-ዓለም ክጅምር እንከሎ፡ ማለት ኣብ መፈለምታ ዓመተ 1914፡ ሃገራት ስካንዲናቭያ ኣብቲ ውግእ ከይሳተፋን ካብ ሻራነት ነጻ ክኾናን ስምምዕ ከቲመን። ቀዳማይ ኲናት-ዓለም፡ ካብ 1914 ክሳብ 1918 ተኻየደ።

ኣብ 1922 ኣብ ሽወደን ብደረጃ ዓለመ ቀዳማይ ዝኾነ ስነ-ሂወታዊ ዓሌታዊ ኢንስቲትዩት ወይ ትካል ተመስረተ። ተልእኾ ናይዚ ትካል ከኣ ኣብ መንጎ ደቂ-ሰባት ዘሎ ፍልልይ ምጽናዕ ነበር። ብመሰረት ናይቲ ንምምስራቱ ዝደረኸ ዕላማ ኸኣ፡ ሃገራዊ ትካል ዓሌታዊ ስነ-ህይወት (Statens institut för rasbiologi) ዝብል ስም ተዋህቦ። ህላዌ ናይዚ ትክላ ከኣ ኣብ ምጽዳቕ ናይቲ ንምምካን ዝምልከት ኣብ 1934 ዝጸደቐ ሕጊ ወሳኒ ተራ ኔሩዎ። ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ሰባት ከም ትሑታን ወይ ዋጋ-ዘይብሎም ተራእዮም ብዘይድልየቶም ከም ዝመኽኑ ተጌሮም። ናዝያዊ ስነ-ሓሳብ ኣብ ሃገረ ጀርመን ክቀላቐል ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ዓሌታዊ ስነ-ህወታዊ ሓሳብ ነቐፌታ ክዘንቦ ጀመረ። ደቂ-ሰብት ከከም መበቆሎም ፈላሊኻ ምርኣይ ካብ መፋርቕ ቀዳማይ ኲናት-ዓለም ጀሚሩ ድሕሪ ምስፍሕፍሑ፡ ኣብ ማላእ ኣውሮጳ ዘይተኣደነ ፖለቲካዊን ሰብኣውን ስምብራታት ገዲፉ። ነዚ ብምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ-ሓበሬታ www.levandehistoria.se ኣለኩም።

ኣብ ዓመተ 1931፡ ንፋስ ቁጠባዊ ዝሕተላ ናብ ሽወደን መጽአ። እዚ ቁጠባዊ ዝሕተላ ኣብ ዓመተ 1929 ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ብዘጋጠመ ዕዳጋ ልውውጥ ኣክሲዮን ዘጋጠመ ቅልውላው ዝተደረኸ ነበረ። እቲ ቅልውላው ሽቕለት-ኣልቦነት፡ እብያ ሰለማዊ ሰልፊታትን ኣኸተለ። ኣብዚ ግዜ`ዚ ኸኣ`ዩ ሽወደን ዝሓሸ ስርዓት ውሕስነት ሽቕለት-ኣልቦነትን መሰል ናይ ስራሕ-ዕረፍትን ኣተኣታተወት። ጡረተኛት ውን ጽቡቕ ደሞዝ-ጡረታ ከምዝረኽቡ ተገብረ።    

ኣብ 1930ታት ናይ ደቅኣንስትዮን ህጽናትን ህይወት ተመሓዪሹ። ህጻን ዘለወን ኣደታት ናይ ሕክምና ክንክንን ተወሳኺ ገንዘብን ተዋሂቡወን። ከምዚ መኾኒኡ ኸኣ እቲ መንግስቲ ብዙሓት ህጻናት ኪውለዱ ስለ ዝደለየ እዩ። ኣንስቲ ኣብ ሆስፒታል ክሓርሳ ኸለዋ ኣይከፍላን እየን ነይረን። እቲ መንግስቲ ናይ ህጻናት ሆስፒታላት ሰሪሑ ንስድራቤትን ህጻናትን ዚኸውን ግሩም ኣባይቲ ድማ ሃኒጹ። ነፍሰጾር ኣንስቲ ካብ ስራሕ ምስጓግ ክልኩል ከም ዚኸውን ተገይሩ።

