ታሪኽ ሃገር ሽወደን – ካብ ዘመነ በረድ ክሳዕ ሎሚቀደም ዘመን

ጥንቲ

ቀደም ዘመን ኪብሃል ከሎ ነዊሕ ዝገበረ እዩ። ዘመን በረድ እውን ይብሃል እዩ። ቅድሚ 15 000 ዓመት ኩላ ሽወደን ብበረድ ተሸፊና ነይራ። እቲ ዘመንቲ ዘመነ በረድ እዩ ዚብሃል። 3000 ዓመታት ጸኒሑ እቲ በረድ ካብ ደቡብ ሽወደን ጠፊኡ፡ ኣታኽልትን እንስሳታትን ሰባትን ድማ መጺኦም። ሰባት ብሃድንን ምግፋፍ ዓሳን ዚብላዕ ፍረታትን ብምእራይ ኪናበሩ ጀሚሮም።

ኣስታት 6000 ዓመታት ይገብር ኣብ ሽወደን ዝነበሩ ሰባት ኣታኽልቲ ከብቁሉን እንስሳታት ከፋርዩን ጀሚሮም። ካብ ዕንጸይትን እምንን እተሰርሐ መሳርያታት ኪጥቀሙ ጀሚሮም። እቲ ግዜቲ ዘመነ እምኒ ይብሃል።

ኣስታት 1500 ዓመታት ቅድሚ እዚ እነዘውትሮ ዘመን ሰባት ሜታላትን ነሓስን ኪጥቀሙ ጀሚሮም። እቲ ግዜ ዘመነ ነሓሲ እዩ ዚብሃል። ሽዑ ኣብ ውሽጢ ኤውሮጳ ንግዲ ከካይዱ ጀሚሮም።

500 ዓመት ቅድሚ እዚ እነዘውትሮ ዘመን ሰባት ሓጺን ከዘውትሩ ጀሚሮም። እዚ ድማ ዘመነ ሓጺን ይብሃል።

ንጸጋም - ሩንስተን ዚብሃል ኣብ ልዕሊኡ ሩን ዘለዎ እምኒ እዩ። እቲ ጽሕፈት ልዕሊ 1000 ዓመት ኣለዎ።
ንየማን - ኣብቲ ስእሊ ዘላ መርከብ ፡ኣብ ምስሊ መራኽብ ቫይኪንግ  ተሞርኲሳ ዝተሰርሐት እያ
ስእሊ: Colourbox

ዘመነ ቪኪንግ

ካብ 800 ክሳዕ ፍርቂ 1000 ዓ.ም ናይ ቪኪንግ ዘመን እዩ ዚብሃል። ንሳቶም ኣብ ምስራሕ መራኽብን ናይ ባሕሪ ጉዕዞን ንፉዓት ኢዮም ነይሮም። ምስ ብዙሓት ሃገራት ተዋጊኦምን ነጊዶምን። ኣብ ብዙሓት ሰሜናውያን ሃገራት ኤውሮጳ ድማ ስልጣን ሒዞም ነይሮም።

ማእከላይ ዘመን

ኣብ ታሪኽ ሽወደን እቲ ማእከላይ ዘመን ዚብሃል ካብ ኣስታት100 ክሳዕ 1520 ዓ.ም ዝነበረ ግዜ እዩ።

ቅድሚ ክርስትና ናብ ሽወደን ምምጻኡ ህዝቢ ሽወደን ኣብ ጣኦታት እዩ ዘምልኽ ነይሩ። ካብዚኣቶም ግለ ንምጥቃስ፡ ኦደን ፍረያ ይርከቡዎም። እዚ ድማ ኣሳትሮ ወይ ኣሳ እምነት ይብሃል።

ክርስትና ናብ ሃገር ሽወደን ምስ መጸ እቲ ሕብረተሰብ ተለዊጡ። ብ 1000 ዓ.ም ሽወደን ኦሎፍ ሾትኮኑንግ ዚብሃል ናይ መጀመርያ ክርስትያን ንጉስ ገዚኡዋ። ኣብ 1200 ብዙሕ ነገር ተፈጺሙ። ሕርሻን ንግድን ኣዚዩ ተወዳዲቡ። ሓደስቲ ከተማታት ተሃኒጸን። ሽወደን ኣብ ክልላት ተመቓቒላ። ነፍስወከፍ ክልል ናቱ ሕጊ ነይሩዎ። ቅድም ኣፋዊ ሕጊ እዩ ነይሩ ደሓር ግን ብ1200 እቲ ሕጊ ብጽሑፍ ሰፊሩ።


