ንመን ትውከስ?

ንስኻ ወይ ደቅኻ ምስ ዝሓሙ ቅድም ቀዳድም ናብ ማእከል ሓለዋ ጥዕና (ቮርድሴንትራል) ትኸይድ። ማእከል ሓለዋ ጥዕና ምሸትን ቀዳመ-ሰንበትን ዕጹው‘ዩ። ብቕልጡፍ ሕክምና ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ናብ ህጹጽ መቐበል ሕሙማት ‘ሾውርሞታግኒን‘ (jourmottagning) ትኸይድ። እቲ ንዓኻ ዝቐረበ ህጹጽ መቐበል ሕሙማት ኣየናይ ምዃኑ ክትፈልጥ ኣብ‘ቲ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ሕተቶም ወይከኣ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ መካነ-መርበብ ሓለዋ ጥዕና ኣንብብ

መባእታዊ ኣገልግሎት ሕክምና (Primärvård)

መባእታዊ ኣገልግሎት ሕክምና ካብ ሆስፒታላት ወጻኢ ንኣብነት ኣብ ማእከል ሓለዋ ጥዕና እትረኽቦ ሕክምና‘ዩ። ኣብ መባእታዊ ኣገልግሎት ሕክምና ዚጥርነፉ: ማእከላት ሓለዋ ጥዕና (vårdcentraler): ክሊኒክ ኣደታት (mödravård): ክሊኒክ ቈልዑ (barnavård): ኪኢላታት ኣካላዊ ሕክምና (fysioterapeuter): ሓካይም ሞያዊ ፍወሳ (arbetsterapeuter): ስነ-ኣእምሮኛታት (psykologer): ሓካይም ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ (psykoterapeuter) ከምኡ‘ውን መቐበል መንእሰያት (ungdomsmottagningar) እዮም።

ስእሊ: Colourbox

እንተ ሓሚምካ ምስ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ርክብ ግበር።

ከም መጠን ሓድሽ መጻኢ: ምርመራ ጥዕና ክትገብር’ውን ናብ ማእከል ሃለዋ ጥዕና ኢኻ ትመጽእ። ምርመራ ጥዕና ክትገብር ከለኻ ቃለ-መሕትት ትገብር: ብዛዕባ ጥዕናኻ ኸኣ ሕቶታት ትምልሽ። ሰራሕተኛታት ሕክምና ዝተፈላለዩ ቅምሶታት (prover) ይወስዱልካ።

ማእከል ሓለዋ ጥዕና ምምራጽ

ነቶም ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ወለዲ (መጒዚት ዝወሰደ ኣካል) እዮም ሕክምና ዝመርጹሎም። ኣብ ገለ-ገለ ዞባታት ባዕልኻ ሕክምና ምእንቲ ክትመርጽ፡ ዕድሜኻ 16 ዓመት ዝመላእካ ክትከውን ኣለካ።

ዚበዝሑ ነቲ ዝቐረበ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ይመርጹ። ህዝባዊ ወይ ብሕታዊ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ክትመርጽ’ውን ትኽእል ኢኻ። ማእከል ሓለዋ ጥዕና ክትመርጽ እንተ ደሊኻ። ንመጀመርያ ግዜ ናብ ማእከል ጥዕና ምስ እትኸይድ፡ ንኽትምዝገብ ሓገዝ ትረክብ።

ባዕልኻ እንተ ዘይመሪጽካ: ኣብቲ ተመዝጊብካሉ ዘለኻ ኣድራሻ ዝቐረበ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ትጸሓፍ።

ኣብ ዝደለኻዮ እዋን ማእከል ሓለዋ ጥዕና ክትቅይር ትኽእል ኢኻ ንኣብነት ክትግዕዝ ከለኻ። ማእከል ሓለዋ ጥዕና ክትቅይር እንተ ደሊኻ ናብ’ቲ ክትቅይረሉሉ እትደሊ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ትኸይድ።