ስምምዕ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዕዳጋ-ስራሕ

ኣብ ዕዳጋ-ስራሕ ውን ዓቢ ለውጢ ተገብረ። ካብ መፈለምታ 19 ክፍለ-ዘመን ክሳብ 1930ታት ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ንደሞዝ፡ ሰዓታት-ስራሕን ንኩነተ-ስራሕን ዝምልከት ምስሕሓባት ኣብ መንጎ ወሃብቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን ነይሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ ኣብ 1938 ማሕበር ሰራሕተኛታት (LO) ከምኡውን SAF (ማሕበር ወሃብቲ-ስራሕ) ኣብ መጻኢ ብኸመይ ኣገባብ ክደጋገፉን ኣብ ሓባራዊ መረዳእታ ክበጽሑን ከም ዘለዎም ኣብ ሓባራዊ መረዳእታ ክበጽሑ ከኣሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ፡ ውዕል ሳትልኽዕባደት (Saltsjöbadsavtalet) ከተሙ። እዚ ዝተበጽሐ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ስምምዕ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ዕብየት ቁጠባ ሽወደን ኣውንታዊ ተራ ተጻወተ።

ካልኣይ ውግእ ዓለም

ካልኣይ ውግእ ዓለም ብ 1939 ተጀሚሩ። ኣብቲ ግዜ ውግእ ሂትለርን ናዚስትን ልዕሊ 5 ሚልዮን ኣይሁድን 100,000 ሮመራውያንን ኮምዩኒስትን ግብረሰዶማውያንን ስንኩላንን ኣህሊቖም። እቲ ውግእ ምስ ተጀመረ ሽወደን ማእከላይ መርገጽ ከም ዝነበራ ኣፍሊጣ። ሽወደን ነቶም ካብ ደንማርክን ኖርወይን ሃገራት ባልቲክን ዝመጹ ስደተኛታት ተቐቢላ። 7,500 ናብ ጀርመን ንሞት ኪለኣኹ ዝነበሮም ደቂ ደንማርክ ዝኾኑ ኣይሁዳውያን ተቐቢላ።

ኣብ እዋን ኲናት ይኹን ብድሕሪኡ ሽወደን ዘርኣየቶ መርገጺ ካብ ሻራነት ነጻ ዝኾነ ኣይነበረን ዝብል ነቔፌታ ዘኒብዋ እዩ። ንኣብነት ናዝያውያን ብመሬት ሽወደን ኣቢሎም ወተሃደራትን ኣጽዋርን ከሰጋግሩ ብምፍቓዳ።

ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብዙሓት ሃገር ብሓደ ኾይነን ገና ካልእ ኲናት ከይለዓል ብማለት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መስሪተን።

ኤውሮጳ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም

ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኤውሮጳ ኣብ ክልተ ተኸፊላ፡ ምብራቕን ምዕራብን ኤውሮጳ። ምብራቕ ኤውሮጳ ኣብ ትሕቲ ኮምዩኒዝም ኣትያ፡ ብሶቭየት ሕብረት ድማ ትምራሕ ነይራ።

ምዕራብ ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካን፡ ዴስነት ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ከየስፋሕፍሕ ዝከለኸል ብሰሜን ኪዳን ኣትላቲክ ወይ ኔቶ ዝፍለጥ ኣካል ኣቆማ። እቲ ኣብ መንጎ ምብራቓውን ምዕራባውን ቀጽሪታት ዝተኻየደ ግጭትን ምትፍናናትን፡ ዝሑል-ኲናት ተባሂሉ ይፍለጥ። 

ኣብ 1961፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ዴሳዊ ግዝኣት ምብራቕ ጀርመን ዝነበሩ ሰባት ከይሃድሙ ምእንቲ ንምድራት ተባሂሉ ብቀጽሪ-በርሊን (Berlinmuren) ዝፍለጥ መንደቕ ኣብ ሃገረ ጀርመን ተሃንጸ። ኣብቲ እዋን ምብራቕ ጀርመን ኣብ ትሕቲ ዴሳዊ ስርዓት ብምንባራ ነበርታ ካብቲ ቦታ ወጺኦም ናብ ካልእ ክኸዱ ኣይፍቀደሎምን እዩ ኔሩ። ቀጽሪ-በርሊን ዘይሃስስ ምስክር ናይቲ ዝሑል ኲናት ኣብ ኣውሮጳ ዘስዓቦ ምግምማዕ እዩ። ቀጽሪ-በርሊን ክሳብታ ዝፈረሰላ ግዜ ማለት ዓመተ 1989 ክምህ ከይበለ ኔሩ እዩ። እዚ ተረኽቦ፡ ምፍራስ ቀጽሪ በርሊን ተባሂሉ ይፍለጥ። 

