ዓመጽ (våld) ኣብ ቀረባ ዝምድና

​ዓመጽ ኣብ ቀረባ ዝምድና ማለት ንኣብነት ብማህረምቲ ወይ ብምምፍርራህ ሓይልኻ ምጥቃም ማለት እዩ። ኣብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ሰብ ዓመጽ ምክያድ ክልኩል እዩ። ከምዚ ምግባር ነቲ ሰብኣዊ መሰላት ምጥሓስ ማለት እዩ፡ ስለዚ ከም ገበን እዩ ዚቝጸር።

ኣብ ሽወደን ኣንጻር ካልኦት ሰባት ዝቐንዐ ጽልኢ ምርኣይ ወይ ጎነጽ ምጥቃም ክልኩል እዩ። ከምዚ ምግባር ከም ገበናዊ ተግባር ጥራይ ዘይኮነስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ናይ ካልኦት ውን እዩ።

ኣብ ስድራቤት እውን ዓመጽ ምጥቃም ብሕጊ ክልኩል‘ዩ። ኣብ ውሽጢ ቤተ-ሰባዊ ዓንኬል (Våld i nära relationer) ዚግበር ዓመጽ ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ቤተ-ሰብ ወይ ኣባላት ስድራ-ቤት ዝካየድ ዓመጻዊ ተግባር ማለትና እዩ። ናይ ቀረባ ቤተ-ሰብ ክበሃል እንከሎ፡ ንኣብነት ፍሉየ-ጾታ ውይ ውን ሓደ-ጾታዊ መጻምዲታት፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ከምኡ ውን ቤተ-ሰብ ወይ ውን ኣዝማድ ማለት እዩ። ውላድካ ወይ ውን መጻምዲኻ ምህራም ክልኩል እዩ ንምባል እዩ። እዚ ኾይኑ ግን ኣብ ውሽጢ ስድራ-ቤት ዓመጽ ኣይተረፈን። መብዛሕትኡ ግዜ ኣስብኡትር እዮም እቶም ነንስቶም ዝሃርሙ። ኣብ ቤት ዝካየድ ዓመጽ ኣካላዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ቁጠባዊ፡ ነገራዊ ወይ ወሲባዊ ክኸውን ይኽእል። 

ከም ቆልዓ ኴንካ ወላዲኻ ኪህረም ክትርእይ ከሎኻ እቲ ዝኸፍአ ናይ ኣእምሮ ስቓይ እዩ። ኣብ ስድራ-ቤት ዝካየድ ዓመጽ ወትሩ ዳርጋ ኣይንገረሉን እዩ። እንታይ ንምባል እዩ፡ እቲ ዝሃረመ ይኹን ዝተሃርመ ክልቲኦም ከም ዘጋጠመ ውን ይኽሕድዎ። ቆልዑ ግን ይርእዩን ይሰምዑን እዮም። ሓድሓደ ግዜ ውን እቲ ቆልዓ ውን ከይተረፈ ይውቃዕ እዩ። እቲ ሰሃሮ ዘስዕብ ፍርሂ ናይ ዓመጽ ንባዕሉ ንጥዕናና ሰፍ ዘይብል ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ተጽዕኖ የስዕበሉ።

ኣካላዊ-መጥቃዕቲ ዚበሃል ሓደ ሰብ ምስ ዚውቃዕ: ጸጕሩ ምስ ዚምንጨጭ ወይከኣ ምስ ዚድፋእ’ዩ። ስነ-ኣእምሮኣዊ መጥቃዕቲ ዚበሃል ከኣ፡ ንኣብነት ከም ምፍርራሕ ምድሃል ወይ ውን ምንዓቕ ክኸውን ይኽእል። ሓደ ሰብ ብዛዕባ ካልእ ሰብ ኣነዋሪ ዝኾነ ነገራት ምዝራብ ውን ስነ-ኣእሮኣዊ መጥቃዕቲ እዩ። ሓደ ሰብ ዓርከ-መሓዝኡ ካብ ምርካብ ምስ ዝእገድ ውን ብተመሳሳሊ ክትርጎም ይኽእል። ቍጠባዊ ዓመጽ ዚበሃል ምግባት ኮይኑ፡ ንኣብነት እቲ ሓደ ካብ መጻምዲ ነቲ ገንዘባዊ ኣታዊታት ይቆጻጸሮ እቲ ኻልእ ከኣ ብሕጽረት ይሳቐ። ዓመጽ ንዋታዊ ውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ናይ ካልእ ሰብ ንብረት ምስ ዘዕኑ። ወሲባዊ ዓመጽ ክበሃል እንከሎ፡ ብዘይድልየት ወይ ብሓይሊ ዝካየድ ስጋዊ-ርክብ ወይ ውን ካልእ ዓይነት ወሲባዊ ተግባራት የጠቓልል።