ኣብቲ ሕክምና ዘለዉ ሰራሕተኛታት

ኣብቲ ሕክምና እተፈላለየ ሞያ ዘለዎም ሰባ ይሰርሑ። ኣብዚ ብዛዕባቶም ኣብ ሽወደን ልሙዳት ዝኾኑ ሞያታት ተንብብ፡

ሓፈሻዊ ሓኪም (Allmänläkare)

ኣብ ማእከላት ሓለዋ ጥዕና ዘለዉ ሓካይም ዚበዝሕ እዋን ኪኢላታት ሓፈሻዊ ሕክምና’ዮም። እዚ ማለት ነቶም ኣውራ ልሙዳት ሕማማት ዘለዎም ሕሙማት ይኣልዩ ማለት’ዩ።

ሓፈሻዊ ሓኪም ኣብ ምክልኻል ሕማማት’ውን ይሰርሕ’ዩ። እዚ ማለት ሕማማት ኣብ ምክልኻል ይሕግዝ ማለት’ዩ። እቲ ደገፍ ንኣብነት ንውልቀሰባት ምትካኽ ደው ኬብሉ: ክብደት ኪንክዩ ወይ ውሑድ ኣልኮላዊ መስተ ኪሰትዩ ኣብ ምሕጋዝ ዘድሃበ ኪኸውን ይኽእል።

ሓፈሻዊ-ሓኪም ምስ ረኣየኩም፡ ኩነተ-ጥዕናኹም ርእዩ፡ ምስ ክኢላ ፍሉይ ሕማም ዝኾነ ፍሉይ-ሓኪም ክትራኸቡ ክእዝዝ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ምስ ሓኪም-ዓይኒ፡ ሓኪም-ልቢ ወዘተ። ከምዚ ምስ ዝኸውን፡ ሓፈሻዊ ሓኪም ናብ መቐበሊ ናይተን ፍሉይ ሕማማት ዝፍውሳ ክሊኒካት መሰጋገሪ (remiss) ይልእከለን። 

ኣለይቲ ሕሙማት (Sjuksköterskor)

ኣብ ኵሉ ሕክምና ክትገብር ኢልካ እትኸዶ ቦታ፡ ኣለይቲ ሕሙማት ኣለዉ። ዝበዝሑ ኣብ ፍሉይ ዓይነት ትምህርቲ ተወሳኺ ፍልጠት ዘለዎም እዮም፡ ንኣብነት ኣብ ሳይኪያትሪ (psykiatri)።

ተሓጋገዝቲ ኣለይቲ ሕሙማት (Undersköterskor)

ተሓጋገዝቲ ኣለይቲ ሕሙማት ምስ ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ብሓባር ይሰርሑ። ንኣብነት ቅምሶ ደም ይወስዱን ቍስሊ ይጅንኑን።

ፊዝዮተራፐኛታትን ሓካይም ሞያዊ ፍወሳን (Fysioterapeuter och arbetsterapeuter)

ኪኢላ ኣካላዊ ሕክምና: ኪንቀሳቐሱ ጸገም ንዘለዎም: ንኣብነት ቃንዛ ሕቖ ንዘለዎም ይሕግዝ።

ሓኪም ሞያዊ ፍወሳ ብሕማም ንዝተጠቕዑ ወይ መጕዳእቲ ንዝወረዶም መታን ዝሓሸ መነባብሮ ኪነብሩ ይሕግዝ።

ስነ-ኣእምሮኛታት: ሓካይን ሳይኪያትርን ኣማኸርትን (Psykologer, psykiatrer och kuratorer)

ስነ-ኣእምሮ: ሓካም ሳይኪያትርን ኣማኻርን ብስነ-ኣእምሮ ሕማቕ ዚስምዖም: ንኣብነት ብሰንኪ ቅዛነት ወይ ጸቕጢ ዘይጠዓዩ ሰባት ይሕግዙ።