ታሪኻዊ ገዛ
ስእሊ: Colourbox

ኣብ ማእከላይ ዘመን እቲ ሕጊ ዘውጽእ ናይ ሽወደን ባይቶ ተመስሪቱ። ንሱ ኣብ ኣርባዕተ ጽፍሕታት ተመቒሉ ነይሩ፣ ዓበይቲ ዓዲ፡ ካህናት፡ ነጋዶን ሓረስቶትን። ዓበይቲ ዓዲ ብውርሻ ዝረኸቡዎ ስልጣንን መሰላትን ነይሩዎም።

ካህናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ልዑል ስልጣን ነይሩዎምን 20% ናይ ብሉጽ ልሙዕ መሬት ሽወደን ድማ ይውንኑን ነይሮም። እቶም ነጋዶ ኣብ ከተማታት ይነግዱን ይስንዑን ነይሮም። ዓበይቲ ሓረስቶት ንመነባብሮ  ገጠራት ይኣልዩ ኔሮም። ሓረስቶት ከኣ፡ ኣብቲ ዝሰርሕሉ ቦታ ኣዝርእቲ እንዛአርኡን ጠለ-በጊዕ ብምርባሕን ይነብሩ ኔሮም።

ኖርዲስካዊ ሕብረት

ኣብ ምውዳእ ማእከላይ ዘመን ደንማርክን ኖርወይን ሽወደንን ንስልጣን ተዋጊአን። ብ 1397 ካልማር ሕብረት ብዚብል ውዕል ሓቢረን። ኩላተን ድማ ከም ሓንቲ ሃገር ኮይነን።

ሰፊሕ ስልጣን

ብ 1500 ኣብ ዓለምና ዓቢ ነገር ተራእዩ። ክሪስቶፈር ኮሎምቦ ንኣመሪካ ዳህሲሱ፡ ጉተንበርግ ድማ ናይ ሕትመት ማሺን ምሂዙ። ናይ ሮማ ጳጳስ ከኣ ከፊል ናይቲ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝነበሮ ቤትክስርትያናዊ ስልጣን ኣጥፊኡዎ።

ሽወደንውያን በቲ ኣመራርሓ ንጉስ ደንማርክ ደስ ኣይበሎምን። ንሱ ኣብቲ ናይ ስቶክሆልም ህልቀት ተባሂሉ ዚጽዋዕ ተግባር ን 100 ዓበይቲ ዓዲ ሽወደን ኣራእስቶም ቆሪጹዎ። ብድሕርዚ ሽወደናውያን ኣዲሞም። ጉስታቭ ቫሳ ወትሃደራት ኣኽቲቱ ካብቲ ንጉስ ደንማርክ ስልጣን መንዚዑ። ንጉስ ቫሳ ሰነ 6/1523 እዩ ኣኽሊል ደፊኡ። ሽዑ ኣብ ሽወደን ሰላም ኮይኑ፡ እታ ሃገር ድማ ሓቢራ። ስለዚ ሰነ 6 ሃገራዊ በዓል ሽወደን እዩ።

ጉስታቭ ቫሳ ምስ ነገሰ እቲ ቤተክህነት ተለዊጡ። ጀርመናዊ ማርቲን ሉተር ነቲ ናይ ሽወደን ቤተክህነት ጸልዩዎ እዩ። ማርቲን ሉተር ብዛዕባ ኣመራርሓ ቤትክርስትያን ብዙሕ ሓሳባት ነይሩዎ። እታ ካቶሊክ ዝነበረት ቤትክርስትያን፡ ፕሮተስታንት ኮይና። ብዙሕ መሬት መሊሳቶ፡ ነቲ መንግስቲ ግብሪ ክትከፍል ድማ ነይሩዋ። ብኣኡ መጠን ድማ እቲ ባይቶ ዝያዳ ስልጣን ረኺቡ።

ካብ መፋርቕ 15 ክፍለ-ዘመን ክሳዕ መጀመርታ ናይ 17 ክፍለ-ዘመን ሽወደን፡ ኣብቲ ኣብ ምብራቓዊ ባሕሪ ወይ ኦስተርሾን ኣብ ዝተኻየደ ብርክት ዝበለ ውግኣት ተጸሚዳ ኔራ። ብዜካዚ፡ ሽወድን፡ ኣብቲ ን 30 ዓመታት ዝተጎተ ካብ 1618 ክሳብ 1648 ዝነብረ ሃይማኖታዊ ውግኣት ውን ተጸሚዳ ኔራ እያ። ሽወደን ኣንጻር ዴንማርክ፡ ራሻ፡ ፖላንድን ጀርመንን ውን ውግኣት ድሕሪ ምክያድ ዝዓበየ ክፋል ምብራቓዊ ባሕሪ ክትቆጻጸር ክኢላ። ኣብ መፋርቕ 16 ክፍለ-ዘመን፡ ሽወደን ዓቢ ክፋላት ሰሜን ጀርመንን ፖላንድን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ የእትያቶ ነበረት። ድሕሪ`ዚ ኸኣ ሽወደን ግዙፍ ሓይሊ እትውንን ወይ ርእሰ-ሓያል ሃገር ኮነት።