ንኽብረት ዚምልከት ዓመጽ

ኣብ ውሽጢ ስድራ-ቤትን ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮን ዝካየድ ዓመጽ ኣብ ኩሉ ሃገራትን ኣብ ኩሉ ባህሊታትን ኣሎ እዩ። ምስ ክብረት ዝተተሓሓዘ ዓመጽ ክበሃል እንከሎ፡ ኣንጻር ሓደ ባህልን ልምድን ናይ ሕብረተ-ሰብ ጥሒሱ ብምባል ዝካየድ ዓመጽ እዩ።

ስእሊ: Ida Edgren

ዚበዝሕ እዋን: ምስ ክብረት ዚዛመድ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ምስ ናይ ኣንስትን ኣዋልድን ጾታወነት እተተሓሓዘ እዩ። ኣዋልድ ኪምርዓዋ ከለዋ ምስ ድንግልንአን ክጸንሓ ኣለወን ዝብል እዩ። ክብረት ዝመሰረቱ ዓመጽ ብተሪር ቁጽጽርን ክትትልልን መልክዕ ውን ክካየድ ይኽእል። ንኣብነት ሓደ ሰብ መናብርቲ ወይ ዝምርዓዎ ሰብ ክመርጽ ዘይፍቀደሉ፡ ምፍርራህን ምህራምን ካብኡ ሓሊፉ ውን ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ማህረምትን ከጠቓልል ይኽእል። ኣብ ሽወደን ኣንጻር ካልኦት ሰባት ዝቐንዐ ራዕዲ ወይ ወን ጎነጽ ምጥቃም ክልኩል እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ገበናዊ ተግባር እዩ።

ዝበዝሕ ግዜ፡ ግዳያት ናይቲ ምስ ክብረት እተተሓሓዘ ዓመጽ ዝኾና ኣዋልድን ነኣሽቱ መርዑትን እኳ እንተኾና፡ ንኣወዳት ውን የረኻኽበሎም እዩ። ግብረ-ሰዶመኛታት (HBTQ-personer) ብፍሉይ ነዚ ሓደጋ ዝተቓልዑ ጕጅለ‘ዮም። ክብረት ዝማእከሉ ዓመጽ፡ ኣብ ሓደ ብጥምረት ብሓባር ዝነብር ወይ ከኣ ሰብኡት ካብ ኣንስቲ ኣብ ዝሕይሉሉ ሕብረተ-ሰብ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ነቲ ምስ ክብረት እተኣሳሰረ ዓመጽ ኣብ ልዕሊቲ ነቲ ናይ ስድራ-ቤት ወይ ናይ ዘመድ ልምድን ስርዓትን ዝጠሓሰ ሰብ ዝገጥሞ ዓመጽ ብደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ይፍጸም እዩ። ብሓደ ኮይኖም ከኣዮም ነቲ ዓመጽ ንምፍጻም ዚውስኑ።

ሽወደን ንሓፈሻዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጽዲቓን ተቐቢላን እያ። ላህመት ናይዞም መሰላት እዚኣቶም፡ ዝኾነ ሰብ ንመጻኡን ናብርኡን ኣመልኪቱ ናይ ምውሳን መሰል ኣለዎ ዝብል እዩ። እዚ ማለት ከኣ: ኵላቶም ሰባት ኣብ ነብሶም: ጾታኦምን መጻምድቲ ኣብ ምምራጽን ባዕላቶም ኪውስኑ ኪኽእሉ ኣለዎም ማለት‘ዩ።

ሕጊ ከም‘ዚ ይብል

እቲ ኣብ ቀረባ ዝምድና ኣብ ልዕሊ ጓልኣንስተይቲ ዓመጽ ዚጥቀም ሰብ: ብጽንኩር ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ‘ (grov kvinnofridskränkning) ተኸሲሱ ኪፍረድ ይኽእል‘ዩ። ንኻልእ ዓይነት ዝምድና ዚምልከት እንተ ኾይኑ: እቲ ዓመጽ ዚጥቀም ሰብ ብጽንኩር ዓመጽ (grov fridskränkning) ተኸሲሱ ይፍረድ። ኣብ ቀረባ ዝምድና ዓመጽ ዝተጠቀመ ሰብ ብስም መጥቃዕቲ ወይ ምፍርራሕ ኪፍረድ ይኽእል‘ዩ።