ናይ ኣመጋግባ ኪኢላታት (Dietister)

ናይ ኣመጋግባ ኪኢላ: ውልቀሰባት ኪጥዕዩ እንታይ መሪጾም ኪበልዑን ኪሰትዩን ከም ዘለዎም ኣብ ምሕባር ይሕግዝ።

ንህይወት ዘስግኡ ሕማማትን መጕዳእትን

ዘየላቡ ሕማም እንተ ሓሚምካ ወይ ንህይወት ዘስግእ መጕዳእቲ እንተ ወሪዱካ ኣብ ሆስፒታል ናብ ዚርከብ ህጹጽ መቐበል ሕሙማት ትኸይድ። ብማኪና ወይ ታክሲ ናብ ሆስፒታል ክትከይድ ዘይትኽእል እንተ ኾይንካ ኣምቡላንስ ክትመጸካ ትድውል። ብቝጽሪ ስልኪ 112 ናብ ‘ሶስ ኣላርም’ (SOS alarm) ትድውል።

ስእሊ: Colourbox

ደቅኻ ኣዝዮም እንተ ሓሚሞም ወይ ተጐዲኦም ናብ ናይ ቈልዑ ህጹጽ መቐበል ሕሙማት ’ባርንኣኩተን’ (barnakuten) ትኸይድ። ህጹጽ መቐበል ቈልዑ ካብ 0 ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ይቕበል።

መቐበል ኪኢላ ሓኪም (Specialistmottagningar)

መቐበሊ-ክሊኒክ ናይ ክኢላታት ዝኾኑ ሓካይም፡ ኣብ ሆፕሲታላት ይርከባ። ኣብዚ ክሊኒካት`ዚ ኣብ ገለ ሕማማት ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ሓካይም እዮም ዝሰርሑ። ንኣብነት፡ ሕማማት ከስዐን መዓናጡን። መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ከባቢ ሓኪምኩም እዩ ናብዘን ናይ ካኢላታት ክሊኒካት ዝሰጋግረኩም። ሓኪም ኣሰጋጊሩኒ ኢልኩም ብቐትታ ናብዘን ክሊኒካት ኣይትኸዱን ኢኹም። እንታይ ደኣ፡ ዝተወሰነ ግዜ ክትጽበዩ ኣለኩም። ሓኪም ዝሰጋገረኩም ምስ ዝኸውን ውሑድ ገንዘብ ኢኹም ትኸፍሉ።

መቐበል መንእሰያት

መቐበል መንእሰያት: ብዛዕባ ርክብ-ስጋ: ጥዕናን ዝምድናን ሕቶታት ንዘለዎም ኣዋልድን ኣወዳትን እዩ ዚቕበል። መቐበል መንእሰያት ኣብ መንጎ 13ን 25ን ዓመት ንዘለዉ መንእሰያት ክፉት’ዩ። ኣብ እተፈላለየ ኮምዩናት እቲ ናይ ዕድመ ክልል እተፈላለየ እዩ። ናብ መቐበል መንእሰያት ምኻድ ካብ ክፍሊት ናጻ’ዩ። ኣብ መቐበል መንእሰያት : መሕረስቲ (barnmorskor): ኣማኸርቲ (kuratorer): ስነ-ኣእምሮኛታት: ተሓጋገዝቲ ኣለይቲ ሕሙማት: ኪኢላታት ጋይኖኮሎጅን ሓካይምን ኣለዉ።

ናብቲ ናይ መንእሰያት መቐበሊ ሕሙማት ምኻድ ክፍሊት የብሉን፡ ግን ሓድሓደ ግዜ ሰብ ናብቲ ማእከል ጥዕና ኪኸይድ ከሎ ይኸፍል እዩ። እቶም ሰራሕተኛትት መቐበሊ መንእሰያት፡ ምስጢር ንኺዕቅቡ ግዴታ ኣለዎም
ስእሊ: Klara Stenström