መንደቕ በርሊን
ስእሊ: Colourbox 

ሽወደን ካብ 1960 ን ክሳዕ 2000

ኣብ 1960ታት ናይ ሽወደን ቁጠባ ጽቡቕ ከይዱ። ናይ ህጻናት ክንክን፡ ሆስፒታላት ናይ ኣረጋውያን ክንክንን ትካላት ተሰሪሑ። ሰራሕተኛታት ናይ ኣርባዕተ ሰሙን ዓመታዊ ዕረፍቲ ረኺቦም። ሽወደን ንህዝባ እትሕብሕብ ምዕብልቲ ሃገር ኮይና። መግብን ናይ መንበሪ ቤትን ስራሕን ናይ ምርካብ ውሕስነት ተረጋጊጹ። እዚ ውሕስነትዚ ሽወደናዊ ሰናይ መነባብሮ ይብሃል። ብ 1974 ኩሉ ስልጣን ንህዝቢ ይወሃቦ ዚብል መሰረታዊ ሕጊ ተመስሪቱ። ስለዚ እቲ ንጉስ ሽሕኳ ናይቲ ሃገር ዝለዓለ በዓል ስልጣን እንተ ነበረ ኩሉ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ግን በቲ መንግስትን በቲ ባይቶን ከም ዚካየድ ተገይሩ።

እዚ ሕጊ`ዚ ኣብ ግብሪ ድሕሪ ምውዓሉ ናብ ስልጣን ዝደየበ ቀዳማይ ንጉስ ሽውደን ካርል (ሻብዓይ) ጉስታቭ ነበረ። ኣብ 1980 ድሕሪ ዝተገብረ ምቅይያር ናይቲ ሕጊ፡ ጓል ኣንስተይቲ ዝፋን ክትወርስ ተፈቕደላ። እዚ ማለት ከኣ፡ ልእልቲ ቪክቶርያ ንኣብነት፡ ንምንኣስ ሓዋ ልኡል ካርል-ፊልፕ ቀዲማ ወራሲት ዝፋን ኮነት።

ኣብ ዓመተ 1979 ዋጋ ነዳዲ ነሃረ። ኣባላት ውድብ ነዳዲ ዚልእካ ሃገራት (Opec) ብዝወሰንኦ መሰረት እዩ ዋጋ ነዳዲ ክኸብር ዝኸኣለ። ክብሪ ዋጋ ነዳዲ ዘስዓቦ ከኣ፡ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ምዕራብ ቁጠባዊ ቅልውላው ተኸስተ።

ብ 1986 ናይ ሽወደን ቀዳማይ ሚኒስተር ተቐቲሉ። ቀታሊኡ ክሳዕ ሎሚ ኣይተፈልጠን።

መፈለምታ 1990ታት ንኤውሮጳ ሕማቕ ግዜ እዩ ነይሩ። ሽወደን ኣብ ናይ ባንክን ገንዘብን ቅልውላው ኣትያ። ብዙሓት ካብ ስራሕ ወጺኦም። ብዙሓት ኩባንያታት ሓቒቐን። ቁጠባ ሃገር ተባላሽዩ።

ብ 1994 ህዝቢ ሽወደን ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኪጽምበር ኣድሚጹ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ኣና ሊንድ ብ2003 ተቐቲላ። ቀታሊኣ ንሕልፈት ተፈድሪዱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከብ።

ኣብ 2000 ዓ.ም ግሎባላዊ ቁጠባዊ ቅልውላው ተኸሲቱ።

ኣብ ከባቢ 2000 ዓ.ም ናብ ጽላት ኣይቲ (IT) ዝቐንዐ ዕንወት ኣጋጠመ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ኣብ መዳይ ኢንተርነታዊ ሓበሬታ ወይ ኣይቲ ዘርሓ ካምፓኒታት ጠፊሸን። ጠንቂ ናይዚ ከኣ ዘይንቡር ኣመት ኮይኑ ንዕዳጋ-ኣክስዮን ባይታ ክዘብጥ ገበረ።

ኣብ ከባቢ 2008 ኣብ ኣመሪካ ምስ መሸጣ ገዛውቲ እተተሓሓዘ ቁጠባዊ ቅልውላው ተራእዩ። እዚ ኸኣ ንገለ ሃገራት ተንኪፉ ከም ዝኸስራ ገይሩወን (ከም ኢስላንድን፡ ግሪኻን ስፓኛን)። እቲ ጽልዋኡ ክሳዕ ሎሚ ይሰርሕ ኣሎ (2017)።

2010 ኣብ ኤውሮጳ ክሳዕ ሎሚ (2017) ዚኸይድ ዘሎ ናይ ዕዳ ቅልውላው ተኸሲተ። ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢታት ካብ ኣታዊታት በዚሑ። እዚ ቅልውላውዚ ናብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮጳ ኣስፋሕፍሐ።

 

< ናብቲ ዝሓለፈ ገጽ

ናብቲ ዚቕጽል ገጽ >

ናብቲ መውጽእ ኣርእስቲ ተመለስ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