ሽወደን ኣብ ልዕሊ ሕጂ ዘለዋ ስፍሓት ንፊንላንድን ኤስትላንድን ለትላንድን ክፋል ሩስያን ጀርመንን ወኒና ነይራ። ብድሕርዚ ንጉስ ሽወደን ካርል ሻብዓይ ኣብ ብዙሕ ኲናት ስለ እተሳዕረድ ነዚ ኹሉ መሬት ኣጥፊኡዎ። ብ 1721 ኣብ ሽወደን ከም ብሓድሽ ሰላም መጺኡ፡ እቲ ሽወደን ኣብ ኦስተርሾን ዝነበራ ዕብላለ ድማ ጠፊኡ።

ኣብ ለኮ ቤተመንግስቲ ዚርከብ ዓቢ ክሽነ፡ ካብ 16 ክፍለዘመን
ስእሊ: Lennart Haglund

ናጽነት፡ ናይ ፍልጠት ብርሃንን ሰውራን

ድሕሪ ውድቀት ዓለማዊ ስልጣናት፡ እቲ ንጉስ ከኣ ምስ ሞተ፡ ኣብ ሽወደን ሓዲሽ መንግስታዊ ምምሕዳር ተኣታቲዩ። እቲ ስልጣን ኣብቲ ሕብረተሰብ ወሪዱ ናይ ሰብ ናጽነት ድማ እናወሰኸ ከይዱ። እዚ ድማ ናይ ዘመነ ናጽነት ተባሂሉ ይፍለጥ። እቲ ዝለዓለ ስልጣን ነቲ ብዓበይቲ ዓድን ካህናትን ነጋዶን ሓረስቶትን ዝቖመ ባይቶ ተዋሂቡዎ ነይሩ። ነፍስወከፍ ጉጅለ ብዛዕባ ጉዳይ ሕግታትን ቀረጽን ድምጹ ከስምዕ መሰል ነይሩዎ። እቲ ባይቶ ብደሞክራስያዊ መገዲ እተመርጸ ኣይነበረን፡ ግን ኣብቲ ግዜኡ ፍሉይ ህዝባዊ ውክልና ነይሩዎ።

ኣብቲ ግዜቲ ሽወደን ብመገዲ ምርምርን ሳየንስን ገይራ ነቲ ቁጠባኣ ኣመሓይሻቶ ነይራ። በዚ መገድዚ ነብሳ ክኢላ ካብ ደገ ንኸይትዕድግ ክእለት ኣጥሪያ ነይራ። ብ 1740 እቲ ሳየንሳዊ ኣካደሚ ተኸፊቱ። Sverige

ኣብ 17 ክፍለዘመን ናይ ፍልጠት ብርሃን ዚብሃል ዘመን ተኸሲቱ ነይሩ። ኣብቲ ግዜቲ መብዛሕትአን ሃገራት ኤውሮጳ ግሩም ቁጠባ ነይሩወን። ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ኤውሮጳ ዓበይቲ ለውጥታት ይረአ ነይሩ። ሰባት ከንብቱ ጀሚሮም ነቲ ናይ ቤተክህነትን ናይ ዓበይቲ ዓድን ስልጣን ድማ ኪምክቱዎ ጀሚሮም። ቁጠባውን ማሕበራውን ምምሕያሽ ምስ ብሩህ ሓሳባትን ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ለውጢ ኣለዓዒሉ። ኣብቲ ግዜቲ ብ 1789 እቲ ውሩይ ናይ ፈረንሳ ሰውራ ተኸሲቱ።

ብ 1771 ናይ ሽወደን ንጉስ ጉስታቭ ሳልሳይ ኣኽሊል ደፊኡ። ብዙሓት ፖለቲካውያን ሰልፍታት ነንሓድሕደን ኪበኣስ ምስ ጀመራ እቲ ንጉስ ናይ መንግስቲ ግልበጣ ኣካዪዱ። ስልጣን ብምግባት በይናዊ ሓይሊ ደልዩ። ሽዑ እቲ ናይ ናጽነት ዘመን ተወዲኡ። እዚ ግን ምዕዝምዛም ኣኸቲሉ፡ እቲ ንጉስ ድማ ብ1972 ኣብ ሓደ ፈስታ ተቐቲሉ።

