እንተ ድኣ ሓሚምካ
ንስኻ ወይ ደቅኻ እንተ ሓሚምኩም፤ ብቐዳምነት ናብ ማእከል-ጥዕና vårdcentral ኪድ። ምሸትን ኣብ ግዜ በዓላትን እቲ ማእከል-ጥዕና ዕጹው እዩ። ሕክምና ብህጹጽ ምስ ዘድልየካ፤ ናብ ተረኛ ምቕባል ሕሙማት ኪድ። ኣብ ቀረባኻ ዘሎ ተረኛ መቐበል ሕሙማት ኣየናይ ምዃኑ፤ ነቲ ናትካ ማእከል-ጥዕና ሕተቶም። ወይ ውን ኣብቲ ናይ ማእከል-ጥዕና ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ኣቲኻ ኣንብብ። ኣብቲ ብወገን ጸጋም ዘሎ Vård i mitt område ዚብል ዝርዝር ኣማራጺታት፤ እቲ ልክዕ ክትረኽቦ ኢኻ። ናብ ናይ ሕክምና-ሓበሬታ ቴሌፎን 1177 ውን ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ከማኽሩኻን ነቲ ልክዕ ናይ ክንክን ቦታ ክትረኽቦ ክሕግዙኻን እዮም።
ኣብ ስኮነ፣ ኣውራጃ ስቶክሆልምን ቬስትራ የታላንድን ሕክምናዊ ምኽሪ ብዓረብኛን ሶማልኛን ብተርጎምቲ ይወሃብ። እቲ ምኽሪ ብመደበኛ ነርስታት ኣብ 1177 መምርሒ ሕክምና ብሓገዝ ተርጎምቲ ይወሃብ።
ሕክምናዊ ምኽሪ ብዓረብኛ ምስ ቶርጓማይ 0771-11 77 90
ሕክምናዊ ምኽሪ ብሶማልኛ ምስ ቶርጓማይ 0771-11 77 91
ሆስፒታል
ሓደ ሆስፒታል ብዙሕ መቐበል ሕሙማትን ክፍሊ ክንክንን ዘሎዎ እዩ። ናብ ሆስፒታል ንሕክምና ትኸይድ፤ ናብ ሓደ ናይ ፍሉይ መቐበሊ-ሕሙማት መሰነይታ ወረቐት ምስ ዚወሃበካ እዩ። ናብ ሆስፒታል ምኻድ ዘድልየካ ካልእ ውን፤ ቆልዓ ክትሓርስ ወይ ብቕልጡፍ ሕክምና ምርካብ ዘድልዮ ከም ከቢድ መጕዳእቲ ወይ ሕማም ምስ ዘጋጥመካ እዩ።
ህጹጽ መቐበል-ሕሙማት
ህጹጽ መቐበል-ሕሙማት ኩሉ እዋን ለይቲን መዓልቲን ክፉት እዩ። ናብ ህጹጽ መቐበል ሕሙማት ትኸይድ፤ ሓደገኛ መጕዳእቲ ወይ ኣጻዳፊ-ሕማም ምስ ዘጋጥመካን፤ እቲ ማእከል-ጥዕና ውን ዕጽው ኣብ ዝኾነሉ ግዜን እዩ። ናብ ሓደ ህጹጽ መቐበል-ሕሙማት ሆስፒታል ምስ ትኸይድ፤ ኣብኡ ንነዊሕ ሰዓታት ክትጽበ ዘጋጥም እዩ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ሆስፒታል ክንደይ ሕሙማት ከም ዝመጽዎ፤ ኣቐዲሙ ክፈልጥ ስለ ዘይክእል እዩ። ኣብ ህጹጽ መቐበል-ሕሙማት፤ እቲ ኣዝዩ ዝተወጽዐ ሕሙም እዩ ናይ ክንክን ቀዳምነት ዚወሃቦ። ስለዚ እዩ ድማ ኣብ ማእከል-ጥዕና ወይ ተረኛ መቐበል-ሕሙማት ምኻድ ዚሓሸ ዚኸውን።
ንቖልዑ ተባሂሎም ዝተዳለው፤ ናይ ህጹጽ መቐበል-ሕሙማት ሕጻናት ኣሎዉ። እዚ ህጹጽ መቐበል-ሕሙማት ናይ ሕጻናት barnakut፤ ካብ 0 ክሳብ 16 ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዚቕበል እዩ።