ሓገዝ ምርካብ ይከኣል‘ዩ

ነቶም ብቐረባ ኣዝማዶም ዓመጽ ዝወርዶም ቆልዑ፡ ኣንስቲን ሰብኡትን ሓገዝ ናይ ምሃብ ዓቢ ሓላፍነት ዝውንን መንግስታዊ ኣካል በዓል-መዚ ማሕበራዊ ኣገልግሎት (Socialtjänsten) እዩ። ምምሕዳር ከተማታት ብወገነን፡ ነቶም ዓመጽ ዝወረዶም ወገናት ናብ ውሑስ-መዕቆቢ (skyddat boende) ይወስደኦም።

መስመር-ድጋፍ ወይ ክቪኑ-ኹር (kvinnojour): ነቶም ኣብ ክሊ ስድራ-ቤት ግዳያት ዓመጽ ዝኾና ኣንስትን ቆልዑን ድጋፍን መዕቆብን ዝህብ ማሕበር እዩ። መብዛሕትአን ማሕበራት ክቪነ-ኹር፡ በተን መብዛሕእትአን ኣባላተን ወለንታውያን ዝኾኑ ኢረብሓዊ ማሕበራት እዩ ዝምእከል። ንኣንስትን ኣዋልድን ንምሕጋዝ ዝዓለመ መስመር-ድጋፍ ኣብ ምሉእ ሽወደን ኣሎ። ዝርዝር ናይዘን ማእከላት ብደቂቕ ክትርእዩ ምስ እትደልዩ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ-ሓበሬታ ኣቲኹም www.unizon.se ኣንብቡ።

ኣብ ብዙሕ ኮምዩናት ዓመጽ ንዝወረዶም ንኣንስትን ቆልዑን ዝዓለመ ናይ ጸገማት መቐበሊ ቦታ krismottagningar ኣለወን። ንሰብኡት ናይ ዓመጽ ተግባራቶም ደው ንኸብሉ ዝዓለመ ፍሉይ መቐብሊ ቦታውን ኣሎ። ንስኻ ከም ሰብኣይ ናይ ዓመጽ ግዳይ ምስ እትኸውን ከኣ መዕቆቢ ቦታ ኣሎ።

ዓመጽ ምስ ዚጓነኪ: እሞ ሓገዝ ትደልዪ እንተ ኾይንኪ: ናብ‘ክቪኖፍሪድስ ሊንየን‘(Kvinnofridslinjen) ደውሊ። ‘ክቪኖፍሪድስሊንየን‘ ኵሉሳዕ ክፉት‘ዩ። ገንዘብ ድማ ኣየኽፍልን። ክትድውሊ ከለኺ መን ምዃንኪ ምንጋር ኣየድልየክን‘ዩ። ኣብ መርበብ ኢንተርነት ‘ክቪኖፍሪድስሊንየን‘ www.kvinnofridslinjen.se ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሓበሬታ‘ሎ። ስልኪ፣ 020-50 50 50

ንስኺ ከም ሰበይቲ ናብ ተራፈም Terrafem እውን ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። እቶም ኣብኡ ዘለዉ ሰራሕተኛታት 50 ቋንቋታት ይዛረቡ። ኩሉ ግዜ ካብ ሰዓት 8 ንግሆ ክሳዕ 5 ድ.ቀ. ክትድውሊ ትኽእሊ። ገንዘብ ኣይክፈሎን እዩ። ስምክን ቍጽሪ ተለፎንክን ምስ እትገድፍሎም ድማ ባዕላቶም ኪድውሉልኪ ይኽእሉ እዮም። ተለፎን ቍጽሮም፣ 020-52 10 10

ወሲብ ዝዕላምኡ ሽርሙጥናን ንግድ ሰብን

ወሲብ ዝዕላምኡ ሽርሙጥናን ንግድ ሰብን (människohandel): ብመንግስቲ ሽወደን ከም ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ‘ዩ ዚቝጸር። ምእንትዚ‘ዩ ድማ ነተን ብወሲብ ዝዕላምኡ ሽርሙጥናን ንግድ ሰብን ንዝተቓልዓ ኣንስቲ ዘይፈርድ ሕጊ ኪሕግግ መሪጹ። ኣብ ክንዳኡስ እቶም ወሲባዊ ኣገልግሎት ዚዕድጉ ወይ ንኻልኦት ክብረተን ኪሸጣ ዘገድዱን እዮም ከም ገበኛታት ተቖጺሮም መቕጻዕቶም ዚቕበሉ።