ሆስፒታል

ሓደ ሆስፒታል ዝተፈላለዩ መቐበልታትን ክፍልታትን ኣለዎ። ናይ ክኢላታን ናይ ህጹጽን መቐብሊ ኣለዎ። ናብ መቐበል ኪኢላ ሓኪም ረሚስ እንተ ተቐቢልካ: ናብ ሆስፒታል ትኸይድ። ሓያለ ሆስፒታላት ንወሊድ ዝኸውን መቐበል ነፍሰ- ጾራት ኣለወን።

ገለ-ገለ ኣብ ሆስፒታል ዚርከቡ መቐበልታት ከም ኣብነት ንምጥቃስ:-

  • ክፍሊ ጽገና (Ortopedisk mottagning):- ኣብ ኣዕጽምትን መንቀሳቐሲ ክፍለ-ኣካልን ዘጋጥም ጸገም: ንኣብነት መስበርቲ ኣብ እግሪ።
  • ክፍሊ ሕክምና (Medicinsk mottagning):- ንውሽጣዊ ሕማም: ንኣብነት ከም ጸገም ከስዐን መዓንጣን።
  • ክፍሊ መጥባሕቲ (Kirurgisk mottagning):- መጥባሕቲ ንዘድልዮ ሕማም።
  • ክፍሊ ጋይኖኮሎጂ (Gynekologisk mottagning):- ንሕማማት ደቀንስትዮ: ንኣብነት ዝተሓላለኸ ጥንሲ።
  • ክፍሊ ዓይኒ (Ögonmottagning):- ንዝተፈላለዩ ሕማማት ዓይኒ።
  • ክፍሊ ዓይኒ/ኣፍንጫ/ጎሮሮ (Öron-, näsa- och halsmottagning):- ኣብ ዓይኒ: ኣፍንጫን ጎሮሮን ንዝኽሰቱ ጸገማት።
  • ክፍሊ ሳይኪያትሪ (Psykiatrisk mottagning):- ንጸገማት ኣእምሮ።

ህጹጽ መቐበል ሕሙማት (Akutmottagning)

ሓደገኛ መጕዳእቲ እንተለካ: ዘየላቡ ሕማም እንተ ሓሚምካ: ወይ እቲ ብልሙድ እትኸዶ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ዕጹው እንተ ኾይኑ ናብ ህጹጽ መቐበል ሕሙማት ትኸይድ። ናብ ህጹጽ መቐበል ሕሙማት ናብ ሆስፒታል እንተ ኸይድካ: ካብ’ቲ ንቡር ዚነውሕ ጊዜ ክትጽበ ልሙድ’ዩ። ናይ’ዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ሆስፒታል ክንደይ ሕሙማት ከም ዚመጹ ስለ ዘይፈልጥ’ዩ። ኣብ ህጹጽ መቐበል ሕሙማት: እቲ ኣዝዩ ዝሓመመ ሰብ’ዩ ብቐዳምነት ሕክምና ዚግበረሉ። ስለዚ ከቢድ ሕማም ወይ መጕዳእቲ ምስ ዘይህልወካ ናብ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ወይ ናብ ‘ሾውርሞታግኒን‘ ምኻድ ይሓይሽ። ናብኡ ብቖጸራ ወይ ብዘይ ቆጸራ/ድሮፕ ኢን ክትከይድ ትኽእል። ድሮፕ ኢን ወይ ቆጸራ-ቢስ ማለት ትኽ ኢልካ ኣቲኻ ናይ ተራ ወረቐት ሒዝካ ተራኻ ትሕሉ ማለት እዩ።

ቈልዑን መንእሰያትን

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ንቈልዑን መንእሰያትን ዚቕበል ፍሉያት ሆስፒታላት ኪህልዋ ይኽእላ‘የን። ኣብ ንኣሽቱ ከተማታት ንዕድመኦም ካብ 0 ክሳብ 16 ዓመት ዝኾኑ ቈልዑን መንእሰያትን ዚቕበል ፍሉይ መቐበሊ ኣሎ። ሓደ ቈልዓ ኣብ ሆስፒታል ግድን ኪጸንሕ እንተለዎ ንቈልዑን መንእሰያትን ዝተፈለዩ ክፍልታት ኣለዉ።

ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም

ንዅሉ ሰብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ኪሕዞ ይኽእል‘ዩ። ሓደ-ሓደ እዋን ንስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም ኣልዒልካ ክትዛረብ ኣጸጋሚ‘ዩ። ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማም ኣብ ኣካል ሰብ ኣሰሩ ይገድፍ‘ዩ። ጭዋዳ ምናልባት ኬሕምም ይኽእል። ምናልባት የርህጸካ ይኸውን፣ ልብኻ ኣበርትዓ ትሃርም፣ ድቃስ ይኣብየካ ወይ ርእስኻ ትሕምም።

ስእሊ: Colourbox

ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም ምስ ዝህልወኩም ምስ ከባብያዊ ሓኪምኩም ተዘራረቡ። ብድሕሪ`ዚ ሓኪምኩም፡ ምስ ኣማኻሪ ወይ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ተራኺብኩም ከም እትዘራረቡ ይገብር።

ኣብ ሆስፒታላት ንኣባጽሕ: ንቘልዑን መንእሰያትን ዚቕበላ መቐበልታት ሳይኪያትሪ (Barn- och ungdoms-psykiatri, BUP) ኣለዋ። መቐበልታት ሳይኪያትሪ: ልክዕ ከም ህጹጽ መቐበል ሕሙማት ለይትን ቀትርን ክፉታት‘የን።

ውሕስነት ኣገልግሎት ጥዕና (Vårdgaranti)

ኣብ ሽወደን ውልቀሰባት ሕክምና ኪረኽቡ ስሕት ኢሉ ነዊሕ ይጽበዩ። ምእንቲ ከይትጽበ ኸኣዩ ውሕስነት ኣገልግሎት ጥዕና ዚበሃል ነገር ዘሎ። ውሕስነት ኣገልግሎት ኣብቲ ናይ ጥዕናን ክንክንን ሕጊ ኣሎ፡ ኣብ ውሱን ግዜ ክንክን ንኽትረክብ መሰል ከም ዘሎካ ዚገልጽ ድማ እዩ።

መባእታዊ ኣገልግሎት ሕክምና (Primärvården) - እንተደኣ ምስ መባእታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ርክብ ክትገብር ፈቲንካ: ሽዑ መዓልቲ መልሲ ኪረኽቡኻ ኣለዎም። ርክብ ኪበሃል ከሎ: ወይ ኣብ ማእከል ሓለዋ ጥዕና ይረኽቡኻ ወይ ከኣ ብስልኪ ምስ ሰብ ክትዛረብ ትኽእል። ኣብ መባእታዊ ኣገልግሎት ሕክምና: ንኣብነት ሓደ ኣላይ ሕሙማት ሓኪም ከም ዘድልየካ ምስ ዚርዳኣ: ምስ ሓኪም ክትራኸብ ካብ ሸውዓተ መዓልቲ ንላዕሊ ምጽባይ ኣይከድልየካን‘ዩ።

መቐበል ኪኢላ ሓኪም (Specialistmottagning) - ናብ ኪኢላ ሓኪም ክትከይድ ረሚስ/ረፈራል እንተ ተቐቢልካ: ንኪኢላ ሓኪም ንምርካብ ካብ 90 መዓልቲ ንላዕሊ ምጽባይ ኣይከድልየካን‘ዩ። ብዘይ ረሚስ ናብ ኪኢላ ሓኪም እንተ መጺእካ‘ውን ከምኡ።