ሽወደን ኣብ 18 ክፍለዘመን

ጉስታቭ ኣዶልፍ ራብዓይ ካብ 1796-1809 ንጉስ ሽወደን ነይሩ። ኣብ ዘመኑ ሽወደን ምስ ሩስያ ተዋጊኣ። ኣብቲ ውግእ ምስ ተሳዕረ ሽወደን ንፊንላንድ ናብ ሩስያ ኣረኪባታ። ካብ 1815 ንደሓር ሰላም ሰፊኑ። ይኹንምበር ናይ ንጉስ ጉስታቭ ኣዶልፍ ኣመራርሓን ኣብ ኲናት ምስዓሩን ብ 1809 ካብ ዝፋኑ ከም ዚወርድን ንግስነት ንሓውኣቦኡ ካርል ሳልሳይ ከም ዝገድፈሉን ገይሩዎ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ባይቶ ኣርባዕተ መሰረታውያን ሕግታት ኣጽዲቑ። ሓደ ካብቲ ሕግታት ድማ ነቲ ናይ ንግስነት ስልጣን ዘጉድል እዩ ነይሩ። እተን ኣብ 1809 ዝጸደቓ ኣርባዕተ መሰረታውያን ሕግታት እዘን ዚስዕባ እየን፣

  • መንግስቲ ሽወደን ብኸመይ መገዲ ኪቐውም ከም ዘለዎ
  • ናይ ንግስነት ውርሻ ከመይ ከም ዝተሓላለፍ
  • ናይ ሕትመት ናጽነትን ከመይ ከም ዚዕቀብን
  • እቲ ባይቶ ኣርባዕተ ጉጅለታት ከም ዚህሉዎ፡ ማለት ዓበይቲ ዓድን ካህናትን ነጋዶን ሓረስቶትን

ካርል ሻምናይ ዝወርሱዎ ውላድ ኣይነበሮን። ስለዚ ነቲ ፈረንሳዊ ዣ ባቲስት በርናዶት ከም ናይ ሽወደን ንጉስ ኪኸውን ሓጽዩዎ። ዣ ባቲስት ናይ ሽወደንን ኖርወይን ሕብረት መስሪቱ። እዚ ድማ ንዳርጋ 100 ጸኒሑ። ብ1865 እተን ናይ ባይቶ ኣርባዕተ ጉጅለታት ጠፊአን። ኣብ ክንድኡ ካማረ ብእተባህላ ክልተ ክፍልታት ተተኪኡ።

ኣብ 18 ክፍለዘመን ህዝቢ ሽወደን ወሲኹ። ኣብ መጀመርታ18 ክፍለዘመን ሽወደን 2.4 ሚልዮን ህዝቢ ነይሩዋ። ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ናብ 5.1 ሚልዮን ደዩቡ። ብዝሒ ህዝቢ ነቲ ሰብ ናብ ካልእ ቦታ ከይዱ ከም ዚሰርሕ ገይሩዎ። ብዙሓት ካብ ገጠራት ናብ ከተማታት ኣትዮም። ገለ ድማ ናብ ኣመሪካ ከይዶም። ካብ 1865 ክሳዕ 1914 ኣስታጥ 1 ሚልዮን ሽወደናውያን ናብ ኣመሪካ ተሰዲዶም።

ምስፋሕ ኢንዱስትሪ

ኣብ ስካንዲናቭያ እቲ ምንቅስቓስ ኢንዱስትሪ ድሒሩ እዩ ኣትዩ። ኣብ መፋርቕ 18 ክፍለዘመን መብዛሕትኦም ሽወደናውያን ሓረስቶት እዮም ነይሮም። ብ 1860 ኣብ ሽወደን መገዲ ባቡር ኪስራሕ ጀሚሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ሽወደናውያን ሉሕን ሓጺንን ንወጻኢ ኪሸጡ ጀሚሮም። ዓበይቲ ኢንዱስትሪ ተመስሪተን ሳላ ሓድሽ መሺነሪ ድማ ስራሕ ኪቀላጠፍ ጀሚሩ።

ናይ ፋሉ ዕደና ነሓሲ፡ ዓለማዊ ባህላዊ ውርሻ
ስእሊ: Colourbox

 

< ናብቲ ዝሓለፈ ገጽ

ናብቲ ዚቕጽል ገጽ >

ናብቲ መውጽእ ኣርእስቲ ተመለስ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