ጾታዊ ኣካል ደቀንስትዮ ምጕዳል

ኣዋልድ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ጾታዊ ኣካለን ይጐድላ‘የን። ጾታዊ ኣካል ምጕዳል ማለት ንኽፋል ብልዕቲ ቈሪጽካ ምእላይ ማለት‘ዩ። ጾታዊ ኣካል ምጕዳል ኪበሃል ከሎ: ናይ‘ታ ጓለንስተይቲ ብልዕቲ ቈሪጽካ ምእላይ ማለት‘ዩ። ንብምሉኡ እቲ ብልዕቲ ቈሪጽካ ብምእላይ ዝተረፈ ርሕሚ ምስፋይ ማለት‘ውን ኪኸውን ይኽእል‘ዩ።

ጠንቂ ኣብ ልዕሊ ጥዕና

ኣብ ልዕሊ ጥዕና ዚስዕቡ ሓደጋታት ኣዋልድን ኣንስትን ጾታዊ ኣካለን ምስ ጎደላ ብዙሕ ጸገም ኬጋጥመን ይኽእል። ብዙሓት ኪሸና የጸግመን ምኽንያቱ እቲ ሻምብቆ ሽንቲ ስለ ዚጕዳእ። ብዙሓት ደቀንስትዮ ምሉእ ህይወተን ብልዕተን የቐንዝወን፣ ወሲባዊ ህይወተን ድማ ብኣሉታ ይጽሎ። ኣብ ጽግያተን ጸገም የጋጥመን፣ ረኽሲ ድማ የስዕበለን። ኪሓርሳ ከለዋ ድማ ጸገም የጋጥመን።

ኣብ ሽወደን ጸረ ምጕዳል ጾታዊ ኣካል ዚግበር ስራሕ

ምጕዳል ጾታዊ ኣካል ደቀንስትዮ ኣብ ሽወደን ክልኩል’ዩ። እቲ ሕጊ: እቲ ሰብ ይድለ ኣይድለ: ምጕዳል ጾታዊ ኣካል ክልኩል’ዩ ይብል። ጾታዊ ኣካል ደቀንስትዮ ዘጕድል ሰብ ንማእሰርቲ ኪፍረድ ይኽእል’ዩ። ዋላ ውን እቲ ምጕዳል ኣካል ኣብ ካልእ ሃገር ይገበር’ምበር እቲ ሰብ ኣብ ሽወደን ተኸሲሱ ኪፍረድ ይኽእል’ዩ። ርሕሚ ጓለንስተይቲ ምስፋይ’ውን ክልኩል’ዩ፣ ንኣብነት ድሕሪ ሕርሲ።

ኵላቶም ኣብ ሽወደን ምስ ቈልዑን መንእሰያትን ዚሰርሑ: ሓንቲ ቈልዓ ጾታዊ ኣካላ ጐዲሉ: ወይ ኪጐድል‘ዩ ኢሎም ዚጥርጥሩ እንተ ኾይኖም ንማሕበራዊ ኣገልግሎት (socialtjänsten) ግድን ኬፍልጡ ኣለዎም።

ኣብ ሽወደን ጸረ ምጕዳል ጾታዊ ኣካል ደቀንስትዮ ዚሰርሓ ሓያለ ማሕበራት ኣለዋ። ንኣብነት ከም ማሕበር ‘ምጕዳል ጾታዊ ኣካል ደቀንስትዮ ደው ይበል’ (Riksföreningen stoppa kvinnlig könsstympning, RISK) ከምኡ’ውን ’ፈደረሽን ጾታዊ ሓበሬታ’ (Riksförbundet för sexuell upplysning, RFSU)። ክልቲኤን እዘን ውድባት ብዛዕባ ምጕዳል ጾታዊ ኣካል ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሓበሬታ ይህባ።

ክንክንን ሓገዝን ንጾታዊ ኣካለን ዝጐደላ ደቀንስትዮ

ሕቶታት ዘለወን ወይ ክንክን ዚደልያ ደቀንስትዮ እንተለዋ ምስ መቐበል መንእሰያት (ungdomsmottagning) ከምኡውን ምስ ጋይነኮለጅያዊ መቐበሊ (gynekologisk mottagning) ወይ ከኣ ኣብቲ ሆስፒታል ምስ ዚርከብ ክሊኒክ ደቀንስትዮ (kvinnokliniker) ርክብ ኪገብራ ይኽእላ‘የን። ብዙሓት ደቀንስትዮ ሓገዝ ረኺበን‘የን፣ ድሕሪ ሕክምና ኸኣ ናብ ንቡር ናብረአን ይምለሳ።

 

< ናብቲ ዝሓለፈ ገጽ

ናብቲ ዚቕጽል ምዕራፍ >

ናብቲ መውጽእ ኣርእስቲ ተመለስ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