ሕክምና- ሓኪምካ ሕክምና የድልየካ‘ዩ ኢሉ እንተ ወሲኑ: ንኣብነት መጥባሕታዊ ሕክምና: ክትሕከም ካብ 90 መዓልቲ ንላዕሊ ምጽባይ ኣይከድልየካን‘ዩ።

ውሕስነት ኣገልግሎት ጥዕና ንህጹጽ ሕክምና ኣይምልከትን‘ዩ። ሓደ ብህጹጽ ዝሓመመ ሰብ ብዝተኻእለ መጠን ሽዑ ንሽዑ ሕክምና ኪግበረሉ ኣለዎ።

ውሕስነት ልዑል ዋጋ (Högkostnadsskydd)

ውሕስነት ልዑል ዋጋ ካብ ልዑል ወጻኢ ሕክምናን መድሃኒትን ዘድሕን ውሕስነት‘ዩ።

ውሕስነት ልዑል ዋጋ ሕክምና ማለት ከም መጠን ሕሙም: ኣብ ዓመት 1 100 ክሮኖር ጥራይ ምኽፋል እዩ ዘድልየካ ማለት‘ዩ። 1 100 ክሮኖር ምስ ከፈልካ: ኣብቲ ዝተረፈ እዋን ናይታ ዓመት ካብ ክፍሊት ናጻ ሕክምና ይግበረልካ። ናጻ ካርድ (frikort) ይወሃበካ። እዚ ናጻ ካርድ: ካብቲ ፈለማ ኣብ ሓኪም ምብጻሕ ዝገበርካላ መዓልቲ ኣትሒዙ ንዓሰርተው ክልተ ኣዋርሕ የገልግል።

ውሕስነት ልዑል ዋጋ መድሃኒት፡ ብትእዛዝ ሓኪም ንዝወሃብ መድሃኒት ንዓመት 2 200 ክሮኖር ጥራይ እዩ ምኽፋል የድልየካ ማለት‘ዩ። 2 200 ምስ ከፈልካ: ኣብቲ ናይታ ዓመት ዝተረፈ እዋን ካብ ክፍሊት ናጻ መድሃኒት ትረክብ። እቲ ጊዜ ካብታ ፈለማ መድሃኒት ዚገዛእካላ መዓልቲ ኪቝጸር ይጅምር።

ኩሎም ናይ ስድራቤት ህጻናት ኣብቲ ውሕስነት እቱዋት እዮም። እዚ ድማ ንውሕስነት ልዑል ዋጋን ሕክምንና የገልግል።

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ብነጻ መድሃኒት ይወሃቦም

ሕጊ ምክልኻል ተላባዕቲ ሕማማት (Smittskyddslagen)

ኣብ ሽወደን፡ ሕገ ምክልኻል ተላባዕቲ ሕማማት (smittskyddslagen) ዚበሃል ሕጊ ኣሎ። ዕላማ ናይዚ ሕጊ ከኣ፡ ሓደገኛታት ዝኾኑ ተላባዕቲ ሕማማት ከይዝርግሑ ንምክልኻል‘ዩ። እዚ ሕጊ`ዚ፡ ብዛዕባ መሰላትን ግቡኣትን ናይቲ ብገለ ሕማም (ንኣብነት፡ ሕማም ኤድስ፡ ክላሚድያ፡ ዓባይ-ሰዓል፡ ሕማን ሳልሞኔላ፡ ተላባዒ ወይቦ ወይ ውን ፍንጣጣ) ዝተጠቕዐ ሰብ፡ ዝሓቆፈ እዩ።

ኣብቲ ሕጊ ምክልኻል ተላባዕቲ ሕማማት፡ ናይዞም ሕማማት ስም ዝርዝር ኣሎ። ዳርጋ 60 ኣቢሎም ይበጽሑ። ኣብ ልዕሊ እዞም ሕማማት ናይ ምሕባር ግቡእ (anmälningspliktiga) ኣሎ።

እዚ ማለት ከኣ: ብሓደ ካብዞም ሕማማት ተጠቒዕና ኣለና ዝብል ስግኣት ምስ ዝሓድረኩም፡ ናብ ማእከል ጥዕና ኬድኩም ተዘራረቡ።  እቲ ሕማም ካብ መን ዝሓለፈኩም ውን ክትሕብሩ ኣለኩም። ገለ ካብቶም ኣብ ሕጊ ምክልኻል ተላባዕቲ ሕማማት ተጠቒሶም ዘለዉ ዘለዉ ሕማማት፡ ብጾታዊ-ርክብ ዝመሓላለፉ እዮም።

ብሓደ ካብዞ ዝተጠቕሱ ሕማማት ምስ እትልከፉ፡ ኩሉ ክግበረልኩም ዝኽእል ሕክምናዊ ምርመራን ፍወሳን ብነጻ እዩ። ነቶም በዚ ሕማም በኪልኩሞም ክትኮኑ እትኽእሉ ሰባት ረኺብኩም ንኽትሕብርዎም ውን ድጋፍ ይግበረልኩም።

ትካል ህዝባዊ ጥዕና (folkhälsomyndigheten) ብዛዕባ ሕማማትን ሕጊ ምክልኻል ተላባዕቲ ሕማማትን: ሓበሬታ ዘለዎ መንግስታዊ ትካል‘ዩ። ብዛዕባ ሕጊ ምክልኻል ተላባዕቲ ሕማማት ኣብ ኢንተርነት www.folkhalsomyndigheten.se ብተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ክፋላት ኣካል ምሃብ

ኣብ ሽወደን ኣብ ዓመት ኣስታት 700 ከቢድ ሕማም ዝሓመሙ ሰባት ሓደ ወይ ዝያዳ ክፋላት ኣካል ይውሃቦም። ከም ንኣብነት ኩሊትን ልብን። እዚ ድማ ብምትካል ወይ ትራንስፕላንት ካብ ወሃቢ ናብ ተቐባሊ ይሓልፍ።

ይኹንምበር እቲ ዚቐርብ ትካላት ኣካል ኣይኣክልን እዩ። በዚ መገድዚ ብዙሓት ብሰንኪ ምጽባይ ወይ ድማ እቲ ክፋል ኣካል ስለ ዝይርከብ ይሞቱ።

ሓደ ሰብ ኪመውት ከሎ ክፋል ኣካላቱ እንታይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ኪውስን ይኽእል። ከምዚ ክትገብር ትኽእል፣

  • ንኸይትህብ ትውስን
  • ንትራንስፕላንት ክትህብ ትውሰን ወይ ከኣ
  • ንትራንስፕላንትን ንሕክምናዊ ምርመራን

ኪውሃብ ክትውስን ትኽእል ነቲ ውሳነኻ ናብቲ ናይ ናይ ኣበርክቶ ረጂስትራር ብመገዲ ናይቲ ማሕበረሰብኣዊ ምምሕዳር ወብሳይት ክትልእኮ ትኽእል፣ www.socialstyrelsen.se/donationsregistret

ክፋል ኣካልካ ክትህብ ከም ዝወሰንካ ቅድሚ ምምዋትካ ንቤተሰብ ነጊርካ እንተ ዘይነበርካ ባዕላቶም ኪውስኑ ይኽእሉ እዮም።

 

< ናብቲ ዝሓለፈ ገጽ

ናብቲ ዚቕጽል ገጽ >

ናብቲ መውጽእ ኣርእስቲ ተመለስ

ኣብቲ informationsverige.se ኩኪስ ኢና እንጥቀም፡ ንሱ ድማ ንኣኻ ዝበለጸ ናይ ምጥቃም ተመክሮ ይህበካ። ኣብቲ ኢንተርነት ቀጺልካ ብምንስፋፍ ወይ ሰርፍ ብምግባር ንኩኪስ ትቕበሎ።

ብዛዕባ ኩኪስ ዝያዳ ኣንብብ